1. መዓልቲ እግዚኣብሄር ትመጽእ አላ፣ ቀሪባ ኸኣ እያ እሞ፣ ኣብ ጽዮን መለኸት ንፍሑ፣ ኣብ ቅዱስ ከረነይ ድማ ኣእውዩ፣ ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዘለዉ ዅላቶም የንቀጥቅጡ

2. መዓልቲ ጸልማትን ጣቓን፣ መዓልቲ ደበናን ድቕድቕ ጸልማትን ከም ወጋሕታ ኣብ ልዕሊ ኣኽራን ይዝርጋሕዓብይን ሓያልን ህዝቢ፣ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኸምኡ ዝበለ ዘይነበረድሕሪኡውን ክሳዕ ዓመታት ወለዶ ዚሐልፍ ከቶ ዘይኸውን።

3. ኣብ ቅድሚኡ ሓዊ ይበልዕ፣ ኣብ ድሕሪኡ ሃልሃልታ ሞዅ የብል። እታ ሃገር ኣብ ቅድሚኡ ኸም ገነት፣ ኣብ ድሕሪኡ ኸኣ ጸምጸም በረኻ እያ፣ ካብኡ ዜምልጥውን የልቦን።

4. ትርኢቶም ከም ትርኢት ኣፍራስ እዩ፣ ከም ፈረሰኛታት ይጐዩ

5. ከምቲ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ድዋዕዋዕ ዚብል ሰረገላታት፣ ከምቲ ሓሰር ኪውሕጥ ከሎ ጥዋዕዋዕ ዚብል ሃልሃልታ ሓዊ፣ ከምቲ ንውግእ እተሰለፈ ሓያል ህዝቢ ይዘሉ።

6. ኣብ ቅድሚኦም ህዝብታት ይጭነቑ፣ ኵሉ ገጽ ይጽልም

7. ከም ጀጋኑ ይጐዩ፣ ከም ዚዋግኡ ሰብ ናብ ቀጽሪ ይድይቡነፍሲ ወከፍ በብጐደናኡ ይሐልፍ ካብ መገዶም ኸኣ ኣየግልሱን

8. ንብጻዩ ዚደፍእ የልቦን፣ ነፍሲ ወከፍ በብመገዱ ይሐልፍ፣ ናብ ማእከል ኣጽዋር ይኣትዉ ኣይቈስሉን ከኣ።

9. ናብታ ኸተማ ይወሩ፣ ኣብ ቀጽሪ ይጐዩ፣ ናብ ኣባይቲ ይድይቡ፣ ከም ሰራቒ ብመሳዅቲ ይኣትዉ

10. ምድሪ ኣብ ቅድሚኦም ራዕራዕ ትብል፣ ሰማያት የንቀጥቅጥጸሓይን ወርሕን ይጽልምታከዋኽብቲ ከኣ ብርሃኖም ይኽውሉ

11. ሰፈር ሰራዊቱ ኣዝዩ ዓብዪ እዩ፣ እቲ ንቓሉ ዚፍጽም ከኣ ሓያል እዩ፣ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ሰራዊቱ ድምጺ የስምዕ። እወ፣ መዓልቲ እግዚኣብሄር ዓባይን ኣዝያ እተፍርህን ኣያ፣ መንከ ኺጽመማ ይኽእል፣

12. እምብኣርሲ ሕጂውን ብጾምን ብብኽያትን ብቝዝማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱይብል እግዚኣብሄር

13. ንሱ ንዅራ ደንጓዪብሳህሊ ኸኣ ምሉእብእከይ ድማ ተጣዓሳይርሕሩሕን መሓርን እዩ እሞ፣ ክዳንኩም ኣይኰነን ልብኹም ደኣ ቕደዱ፣ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ተመለሱ

14. ተጣዒሱ ዚምለስ እንተ ዀነ፣ ድሕሪኡ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብመስዋእቲ ብልዕን ብመስዋእቲ መስተን በረኸት ዚሐድግ እንተ ዀነ፣ መን ይፈልጥ

15. ኣብ ጽዮን መለኸት ንፍሑጾም ቀድሱኣኼባ ጸውዑ

16. ህዝቢ ኣክቡማሕበር ቀድሱኣረገውቲ ኣክቡቈልዑን ጡብ ዝጠብዉን ኣክቡመርዓዊ ኻብ ቤቱ ይውጻእመርዓት ከኣ ካብ ሕልፍኝኣ

17. እቶም ካህናት ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ኣዳራሽን መሰውእን ይብከዩ ይበሉውን፣ ዎ እግዚኣብሄር ንህዝብኻ ንሐፎ፣ ነቲ ርስትኻ፣ ኣህዛብ ኪገዝእዎ ኢልካንመላገጺ ኣሕሊፍካ ኣይትሀቦ። ስለምንታይከ ኣብ ኣህዛብኣምላኾም ኣበይ አሎ፣ ዚበሀል፡

18. እግዚኣብሄር ንሃገሩ ቐንኤንህዝቡ ኸኣ ራሕርሔ

19. እግዚኣብሄር ንህዝቡ መለሰሉ በሎውን፣ እንሆ፣ ኣነ፣ እኽልን ወይን ዘይትን ክሰደልኩም እየ፣ ብእኡኸኣ ክትጸግቡ ኢኹም፣ ድሕርዚ ኣብ ማእከል ህዝብታት መለገጺ ኣይክገብረኩምን እየ።

20. ነቲ ሰሜናዊ ካባኻትኩም ከርሕቖ፡ ናብ ደረቕን ዝዐነወን ምድሪ ኽሰጎ እየ፡ ገጹ ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ፡ ዝባኑ ኸኣ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ እዩ። ዓብዪ ነገር ገይሩ እዩ እሞ፡ ምብድባዱ ኺወጽእምምሽማሹ ድማ ኪድይብ እዩ።

21. ኣቲ ሃገር እግዚኣቢሄር ዓብዪ ነገር ገይሩ እዩ እሞ ኣይትፍርሂተሐጐሲ ባህውን ይበልኪ።

22. እቲ እንስሳ መሮር፣ እቲ መጓሰዪ በረኻ ለምሊሙ፣ ኦም ፍሪኡ ይፈሪኦም በለስን ተኽሊ ወይንን ከኣ ሓይሉ ይህብ አሎ እሞ፣ ኣይትፍርሁ

23. ኣቱም ደቂ ጽዮንዝናም ጽድያ ብልክዕ ይህበኩምዝናም ጽድያን ጽብሓትን ከም ቀደሙ የውርደልኩም አሎ እሞ፣ ተሐጐሱ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ባህ ይበልኩም።

24. ኣዕውዲ ኸኣ እኽሊ ኺመልእመጽመቝታትውን ወይንን ዘይትን ኪጅርብብ እዩ።

25. ኣነ ኸኣ ኣቶ ኣንበጣን ኵብኵብታን ጐደበን ሓሰኻን፣ ኣባኻትኩም ዝሰደድክዎ ዓብዪ ሰራዊተይ ዝበልዔን ዓመታት ክኽሕሰኩም እየ

26. መብልዕ ክትበልዑ ክትጸግቡውን ኢኹም፣ ነቲ ተኣምራት ዝገበረልኩም ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ከተመስግንዎ ኢኹም። ህዝበይውን ንዘለኣለም ኣይሐንኽን

27. ኣነ ኣብ ማእከል እስራኤል ከም ዘሎኹ፣ ኣነኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝዀንኩ፣ ብጀካይ ድማ ካልእ ከም ዜልቦ ኽትፈልጡ ኢኹም፣ ህዝበይውን ንዘለኣለም ኣይሐንኽን

28. ብድሕርዚ ኪኸውን እዩ፣ መንፈሰይ ናብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ክዅዑ እየ፣ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩኣረገውትኹም ሕልሚ ኪሐልሙኣጕባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ እዮም።

29. በተን መዓልታት እቲኤንሲ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮት እኳ መንፈሰይ ክዅዑ እየ።

30. ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ከኣ ተኣምራትደምን ሓውን ኣዕኑድ ትክንከርኢ እየ።

31. እታ ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር ከይመጸትጸሓይ ኣብ ጸልማትወርሒ ድማ ኣብ ደም ትልወጥ

32. ኪኸውን ከኣ እዩ፣ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፣ ኣብ ከርን ጽዮንን ኣብ የሩሳሌምን ኣብቶም እግዚኣብሄር ዚጽውዖም ተረፍን ምድሓን ኪኸውን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ።