1. ኣግሪጳ ኸኣ ንጳውሎስ፡ ብናይ ርእስኻ ኽትዛረብ ተፈቒዱልካ አሎ፡ በሎ። ሽዑ ጳውሎስ ኢዱ ዘርጊሑ ንርእሱ ኺመጻረየላ መለሰ

2-3. ንጉስ ኣግሪጳኲሉ ስርዓት ኣይሁድን ክርክሮምን ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ሎሚ ምናዳ ኣብ ቅድሜኻ ብኣይሁድ እኽሰሰሉ ብዘሎኹ ዘበለ ነገር ክመጻረ ስለ እተፈቕደለይ፡ ነዛ ርእሰይ እተመስገነት ገይረ እርእያ አሎኹ። ስለዚ ኸኣ ብትዕግስቲ ኽትሰምዓኒ እልምነካ አሎኹ።

4. እምብኣርስኸ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ኣብ ማእከል ህዝበይ ኣብ የሩሳሌም ዝነበርክዎ ንብረተይ ኲላቶም ኣይሁድ ይፈልጥዎ እዮም።

5. ኪምስክሩ እንተ ደለዩስ፡ ከምቲ ኻብ ኲሉ ዚጥንቀቕ ወገን ኣምልኾና ፈሪሳዊ ኸም ዝነበርኩ፡ ንሳቶም ካብ ቀደም ጀሚሮም ይፈልጡኒ እዮም።

6. ሕጂ ድማ ስለቲ ኣምላኽ ነቦታትና ዝሃቦም ትጽቢት ተስፋ ኺፍረደኒ ደው ኢለ እኔኹ፡

7. ነዚ ትጽቢት እዚ ኸኣ እቶም ዓሰርተው ክልተ ዓሌትናለይትን መዓልትን ተጊሆም እናኣገልገሉ፡ ናብኡ ኺበጽሑ ተስፋ ይገብሩ አለዉ። ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ስለ እዛ ተስፋ እዚኣ እየ ብኣይሁድ ዝኽሰስ ዘሎኹ።

8. ኣምላኽ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም ደኣ፡ ስለምንታይ ከም ዘይእመን ነገር ጌርኩም ትርእይዎ አሎኹም፧

9. ኣነ ንርእሰይሲ ምስ ስም የሱስ ናዝሬታዊ ዚጻረር ነገር ክገብር ግቡኤይ ምዃኑ እኳ ይመስለኒ ነይሩ።

10. እዚ ድማ ኣብ የሩሳሌም ገይረዮ። ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ስልጣን ተቐቢለ ንብዙሓት ካብ ቅዱሳን ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእቶኽዎምኪቐትልዎም ከለዉውን ሰመርኩ

11. ኣብ ኲሉ ኣባይቲ ጸሎት ድማ ብዙሕ ጊዜ እናቐጻዕኩ ብሓሳር ኪጸርፉ ኤጽብበሎም ነበርኩ። ናብተን ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ኸተማታት ክሳዕ ዝሰጎምኣዝየ ተሃንደድክዎም

12. በዚ ነገርዚ ብትእዛዝ ሊቃውንቲ ኻህናትን ብፍቓዶምን ናብ ደማስቆ ክኸይድ ከሎኹ፡

13. ዎ ንጉስቀትሪ ኣብ መገዲ ከሎኹስ፡ ካብ ጸሓይ ዚደምቕ ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያይን ኣብ ዙርያ እቶም ምሳይ ዚኸዱ ዝነበሩን ኬንጸባርቕ ከሎ ርኤኽዎ

14. ኲላትና ናብ ምድሪ ምስ ወደቕና ኸኣ፡ ብቛንቋ እብራይስጢሳውል፡ ሳውል፡ ከመይከ እትሰጐኒ፧ ናብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሐርሐርካንኣኻ ይገደካኢሉ ዚዛረበኒ ድምጺ ሰማዕኩ

15. ኣነ ድማ፡ መን ኢኻጐይታይበልክዎ። ጐይታ ኸኣ በለኒ፡ ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ እየ።

16. ግናኸ ተንስእ እሞ ብእግርኻ ደው በል፡ ነቲ ዝርኤኻዮን ኣነ ድሕርዚ ኽገልጸልካ ዘሎንን ነገር ኣገልጋልን ምስክርን ክትከውን መዲበካ አሎኹ፡ ስለዚ ድማ እየ እተገለጽኩልካ

17. ካብ ህዝብኻን ካብቶም ናባታቶም ዝልእከካ ኣህዛብን ከኣ ከናግፈካ እየ፡

18. ንኣይ ብምእማን ከኣ ሕድገት ሓጢኣት ርስቲ ምስ ቅዱሳንን ኪረኽቡካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ስልጣን ሰይጣንውን ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ኣዒንታቶም ክትከፍተሎም፡ እልእከካ አሎኹ።

19-20. ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ምእንትዚ ንንስሓ ዚግባእ ግብሪ እናገበሩ ኺንስሑን ናብ ኣምላኽ ኪምለሱንቅድም ኣብ ደማስቆን ኣብ የሩሳሌምን፡ ደሓር ከኣ ኣብ ኲላ ሃገር ይሁዳ ንዚነብሩን ነህዛብን ብስራት ኣበሰርኩ እምበር፡ ነቲ ሰማያዊ ራእይ ኣይኣቤኽዎን

21. ብዛዕባዚ ኸኣ ኣይሁድ ኣብ ቤተ መቕደስ ሐዙኒ ኪቐትሉኒውን ሃቀኑ

22-23. ግናኸ ንዓብይን ንንእሽቶን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ደው ኢለ እናመስከርኩ ኻብ ኣምላኽ ረዲኤት ተቐቢለ አሎኹ። ብዘይ እቲ ሙሴን ነብያትን ኪኸውን ከም ዘለዎ እተዛረብዎ፡ ማለት፡ ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኸም ዚጸግብ፡ ከም በዂሪ ትንሳኤ ምዉታትውን ንህዝብን ነህዛብን ብርሃን ከም ዘበስር፡ ኢለ ሓንቲ እኳ ኣይተዛረብኩን

24. ከምዚ ኢሉ ኸመጻረ ኸሎ ድማ፡ ፌስጦስ ዓው ኢሉ፡ ኣታ ጳውሎስተጸሊልካ ኢኻ፡ እዚ ብዙሕ ትምህርትኻ ናብ ምጽላል ኣድሂቡልካ አሎ፡ በሎ።

25. ጳውሎስ ከኣ፡ ዎ ልኡል ፌስጦስቃል ሓቅን ኣእምሮን እየ ዝዛረብ ዘሎኹ እምበር፡ ኣይተጸለልኩን

26. እዚ ኣነ ቅድሚኡ ደፊረ ዝዛረቦ ዘሎኹ ንጉስ ድማ ነዚ ነገርዚ ይፈልጦ እዩ፡ ኣብ ውሻጠ ኣይተገብረን እሞ፡ ካብዚ ነገርዚ ገለ ኸም ዘይጠፍኦ፡ ተረዲኤዮ አሎኹ።

27. ንጉስ ኣግሪጳንነብያትሲ ትኣምኖም ዲኻ፧ ከም እትኣምን እፈልጥ እየ፡ በለ።

28. ኣግሪጳ ኸኣ ንጳውሎስክርስትያን ንምዃን ከተረድኣኒ ቕሩብ ተሪፉካበሎ

29. ጳውሎስ ከኣ፡ ኣነ እንተ ብቕሩብ እንተ ብብዙሕ፡ ብዘይ እዚ መቚሔይሲ ኸምዚ ኸማይ ኪዀኑ፡ ሎሚ ንዚሰምዑኒ ዂላቶም እምበር፡ ንኣኻ ጥራይ ኣይኰንኩን ካብ ኣምላኽ ዝምነዮ ዘሎኹ፡ በለ

30. ሽዑ እቲ ንጉስን እቲ ራእስን በርኒቄን እቶም መቓምጦምን ተንስኡ

31. ካብኡ ምስ ኣግለሱ ድማ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ናብ ሞት ወይስ ናብ ማእሰርቲ ዜብጽሕ የብሉንኢሎም ንሓድሕዶም ተዛራረቡ

32. ኣግሪጳ ኸኣ ንፌስጦስ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ ኢሉ እንተ ዘይከውንሲ፡ ኪፍታሕ ምተገብኦ ነይሩ፡ በሎ