1. ጳውሎስብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስጢሞቴዎስ ሓውናውን

2. ነቶም ኣብ ቈሎሴ ዘለዉ ቅዱሳንን ብክርስቶስ ኣመንቲ ኣሕዋትን፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም

3-4. እታ ብክርስቶስ የሱስ እምነትኩምን ንዅሎም ቅዱሳን ዘላትኩም ፍቕርን ምስ ሰማዕናኵሉ ሳዕ ምእንታኻትኩም እናጸሌናንኣምላኽኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስነመስግን አሎና።

5. ስለ እቲ ኣብ ሰማያት ተኣርኒቡልኩም ዘሎ ተስፋ ቐደም ብዛዕባኡ ብናይ ሓቂ ቓል ወንጌል ዝሰማዕኩምዎ እሞ፡

6. ናባኻትኩም ዝመጸ ኣብ ኵላ ዓለምውን እናፈረየን እናዓበየን ዚኸይድ ዘሎ፡ ካብታ ንጸጋ ኣምላኽ ብሓቂ ዝሰማዕኩምላን ዝፈለጥኩምላን መዓልቲ ጀሚሩ ድማ ኣባኻትኩም ዘሎ፡

7. ከምቲ ኻብ ኤጳፍራስ፡ እቲ ፍቁር መዓይይትና ምእንታኻትኩምውን እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስእተመሃርኩምዎ

8. ፍቕርኹም ብመንፈስ ዘፍለጠናውን ንሱ እዩ።

9. ስለዚ ንሕና ኸኣ ካብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ጀሚርና፡ በቲ ፍልጠት ፍቓዱ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ኪመልኣኩም፡ ምእንታኹም ጸሎትን ልማኖን ኣየብኰርናን

10. ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ፡ ፍረ እናፈሬኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓቤኹምን ብዅሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ከተብሉ ንእኡ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ፡ ንጽሊ አሎና።

11. ብሓጐስ ብጽንዓት ዘበለ ዅሉንብዘሎ ትዕግስትን ዓቕልን ብሓይሊ ኽብሩ በርቲዕኩም

12. ነቲ ናብ ግደ ርስቲ ቅዱሳን ኣብ ብርሃን ዘብቅዓና ኣቦ እናኣመስገንኩም

13. ንሱ ኻብ ስልጣን ጸልማት ዘውጽኣናናብታ መንግስቲ ፍቁር ወዱውን ኣእተወና

14. ኣብኡ ምድሓንና፡ ማለት ሕድገት ሓጢኣት፡ ዘሎና፡

15. ንሱ መልክዕ እቲ ዘይርኤ ኣምላኽበዅሪ ዅሉ ፍጥረትውን እዩ።

16. ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎዚርኤን ዘይርኤንዝፋናት ኰኑ ወይስ ጕይትነትሕልቅነት ወይስ ስልጣናትኵሉ ብእኡ ተፈጢሩ አሎ እሞ፡ ኵሉ ብእኡን ንእኡን እዩ እተፈጥረ

17. ንሱ ኸኣ ቅድሚ ዅሉ እዩ፡ ኵሉውን ብእኡ ቘይሙ አሎ።

18. ንሱ ነቲ ስጋኡ ድማ ርእሱ እዩ፡ ማለት ንማሕበርብዅሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንሱ መጀመርያ እዩ፡ ካብ ምዉታትውን በዅሪ እዩ።

19. ብዘሎ ምልኣት አብኡ ኺሐድርኣቦ ሰሚርዎ አሎ እሞ፡

20. ብእኡ ብደም መስቀሉ ገይሩ ሰላም ምስ ገበረ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ዅሉ ንርእሱ ተዓሪቕዎ እዩ።

21. ንኣኻትኩም፡ ቀደም ፍሉያት ብሓሳብኩም ብኽፉእ ግብሩኹምን ጸላእቲ ዝነበርኩም ከኣ፡

22-23. ካብቲ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር እተሰብከ ወንጌል፡ ኣነ ጳውሎስ ዘገልጋሊኡከይተናቓነቕኩምተሰሪትኩምን ደልዲልኩምን ብእምነት እንተ ጸናዕኩምሲኣበርን ነቐፋን ዜብሎም ቅዱሳን ገይሩ፡ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቝመኩም፡ ሕጂ ብሰብነት ስጋኡ ብሞቱ ገይሩ ዓረቐኩም።

24. ሕጂ በቲ ምእንታኹም ዝዀነ ጸበባይ እሕጐስ አሎኹ፡ ምእንቲ ስጋኡ፡ ንሳ ድማ እታ ማሕበር እያ፡ ብስጋይ ነቲ ጐደሎ መከራ ክርስቶስ እምልእ አሎኹ።

25. ኣነ፡ ከምቲ ንኣይ ናባኻትኩም እተዋህበ መጋቢነት ኣምላኽቃል ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ኽመልእ እየ ኣገልጋሊ ማሕበር ዝዀንኩ

26. ማለት፥ እቲ ኻብ ዘለኣለምን ካብ ውሉድ ወለዶን ተሰዊሩ ዝነበረ ሎሚ ግና ንቕዱሳኑ እተገልጸ ምስጢር

27. ሃብቲ ኽብሩ ነዚ ምስጢር እዚ ኣብ ኣህዛብ እንታይ ምዃኑ ኼፍልጦም ንዝደለዮም፡ ንሱውን ክርስቶስ ኣባኻትኩም፡ ተስፋ ኽብሪ እዩ።

28. ንሕና ድማ፡ ንዅሉ ሰብ ብክርስቶስ ምሉእ ጌርና ኸነቝሞብጥበብ ዘበለ ንዅሉ ሰብ እናመዓድና፡ ንዅሉ ሰብውን እናመሃርና ንነግር አሎና።

29. ነዚ ድማ ኣነ፡ ብመጠን እቲ ኣባይ ብሓይሊ ዚገብር ዘሎ ግብሩ እናተጋደልኩእጽዕር አሎኹ።