1. ኣብታ ኣብ ኣንጾክያ ዝነበረት ማሕበር ከኣ ነብያትን መምህራንን ነበሩ፡ በርናባስን ኔጌር እተባህለ ስምኦንን ሉክዮስ ብዓል ቄሬኔን እቲ ምስ ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ዝዐበየ ማናይንን ሳውልን።
2. እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር ኬገልግሉን ኪጸሙን ከለዉ ኸኣ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ በርናባስን ሳውልን ነቲ ዝጸዋዕክዎም ዕዮ ፍለዩለይ፡ በሎም።
3. ሽዑ ጾሙን ጸለዩን ኣእዳዎም ከኣ ኣንበሩሎም እሞ ሰደድዎም።
4. ንሳቶም ከምዚ ኢሎም ብመንፈስ ቅዱስ ተልኢኾም ናብ ሴሌውቅያ ወረዱ። ካብኡ ኸኣ ብመርከብ ናብ ቆጵሮስ ከዱ።
5. ኣብ ሰላሚስ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ኣይሁድ ቃል ኣምላኽ ነገሩ። ንዮሃንስ ከኣ ኬገልግሎም ወሲዶምዎ ነበሩ።
6. ነታ ደሴት ብዘላ ኽሳዕ ጳፎስ ምስ ዞርዋ ኸኣ፡ ሓደ ጠንቋሊ፡ ነብዪ ሓሶት፡ ባርየሱስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ረኸቡ።
7. ንሱ ምስቲ ምስለኔ፡ ስርግዮስ ጳውሎስ ኣስተውዓሊ ሰብኣይ፡ ይነብር ነበረ። ንሱውን ቃል ኣምላኽ ኪሰምዕ ደልዩ፡ ንሳውልን ንበርናባስን ናብኡ ጸውዖም።
8. ግናኸ ኤልማስ ጠንቋሊ፡ ስሙ ኸምኡ ይትርጐም እዩ እሞ፡ ነቲ ምስለኔ ኻብ ምእማን ኪመልሶ ደልዩ ተቓወሞም።
9. እቲ ጳውሎስ እተሰምየ ሳውል ግና፡ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ፡ ጠመቶ እሞ፡
10. ኣታ፡ ኲሉ ተንኰልን ኲሉ ኽፍኣትን ዝመልኣካ ወዲ ድያብሎስ፡ ጻላእ ኲሉ ጽድቂ፡ ነቲ ቕኑዕ መገዲ እግዚኣብሄር ካብ ምጥዋይሲ ካንዶ ኣይትዐርፍን ኢኻ፧
11. ሕጂ ኸኣ እንሃ፡ ኢድ ጐይታ ኣብ ልዕሌኻ እያ፡ ክትዐውር፡ ክሳዕ ጊዜኡውን ጸሓይ ኣይክትርእን ኢኻ፡ በሎ። ብኡብኡ ኸኣ ጣቓን ጸልማትን ወደቖ፡ ኣብዝን ኣብትን እናተመላለሰ ኸኣ፡ ብኢዱ ሒዙ ዚመርሖ ደለየ።
12. ሽዑ እቲ ምስለኔ ነቲ ዝዀነ ርእዩ፡ ብምህሮ ጐይታ ተገሪሙ ኣመነ።
13. ድሕርዚ ጳውሎስን ብጾቱን ካብ ጳፎስ ብመርከብ ከዱ፡ ናብ ጴርጌ ናይ ጶምፍልያ ኸኣ መጹ። ዮሃንስ ከኣ ካባታቶም ተፈልዩ ናብ ዮሩሳሌም ተመልሰ።
14. ንሳቶም ግና ካብ ጴርጌ ሐሊፎም ናብ ኣንጾክያ ናይ ጳሲድያ መጹ። ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ናብ ቤት ጸሎት ኣትዮም ተቐመጡ።
15. ንሕግን ነብያትን ምስ ኣንበቡ፡ እቶም መራሕቲ ቤት ጸሎት፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ገለ ንህዝቢ ዚንገር ቃል ምዕዶ እንተሎኩም፡ ንገሩ፡ ኢሎም ለአኹሎም።
16. ሽዑ ጳውሎስ ተንሲኡ፡ ብኢዱ እናኣመልከተ በለ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤልን ንኣምላኽ እትፈርሁን፡ ስምዑ፡
17. ናይ እዚ ህዝቢ እስራኤል ኣምላኽ ነቦታትና ሐረዮም፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸኣ ኣብ ስደቱ ኣብ ምድሪ ግብጺ ልዕል ኣበሎ፡ በታ ልዕልቲ ኢዱ ድማ ካብኣ ኣውጽኦም።
18. ኣስታት ኣርብዓ ዓመት ኣቢሉ ኸኣ ኣብ በረኻ ኸም ኣቦ ዀይኑ ጾሮም።
19. ሾብዓተ ኣህዛብ ካብ ምድሪ ከነኣን ኣጥፊኡ፡ ነቲ ምድሮም ኣውረሶም።
20. ድሕርዚ ኸኣ ኣስታት ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ኣቢሉ ኽሳዕ ነብዪ ሳሙኤል መሳፍንቲ ሀቦም።
21. ድሕርዚ ንጉስ ለመኑ፡ ኣምላኽ ከኣ ነርብዓ ዓመት ሓደ ሰብኣይ ካብ ነገድ ብንያም፡ ሳውል ወዲ ቂስ ሀቦም።
22. ምስ ሰዐሮ ድማ፡ ንዳዊት፡ ንጉስ ኪኸውን፡ ኣተንስኣሎም፡ ዳዊት ወዲ እሴይ ኲሉ ፍቓደይ ዚገብር ሰብኣይ ዝኸም ልበይ ረኸብኩ፡ ኢሉ ኸኣ መስከረሉ።
23. ኣምላኽ ከም ተስፋኡ ኻብ ዘርኡ ንእስራኤል መድሓኒ፡ ንሱ ኸኣ የሱስ፡ ኣተንስኤ፡
24. ቅድሚ ምምጻኡውን ዮሃንስ ንዂሉ ህዝቢ እስራኤል ጥምቀት ንስሓ ሰበኸ።
25. ዮሃንስ ከኣ ጒያኡ ኺፍጽም ከሎ፡ ኣነ መን ምዃነይ ይመስለኩም አሎ፧ ኣነስ ንሱ ኣይኰንኩን። እንሆ ደኣ፡ ኣነ ኣሳእኑ ኻብ ኣእጋሩ ንምውጻእ ዘይበቅዕ፡ ንሱ ብድሕረይ ይመጽእ አሎ፡ በለ።
26. ኣቱም ኣሕዋትና፡ ደቂ ዓሌት ኣብርሃምን ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ንኣምላኽ ዚፈርሁን፡ እዚ ቓል ምድሓን እዚ ናባታትና እዩ እተላእከ።
27. እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ምስ መኳንንቶም ንእኡ ስለ ዘይፈለጥዎ፡ ነቲ በብሰንበት ዜንብብዎ ቓል ነብያት ብፍርዶም ፈጸምዎ።
28. ንሞት እትኸውን ምኽንያት ሓንቲ እኳ ምስ ሰኣኑሉ፡ ኪቐትሎ ንጲላጦስ ለመንዎ።
29. ነቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈ ዘበለ ምስ ፈጸሙ፡ ካብ ዕጨይቲ ኣውሪዶም ኣብ መቓብር ኣእተውዎ።
30. ኣምላኽ ግና ካብ ምዉታት ኣተንስኦ።
31. ነቶም ካብ ገሊላ ናብ የሩሳሌም ምስኡ ዝደየቡ፡ ሕጂ ኸኣ ኣብዚ ህዝቢ እዚ ምስክሩ ዀይኖም ዘለዉ፡ ብዙሕ መዓልቲ ተራእዮም።
32-33. ከምቲ ኣብ ካልኣይ መዝሙር፡ ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ኣምላኽ ንየሱስ ኣተንሲኡ እቲ ነቦታትና እተዋህበ ተስፋ ንኣና፡ ንደቆም፡ ከም ዝፈጸሞ፡ ንሕና ድማ ነበስረኩም አሎና።
34. ከም ብሓድሽ ናብ ጥፍኣት ከይምለስ ከኣ፡ ካብ ምዉታት ኣተንሲእዎ እዩ እሞ፡ እቲ ቅዱስን እሙንን በረኸት ዳዊት ክህበኩም እየ፡ በለ።
35. ምእንትዚ ኣብ ካልእ መዝሙር ከኣ፡ ንቕዱስካ ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትህቦን ኢኻ፡ ይብል እዩ።
36. ዳዊት ብዘመኑ ንፍቓድ ኣምላኽ ምስ ኣገልገለ ዐረፈ፡ ናብ ኣቦታቱውን ተጸምበረ ጥፍኣት ከኣ ረአየ።
37. እቲ፡ ኣምላኽ ዘተንስኦ ግና፡ ንሱ ጥፍኣት ኣይረአየን።
38-39. እምብኣርሲ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብእኡ ሕድገት ሓጢኣት ይንገረልኩም ከም ዘሎ፡ ካብቲ ብሕጊ ሙሴ ኽትጸድቁሉ ዘይከኣለኩም ኲሉ ነገር፡ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ብእኡ ኸም ዚጸድቕሲ፡ ኣባኻትኩም ፍሉጥ ይኹን።
40-41. ስለዚ እቲ ብነብያት፡ ኣቱም ነዓቕቲ፡ ርኣዩ፡ ሓደ እኳ እንተ ነገረኩም፡ ከቶ ዘይትኣምንዎ ግብሪ ብዘመንኩም ክገብር እየ እሞ፡ ተገረሙን ጥፍኡን፡ ዚብል ከይበጽሓኩም ተጠንቀቑ።
42. ንሳቶም ኪወጹ ኸለዉ ኸኣ፡ በታ እትመጽእ ሰንበትውን እዚ ቓላትዚ ኺነግርዎም ለመንዎም።
43. እቲ ኣኼባ ምስ ተበተነ ኸኣ፡ ካብ ኣይሁድን ካብቶም ንኣምላኽ ዚፈርሁ ጵሮሴሊታት ብዙሓት ንጳውሎስን ንበርናባስን ሰዐቡ። ንሳቶም ኪነግርዎም ከለዉ ኸኣ፡ ብጸጋ ኣምላኽ ኪጸንዑ መዐድዎም።
44. በታ እትስዕብ ሰንበት ከኣ ዳርጋ ዂላ እታ ኸተማ ቓል ኣምላኽ ክትሰምዕ ተአከበት።
45. ኣይሁድ ነቲ እኩብ ሰብ ምስ ረኣዩ፡ ቅንኣት መልኦም፡ እናተኸራኸሩን እናተጻረፉን ከኣ በቲ ጳውሎስ ዝበሎ ቓል ተኻትዑ።
46-47. ጳውሎስን በርናባስን ከኣ ተቢዖም ከምዚ በሉ፡ ቃል ኣምላኽ ቅድም ንኣኻትኩም ኪንገር ይግባእ ነይሩ፡ ካብ ደፋእኩምዎን፡ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ብቑዓት ከም ዘይኰንኩም ከኣ፡ ብርእስኹም ካብ ፈረድኩምንከ፡ እግዚኣብሄር፡ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ንምድሓን ምእንቲ ኽትከውን፡ ነህዛብ ብርሃን ገበርኩኻ፡ ኢሉ ኣዚዙና እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ገጽና ናብ ኣህዛብ ንመልስ አሎና።
48. ኣህዛብ ከኣ እዚ ሰሚዖም ተሐጐሱ፡ ንቓል ኣምላኽ ድማ ኣመስገኑ። እቶም ንህይወት ዘለኣለም እተመደቡ ዘበሉ ዂላቶምውን አመኑ።
49. ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኲላ እታ ሃገር በጽሔ።
50. ኣይሁድ ግና ነተን እግዚኣብሄር ዚፈርሃ ሕፉራት ኣንስትን ነቶም ዓበይቲ ዓድን ኣነዐብዎም። ኣብ ጳውሎስን ኣብ በርናባስን ድማ ስደት ኣለዐሉ፡ ካብ ወሰን ሃገሮምውን ሰጐጒዎም።
51. ንሳቶም ከኣ ተጐጓ ኣእጋሮም ነገፉሎም እሞ ናብ ኢቆንዮም ከዱ።
52. እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ሓጐስን መንፈስ ቅዱስን መልኡ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...