1. እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ፡ እዚ ነገር ከምኡ ድዩ፧ በሎ

2. ንሱ ግና በለ፡ ኣቱም ኣሕዋትናን ኣቦታትናስምዑ። ነቦና ኣብርሃም፡ ገና ኣብ ካራን ከይተቐመጠ ኣብ መሰጶታምያ ኸሎኣምላኽ ክብሪ ተራእዮ እሞ፡

3. ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ውጻእ፡ ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ምድሪ ንዓበሎ

4. ሽዑ ኻብ ምድሪ ከለዳውያን ወጺኡ ኣብ ካራን ተቐመጠኣቦኡ ምስ ሞተ ኸኣ፡ ኣምላኽ ካብኡ ናብዚ ሕጂ ዘሎኹምዎ ምድሪ ኣግዐዞ

5. ኣብኡ ድማ መርገጽ እግሪ ዚኣክል እኳ ርስቲ ኣይሀቦንውሉድ ዜብሉ ኽነሱስ፡ እቲ ምድሪ ንእኡን ብድሕሪኡውን ንዘርኡን ከም ዘረስትዮኣተስፈዎ

6. ኣምላኽ ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረበዘርእኻ ኣብ ካልእ ምድሪ ስደተኛ ኪኸውን እዩ፡ ኪገዝእዎ ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመትውን ኬጽብቡሉ እዮም፡

7. ነቶም ዚገዝእዎም ህዝቢ ኸኣ ኣነ ኽፈርዶም እየ፡ በለ ኣምላኽ፡ እንድሕርዚ ኻብኡ ኺወጹ እሞ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኼገልግሉኒ እዮም።

8. ኪዳን ግዝረት ከኣ ሀቦ። ከምኡ ድማ ንይስሃቅ ወለዶ እሞ ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ገዘሮ። ይስሃቅ ድማ ንያእቆብ ወለዶ፡ ያእቆብ ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ርእሲ ኣቦታት ወለዶም።

9. እቶም ርእሲ ኣቦታት ድማ ንዮሴፍ ቀኒኦምሉ ናብ ግብጺ ሸጥዎኣምላኽ ግና ምስኡ ነበረ።

10. ካብ ኲሉ ጸበባኡ ኸኣ ኣርሀወሉ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ድማ ዕድልን ጥበብን ሀቦ። ንሱውን ኣብ ግብጽን ኣብ ኲሉ ቤቱን ኣርኣሶ

11. ኣብ ኲሉ ግብጽን ከነኣንን ከኣ ጥሜትን ብዙሕ ጸበባን ኰነ። ኣቦታትና ድማ ዚምገብዎ ሰኣኑ።

12. ሽዑ ያእቆብ ኣብ ግብጺ እኽሊ ኸም ዚርከብ ምስ ሰምዔነቦታትና ቐዳማይ ጊዜ ለኣኾም

13. ኣብ ካልኣዮም ከኣ ንዮሴፍ ኣሕዋቱ ኣለለይዎዓሌቱውን ኣብ ፈርኦን ተፈልጠ

14. ዮሴፍ ከኣ ነቦኡ ያእቆብን ነቶም ሰብዓን ሓሙሽተን ነፍሲ ዚዀኑ ዂሎም ኣዝማዱን ልኢኹ ጸውዖም

15. ያእቆብ ድማ ናብ ግብጺ ወረደ፡ ንሱ ሞተ ኣቦታትናውን ሞቱ

16. ናብ ሰኬም ድማ ኣግዐዝዎም፡ ኣብቲ ኣብርሃም ካብ ደቂ ኤሞር ብወርቂ ዝዐደጎ መቓብር ኣብ ሰኬም ቀበርዎ

17-18. ክሳዕ ንዮሴፍ ዘይፈልጦ ኻልእ ንጉስ ኣብ ግብጺ ዚትንስእ፡ እቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝመሐለሉ ዘመን ተስፋ እናቐረበ፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ግብጺ ዐመረን በዝሔን

19. እዚ ንጉስ እዚ ንዓሌትና ተተናዀሎምነቦታትና ኸኣ፡ ሕጻናቶም ምእንቲ ኸይዐብዩ፡ ክሳዕ ዚድርብዩ ጨቈኖም

20. በቲ ዘመን እቲ ሙሴ ተወልደ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ነበረ፡ ሰለስተ ወርሒውን ኣብ ቤት ኣቦኡ ተመገበ

21. ምስ ተደርበየ ግና፡ ጓል ፈርኦን ኣልዐለቶወዳ ኪኸውን ከኣ ኣዕበየቶ

22. ሙሴ ድማ ኲሉ ጥበብ ግብጻውያን ተማህረብቓሉን ብግብሩን ከኣ በርትዔ

23. ወዲ ኣርብዓ ዓመት ምስ ኰነ ድማ፡ ነሕዋቱ ደቂ እስራኤል ኪበጽሕ ኣብ ልቡ ሓሳብ ኣተዎ

24. ካባታቶም ሓደ ኸም እተዐመጸ ምስ ረአየ ድማ፡ ሕነ እቲ ዕሙጽ ዘርዩ ነቲ ግብጻዊ ቐተሎ

25. እቶም ኣሕዋቱ ግዳ ኣየስተውዐልዎን እምበር፡ ኣምላኽ ብኢዱ ገይሩ ምድሓን ከም ዚህቦምዜስተውዕሉ ይመስሎ ነበረ።

26. ንጽብሒቱ ኸኣ ንሓድሕዶም ኪብኣሱ ኸለዉ፡ መጾም። ኬተዐርቖም ደልዩ ኸኣ፡ ኣቱም ሰባትኣሕዋት ኢኹም፡ ከመይከ ንሓድሕድኩም እትተዓማመጹበሎም

27-28. እቲ ንብጻዩ ዚዕምጾ ዝነበረ ግና፡ ንኣኻ መን ሓለቓን ፈራድን ገይሩ፡ ኣባና ሸይሙካ፧ ከምቲ ትማሊ ነቲ ግብጻዊ ዝቐተልካዮዶ ኽትቀትለኒ ትደሊ አሎኻ፧ ኢሉ ደፍኦ

29. ሙሴ ድማ ብዛዕባ እዚ ዘረባ እዚ ሀደመ፡ ኣብ ምድሪ ምድያን ድማ ስደተኛ ዀነ፡ ኣብኡ ኸኣ ክልተ ኣወዳት ወለደ

30. ኣርብዓ ዓመት ምስ መልኤ ድማ፡ ኣብ በረኻ ደብረ ሲና መልኣኽ ብዚነድድ ኣሻዂ ቈጥቋጥ ተራእዮ

31-32. ሙሴ እዚ ትርኢት እዚ ምስ ረአየተገረመኪጥምቶ እንተ ቐረበ ድማ፡ ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትካኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን እየ፡ ዚብል ድምጺ እግዚኣብሄር ተሰምዔ። ሽዑ ሙሴ ኣንቀጥቀጠ ኺጥምት ከኣ ኣይደፈረን

33. እግዚኣብሄር ድማ፡ እዛ ደው ኢልካያ ዘሎኻ ቦታ ቅድስቲ ምድሪ እያ እሞ፡ ኣሳንእንካ ኣውጽእ

34. መከራ እቶም ኣብ ግብጺ ዘለዉ ህዝበይ ኣጸቢቐ ርኤኹ እህህታኦም ከኣ ሰማዕኩ ኸውጽኦምውን ወረድኩሕጂ ኸኣ ናብ ግብጺ ኽልእከካንዓ፡ በሎ።

35. ነዚ፡ ሓለቓን ፈራድን ገይሩ መን እዩ ዝሸመካ፧ ኢሎም ዝነቐፍዎ ሙሴ፡ ንእኡ ኣምላኽብኢድ እቲ ኣብ ኣሻዂ ቈጥቋጥ እተራእዮ መልኣኽ ገይሩ፡ ሓለቓን መድሓንን ምእንቲ ኪኸውን ለኣኾ

36. ንሱ ኸኣ ኣብ ግብጽን ኣብ ባሕሪ ኤርትራን ኣብ በረኻን ኣርብዓ ዓመት ትእምርትን ተኣምራትን እናገበረ ኣውጽኦም

37. እቲ ንደቂ እስራኤልኣምላኽ ካብ ኣሕዋትኩም ከም ዝኸማይ ዝበለ ነብዪ ኼተንስኣልኩም እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎዝበሎም፡ እዚ ሙሴ እዚ እዩ።

38. ኣብ ማሕበር ኣብ በረኻ ምስቲ ኣብ ደብረ ሲና እተዛረቦ መልኣኽ ምስ ኣቦታትናን ዝነበረ፡ ምእንቲ ንኣና ኺህቦ ኸኣ ነቲ ህያው ቃል እተቐበለ፡ ንሱ እዩ።

39. ንእኡ ኣቦታትና ኣበይዎ እምበር፡ ኪእዘዝዎ ኣይደለዩን፡ ብልቦምውን ናብ ግብጺ ተመልሱ

40. ንኣሮን ድማ፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣና ሙሴ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፡ ቀቅድሜና ዚኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልናበልዎ

41. በቲ ቕነቲ ምራኽ ገበሩ፡ መስዋእቲ ድማ ነቲ ምስሊ ጣኦት ሰውኡብግብሪ ኣእዳዎም ከኣ ደስ በሎም።

42-43. ኣምላኽ ግና ካባታቶም ኣግለሰ፡ ኣብ መጽሓፍ ነብያት፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ በተን ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻኸ ሕሩድን ካልእ መስዋእትንሲ ኣቕሪብኩምለይ ዲኹም፧ ምንም፡ ምእንቲ ኽትሰግዱሎም ኢልኩም ዝገበርኩምዎም ምስልታትድንኳን ሞሎኽን ኰዀብ ኣምላኽኩም ሬፋንን ኢኹም ዝጾርኩም። ስለዚ ኣነ ኽንየው ባቢሎን ከግዕዘኩም እየ፡ ዚብል ጽሑፍ ከም ዘሎ፡ ንሰራዊት ሰማይ ኬምልኹ ፈንዩ ሐደጎም።

44. እቲ ንሙሴ ዝነገሮከምታ ዝረኣያ ምስሊ ገይሩ ኺሰርሓ ዝኣዘዞ ድንኳን ምስክር ኣብ በረኻ ምስ ኣቦታትና ነበረት።

45. ኣቦታትና ድማ ተቐቢሎምዋ፡ ብእያሱ ተመሪሖም ኪወርሱ ኸለዉ፡ ናብታ ኣምላኽ ክሳዕ ዘመን ዳዊት ካብ ገጽ ኣቦታትና ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዝነበርዋ ሃገር ኣእተውዋ

46. ዳዊት ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዕድል ረኸበንኣምላኽ ያእቆብ ዚኸውን ማሕደር ኪረክብ ከኣ ለመነ

47. ቤት ዝሀነጸሉ ግና ሰሎሞን እዩ።

48-50. ነብዪ ኸም ዚብልሰማይ ዝፋነይምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ እዩ። ከመይ ዝበለት ቤት እያ እትሀንጹለይወይስ ኣየነይቲ ስፍራ እያ ዝዐርፈላእዚ ዂሉስ ኢደይዶ ኣይገበረቶንይብል እግዚኣብሄር፡ እቲ ልዑል ብኢድ ሰብ ኣብ እተሀንጸት ቤት ኣይነብርን እዩ።

51. ኣቱም ልብኹምን ኣእዛንኩምን ዘይተገዝረ ተረርቲ ኽሳድ፡ ንስኻትኩም ኲሉ ጊዜ ንመንፈስ ቅዱስ ትጻረርዎ አሎኹም። ከምቲ ኣቦታትኩም ዝገበርዎ፡ ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ትገብሩ አሎኹም።

52. ካብ ነብያትከ ኣቦታትኩም ዘይሰጐጒዎ መን እዩ፧ ነቶም ብዛዕባ ምምጻእ እቲ ጻድቕ ኣቐዲሞም ዘበሰሩ ድማ ቐተልዎምሕጂውን ንስኻትኩም ኣሕሊፍኩም ወሃብቱን ቀተልቱን ኰንኩም

53. ንስኻትኩም ነቲ ሕጊ ብኢድ መላእኽቲ ተቐቢልኩምዎስ ኣይሐሎኹምዎን

54. እዚ ምስ ሰምዑልቦም ነደደ፡ ኣስናኖም ከኣ ሐርቀሙሉ

55. ንሱ ግና መንፈስ ቅዱስ መልኦ፡ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ኸኣ ክብሪ ኣምላኽን የሱስ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉን ረአየ እሞ፡

56. እንሆሰማይ ተኸፊቱወዲ ሰብ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉ እርኢ አሎኹ፡ በለ

57. ሽዑ ዓው ኢሎም ጨደሩ ኣእዛኖም ደፊኖም ድማ፡ ሐቢሮም ብሓንሳእ ወረርዎ

58. ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ወሲዶም ከኣ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። እቶም ምስክር ድማ ክዳውንቶም ኣብ ጥቓ ኣእጋር ሳውል ዚብሀል ጐበዝ ኣንበሩ

59. ንእስጢፋኖስ ከኣ እናተማህለለን፡ ጐይታይ የሱስመንፈሰይ ተቐበልእናበለንብዳርባ እምኒ ቐተልዎ

60. ተምበርኪኹ ኸኣ ብዓብዪ ድምጺጐይታይ፡ እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይትሐዘሎም፡ ኢሉ ጨደረ። እዚ ምስ በለውን ዐረፈ