1. እንሆ ኸኣ፣ በተን መዓልታት እቲኤንን በቲ ጊዜ እትንን ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ካብ ምርኮ ምስ መለስኩዎም

2. ብዛዕባ ህዝበይን ብዛዕባ ርስተይ እስራኤልን ነቶም ፋሕ ዘበልዎም ንምድረይ ከኣ እተማቐልዋ ኣህዛብ፣ ኣብኡ ምሳታቶም ንፍርዲ ኺኣቱስ፣ ንዅሎም ህዝብታት ክእክቦም፣ ናብ ለሰ ዮሳፋጥ ከኣ ከውርዶም እየ።

3. ንህዝበይ ዕጭ አውድቐሉነመንዝራ ሰበይቲ ዋጋኣ ቘልዓ ሀቡጓል ድማ ንወይኒ ሽጥዋ ስተዩ ኸኣ።

4-6. ኣቱም ጢሮስን ሲዶናን ኵልኻትኩም ሃገር ፍልስጥኤምን፣ ምሳይ እንታይ ኣሎክም፡ ብሩረይን ወርቀይን ወሲድኩም፣ ነቲ ዜብህግ ክቡር ኣቓሖይ ከኣ ናብ መቓድስኩም ኣእቲኹም፣ ንደቂ ይሁዳን ንደቂ የሩሳሌምን ከኣ ካብ ዶቦም ከተርሕቕዎምሲ፣ ናብ ደቂ ዮናናውያን ሼጥኩምዎም ኢኹም እሞ፣ ፍዳዶ ክትፈድዩኒ ኢኹም፡ ምንም እኳ ፍርዲ ፍዳ እንተ ፈዴኹምኒ፣ ኣነ ቐልጢፈ ብድንገት ፍዳኹም ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ።

7. እንሆ፣ ኣነ ኻብቲ ዝሸጥኩምዎም ስፍራ ኸበግሶም እየ፣ ፍዳኹምውን ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ።

8. ነወዳትኩምን ነዋልድኩምን ናብ ኢድ ደቂ ይሁዳ ኽሸጦም እየ፣ ንሳቶምውን ናብቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ህዝቢ፣ ናብ ሰብ ሳባ ኺሸጥዎም እዮም። እዚ እግዚኣብሄር ትዛሪብዎ እዩ።

9. እዚ ኣብ ማእከል ህዝብታት ኣውጁውግእ ኣዳልዉ፣ ነቶም ጀጋኑ ኣንቅሕዎም፣ ኵሎም ተዋጋእቲ ይቕረቡይውጽኡ

10. ማሕረሻኹም ሰይፊ፣ ማዕጺድኩም ከኣ ኲናት ስርሕዎ። እቲ ድኹም ድማ፣ ኣነ ጅግና እየ፣ ይበል

11. ኣቱም ኣብ ከባቢ ዘሎኹም ኵልኹም ህዝብታት፣ ቀልጥፉ፣ ንዑ ተኣከቡ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣብኡ ጀጋኑኻ ኣውርዶም

12. ኣነ ነቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ክፈርድሲ፣ ኣብኣ ክቕመጥ እየ እሞ፣ እቶም ህዝብታት ይበገሱ፣ ናብ ለሰ ዮሳፋጥ ይውጽኡ

13. እከዮም ስለ ዝዐበየቀውዒ በጺሑ እዩ እሞ፣ ማዕጺድ ስደዱ፣ እቲ መጽመቝ መሊኡ፣ ኣጋንእ ከኣ ይጅርብብ አሎ እሞ፣ ንዑ ርገጹ።

14. መዓልቲ እግዚኣብሄር ኣብ ለሰ ምምዳብ ቀሪባ እያ እሞ፣ ጭፍራ፣ ጭፍራ ኣብ ለሰ ምምዳብ።

15. ጸሓይን ወርሕን ይጽልማከዋኽብቲ ድማ ብርሃኖም ይሐብኡ።

16. እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ይጓዝምድምጹ ኻብ የሩሳሌም የስምዕሰማይን ምድርን ከኣ የንቀጥቅጥ። ግናኸ እግዚኣብሄር ንህዝቡ መዕቈቢንደቂ እስራኤል ድማ ዕርዲ እዩ።

17. ኣነ ኣብ ቅዱስ ከርነይ ኣብ ጽዮን ዝነብር እግዚኣቢሄር ኣምላኽኩም ከም ዝዀንኩ፣ ክትፈልጡ ኢኹም። የሩሳሌም ከኣ ቅድስቲ ኽትከውን እያ፣ ድሕርዚውን ጓኖት ኣይኪሐልፍዋን እዮም።

18. በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፣ ኣኽራን ኰልዒ ወይኒ ኪነትዑ፣ ኵርባታት ድማ ጸባ ኬውሕዙ፣ ካብ ኵሉ ርባታት ይሁዳ ኸኣ ማይ ጃሕጃሕ ኪብል እዩ። ካብ ቤት እግዚኣብሄርውን ዓይኒ ማይ ኪፍልፍልንለሰ ሽጢም ድማ ኬስትያ እዩ።

19. ኣብ ምድሮም ንጹህ ደም ክዕዮም እዮም እሞ፣ ብሰሪ እቲ ንደቂ ይሁዳ እተገብረ ዓመጻግብጺ ኽትባድምኤዶም ከኣ ጽምጽም በረኻ ኽትከውን እያ።

20. ይሁዳ ግና ንዘለኣለም ትነብርየሩሳሌም ከኣ ንውሉድ ወሎዶ

21. ኣነ ድማ ነቲ ዘጽሬኽዎ ደሞም ከጽርዮ እየ። እግዚኣብሄር ኣብ ጽዮን ኪነብር እዩ።

Chap 2