1. ምእንቲ ኸይትዕንቀፉ ኢለ እየ እዚ ዝነገርኩኹም።
2. ካብ ቤት ጸሎቶም ኬውጽኡኹም እዮም፡ ኤረ ዝቐተለኩም ዘበለስ ንኣምላኽ ኣገልግሎት የቕርበሉ ኸም ዘሎ ዚመስሎ ጊዜ ኽትመጽእ እያ።
3. ነቦን ንኣይን ስለ ዘይፈለጡ፡ እዚ ኺገብርኹም እዮም።
4. ጊዜ ኦም ምስ በጽሔት፡ ኣነ ኸም ዝበልኩኹም ምእንቲ ኽትዝክርዎ ግና፡ እዚ ነገርኩኹም። ምሳኻትኩም ስለ ዝነበርኩ እየ ካብ መጀመርታ እዚ ዘይነገርኩኹም።
5. ሕጂ ግና ናብቲ ዝለአኸኒ እኸይድ አሎኹ። ካባኸትኩም ከኣ ሓደ እኳ፥ ናበይ ኢኻ እትኸይድ፧ ኢሉ ኣይሐተንን።
6. እዚ ስለ ዝነገርኩኹም ግና፡ ልብኹም ጓሂ መልኤ።
7. ግናኸ እንተ ኸድኹ ኸም ዚሔሸኩም፡ ሓቂ እነግረኩም አሎኹ። ኣነ እንተ ዘይከድኩስ፡ እቲ መጸናንዒ ናባኻትኩም ኣይመጽእን እዩ እሞ፡ እንተ ኸድኩ ግና፡ ንእኡ ኽሰደልኩም እየ።
8. ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣትን ብዛዕባ ጽድቅን ብዛዕባ ፍርድን ኪረትዓ እዩ።
9. ብዛዕባ ሓጢኣት፥ ብኣይ ስለ ዘይአመኑ።
10. ብዛዕባ ጽድቂ፥ ናብ ኣቦይ እኸይድ አሎኹ እሞ፡ ደጊም ኣይትርእዩንን።
11. ብዛዕባ ፍርዲ ኸኣ፥ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ስለ እተፈርዶ።
12. ዝነግረኩም ብዙሕ ካልእ ዘረባ ገና አሎኒ፡ ግናኸ ሕጂ ኽትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
13. እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ።
14. ንሱ ኻባይ ኪወስድን ኪነግረኩምን እዩ እሞ፡ ንኣይ ኬኽብረኒ እዩ።
15. እቲ ናይ ኣቦ ዘበለ ዅሉ ናተይ እዩ። ስለዚ እየ፥ ካባይ ወሲዱ ኺነግረኩም እዩ፡ ዝበልኩ።
16. ናብ ኣቦይ እኸይድ አሎኹ እሞ፡ ቅሩብ ጊዜ ኣይትርእዩንን ኢኹም፡ ከም ብሓድሽ ድማ ቅሩብ ጊዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም።
17. ሽዑ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ ሓያሎ፥ እዚ፥ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እየ እሞ፡ ቅሩብ ጊዜ ኣይትርእዩንን ኢኹም፡ ከም ብሓድሽ ድማ ቅሩብ ጊዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም። ዚብለና ዘሎስ እንታይ እዩ፧ ተበሃሀሉ።
18. ስለዚ፥ ነዚ ዚዛረቦ ዘሎ ኣየስተውዐልናዮን፡ ቅሩብ ጊዜ ዚብሎ ዘሎስ እንታይ ኰን እዩ፧ በሉ።
19. የሱስ ከኣ ኺሐትዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ በሎም፥ ቅሩብ ጊዜ ኣይትርእዩንን ኢኹም፡ ከም ብሓድሽ ድማ ቅሩብ ጊዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም፡ ስለ ዝበልኩኹምዶ ንሓድሕድኩም ትማራመሩ አሎኹም፧
20. ንስኻትኩም ክትበኽዩን ክትሐዝኑን ኢኹም፡ ዓለም ግና ባህ ኪብላ እዩ፡ ንስኻትኩም ክትጕህዩ ኢኹም፡ ግናኸ እቲ ጓሂኹም ናብ ሓጐስ ከም ዚልወጥ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
21. ሰበይቲ ኽትወልድ ከላ፡ ጊዜኣ ስለ ዝበጽሔ ትጕሂ። ቈልዓ ምስ ወለደት ግና፡ ሰብ ኣብ ዓለም ስለ እተወልደ፡ ተሐጕሳ፡ ነቲ ጻዕራ ኣይትዝክሮን እያ።
22. እምብኣርከ ንስኻትኩምውን ሎሚ ጓሂ አሎኩም፡ ግናኸ ከም ብሓድሽ ክርእየኩም እየ፡ ልብኹምውን ኪሕጐስ እዩ። ሓጐስኩም ድማ ካባኹም ዚወስዶ የልቦን።
23. በታ መዓልቲ እቲኣ ሓንቲ እኳ ኣይክትሐቱንን ኢኹም። ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኸም ዝህበኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
24. ክሳዕ ሕጂ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምዎን። ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን፡ ለምኑ ኽትረኽቡ ድማ ኢኹም።
25. እዚ ብምስላ ነገርኩኹም። ብዛዕባ ኣቦ ንኣኻትኩም ብግሁድ ዝነግረላ እምበር፡ ብምስላ ዘይዛረበላ ጊዜ ኽትመጽእ እያ።
26-27. በታ መዓልቲ እቲኣ ብስመይ ክትልምኑ ኢኹም፡ ንስኻትኩም ኣነ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝወጻእኩ ስለ ዝኣመንኩምን ዘፍቀርኩምንን፡ ኣቦ ባዕሉ የፍቅረኩም አሎ እሞ፡ ነቦ ምእንታኹም ኣነ ኸም ዝልምኖ፡ ኣይብለኩምን እየ።
28. ካብ ኣቦ ወጺኤ ናብ ዓለም መጻእኩ፡ ንዓለም ሓዲገ ድማ ናብ ኣቦ እኸይድ አሎኹ።
29. እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፥ እንሆ፡ ሕጂ ብግሁድ ትዛረብ አሎኻ፡ ሓንቲ እኳ ብሕቡእ ኣይተዛረብካን።
30. ኵሉ ኸም እትፈልጥ፡ ሓደ እኳ ኺሐተካውን ከም ዘየድልየካ፡ ሕጂ ፈለጥና፡ ስለዚ ኻብ ኣምላኽ ምውጻእካውን ንኣምን አሎና፡ በልዎ።
31. የሱስ ከኣ፥ ሕጂዶ ኣሚንኩም፧
32. እንሆ፡ ኵላትኩም ነንበይንኹም ነናብ ስፍራኹም እትዝረውላ፡ ንበይነይውን እትሐድጉላ ጊዜ ትመጽእ አላ፡ ድሮ እኳ መጺኣ። ግናኸ ኣቦይ ምሳይ እዩ እሞ፡ በይነይሲ ኣይኰንኩን።
33. ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም ጸበባ አሎኹም። ግናኸ ኣጆኹም፡ ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...