1. ሃዋርያትን እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ኣሕዋትንኣህዛብ ድማ ቃል ኣምላኽ ከም እተቐበሉሰምዑ

2-3. ጴጥሮስ ናብ የሩሳሌም ምስ ደየበ ግና፡ እቶም ካብ ግዝረት ዝዀኑ፡ ናብ ዘይተገዝሩ ሰባት ኣቲኻ ምሳታቶም ከኣ በሊዕካኢሎም ተበኣስዎ

4. ጴጥሮስ ድማ ተር ኣቢሉ ኺነግሮም ጀመረ፡ ከምዚ ኢሉ

5. ኣነ ኣብ ከተማ ዮጴ ኽጽሊ ኸሎኹ፡ ተመሰጥኩ እሞ በርባዕተ መኣዝኑ እተታሕዘ ዓብዪ ኽዳን ዚመስል ኣቕሓ፡ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ፡ ብራእይ ርኤኹ፡ ናባይውን መጸ

6. ናብኡ እናጠመትኩ እንተ ኣስተብሀልኩ ኸኣ፡ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳ ምድርን ኣራዊትን ለመም ዚብልን ኣዕዋፍ ሰማይን ርኤኹ

7. ሽዑ ኸኣ፡ ጴጥሮስተንስእሐሪድካ ብላዕዚብለኒ ድምጺ ሰማዕኩ

8. ኣነ ግና፡ ጐይታይርኹስ ወይስ ዜፈንፍን ከቶ ኣብ ኣፈይ አትዩ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ኣይከውንን እዩ፡ በልኩ

9. ካልኣይ ጊዜ ኸኣ፡ ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሆ ንስኻ ኣይተርክሶ፡ ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መለሰለይ

10. እዚ ሰለስተ ጊዜ ዀነ፡ ከም ብሓድሽ ድማ ኲሉ ናብ ሰማይ ተሳሕበ

11. እንሆ ኸኣ፡ ብኡብኡ ሰለስተ ሰባት ካብ ቂሳርያ ናባይ ተልኢኾም፡ ኣብ ጥቓ እታ ኣነ ዘሎኽዋ ቤት ደው ኢሎም ነበሩ

12. መንፈስ ከኣ ከይተዋላወልኩ ምሳታቶም ክኸይድ ነገረኒእዞም ሹድሽተ ኣሕዋት ድማ ምሳይ ከዱ፡ ኣብ ቤት እቲ ሰብኣይውን ኣቶና

13-14. ንሱ ኸኣ፡ መልኣኽ ኣብ ቤቱ ደው ኢሉ፡ ንዮጴ ልአኽ እሞ ነቲ ጴጥሮስ ዚብሀል ስምኦን ጸዊዕካ ኣምጽኣዮ፡ ንስኻን ኲላ ቤትካን እትድሕኑሉ ቓል፡ ንሱ ኺነግረካ እዩ፡ ኪብሎ ኸሎ ኸምዝረአየ ነገረና።

15. ክዛረብ ምስ ጀመርኩ ኸኣ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ከምቲ ቕድም ኣባና ዝወረደ፡ ኣባታቶምውን ወረደ።

16. ሽዑ ነቲ፡ ዮሃንስ ብማይ ኣጥመቐ፡ ንስኻትኩም ግና ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም፡ ዝብል ቓል ጐይታ ዘከርኩ

17. እምብኣርሲ ኣምላኽ ከምቲ ንኣና ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንዝኣመንና ዝሃበና፡ ማዕሬና ገይሩ ህያብ ካብ ዚህቦም፡ ኣነ ደኣ ንኣምላኽ ክኽልክሎ ዝኽእል እንታዋይ እየ፧

18. እዚ ምስ ሰምዑ ሃድኡ እሞ፡ እምብኣርስ ኣምላኽ ነህዛብ ድማ ንህይወት ዚኸውን ንስሓ ሂብዎምእናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ

19. እቶም ብሰሪ እቲ ኣብ እስጢፋኖስ ዝበጽሔ መከራ እተበተኑ ግና፡ ክሳዕ ፌንቂስን ቆጵሮስን ኣንጾክያን ዞሩ፡ እቲ ቓል ከኣ ብዘይ ንኣይሁድ ንሓደ እኳ ኣይነግሩን ነበሩ።

20. ሓያሎ ኻባታቶም ግና ሰብ ቆጵሮስን ሰብ ቄረኔን ነበሩ፡ እዚኣቶም ናብ ኣንጾክያ ምስ መጹ፡ ወንጌል ጐይታና የሱስ እናሰበኹ፡ ነቶም ጽርኣውያንውን ነገርዎም

21. ኢድ እግዚኣብሄር ምሳታቶም ነበረት፡ ብዙሕ ዝቝጽሮም ሰብ ድማ ኣሚኖም ናብ ጐይታ ተመልሱ

22. እዚ ወረ እዚ ኸኣ ብዛዕባኦም ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ማሕበር ተሰምዔ፡ ንበርናባስ ድማ ናብ ኣንጾክያ ለኣኽዎ

23-24. ንሱ ምስ መጸጸጋ ኣምላኽ ርእዩ ተሐጐሰ። ንሱ መንፈስ ቅዱስን እምነትን ዝመልኦ ሕያዋይ ሰብኣይ እዩ እሞ፡ ብምሉእ ልቦም ብጐይታ ጸኒዖም ኪነብሩ መኸሮምብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ንጐይታ ተወሰኸ

25. በርናባስ ካብኡ ወጺኡ ንሳውል ኪደልዮ ናብ ጠርሴስ ከደ እሞ ምስ ረኸቦ፡ ናብ ኣንጾክያ ኣምጽኦ።

26. ኰነ ኸኣ፡ ኣብታ ማሕበር ዓመት ምሉእ ብሕብረት ነበሩ ንብዙሕ ህዝቢውን መሀሩ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ቅድም ኣብ ኣንጾክያ ክርስትያን ተሰምዩ

27. በታ ቕነ እቲኣ ነብያት ካብ የሩሳሌም ናብ ኣንጾክያ ወረዱ

28. ሓደ ኻባታቶም ከኣ ኣጋቦስ ዝስሙ ተንሲኡ፡ ኣብ ኲላ ዓለም ብርቱዕ ጥሜት ከም ዚኸውንብመንፈስ ተዛረበ። እዚ ብዘመን ቄሳር ቅላውዴዎስ ኰነ

29. እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነፍሲ ወከፍ ከከም ዓቕሙ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ኣሕዋት ረድኤት ኪሰዱሎም መደቡ

30. ከምኡ ገይሮም ከኣ ብኢድ በርናባስን ሳውልን ናብቶም ሽማግሌታት ሰደድዎ