1. ሃናንያ ዝስሙ ሰብኣይ ምስ ሰጲራ ሰበይቱ ምድሩ ሸጠ

2. ካብቲ ዋጋኡ ኸኣ ምስ ሰበይቱ ተማኺሩ መቒሉ ኣትረፈ፡ ነቲ ሓደ ምቃል ድማ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት ኣንበሮ

3. ጴጥሮስ ከኣ፡ በል ሃናንያንመንፈስ ቅዱስ ክትሕሱ ኻብ ዋጋ እቲ ምድሪ ኸኣ መቒልካ ኽትሐብእሲስለምንታይ ሰይጣን ንልብኻ መልኦ

4. ከይተሸጠስ ናትካዶ ኣይነበረን፧ ምስ ሸጥካዮስ፡ ኣብ ኢድካዶ ኣይነበረን፧ ከመይ ጌርካኸ ነዚ ነገርዚ ብልብኻ ሐሰብካዮ፧ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይሐሶኻን፡ በሎ።

5. ሃናንያ እዚ ቓልዚ ምስ ሰምዔወደቐነፍሱ ኸኣ ወጸት። እቶም እዚ ዝሰምዑ ዘበሉ ዂሎም ከኣ ኣዝዮም ፈርሁ

6. ኣጒባዝ ድማ ተንሲኦም ገነዝዎተሰኪሞም ኣውጺኦምውን ቀበርዎ

7. ኰነ ኸኣ፡ ብድሕሪኡ ኣስታት ሰለስተ ሰዓት ኣቢሉ ሰበይቱ፡ እቲ ዝዀነ ኸይፈለጠትኣተወት

8. ጴጥሮስ ከኣ፡ እስኪ ንገርኒንመሬትኩምዶ በዚ ኽንድዚ ኢኹም ዝሸጥኩምዎ፧ ኢሉ መለሰላ። ንሳ ኸኣ፡ እወ፡ በዚ ኽንድዚ እዩ፡ በለት

9. ጴጥሮስ ድማ፡ ከመይከ መንፈስ እግዚኣብሄር ንምፍታን እተሰማማዕኩምኣእጋር እቶም ንሰብኣይኪ ዝቐበሩ እንሆ፡ ኣብ ደገ ኣለዋ፡ ንኣኺ ድማ ኬውጽኡኺ እዮም፡ በላ

10. ብኡብኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ወደቐት እሞ ነፍሳ ወጸት። እቶም ኣጒባዝ ምስ ኣተዉ፡ ሞይታ ጸንሓቶምተሰኪሞም ኣውጺኦም ከኣ ኣብ ጥቓ ሰብኣያ ቐበርዋ

11. ኣብ ብዘላ እታ ማሕበርን ኣብቶም ነዚ ነገርዚ ዝሰምዑ ዘበሉ ዂላቶምን ከኣ ብዙሕ ፍርሃት ኰነ።

12. ብኢድ ሃዋርያት ድማ ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተገብረኲላቶም ድማ ብሓንቲ ልቢ ሐቢሮም ኣብ ገበላ ሰሎሞን ነበሩ።

13. ካብቶም ካልኦት ደፊሩ እተጸምበሮም ኣይነበረን፡ እቲ ህዝቢ ግና የኽብሮም ነበረ።

14. ዝበለጸ እኳ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ብጐይታ ዚአምኑ ይውሰኽዎም ነበሩ

15. ጴጥሮስ ኪሐልፍ ከሎ፡ ጽላሎቱ ኣብ ገሊኦም ምእንቲ ኺወድቕ ኢሎም፡ ንሕሙማት ኣብ ዓራትን ኣብ ቃሬዛን ገይሮም፡ ተሰኪሞም ናብ ኣደባባይ የውጽእዎም ነበሩ።

16. ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ካብ ዘለዋ ኸተማታት ከኣ ብዙሓት ተኣኪቦም ይጒዐዙ ነበሩ፡ ሕሙማትን ብርኹሳት መናፍስቲ ዚሳቐዩን ድማ ኣምጽኡ ዂላቶምውን ሐወዩ

17. ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ ዂላቶም ኰይኑ፡ ንሳቶም ከኣ ሻራ ሰዱቃውያን እዮም፡ ቅንኣት መሊእዎም ተንስኡ

18. ኣእዳዎም ዘርጊሖም ንሃዋርያት ሐዝዎም፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ህዝቢውን ኣእተውዎም

19-20. መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ብለይቲ ማዕጾ ቤት ማእሰርቲ ኸፊቱ ንወጻኢ ኣውጺኡኪዱ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢልኩም፡ እዚ ዂሉ ቓል ህይወት ንህዝቢ ንገሩበሎም

21. እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኣብ ምውጋሕ ምድሪ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዮም መሀሩ። እቲ ሊቀ ኻህናት እቶም ምስኡ ዘለውን ግና መጹ፡ እቶም ዋዕላን ኲሎም ዓበይቲ ደቂ እስራኤልን ድማ ኪእከቡ ጸውዑኬምጽእዎም ከኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ለአኹ

22-23. እቶም ገላዉ ግና ምስ መጹ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣይረኸብዎምንተመሊሶም፡ እቲ ቤት ማእሰርቲ ተዐጽዩ ብዂሉ ድማ ገጢሙ፡ እቶም ሐለዉቲውን ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ጸኒሖምና፡ ምስ ከፈትናዮ ግና፡ ኣብ ውሽጡ ሓደ እኳ ኣይረኸብናን፡ ኢሎም ነገርዎም

24. እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሊቃውንቲ ኻህናትን እዚ ነገርዚ ምስ ሰምዑእንታይ ኰን ይኸውን እዚ፧ ኢሎም፡ ብዛዕባኦም ዚብልዎ ሰኣኑ።

25. ሓደ መጺኡ ግና፡ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘእቶኹምዎም ሰባትሲእነዉ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎም ንህዝቢ ይምህሩ አለዉ፡ ኢሉ ነገሮም

26. ሽዑ እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስ ምስቶም ገላዉኡ ኸይዱ ኣምጽኦም፡ እቲ ህዝቢ ብዳርባ እምኒ ኸይቀትሎም ስለ ዝፈርሁ ግና ኣየጋፍዕዎምን።

27-28. ምስ ኣምጽእዎም፡ ኣብቲ ዋዕላ ደው ኣበልዎም። እቲ ሊቀ ኻህናት ድማ፡ በዚ ስም እዚ ኸይትምህሩዶ ኣምሪርና ኣይከልከልናኩምንእንሆ ኸኣ፡ ንየሩሳሌም ብትምህርትኹም መሊእኩምዋ ደም እቲ ሰብኣይ እቲ ናብ ልዕሌና ኸተምጽኡ ትደልዩ አሎኹም፡ ኢሉ መርመሮም

29. ጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና፡ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ

30. ነቲ ንስኻትኩም ኣብ ዕጸይቲ ሰቒልኩም ዝቐተልኩምዎ የሱስኣምላኽ ኣቦታትና ኣተንስኦ

31. ንእስራኤል ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ምእንቲ ኺህብሲ ኣምላኽ ንእኡ ራእስን መድሓንን ገይሩ ናብ የማኑ ልዕል ኣበሎ።

32. ንሕና ድማ ነዚ ነገርዚ ምስክር ኢና፡ እቲ፡ ኣምላኽ ነቶም ዚእዘዝዎ ዝሀቦም መንፈስ ቅዱስውን ምስክር ኣዩ፡ ኢሎም መለሱሎም።

33. እዚ ምስ ሰምዑ፡ ሐረቑ ኪቐትልዎም ድማ ተማኸሩ

34. ግናኸ ሓደ ኣብቲ ዂሉ ህዝቢ ዝኸበረ መምህር ሕጊገማልኤል ዝስሙ ፈሪሳዊ፡ ኣብቲ ዋዕላ ተንሲኡንሃዋርያት ሓንሳእ ኬግልስዎም ኣዘዘ

35. በሎም ድማ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤልኣብዞም ሰባት እዚኣቶም ክትገብርዎ እትሐስብዎ ዘሎኸም ተጠንቀቑሉ

36. ቅድሚ እዚ ወርሓት እዚ ቴዎዳስ፡ ኣነ ዓብዪ እየ፡ ኢሉ ተንስኤኣርባዕተ ሚእቲ ዚኣኽሉ ሰባት ከኣ ሰዐብዎ። ንሱ ጠፍኤ፡ እቶም ዝሰዐብዎ ዘበሉ ድማ ተበተኑ፡ ከም ዘይነበሩውን ኰኑ

37. ብድሕሪኡ ይሁዳ፡ እቲ ገሊላዊ፡ በተን ቅነ ጽሕፈት ግብሪ ተንስኤብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ኣስድዔ። ንሱውን ጠፍኤ፡ እቶም እተኣዘዝዎ ዘበሉ ዂሎም ድማ ተዘርዉ

38-39. ሕጂ ኸኣ፡ እዚ ምኽሪ እዝን እዚ ግብሪ እዝን ካብ ሰብ እንተ ዀይኑ፡ ኪፈርስ እዩ። ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ግና፡ ግብሮም ከተፍርሱ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ ምስ ኣምላኽ ክትብኣሱ ኸይትርከቡስነዞም ሰባት እዚኣቶም ሕደግዎም፡ ገለ ኣይትበልዎም፡ እነግረኩም አሎኹ።

40. ሕራይ ከኣ ኣበሎም። ንሃዋርያት ጸዊዖም ገረፍዎምብስም የሱስ ከይዛረቡ ኣዚዞም ከኣ ሐደግዎም።

41. ንሳቶም ግና ምእንቲ ስሙ ኺሐስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ፡ ካብ ቅድሚ እቶም ዋዕላ እናተሐጐሱ ኸዱ

42. ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ በቤትን ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኲሩን ነበሩ።