1. የሱስቅድሚ በዓል ፋስጋ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ናብ ኣቦኡ ዚኸደላ ጊዜኡ ኸም ዝበጽሔት ፈሊጡነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ ኽሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም

2. ኪድረሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ድያብሎስ ናብ ልቢ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን ኬትሕዞ ቕድም ሓሳብ ኣእትዩ ነበረ።

3. የሱስ ከኣ ኣቦኡ ንዅሉ ኣብ ኢዱ ኸም ዝሃቦካብ ኣምላኽ ድማ ከም ዝመጸ ናብ ኣምላኽውን ከም ዚኸይድ ፈሊጡ

4. ካብ ድራር ተንሲኡ ኽዳውንቱ ኣንበረዓለባ ኣልዒሉውን ተዓጥቀ

5. ደሓር ማይ ኣብ ገበራ ኣዕሪቑኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ኺሐጽብን በቲ እተዓጥቆ ዓለባ ገይሩ ኺደርዝን ጀመረ

6. ሽዑ ናብ ስምኦን ጴጥሮስ መጸ፡ ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይንስኻዶ ኣእጋረይ ክትሐጽበኒ ኢኻ፧ በሎ

7. የሱስ መሊሱ፡ ነቲ ኣነ ዝገብሮ ንስኻ ሕጂ ኣይትፈልጦንድሕርዚ ግና ክትፈልጦ ኢኻ፡ በሎ

8. ጴጥሮስ ከኣ፡ ንዘለኣለም ኣእጋረይ ኣይትሐጽበንን ኢኻ፡ በሎየሱስ ከኣ፡ ኣነ እንተ ዘይሐጸብኩኻስምሳይ ግደ የብልካን፡ ኢሉ መለሰሉ

9. ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፡ ጐይታይኣእዳወይን ርእሰይን ድማ እምበርኣእጋረይ ጥራይ ኣይኰነንበሎ

10. የሱስ ከኣ፡ እቲ እተሐጽበኵለንትናኡ ንጹህ እዩ እሞ፡ ብጀካ ኣእጋሩ ምሕጻብ ኣየድልዮን እዩ። ንስኻትኩም ከኣ ንጹሃት ኢኹምግናኸ ኵላትኩም ኣይኰንኩምንበለ

11. ነቲ ዜትሕዞ ይፈልጦ ነበረ እሞ፡ ስለዚ እዩ፡ ኵላትኩም ንጹሃት ኣይኰንኩምንዝበለ

12. ከምዚ ገይሩ ኣእጋሮም ምስ ሓጸቦምክዳውንቱ ተኸዲኑከም ብሓድሽ ተቐሚጡ፡ እዚ ዝገበርኩልኩምሲ ትፈልጥዎዶ አሎኹም፧ በሎም

13. ንስኻትኩም መምህርን ጐይታን ትብሉኒ አሎኹም፡ ኣነ ኸምኡ እየ እሞጽቡቕ በልኩም

14-15. ኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ፡ ኣእጋርኩም ካብ ሓጸብኩስከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሐጽቡ ይግብኣኩም እዩ።

16. ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይበልጽን ልኡኽውን ካብ ለኣኺኡ ኣይበልጽን እዩ፡ ኢለ ብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

17. ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም፡ እንተ ገበርኩምዎስ ብጹኣን ኢኹም።

18. ኣነ ነቶም ዝሐሬኽዎም እፈልጦም እየ፡ ብዛዕባ ዅላትኩም ኣይኰንኩን ዝዛረብ ዘሎኹ። ግናኸ እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸምሲ፡ እቲ እንጌራይ ዚበልዕሸኰናኡ ኣባይ ኣልዓለ

19. ምስ ኰነ ኣነ ምዃነይ ምእንቲ ኽትኣምኑ ኸኣ፡ ከይኰነ ሕጂ እነግረኩም አሎኹ።

20. ነቲ ዝለኣኽክዎ ዚቕበል ንኣይ ይቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ድማ ነቲ ዝለአኸኒ እዩ ዚቕበል፡ ኢለ ብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹ

21. የሱስ እዚ ምስ በለብመንፈሱ ጕህዩካባኻትኩም ሓደ ኸም ዜትሕዘኒብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹኢሉ መስከረ

22. እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ መን ከም እተዛረበ ጠፊእዎምንሓድሕዶም ተጣማመቱ

23. ካብ ደቀ መዛሙርቱ ሓደእቲ የሱስ ዜፍቅሮ ዝነበረኣብ ኣፍ ልቢ የሱስ ተጸጊዑ ኣብ መኣዲ ነበረ።

24. ንእኡ ስምኦን ጴጥሮስብዛዕባ መን ይዛረብ ከም ዘሎ፡ ኪሐቶ ኣመልከቶ

25. እቲ ኣብ ኣፍ ልቢ የሱስ ተጐዝጕዙ ዘሎ ኸኣጐይታይመን እዩ ንሱበሎ

26. የሱስ ከኣ፥ እቲ ኣነ ቝራስ እንጌራ ጸቢሔ ዝህቦንሱ እዩ፡ ኢሉ መለሰ። ሽዑ ኸኣ ቍራስ እንጌራ ጸቢሑ ንይሁዳወዲ ስምኦን ኣስቆሮታዊሃቦ

27. ድሕሪ እታ ቝራስ እንጌራ ኸኣ ሰይጣን ናብኡ ኣተወሽዑ የሱስነቲ እትገብሮ ቐልጢፍካ ግበሮበሎ

28. ካብቶም ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ዘለዉ ግና ብዛዕባ እንታይ ከም ዝበሎሓደ እኳ ዝፈለጠ ኣይነበረን።

29. ንሓያሎ ግና፡ ማሕፉዳ ኣብ ይሁዳ ነበረ እሞ፡ የሱስንበዓል እንደልዮ ዓድግ ወይስ ገለ ንድኻታት ሃብዝበሎ መሊልዎም ነበረ።

30. ንሱ ግና ነታ ቝራስ እንጌራ ምስ ተቐበለብኡብኡ ወጸለይቲውን ነበረ

31. ንሱ ምስ ወጸ፡ ሽዑ የሱስ በለሕጂ ወዲ ሰብ ከበረኣምላኽውን ኣብኡ ኸበረ

32. ኣምላኽ ኣብኡ ኻብ ከበረኣምላኽ ኸኣ ኣብ ርእሱ ኬኽብሮ እዩ፡ ቀልጢፉውን ኬኽብሮ እዩ።

33. ደቀየገና ቕሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም እየ። ክትደልዩኒ ኢኹም፡ ከምቲ ንኣይሁድናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስካትኩም ክትመጹ ኣይከኣለኩምን እዩ፡ ዝበልክዎምንኣኻትኩምውን ሕጂ እብለኩም አሎኹ።

34. ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹምከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ።

35. ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ።

36. ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፡ ጐይታይናበይ ክትከይድ ኢኻ፡ በሎየሱስ ድማ፥ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻ ሕጂ ኽትስዕበኒ ኣይከኣለካን እዩ፡ ደሓር ግና ክትስዕበኒ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ

37. ጴጥሮስ ከኣ፡ ጐይታይሕጂኸ ኽስዕበካ ዘይከኣለኒ እንታይ ኰይነህይወተይ እኳ በጃኻ ኤሕልፋ እየ፡ በሎ

38. የሱስ ከኣ፥ ንህይወትካዶ በጃይ ተሕልፋሰለስተ ጊዜ ኽሳዕ እትክሕደንስ ደርሆ ኸም ዘይንቁብሓቂብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ