1. እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱብኻልእ ወገን ዚሐኵርንሱ ሰራቕን ጕሒላን ከም ዝዀነብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

2. እቲ ብኣፍ ደገ ዚኣቱ ግና፡ ንሱ ጓሳ ኣባጊዕ እዩ

3. ንእኡ እቲ ሓላው ደገ ይኸፍተሉእተን ኣባጊዕውን ቃሉ ይሰምዓነተን ኣባጊዑ ኸኣ በብሰመን ጸዊዑ የውፍረን

4. ነተን ኣባጊዕ ምስ ኣውፍረን ድማ፡ ቀቅድሜኤን ይኸይድ፡ እተን ኣባጊዕውን ድምጹ የለልያ እየን እሞ፡ ይስዕባኦ

5. ድምጺ ኻልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝዀና፡ ንኻልእካብኡ ይገልባ እምበር፡ ኣይስዕባኦን እየን

6. የሱስ እዚ ምስላዚ መሰለሎምንሳቶም ግና ነቲ እተዛረቦም ኣየስተውዓልዎን።

7. ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ በሎም፥ እቲ ደገ ኣባጊዕ ኣነ ከም ዝዀንኩ፡ ብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹ

8. እቶም ቅድመይ ዝመጹ ዅላቶም ሰረቕትን ጓሓሉትን እዮም፡ እተን ኣባጊዕ ግና ኣይሰምዓኦምን እየን።

9. እቲ ደገ ኣነ እየ። ብኣይ ዚኣቱ ኪድሕንኪኣቱን ኪወጽእን መጓሰዪውን ኪረክብ ኣዩ።

10. ሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረክባ እየ ዝመጻእኩ

11. እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ

12. እቲ ብዓል ዓስቢ ግናጓሳ ዘይኰነስእተን ኣባጊዕውን ዘይጥሪቱ፡ ተዅላ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረአየ፡ ነተን ኣብጊዕ ሐዲግወን ይሃድም። እቲ ተዅላ ድማ ነተን ኣባጊዕ ይዛረፈን ፋሕውን የብለን።

13. ብዓል ዓስቢ እዩ እሞ፡ ይሃድምግዲ እተን ኣባጊዕውን የብሉን

14. ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ነባጊዔይ እፈልጠን እተን ኣባጊዔይውን ይፈልጣኒ እየን።

15. ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዚፈልጠኒኣነውን ነቦ እፈልጦ እየ። ንነፍሰይ ከኣ በጃ እተን ኣባጊዕ ኤሕልፋ

16. ካብዚ መጓሰ እዚ ዘይኰና ኻልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒንኣታተን ድማ ከምጽኤን እየ፡ ቃለይውን ኪሰምዓ እየን። ሓደ መጓሰ ኪዀና እየን ጓሳኤንውን ሓደ

17. ኣነ ንነፍሰይ በጃ ኸሕልፋመሊሰውን ክወስዳ እየ እሞ፡ ስለዚ ኣቦ የፍቅረኒ እዩ

18. ባዕለይ እየ በጃ ዘሕልፋ እምበር ካባይ ዝወስዳስ የልቦን። በጃ ኸሕልፋ ስልጣን አሎኒመሊሰ ኽወስዳውን ስልጣን አሎኒነዛ ትእዛዝ እዚኣ ኻብ ኣቦይ እየ እተቐበልክዋ

19. ብዛዕባ እዚ ዘረባ እዚ ድማ ኣብ ማእከል ኣይሁድ ከም ብሓድሽ ምፍልላይ ኰነ

20. ሽዑ ኻባታቶም ብዙሓትጋኔን ሒዝዎ ይዓብድ አሎ፡ እንታይ ኢልኩምዎ ኢኹም እተሰምዕዎበሉ

21. ካልኦት ግና፥ እዚ ዘረባ እዚ ዘረባ ዕቡድ ኣይኰነን። ጋኔንዶ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኸፍት ይከአሎ እዩ፧ በሉ

22. ኣብ የሩሳሌም በዓል ምሕዳስ ቤተ መቕደስ ኰነክረምቲ ኸኣ ነበረ

23. የሱስ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይመላለስ ነበረ።

24. ሽዑ ኣይሁድ ኣኽበብዎ እሞ፥ ክሳዕ መኣዝከ ኢኻ ላሕ እተብለናንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካኣግሂድካ ንገረናበልዎ

25. የሱስ መለሰሎምነጊረኩም ኣይኣመንኩምን እዚ ብስም ኣቦይ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ይምስክረለይ አሎ።

26. ንስኻትኩም ግናከምቲ ዝበልኩኹምካብተን ኣባጊዔይ ስለ ዘይኰንኩምኣይትኣምኑን ኢኹም።

27. እተን ኣባጊዔይ ግና ድምጼይ ይሰምዓኣነ ኸኣ ኤለልየን፡ ንሳተንውን ይስዕባኒ

28. ኣነ ኸኣ ህይወት ዘለኣለም እህበን፡ ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፡ ካብ ኢደይውን ዚምንዝዔን የልቦን

29. እቲ ንኣታተን ዝሃበኒ ኣቦይ ካብ ኵሉ ይዐቢ እዩካብ ኢድ ኣቦይ ሓደ እኳ ኺምንዝዔን ዚኽእል የልቦን።

30. ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና

31. ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ኸም ብሓድሽ እምኒ ኣልዓሉ

32. የሱስ ከኣ፥ ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኤኹኹምስለ ኣየናዩ ግብሪ ኢኹም ብዳርባ እምኒ ኽትቀትሉኒ እትደልዩ ዘሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም

33. ኣይሁድ ከኣ፥ ስለቲ ምጽራፍካን ሰብ ክነስኻ ንፍስኻ ኣምላኽ ስለ ምግባርካን እምበርስለቲ ጽቡቕ ግብርታት ካስ ኣይኰንናን ብእምኒ እንቐትለካኢሎም መለሱሉ

34. የሱስ መለሰሎምኣብ ሕግኹምኣነኣማልኽቲ ኢኹምበልኩ፡ ዚብልዶ ኣይተጻሕፈን እዩ

35. ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝመጸሎም ኣማልኽቲ ኻብ ዚብሎም፡ - ጽሑፍ ኪፈርስ ኣይከኣልን እዩ፦

36. ነቲ ኣቦ ዝቐደሶ ናብ ዓለምውን ዝለኣኾ ግዳ፡ ወዲ ኣምላኽ እየ ስለ ዝበልኩኹም፡ ከመይ ኢልኩም፥ ትጻረፍ አሎኻ፡ ትብሉኒ አሎኹም፧

37. ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩኣይትእመኑኒ

38. እንተ ገበርኩ ግናኣቦ ኣባይ ምህላዉኣነውን ኣብ ኣቦ ምህላወይ ምእንቲ ኽትፈልጡን ከተስተብህሉንሲ፡ ንኣይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩምኒነቲ ግብረይ እመንዎ

39. መሊሶም ድማ ኪሕዝዎ ደለዩ፡ ንሱ ግና ካብ ኣእዳዎም መለቘ

40. ከም ብሓድሽ ናብታ ዮሃንስ ቀደም የጥምቐላ ዝነበረ ስፍራ ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ከደኣብኣውን ተቐመጠ

41. ብዙሓት ድማ ናብኡ መጺኦምዮሃንስ ሓንቲ ተኣምራት እኳ ኣይገበረን እቲ ዮሃንስ ብዛዕባኡ እተዛረቦ ዘበለ ዅሉ ግና ሓቂ ዀነበሉ

42. ኣብኡውን ብዙሓት ብእኡ አመኑ