1. እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮእቲ በዒንትና ዝርኤናዮእቲ ዝጠመትናዮኣእዳውናውን ዘረምሰሳኦ፡ ብዛዕባ እቲ ቓል ህይወት

2. ህይወት ድማ ተገልጸት፡ ነታ ምስ ኣቦ ዝነበረት ንኣና ኸኣ እተገልጸት ናይ ዘለኣለም ህይወት ርኢናያ ኢና እሞንምስክር ንነግረኩምውን አሎና፡

3. ንስኻትኩም ድማ ምሳና ሕብረት ምእንቲ ኺህልወኩም ኢልና፡ እቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ንኣኻትኩም ንነግሮ አሎና። ሕብረትናውን ምስ ኣቦን ምስ ወዱ የሱስ ክርስቶስን እዩ።

4. ሓጐስና ምእንቲ ኺምላእ ኢልና፡ እዚ ንጽሕፈልኩም አሎና።

5. እግዚኣብሄር ብርሃን ምዃኑን ኣብኡ ኸኣ ሓንቲ እኳ ጸልማት ከም ዜብሉንእታ ኻብኡ ዝሰማዕናያ ንኣኻትኩምውን እንነግራ ዘሎና መልእኽቲ እዚኣ እያ

6. ምስኡ ሕብረት አሎናኢልናስ ኣብ ጸልማት እንተ ተመላለስናንሕሱሓቂውን ኣይንገብርን ኢና ዘሎና።

7. ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎኣብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ግናንሓድሕድና ሕብረት አሎናደም የሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ።

8. ሓጢኣት የብልናንእንተ በልናንርእስና ንጥብራ አሎናእታ ሓቂውን ኣባና የላን

9. ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝናንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ

10. ሓጢኣት ኣይገበርናን፡ እንተ በልናሓሳዊ ንገብሮቃሉውን ኣባና የሎን