1-2. ኣነ ግና እብል አሎኹ፡ ወራሲ ብዘመን ቍልዕነቱ ኸሎ፡ ጐይታ ዅሉ ኽነሱክሳዕ እታ ኣቦኡ ዝመደበሉ ጊዜ ትሕቲ ሰብ ሕድርን መገብትን እዩ እምበር፡ ንሱን ባርያን በበይኑ የብሎምን

3. ከምእውን ንሕና ቘልዑ ኸሎና፡ ኣብ ትሕቲ ምህሮ ቝልዕነት ዓለምባሮት ኴንና ነበርና።

4-5. ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና፡ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ተሻዪጡ ምእንቲ ኼውጽኦም፡ ንሕናውን ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብሲ፡ ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለኣኾ

6. ውሉድ ስለ ዝዀንኩም ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ፡ ኣባኣቦ፡ ኢሉ ዚጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብና ለኣኾ

7. ደጊም ብድሕርዚ ውሉድ እምበር፡ ባርያ ኣይኰንካንውሉድ ካብ ኰንካ ግና፡ ብክርስቶስ ወራሲ ኣምላኽ ኢኻ።

8. ግናኸ በቲ ጊዜ እቲ ንኣምላኽ ከይፈለጥኩምዎ ኸሎኹም፡ ባሮት እቶም ካብ ባህርዮም ኣማልኽቲ ዘይኰኑ ዀንኩም።

9. ሕጂ ደኣ፡ ንኣምላኽ ምስ ፈለጥኩምዎምናዳውን ንሱ ምስ ፈለጠኩም፡ ከመይ ኢልኩም ናብቲ ሕማቕን ድኻን ምህሮ ቝልዕነት ከም ብሓድሽ ትምለሱ አሎኹም፡ ከም ብሓድሽውን ካብ መጀመርታ ሒዝኩም ባሮቱ ኽትኰኑ ትደልዩ አሎኹም፧

10. መዓልትታትን ኣዋርሕን ጊዜታትን ዓመታትን ትሕልዉ አሎኹም።

11. ኣባኻትኩም ምናልባሽ ንኸንቱ ጽዒረ ኸይከውንብዛዕባኹም እፈርህ አሎኹ።

12. ኣሕዋተየከምቲ ኣነ ኸማኻትኩም ዝዀንኩ፡ ንስኻትኩምውን ከማይ ክትኰኑ፡ እልምነኩም አሎኹ። ሓንቲ እኳ ኣይገፋዕኩምንን

13. ግናኸ በቲ ቐዳማይ ጊዜ ብምኽንያት ድኻም ስጋስ ወንጌል ከም ዝሰበኽኩልኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም።

14. ከም መልኣኽ ኣምላኽከም ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም ተቐበልኩምኒ እምበር፡ ነቲ ኣብ ስጋይ ንፈተና ዚዀነኩም ዝነበረ እኳ ኣይነዓቕኩምዎንኣይተጸየፍኩምዎን

15. ዚከኣል እንተ ዚኸውንሲ፡ ኣዒንትኩም ኣውጺእኩም እኳ ምሃብኩምኒ ኔርኩም፡ ኢለ እምስክረልኩም አሎኹ። እምብኣርሲ ኣበይ ደኣ አሎ ብጽእናኹም

16. እሞኸ ሓቂ ስለ ዝነገርኩኹምዶ ጸላኢ ዀይነኩም እየ፧

17. ምእንቲ ኽትቀንኡሎም ኪኸልክሉኹም ይደልዩ አለዉ እምበር፡ ብጽቡቕ ሓሳብ ኣይኰነን ዚቐንኡልኩም ዘለዉ።

18. ግናኸ ምሳካትኩም ከሎኹ ጥራይ ዘይኰነስኵሉ ሳዕ ንጽቡቕ ምቕናእ ጽቡቕ እዩ።

19. ደቀየክርስቶስ ኣባኻትኩም ክሳዕ ዚሰኣል ከም ብሓድሽ እጽዕረልኩም አሎኹ።

20. ብኣኻትኩም ዝገብሮ ጠፊኡኒ አሎኹ እሞ፡ ሕጂ ምሳኻትኩም ክህሉ ድምጸይውን ክልውጥ ምፈቶኹ

21. ኣቱም ትሕቲ ሕጊ ኽትኰኑ እትደልዩንሕጊዶ ኣይትሰምዕዎን ኢኹም፧ እስኪ ንገሩኒ

22. ኣብርሃም ክልተ ወዲ ኸም ዝወለደ፡ እቲ ሓደ ኻብታ ባርያ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ካብታ ጭዋጽሑፍ እዩ።

23. ግናኸ ወዲ እታ ባርያ ኸም ናይ ስጋ ተወልደ፡ ወዲ እታ ጭዋ ግና ብናይ ተስፋ እዩ እተወልደ።

24. እዝስ ምስሊ እዩ፡ እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ክልተ ኺዳን እየን። እታ ሓንቲ ኺዳን ካብ ደብረ ሲና ንባርነት እትወልድ፡ ንሳ ኣጋር እያ።

25. ኣጋርሲ ኣብ ሃገር ዓረብ ደብረ ሲና እያ እሞ፡ ንሳ ነዛ ሎሚ ምስ ደቃ ኣብ ባርነት ዘላ የሩሳሌም ትመስል

26. እታ ናይ ላዕሊ የሩሳሌም ግና ጭዋ እያ እሞ፡ ንሳ ኣዴና እያ።

27. ኣቲ ዘይወለድኪ መኻን፡ ተሐጐሲ፡ ካብ ደቂ እታ ሰብኣይ ዘለዋስ ደቂ እታ በይና ዘላ በዚሖም እዮም እሞ፡ ኣቲ ንምውላድ ዘይጸዓርኪእልል በሊ ጨድሪውን፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡

28. ንሕናኣሕዋተየከም ይስሃቅ ደቂ ተስፋ ኢና።

29. ግናኸ ከምቲ ሽዑ እቲ ብናይ ስጋ እተወልደ ነቲ ብናይ መንፈስ እተወልደ ዝሰጐጎሕጂውን ከምኡ እዩ።

30. እቲ ጽሑፍከ እንታይ ይብልወዲ እታ ባርያ ምስ ወዲ እታ ጭዋ ኣይወርስን እዩ እሞ፡ ነታ ባርያ ምስ ወዳ ስደዳ

31. ስለዚኣሕዋተየደቂ እታ ጭዋ እምበር፡ ደቂ እታ ባርያ ኣይኰንናን