1. ምእንቲ ኸይትዕንቀፉ ኢለ እየ እዚ ዝነገርኩኹም

2. ካብ ቤት ጸሎቶም ኬውጽኡኹም እዮም፡ ኤረ ዝቐተለኩም ዘበለስ ንኣምላኽ ኣገልግሎት የቕርበሉ ኸም ዘሎ ዚመስሎ ጊዜ ኽትመጽእ እያ።

3. ነቦን ንኣይን ስለ ዘይፈለጡእዚ ኺገብርኹም እዮም።

4. ጊዜ ኦም ምስ በጽሔትኣነ ኸም ዝበልኩኹም ምእንቲ ኽትዝክርዎ ግናእዚ ነገርኩኹምምሳኻትኩም ስለ ዝነበርኩ እየ ካብ መጀመርታ እዚ ዘይነገርኩኹም

5. ሕጂ ግና ናብቲ ዝለአኸኒ እኸይድ አሎኹ። ካባኸትኩም ከኣ ሓደ እኳናበይ ኢኻ እትኸይድ፧ ኢሉ ኣይሐተንን።

6. እዚ ስለ ዝነገርኩኹም ግናልብኹም ጓሂ መልኤ

7. ግናኸ እንተ ኸድኹ ኸም ዚሔሸኩምሓቂ እነግረኩም አሎኹ። ኣነ እንተ ዘይከድኩስ፡ እቲ መጸናንዒ ናባኻትኩም ኣይመጽእን እዩ እሞ፡ እንተ ኸድኩ ግናንእኡ ኽሰደልኩም እየ።

8. ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣትን ብዛዕባ ጽድቅን ብዛዕባ ፍርድን ኪረትዓ እዩ።

9. ብዛዕባ ሓጢኣትብኣይ ስለ ዘይአመኑ

10. ብዛዕባ ጽድቂናብ ኣቦይ እኸይድ አሎኹ እሞደጊም ኣይትርእዩንን

11. ብዛዕባ ፍርዲ ኸኣ፥ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ስለ እተፈርዶ

12. ዝነግረኩም ብዙሕ ካልእ ዘረባ ገና አሎኒግናኸ ሕጂ ኽትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም።

13. እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግናንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩምናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ።

14. ንሱ ኻባይ ኪወስድን ኪነግረኩምን እዩ እሞ፡ ንኣይ ኬኽብረኒ እዩ።

15. እቲ ናይ ኣቦ ዘበለ ዅሉ ናተይ እዩስለዚ እየ፥ ካባይ ወሲዱ ኺነግረኩም እዩ፡ ዝበልኩ

16. ናብ ኣቦይ እኸይድ አሎኹ እሞ፡ ቅሩብ ጊዜ ኣይትርእዩንን ኢኹምከም ብሓድሽ ድማ ቅሩብ ጊዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም።

17. ሽዑ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ ሓያሎ፥ እዚ፥ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እየ እሞ፡ ቅሩብ ጊዜ ኣይትርእዩንን ኢኹም፡ ከም ብሓድሽ ድማ ቅሩብ ጊዜ ኽትርእዩኒ ኢኹምዚብለና ዘሎስ እንታይ እዩተበሃሀሉ

18. ስለዚ፥ ነዚ ዚዛረቦ ዘሎ ኣየስተውዐልናዮን፡ ቅሩብ ጊዜ ዚብሎ ዘሎስ እንታይ ኰን እዩበሉ

19. የሱስ ከኣ ኺሐትዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ በሎምቅሩብ ጊዜ ኣይትርእዩንን ኢኹምከም ብሓድሽ ድማ ቅሩብ ጊዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም፡ ስለ ዝበልኩኹምዶ ንሓድሕድኩም ትማራመሩ አሎኹም፧

20. ንስኻትኩም ክትበኽዩን ክትሐዝኑን ኢኹም፡ ዓለም ግና ባህ ኪብላ እዩ፡ ንስኻትኩም ክትጕህዩ ኢኹም፡ ግናኸ እቲ ጓሂኹም ናብ ሓጐስ ከም ዚልወጥብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

21. ሰበይቲ ኽትወልድ ከላ፡ ጊዜኣ ስለ ዝበጽሔ ትጕሂቈልዓ ምስ ወለደት ግናሰብ ኣብ ዓለም ስለ እተወልደተሐጕሳ፡ ነቲ ጻዕራ ኣይትዝክሮን እያ።

22. እምብኣርከ ንስኻትኩምውን ሎሚ ጓሂ አሎኩምግናኸ ከም ብሓድሽ ክርእየኩም እየ፡ ልብኹምውን ኪሕጐስ እዩ። ሓጐስኩም ድማ ካባኹም ዚወስዶ የልቦን

23. በታ መዓልቲ እቲኣ ሓንቲ እኳ ኣይክትሐቱንን ኢኹም። ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኸም ዝህበኩምብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ

24. ክሳዕ ሕጂ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምዎንሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን፡ ለምኑ ኽትረኽቡ ድማ ኢኹም።

25. እዚ ብምስላ ነገርኩኹምብዛዕባ ኣቦ ንኣኻትኩም ብግሁድ ዝነግረላ እምበር፡ ብምስላ ዘይዛረበላ ጊዜ ኽትመጽእ እያ።

26-27. በታ መዓልቲ እቲኣ ብስመይ ክትልምኑ ኢኹም፡ ንስኻትኩም ኣነ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝወጻእኩ ስለ ዝኣመንኩምን ዘፍቀርኩምንንኣቦ ባዕሉ የፍቅረኩም አሎ እሞነቦ ምእንታኹም ኣነ ኸም ዝልምኖኣይብለኩምን እየ።

28. ካብ ኣቦ ወጺኤ ናብ ዓለም መጻእኩንዓለም ሓዲገ ድማ ናብ ኣቦ እኸይድ አሎኹ።

29. እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፥ እንሆሕጂ ብግሁድ ትዛረብ አሎኻ፡ ሓንቲ እኳ ብሕቡእ ኣይተዛረብካን።

30. ኵሉ ኸም እትፈልጥሓደ እኳ ኺሐተካውን ከም ዘየድልየካሕጂ ፈለጥና፡ ስለዚ ኻብ ኣምላኽ ምውጻእካውን ንኣምን አሎና፡ በልዎ።

31. የሱስ ከኣ፥ ሕጂዶ ኣሚንኩም

32. እንሆኵላትኩም ነንበይንኹም ነናብ ስፍራኹም እትዝረውላንበይነይውን እትሐድጉላ ጊዜ ትመጽእ አላ፡ ድሮ እኳ መጺኣግናኸ ኣቦይ ምሳይ እዩ እሞ፡ በይነይሲ ኣይኰንኩን

33. ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹምኣብ ዓለም ጸበባ አሎኹምግናኸ ኣጆኹምኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።