1. ኰነ ድማ፡ ኣጵሎስ ኣብ ቈረንቶስ ከሎ፡ ጳውሎስ፡ በቲ ላዕላይ ሃገር ሐሊፉ ናብ ኤፌሶን መጸሓያሎ ደቀ መዛሙርቲ ድማ ረኸበ እሞ፡

2. ምስ ኣመንኩምሲመንፈስ ቅዱስዶ ተቐቢልኩምበሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘሎ እኳ ኣይሰማዕናንኢሎም መለሱሉ።

3. ንሱ ኸኣ፡ ብኣየናይ ጥምቀት ደኣ ተጠመቕኩም፧ በሎም። ንሳቶምውን፡ ብናይ ዮሃንስ ጥምቀትበልዎ

4. ሽዑ ጳውሎስዮሃንስሲ በቲ ድሕሪኡ ዚመጽእ፡ ማለት ብየሱስ ክርስቶስኪኣምኑ፡ ነቶም ህዝቢ እናነገረ ጥምቀት ንስሓ እዩ ዘጥመቐበሎም

5. እዚ ምስ ሰምዑብስም ጐይታና የሱስ ተጠምቁ

6. ጳውሎስ ኢዱ ምስ ኣንበረሎም ከኣ፡ መንፈስ ቅዱስ ናባታቶም ወረደ። ሽዑ ብቛንቋታት ተዛረቡን ተነበዩን

7. እቶም ሰባት ከኣ ኲላቶም ኣስታት ዓሰርተው ክልተ ዚኣኽሉ ነበሩ

8. ኣብ ቤት ጸሎት ኣአትዩብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እናነገሮምን እናኣረድኦምንሰለስተ ወርሒ ብትብዓት ይዛራረቦም ነበረ።

9. ሓያሎ ነቲ መገዲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እናካፍኡ ምስ ተታረሩን ምእማን ምስ ኣበዩን ግና፡ ካባታቶም ኣግለሰ። ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ፈልዩ ኣብ ጸጽባሕ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጢራኖስ ኰይኑ ይዛራረቦም ነበረ።

10. እዚ፡ ኣብ እስያ ዝነበሩ ዂሎም ኣይሁድን ጽርኣውያንን ነቲ ቓል ጐይታ ኽሳዕ ዚሰምዕዎክልተ ዓመት ምሉእ እናቐጸለ ኸደ።

11. ኣምላኽ ከኣ ብኢድ ጳውሎስ ብዙሕ በይኑ ዝዀነ ተኣምራት ገበረ

12. መኣረምያኡ ወይስ ክዳኑ ኻብ ዝባኑ ወሲዶም ኣብቶም ሕሙማት የንብሩ እሞ ሕማሞም ይሐድጎምርኹሳት መናፍስቲውን ካባታቶም ይወጹ ነበሩ።

13. ካብቶም ኣስማት እናገበሩ ዚዞሩ ኣይሁድ ከኣ ሓያሎ ነቶም ርኹሳት መናፍስቲ ዝሐደርዎም፡ በቲ ጳውሎስ ዚሰብኮ የሱስ ነምሕለኩም አሎና፡ ኢሎም ስም ጐይታና የሱስ ኪሰምዩሎም ፈተኑ።

14. እቶም እዚ ዝገበሩውን ሾብዓተ ደቂ ሓደ ኣስቄዋ ዚብሀል ኣይሁዳዊ ሊቀ ኻህናት እዮም

15. እቲ ርኹስ መንፈስ ድማ፡ ንየሱስ እፈልጦንጳውሎስውን ኣይስሕቶን እየ፡ ንስኻትኩምከ እንታዎት ኢኹምኢሉ መለሰሎም

16. እቲ ርኹስ መንፈስ ዝሐደሮ ሰብኣይ ከኣ ጐየዮም፡ ጥራዮም ኰይኖም ቈሲሎም ካብታ ቤት ክሳዕ ዚሀድሙ ንኽልተ ኻባታቶም ተባራቲዑ ኣሕመቖም።

17. እዚ ነገርዚ ኣብቶም ኣብ ኤፌሶን ዚነብሩ ኣይሁድን ጽርኣውያንን ኲላቶም ተፈልጠንዂላቶምውን ፍርሃት ወደቖምስም ጐይታና የሱስ ከኣ ተመስገነ

18. ካብቶም ዝአመኑ ኸኣ ብዙሓት ነቲ ዝገበርዎ እናተአመኑን እናነገሩን መጹ

19. ብዙሓት ጠንቈልቲ ድማ መጻሕፍቶም ኣኪቦም ኣብ ቅድሚ ዂሉ ኣንደድዎዋጋኡ እንተ ተጸብጸበ ኸኣ፡ ሓምሳ ሽሕ ድሪም ኰይኑ ተረኽበ

20. ቃል ጐይታውን ከምዚ ኢሉ ብሓይሊ ዐበየን በርትዔን

21. እዚ ነገርዚ ምስ ተወድኤጳውሎስ ብመቄዶንያን ብኣካይያን ሐሊፉ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ብመንፈስ ሐሰበ እሞ፡ ኣብኣ ምስ በጻሕኩውን፡ ንሮሜ ድማ ክርእያ የድልየኒ እዩ፡ በለ

22. ክልተ ኻብቶም ደገፍቱጢሞቴዎስን ኤራስጦስን፡ ናብ መቄዶንያ ሰደዶምንሱ ግና ኣብ እስያ ሓያሎ ወርሓት ጸንሔ

23. በቲ ቕነቲ ብዛዕባ እዚ መገዲዚ ብዙሕ ዕግርግር ኰነ

24. ድሜጥሮስ ዚብሀል ሓደ ንኣርጤምስ ዚኸውን መቕደስ ብሩር ዚሰርሕ ኣንጠረኛ ነቶም ኣንጠረኛታት ብዙሕ የርብሖም ነበረ።

25. ነዚኣቶምን ነቶም ብዕዮኦም ዚሐብርዎምን ኣኪቡ ኸኣ፡ ከምዚ በሎም፡ ኣቱም ሰባትጥቕምና ኻብዚ ስራሕዚ ምዃኑ ትፈልጡ አሎኹም።

26. እዚ ጳውሎስ፡ እዞም ብኢድ ዚግበሩስ ኣማልኽቲ ኣይኰኑንእናበለ ኣብ ኤፌሶን ጥራይ ዘይኰነስዳርጋ ኣብ ኲላ እስያ ንብዙሓት ሰባት ከም ዘስድዔን ከም ዘዕለወንትርእዩን ትሰምዑን አሎኹም።

27. እታ ዂላ እስያን ብዘላ ዓለምን ዘምልኻኣ ዓባይ ኣርጤምስ፡ መቕደሳ ኸም ከንቱ ኸይቊጸር ክብረታውን ከይሰዐር እምበር፡ ስራሕና ኸይንዓቕ ጥራይ ኣይኰነን ዜፍርሀና ዘሎ።

28. እዚ ምስ ሰምዑኲራ መልኦም እሞ ዓው ኢሎም፡ ኣርጤምስ ሰብ ኤፌሶን ዓባይ እያ፡ እናበሉ ጨደሩ

29. ኣብታ ኸተማ ድማ ዕግርግር ኰነ፡ ንጋይዮስን ኣርስጣርኮስን፡ ሰብ መቄዶንያ ብጾት ጳውሎስንእናሰሐቡ ሐቢሮም ናብታ ስፍራ ጓይላ ጐየዩ

30. ጳውሎስ ኣብ ማእከል እቶም ህዝቢ ኺኣቱ እንተ ደለየ ኸኣ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸልከልዎ

31. ካብቶም ፈተውቱ ዝነበሩ ዓበይቲ እስያ ገሊኦም ከኣ፡ ናብታ ስፍራ ጓይላ ኸይመጽእ፡ ልኢኾም ለመንዎ

32. እቶም ኣኼባ ዝርግርግ ኢሎም ነበሩ እሞ፡ ዚበዝሑስ ብዛዕባ እንታይ ከም እተኣከቡ እኳ ኣይፈልጡን ነበሩ፡ ስለዚ ገሊኦም ከምዚ ገሊኦምውን ከምቲ ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ።

33. ኣይሁድ ንእስክንድሮስ ንቕድሚት ገጾም ምስ ደፍእዎ ኸኣ፡ እቲኣቶም ካብ ማእከል እቶም ሰባት ሰሐብዎ። እስክንድሮስ ከኣ ነቶም ህዝቢ ኺምጒተሎም ደልዩ ብኢዱ ኣመልከተ

34. ኣይሁዳዊ ምዃኑ ምስ ፈለጡ ግና፡ ናይ ሰብ ኤፌሶን ኣርጤምስ ዓባይ እያ፡ እናበሉ፡ ኲላቶም ብሓደ ቓል ኰይኖም ክልተ ሰዓት ዚኣክል ጨደሩ

35. እቲ ናይታ ኸተማ ጸሓፊ ነቶም ህዝቢ ኣህዲኡ በለ፡ ኣቱም ሰብ ኤፌሶንከተማ ኤፌሶን ነቲ መቕደስ እታ ዓባይ ኣርጤምስን ነቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ምስላን ከም እትሕሉ ዘይፈልጥ ሰብ እንታዋይ እዩ፧

36. እምብኣርሲ እዚ ኣሉ ዘይብሃል ነገር ካብ ኰነ፡ ክትሃድኡ ብታህዋኽውን ሓደ ነገር ከይትገብሩ ይግብኣኩም እዩ።

37. እዞም ሰባት እዚኣቶም መቕደስኩም ከይሰረቑ ንኣምላኽኩምውን ከይጸረፉ ኢኹም ኣምጺእኩምዎም ዘሎኹም።

38. ዲሜጥሮስን እቶም መሳርሕቱን ግና ገለ ነገር እንተ አለዎም፡ መዓልቲ መጋባእያን ምስሌነታትን ኣለውዎምነንሓድሕዶም ይካሰሱ

39. እዚ እተልዕልዎ ዘረባ ስለ ኻልእ ነገር እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ኣብቲ ስሩዕ ዋዕላ ይቚረጽ

40. በዚ ዕግርግር እዚ እንመልሶ ምኽንያት ስለ ዜብልና፡ በዚ ሎሚ ዝዀነ ታዕታዕ እኳ ኸይንኽሰስ ንፈርህ አሎና።

41. ከምዚ ኢሉ ነቲ ኣኼባ በተኖ