1-2. ግናኸ ሳውል ገና ብምፍርራህን ብምቕታልን ኣብ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ነዲሩ ነበረ እሞ ዝዀነ ይኹን በዛ መገዲ እዚኣ ዘለዉ ሰብኡት ወይስ ኣንስቲ እንተ ረኸበኣኣሲሩ ንየሩሳሌም ምእንቲ ኼምጽኦም፡ ናብ ሊቀ ኻህናት ከይዱ ናብተን ኣብ ደማስቆ ዘለዋ ኣባይቲ ጸሎት እትበጽሕ ደብዳበ ኻብኡ ለመነ

3. ኪኸይድ ከሎ ኸኣ፡ ናብ ደማስቆ ምስ ቀረበብድንገት ጸዳል ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያኡ ኣንጸባረቐ

4. ናብ ምድሪውን ወደቐሳውል፡ ሳውል፡ ንምንታይ እትሰጐኒዚብል ድምጺ ኸኣ ሰምዔ

5. ንሱ ድማ፡ ጐይታይ፡ መን ኢኻበለጐይታ ኸኣ፡ ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ እየ። ኣብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሐርሐርካ፡ ንርእስኻ እዩ ዚገደካበሎ

6. ንሱ ኸኣ እናኣንበድበደን እናፈርሄንጐይታይ፡ እንታይ ክገብር ትደሊ አሎኻ፧ በሎጐይታ ድማ፡ ተንስእ እሞ ናብ ከተማ እቶ፡ እንታይ ክትገብር ከም ዚግብኣካውን፡ ኣብኡ ኺነግሩኻ እዮም፡ በሎ

7. እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰብድምጺ እናሰምዑ ገለ እኳ ኸይረኣዩደንጽይዎም ደው በሉ።

8. ሳውል ካብ ምድሪ ተንሲኡ ኣዒንቱ ቛሕ እንተ ኣበለ፡ ገለ እኳ ኣይረአየን። ብኢዱ መሪሖም ናብ ደማስቆ ኣእተውዎ

9. ከይረአየን ከይበልዔን ከይሰተየን ድማ ሰለስተ መዓልቲ ገበረ።

10. ኣብ ደማስቆ ኸኣ ሃናንያ ዚብሀል ወደ መዝሙር ነበረ። ንእኡ ጐይታ ብራእይ፡ ሃናንያ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ፡ ጐይታይ፡ በለ

11. ጐይታ ድማ፡ ተንስእ እሞ ናብቲ ቕኑዕ ዚብሀል መተሓላለፊ ኺድሳውል ዚብሀል ሰብኣይ ብዓል ጠርሴስእንሆይጽሊ አሎ እሞ፡ ኣብ ቤት ይሁዳ ድለዮ

12. ንሱውን ሃናንያ ዚብሀል ሰብኣይ አትዩ፡ ምእንቲ ኺርኢ ኢዱ ኼንብረሉ ብራእይ ርእዩ አሎ፡ በሎ።

13. ሃናንያ ግና፡ ጐይታይ፡ ብዛዕባ እዚ ሰብኣይዚ ኣብ የሩሳሌም ንቕዱሳንካ ኽንደይ ክፉእ ከም ዝገበሮም፡ ካብ ብዙሓት ሰሚዔ አሎኹ።

14. ኣብዚ ድማ ስምካ ንዚጽውዑ ዂላቶም ኪኣስር፡ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ስልጣን አለዎ፡ ኢሉ መለሰ።

15-16. ጐይታ ግና፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ኣብ ቅድሚ ነገስታትን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤልን ስመይ ኪጸውር፡ ንኣይ ሕሩይ ኣቕሓ እዩ እሞ፡ ምእንቲ ስመይ ክንደይ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ ከም ዚግብኦ ኸርእዮ እየ፡ ስለዚ ኺድ ደኣ፡ በሎ

17. ሽዑ ሃናንያ ኸደ እሞ ናብ ቤት ኣተወኢዱ ኣብኡ ኣንቢሩ ኸኣ፡ ኣታ ሳውል ሓወይ፡ እቲ ኽትመጽእ ከሎኻ ኣብ መገዲ እተራእየካ ጐይታና የሱስክትርእን መንፈስ ቅዱስ ኪመልኣካን፡ ናባኻ ልኢኹኒበሎ

18. ብኡብኡ ኸኣ ካብ ኣዒንቱ ኸም ቅራፍ ዝበለ ወደቐ እሞ ረአየተንሲኡውን ተጠምቀ

19. ምግቢ ምስ ተመገበ ድማ፡ በርትዔሳውል ከኣ ምስቶም ኣብ ደማስቆ ዘለዉ ደቀ መዛሙርቲ ሓያሎ መዓልቲ ተቐመጠ።

20. ብኡብኡ ድማ ኣብ ኣባይቲ ጸሎቶም ብዛዕባ የሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ሰበኸ

21. ዝሰምዕዎ ዘበሉ ዂላቶም ከኣ ተገረሙ እሞ፡ እቲ ኣብ የሩሳሌም ነቶም ነዚ ስምዚ ዚጽውዑ ዘበሉ ዜጥፍእ ዝነበረስ፡ እዚዶ ኣይኰነን፧ ኣእሲሩ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ምእንቲ ኺወስዶም ድማ፡ ናብዚ ኣይመጸንበሉ

22. ሳውል ግና እናበርትዔ ኸደ፡ ነቶም ኣብ ደማስቆ ዚነብሩ ኣይሁድ ከኣ የሱስ እቲ ክርስቶስ ምዃኑ ብምግሃድ ኣፎም የትሕዞም ነበረ።

23. ብዙሕ መዓልቲ ምስ ሐለፈ ድማ፡ ኣይሁድ ኪቐትልዎ ሐቢሮም ተማኸሩ

24. ሳውል ግና ምኽሮም ፈለጠ። ምእንቲ ኪቐትልዎ ኸኣ ለይትን መዓልትን ነቲ በሪታት ይሕልውዎ ነበሩ።

25. እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና፡ ብለይቲ ወሲዶም ኣብ ከፈር ገይሮም፡ ብቐጽሪ ኣውረድዎ

26. ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ ኸኣ፡ ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ኺሕወስ ፈተነ፡ ንሳቶም ግና፡ ወደ መዝሙር ምዃኑ ስለ ዘይኣመንዎኲላቶም ፈርሁ

27. በርናባስ ግና ተቐቢሉ ናብ ሃዋርያት ኣምጽኦጐይታ ኣብ መገዲ ኸመይ ከም እተራእዮን ከም እተዛረቦን፡ ኣብ ደማስቆ ድማ ብስም የሱስ ከመይ ገይሩ ብትብዓት ከም ዝመሀረን ነገሮም

28. ኣብ የሩሳሌም ከኣ ተቢዑ ብስም ጐይታ እናተዛረበ፡ ምሳታቶም ይኣቱን ይወጽእን ነበረ

29. ምስቶም ካብ ጽርኣውያን ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ ይዛረብን ይካራኸርን ነበረ፡ ንሳቶም ግና ኪቐትልዎ ደለዩ።

30. እቶም ኣሕዋት ምስ ፈለጡ ድማ፡ ናብ ቂሳርያ ኣውረድዎ ናብ ጠርሴስውን ሰደድዎ

31. ከምኡ ኸኣ ነታ ኣብ ኲላ ይሁዳን ገሊላን ሰማርያን ዝነበረት ማሕበር ብዘላ ሰላም ኰነላ፡ እናተሀንጸትን ብፍርሃት እግዚኣብሄር እናተመላለሰትን ብምርዳእ መንፈስ ቅዱስ እናዐበየትን ከደት።

32. ኰነ ኸኣ፡ ጴጥሮስ ናብ ኲሉ ኺዘውር ከሎ፡ ናብቶም ኣብ ልዳ ዚነብሩ ቅዱሳን ወረደ

33. ኣብኡ ኸኣ ኤንያ ዝስሙሾሞንተ ዓመት ኣብ ዓራት ዝደቀሰ መጻጒዕ ሰብኣይ ረኸበ

34. ጴጥሮስ ድማ፡ ኤንያየሱስ ክርስቶስ የሕውየካ አሎ። ተንስእ፡ ባዕልኻ ኣንጽፍበሎብኡብኡ ኸኣ ተንስኤ

35. ኣብ ልዳን ኣብ ሳሮንን ዚነብሩ ዂላቶም ከኣ ነዚ ርእዮም ናብ ጐይታ ተመልሱ

36. ኣብ ዮጴ ድማ ጣቢታ እትብሀል ተምሃሪት ነበረት፡ ትርጒሙ ድማ ዶርቃስ እዩ። ንሳ ኸኣ ጽቡቕ ግብሪ ዝመልኣ ምጽዋትውን እትምጽውት እያ።

37. ኰነ ኸኣ፡ በቲ ቕነቲ ሐሚማ ሞተትሐጺቦም ድማ ኣብ ደርቢ ኣንበርዋ

38. ልዳ ንዮጴ ቕርብቲ ስለ ዝነበረት፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ጴጥሮስ ኣብኣ ኸም ዘሎ ሰሚዖምክልተ ሰብኣይ ናብኡ ልኢኾምከይደንጐየ ናባታቶም ኪመጽእ ለመንዎ

39. ሽዑ ጴጥሮስ ተንሲኡ ምሳታቶም ከደ። ናብኡ ምስ መጸ ድማ፡ ናብ ደርቢ ኣደየብዎኲላተን እተን መበለታት ከኣ እናበኸያ፡ እቲ ጣቢታ ምሳታተን ከላ ዝገበረቶ ቐመውሽን ክዳውንትን እናኣርኣያኦ ከቢበናኦ ደው በላ።

40. ጴጥሮስ ግና ንዂላተን ናብ ወጻኢ ኣውጺኡተምበርኪኹ ጸለየ፡ ናብቲ ሬሳኣ ግልጽ ኢሉ ኸኣ፡ ጣቢታተንስኢበላኣዒንታ ቛሕ ኣበለት፡ ንጴጥሮስ ምስ ረአየቶውንኮፍ በለት።

41. ኢዱ ዘርጊሑ ኣተንስኣ፡ ነቶም ቅዱሳንን ነተን መበለታትን ጸዊዑ ድማ፡ ህያው ኰይና ኣብ ቅድሚኦም ደው ኣበላ።

42. እዚ ኣብ ኲላ ዮጴ ተፈልጠብዙሓት ከኣ ብጐይታ አመኑ

43. ንሱ ድማ ሓያሎ መዓልቲ ምስ ስምኦንፈሓቚ ቄራብቲ ኣብ ዮጴ ተቐመጠ