1. ምእንታኹምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዲቅያ ዘለውን ምእንቲ እቶም ገጸይ ብስጋ ዘይረኣዩን ከኣ፡ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ጻዕሪ ኸም ዘሎኒክትፈልጡ እደሊ አሎኹ።

2. ብፍቕርን ብዅሉ ሃብቲ ናይ ምሉእ ኣእምሮንንፍልጠት እቲ ምስጢር ኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ፡ ብሓደ ሰሚሮም ልቦም ምእንቲ ኺጸናናዕ

3. ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ ተሰዊሩ አሎ።

4. ሓደ እኳ ብቓል ቅብጥር ከየስሕተኩም ኢለ እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ።

5. ብስጋ እኳ ምሳኻትኩም እንተ ዘየሎኹብመንፈስ ምሳኻትኩም እየ፡ ስርዓትኩምን ጽንዓት እምነትኩም ብክርስቶስን እናርኤኹውን እሕጐስ አሎኹ።

6. ደጊም ከምቲ ንጐይታና ክርስቶስ የሱስ እተቐበልኩምዎ፡ ከምኡ ኢልኩም ብእኡ ተመላለሱ

7. ኣብኡ ተሰሪትኩምን ተሃኒጽኩምን ብምስጋና መሊእኩምከምቲ እተመሃርኩምዎ ዄንኩም ብእምነት ጽንዑ

8. ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲተጠንቀቑ

9. ኣብኡ ብዘሎ ምልኣት መለኮት ብስጋ ሐዲርዎ እዩ እሞ፡

10. ንሱ ርእሲ ዅሉ ሕልቅነትን ስልጣንን እዩ፡ ንስኻትኩምውን ብእኡ ተመሊእኩም አሎኹም።

11. ንስኻትኩም ድማ ብግዝረት ክርስቶስ ነቲ ናይ ስጋ ሰብነት ቀንጢጥኩም ብኢድ ብዘይኰነት ግዝረት ብእኡ ተገዘርኩም

12. ብጥምቀትውን ምስኡ ተቐበርኩምብግብሪ እቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ድማ ምስኡ ተንሳእኩም

13. ንብዘሎ ኣበሳና ይቕረ ኢሉ፡ ብኣበሳኹምን ብዘይ ግዝረት ስጋኹምን መዊትኩም ንዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩምውን ምስኡ ህያዋን ገበረኩም

14. ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሐቖ

15. ነቶም ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፡ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ፡ ብግልጺ ኣስተሐፈሮም

16. ደጊም ብብልዕን መስተንወይ ብምብዓል በዓላትወይ ብሰርቂ ወርሒወይ ብሰናብቲ ዝመጸ፡ ሓደ እኳ ኣይፍረድኩም

17. እዚ ነቲ ዚመጽእ ጽላሎት እዩ፡ እቲ ስጋ ግና ክርስቶስ እዩ።

18. ሓደ እኳትሕትና ብዚመስልን ብስግደት ንመላእኽትን ገይሩ፡ ንሱ ኣብ ዘይረኣዮ ነገር እናተሐወሰ በእምሮ ስጋኡ ብኸምኡ ዚንፋሕ፡ ነቲ ዓስቢ ዓወት ኣይዘርፍኩም።

19. ኣብቲ ብዘሎ እቲ ስጋ ብጅማትን መፈላልዮን ተዳጋጊፉን ብሓደ ተጋጢሙን ብምዕባይ ኣምላኽ ዚዓብየሉ ኣብቲ ርእሲ ኸይጸንዔ፡ ሓደ እኳ ነቲ ዓስቢ ዓወት ኣይዘርፍኩም።

20-22. እምብኣርከ ኻብ ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትኩምስለምንታይ ደኣ ኣብዛ ዓለም ከም ዘሎኹምሲከም ናይ ሰብ ትእዛዛትን ምህሮን ገይሮም፥ ኣይትሐዝኣይትጥዓምኣይትተንኪ፡ ኢሎም ሕጋጋት ዚሕግጉልኩም፡ - እዚ ዅሉ ተተገይሩስ ንሕልፈቱ እዩ፡ -

23. እዚ ብትሑት ሓሳብን ብምሕሳም ስጋን ዚግበር ናይ ፍቓድ ርእስኻ ኣምልኾ፡ ሕብሪ ጥበብሲ አለዎ፡ ግናኸ ንምጽጋብ ስጋ እዩ እምበር፡ ንገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ።