1. የሱስ ግና ናብ ደብረ ዘይቲ ኸደ

2. ምድሪ ምስ ወግሔ፡ ኣንጊሁ ኸም ብሓድሽ ናብ ቤተ መቕደስ መጸብዘሎ እቲ ህዝቢውን ናብኡ መጸ፡ ተቐሚጡ ኸኣ ይምህሮም ነበረ።

3. ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ ኣብ ዝሙት እተረኽበት ሰበይቲ ናብኡ ኣምጺኦምኣብ ማእከል ደው ኣቢሎም፥

4. መምህርእዛ ሰበይቲ እዚኣ ኽትዝሙ ኸላ ተትሒዛ

5. ከምዚኣ ዝበለት ከኣ ብዳርባ እምኒ ኽትመውት፡ ሙሴ ብሕጊ ኣዚዙና አሎ፡ ንስኻኸ ብዛዕባኣ እንታይ ትብል፡ በልዎ።

6. መኽሰሲ ምእንቲ ኺረኽቡሉእዚ ኢሎም ፈተንዎየሱስ ከኣ ደኒኑ በጻብዑ ኣብ ምድሪ ጸሐፈ

7. ደጋጊሞም ምስ ሐተትዎ ኸኣ፡ ቅንዕ ኢሉ፡ ካባኻትኩም ሓጢኣት ዜብሉንሱ ቕድም እምኒ የውድቐላበሎም

8. ከም ብሓድሽ ከኣ ደኒኑ ኣብ ምድሪ ጸሐፈ

9. ንሳቶም ግና እዚ ምስ ሰምዑብሕሊናኦም ተረትዑ እሞ፡ ካብ ዓበይቲ ጀሚሮም ክሳዕ እቶም ዳሕሮት፡ ኵሎም በብሓደ ወጹየሱስ ምስታ ኣብ ማእከል ደው ኢላ ዘላ ሰበይቲ በይኑ ተረፈ

10. የሱስ ከኣ ቅንዕ ኢሉ ብዘይ እታ ሰበይቲ ሓደ እኳ ኸም ዜልቦ ምስ ረአየ፡ ኣቲ ሰበይቲእቶም ከሰስትኺ ደኣ ኣበይ አለዉዝፈርደኪዶ የልቦንበላ

11. ንሳ ኸኣ፡ ሓደ እኳጐይታይበለቶየሱስ ድማኣነውን ኣይፈርደክን እየ፡ ኪዲ እሞ ደጊም ኣይትበድሊ፡ በላ

12. ሽዑ የሱስኣነ ብርሃን ዓለም እየ። እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪረክብ እምበር፡ ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ተዛረቦም

13. ፈሪሳውያን ከኣንስኻ ንርእስኻ ትምስክር አሎኻ፡ ምስክርካ ሓቂ ኣይኰነንበልዎ

14. የሱስ መሊሱ በሎምኣነ ንርእሰይ እኳ እንተ መስከርኩካበይ ከም ዝመጻእኩ ናበይውን ከም ዝኸይድእፈልጥ እየ እሞምስክረይ ሓቂ እዩንስኻትኩም ግና ካበይ ከም ዝመጻእኩ ናበይውን ከም ዝኸይድ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም።

15. ንስኻትኩም ፍርዲ ስጋ ኢኹም እትፈርዱ ዘሎኹም፡ ኣነስ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እየ።

16. ኣነን እቲ ዝለአኸኒ ኣቦን ኢና እምበር፡ በይነይ ኣይኰንኩን እሞኣነ እንተ ፈረድኩ ኸኣፍርደይ ሓቂ እዩ

17. ምስክር ክልተ ሰብሲ ሓቂ ምዃኑ ኣብቲ ሕግኹም ጽሑፍ አሎ

18. ኣነ እየ ብናይ ርእሰይ ዝምስክር ዘሎኹ፡ እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይውን ይምስክረለይ አሎ።

19. ስለዚ ኸኣ፡ ኣቦኻኸ ኣበይ አሎበልዎየሱስ ድማ፡ ንኣይ ወይስ ነቦይ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ንኣይ እንተ ትፈልጡኒ ግና፡ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም፡ ኢሉ መለሰ

20. የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ጥቓ ሳጹን ምጽዋት ኰይኑ ኺምህር ከሎእዚ ቓልዚ ተዛረበ። ግናኸ ጊዜኡ ገና ስለ ዘይበጽሔዝሐዞ የልቦን

21. ስለዚ የሱስ ከም ብሓድሽኣነ እኸይድ አሎኹ፡ ክትደልዩኒ ኢኹም፡ ብሓጢኣትኩም ከኣ ክትሞቱ ኢኹም። ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን እዩ፡ በሎም

22. ሽዑ ኣይሁድናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን እዩ ምባሉስ፡ ንነፍሱ ደዀን ኪቐትላ ኢሉበሉ

23. ንሱ ኸኣንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹምኣነ ኻብ ላዕሊ እየ። ንስኻትኩም ካብዛ ዓለም እዚኣ ኢኹምኣነ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰንኩን

24. ኣነ ምዃነይ እንተ ዘይኣመንኩምብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም እሞስለዚ እየ፡ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም፡ ዝበልኩኹም፡ በሎም።

25. ሽዑ ንሳቶም፡ ንስኻ መን ኢኻበልዎየሱስ ከኣ፡ ኣነ እቲ ኻብ ቀደም እነግረኩም ዝነበርኩ እየ።

26. ብዛዕባኹም ዝዛረቦን ዝፈርዶን ብዙሕ አሎኒ። እቲ ዝለአኸኒ ግና ብዓል ሓቂ እዩካብኡ ዝሰማዕክዎ ንዓለም እነግር አሎኹ፡ በሎም።

27. ንሳቶም፡ ብዛዕባ ኣቦ ኸም እተዛረቦምኣይፈለጡን

28. ስለዚ የሱስንወዲ ሰብ ልዕል ምስ ኣበልኩምዎ፡ ከምቲ ኣቦይ ዝመሃረኒ ኸምኡ ኸም ዝነግር እምበር፡ ኣነ ምዃነይን ካብ ርእሰይ ሓንቲ ኸም ዘይገብርን፡ ሽዑ ኽትፈልጡ ኢኹም።

29. እቲ ዝለአኸኒ ኸኣ ምሳይ አሎኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር እየ እሞበይነይ ኣይሐድገንን እዩ፡ በሎም።

30. ንሱ እዚ ምስ ተዛረበብዙሓት ብእኡ አመኑ

31. ስለዚ የሱስ ነቶም ብእኡ ዝአመኑ ኣይሁድንስኻትኩም ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩምብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም።

32. ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም።

33. ንሳቶም ከኣ፥ ንሕና ዘርኢ ኣብርሃም ኢና፡ ባሮት ኰይንና ተገዛእናዮ ከቶ የብልናንከመይ ኢልካ ኢኻ ሓራ ኽትወጹ ኢኹም እትብለና ዘሎኻ፧ ኢሎም መለሰሉ

34. የሱስ መለሰሎም፥ ብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹሓጢኣት ዚገብር ዘበለ፡ ንሱ ባርያ ሓጢኣት እዩ

35. ባርያ ኸኣ ኣብ ቤት ንዅሉ ጊዜ ኣይነብርንውሉድ ግና ንዅሉ ጊዜ ይነብር እዩ።

36. ስለዚ ወዲ ሓራ እንተ ኣውጽኣኩምብሓቂ ውጹኣት ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም።

37. ንስኻትኩም ዘርኢ ኣብርሃም ምዃንኩምሲ እፈልጥ አሎኹ። ቃለይ ኣባኻትኩም ስለ ዘይኣተወ ግናክትቀትሉኒ ትደልዩ አሎኹም፡

38. ኣነ ኣብ ኣቦይ ዝርኤኽዎ እዛረብ አሎኹ፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ኣቦኹም ዝርኤኹምዎ ትገብሩ አሎኹም።

39. ንሳቶም፥ ኣቦናስ ኣብርሃም እዩ፡ ኢሎም መለሱሉየሱስ ከኣውሉድ ኣብርሃም እንተ ትዀኑስ፡ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም።

40. ሕጂ ግና ንኣይ፡ ካብ ኣምላኽ ዝሰማዕክዎ ሓቂ ንዝነገርኩኹም ሰብኣይክትቀትሉኒ ትደልዩ አሎኹም፡ ኣብርሃም ከምዚ ኣይገበረን

41. ንስኻትኩምሲ ግብሪ ኣቦኹም ደኣ ትገብሩ አሎኹም፡ በሎም። ንሳቶም፥ ንሕናስ ካብ ምንዝርና ኣይተወለድናን ሓደ ኣቦ አሎና፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ እዩ፡ በልዎ

42. የሱስ በሎምኣነ ኻብ ኣምላኽ እየ ዝወጻእኩን ዝመጻእኩን እሞ፡ ንሱ ደኣ ልኢኹኒ እዩ እምበርባዕለይ ኣይመጻእኩን ስለዚ ኣቦኹም ኣምላኽ እንተ ዚኸውንሲ ንኣይ መፍቀርኩምኒ ኔርኩም

43. ስለምንታይከ ኢኹም ዘረባይ ዘይተስተውዕሉቃለይ ክትሰምዑ ስለ ዘይኰነልኩም እዩ።

44. ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹምእታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርያ ቐታል ነፍሲ እዩሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሐሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ።

45. ንኣይ ግናሓቂ ስለ ዝነገርኩኣይትኣምኑንን

46. ካባኻትኩም ብሓጢኣት ዚረትዓኒኸ መን አሎ፧ ሓቂ ዝዛረብ ካብ ኰንኩኸ፡ ስለምንታይ ደኣ ዘይትኣምኑኒ

47. እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ንቓል ኣምላኽ ይሰምዕ እዩ። ንስኻትኩም ግና ካብ ኣምላኽ ኣይኰንኩምን እሞ፡ ስለዚ ኢኹም ዘይትሰምዑ

48. ኣይሁድ ከኣሳምራዊ ምዃንካ ጋኔንውን ከም ዘሎካስጽቡቕዶ ንብል ኣየሎናንኢሎም መለሱሉ

49. ሽዑ የሱስኣነስ ነቦይ ደኣ ኤኽብሮ አሎኹ እምበር፡ ጋኔንሲ የብለይንንስኻትኩም ከኣ ተሕስሩኒ አሎኹም።

50. ኣነ ንርእሰይ ክብረት ኣይደልን እየ፡ እቲ ዚደልን ዚፈርድን ግና አሎ

51. ቃለይ ዚሕሉ እንተሎ፡ ንዘለኣለም ሞት ከም ዘይርኢብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም።

52. ኣይሁድ ድማጋኔን ከም ዘሎካሕጂ ፈለጥናኣብርሃም እኳ ሞይቱ ነብያትውንንስኻ ግና፥ ቃለይ ዚሕሉ ንዘለኣለም ሞት ኣይጥዕምን እዩ ትብል አሎኻ

53. ካብቲ ዝሞተ ኣቦና ኣብርሃምዶ ንስኻ ትዓቢነብያትውን ሞይቶምንርእስኻ መን ትገብራ አሎኻ፧ በልዎ።

54. የሱስ ከኣ፥ ኣነ ርእሰይ እንተ ኣኽበርኩክብረተይ ፍረ የብሉንዜኽብረንስ እቲ ንስኻትኩም ኣምላኽና እትብልዎ ኣቦይ እዩ

55. ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹምኣነ ግና እፈልጦ እየ። ኣይፈልጦን እንተ ዝብል ከኣከማኻትኩም ሓሳዊ ምዀንኩ ነይረ። ኣነ ግና እፈልጦቃሉውን እሕሉ እየ።

56. ኣቦኹም ኣብርሃም መዓልተይ ኪርኢ ተሕጐሰረኣያ እሞ ባህ በሎ፡ ኢሉ መለሰሎም።

57. ኣይሁድ ከኣ ገና ሓምሳ ዓመት እኳ ዘይገበርካስ፡ ንኣብርሃምዶ ርኢኻዮ ኢኻ፧ በልዎ

58. የሱስ ከኣ፥ ኣነኣብርሃም ከይተወልደ፡ ከም ዘሎኹ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹበሎም

59. ስለዚ ኺድርብዩሉ እምኒ ኣልዐሉየሱስ ግና ተሐብኤ ኻብ ቤተ መቕደስውን ብማእከሎም ሐሊፉ ወጸ