ሓዲጉካ ዘይከይድ

Posted on 2012-06-16 · 1720 · 0 · 3

32 resources uploaded

እሞ እዞም ደቀይ ኣይትሕመቑ፣ ክሳብ ዝመጽእ ንኹሉ ተኸታተልዎ፣ ነዴኹም ድማ ሓግዝዋ፣ በሎም እቲ ንነዊሕ መገሻ ዝተዳለወ ኣቦኦም። እታ በዓልቲ-ቤቱ ድማ ንመገሻ ሒዝዎ ዝኸይድ ስንቅን ካልእን ክትገብረሉ ናብዝን ናብትን ትብል ነበረት። “ኣንቲ እንታይ ኢኺ ክንድዚ ላዕልን ታሕትን ትብሊ፣ መዓስ ክኸርም ኰይነ፣ እቲ ስንቂ ኣይተብዝሕዮ በጃኺ የዕርፊ” በላ። “ደሓን ደሓን ብዙሕ ኣይገበርኩን ዓቕሚ ርእስኻ እዩ” በለቶ። ኣንጊሁ ንመገሻ ምስ ተበገስ ሰበይቱ “ክትከይድ ከሎኻ ድማ ጥንቕቕ በል፣ ሎሚ ሎሚ ኣብ መንገዲ ሰረቕትን ከተርትን ኣለዉ እዩ ዝብሃለ ዘሎ” በልቶ ሓውሲ ሻቕሎት ጌራ። “ደሓን ደሓን ወረ ሰብ እዩ፣ ደሓር ከኣ መዓስ ፋልማየይ ኰይኑ ጥራይ ኣምላኽ ምሳኻ ይኹን ኢሊኪ መርቕኒ” በላ። ንሰበይቱን ደቁን ተፋንዩ ድማ ናብቲ መገሽኡ ተበገሰ።

ኣንጊሁ ስለ ዝተበገሰ ዳራጋ ኣብ ፍርቂ ጉዕዝኡ ዝበጽሕ ብዙሕ ኣይተፈለጦን። ኣብ ኣጋ ፋዱስ ገጹ ግና ጸሓይ በጣዕ ክትብል ስለ ዝጀመረት፣ ርእሱ ክትሃርሞ ጀመረት። ናይ ግድን ክበጽሕ ስለ ዝነበሮ ግና ኣድጉ እናዀብከበ ብፍጥነት ክጓዓዝ ጀመረ። ኦፍ ተመስገን ሕጂስ በጺሔ እየ እናበለ ንገዛእ ርእሱ ተስፋ ከስንቓ ጀመረ። እታ ሰበይቱ ዝተዛረበቶ ቓል ግና ኣብ ኣእምርኡ ክድውል ጀመረ። ንዓኣ ካብ ሕልንኡ ከርሕቓ ግና ደሓን ኣምላኽ ኣሎ እናበለ ምስ ገዛእ ርእሱ እናተዛረበ ከይተፈለጦ ኣብ ሐደ መሽጐራጉር በጽሐ።

ሃንደበት ድማ ደው በል ዝብል መቓልሕ ዘለዎ ድምጺ ሰሚዔ። ልቡ ፍርሒ ወረር ወረ ክብሎ ጀመረ። ከምዛ ዘይሰምዐ ግና ኣእጋሩ ረድ ረድ እናበሎ፣ ጸሎት እናገበር ክጓዓዝ ፈተና። በዚ መጽዮም ዘይበሎም ኣጉባዝ ወረር ወረ ኢሎም ኣብ ማእከሎም ኣእተውዎ። ክሳብ ሃላዋቱ ዘጥፍእ ድማ ኣይብላዕ ኣይስተ ጌሮም ዘለዎ ንብረቱ ኩሉ ገፊፍዎም፣ ኣብ መንገዲ ደርብዮሞ ሓዲጐምዎ ኸዱ። ከእዊ እኳ እንተ ደለየ በየናይ ዓቕሙ። እታ ዝነበርቶ ዓቕሚ ቀስ ኢሉ በጃኹም ርድኢኒ ትብል ቃል ጥራይ ነበረት። መን ሰሚዕዎ እሞ ክረድኦ። ኣብቲ መንገዲ ዳራጋ ንበይኑ ንነዊሕ ሰዓታት ተደርበየ። ኣምላኽ ኣለኻ ስለ ዝበሎ እዩ እምበር በቲ ዝወረዶ መጥቓዕቲ ክሰርር ኣይመኸኣለን።

ኣብዚ ኸምዚ ኣብ ከቢድ መውቃዕትን ስቓይን ከሎ ግና ቁሩብ ተስፋ ዝህብ ጨናንጭል ረኣየ። ሓደ ነዊሒ ዘርፈፍ ዝበለ ኽዳን ዝተኸድነ ዕብይ ዝበለ ሰብኣይ ክመጽእ ረኣየ። እቲ ሰብኣይ ናብኡ ብዝቐረበ መጠን ቃንዝኡ እናተጻወረ፣ ኣፉ ንምኽፋት ይዳሎ ነበረ። "በጃኻ ርድኣኒ ሰረቕቲ ሰረቕቲ" ኢሉ ዘረብኡ ከይወደኣ ከሎ እቲ ሰብኣይ ኣንፈቱ ንምቕያር ካልእ መንገዲ ክሕዝ ደለየ። በቲ ዘለዎ ዓቕሚ "በጃኻ ኣይትጨክን ሓግዘኒ" በሎ። ወዮ ሰብኣይ “በጃኻ ተሃዊኸ ኣለኹ እዚ ግዜ ድማ ዓሪቡ እዩ ወረግ ንዓይ ከኣ ከይመጹኒ በጃኻ ክይትልከመኒ ግና ደሓን ክጽልየልካ እየ” ኢሉ ተመርቂፉ ተዓዝረ። እቲ ኣብ ስቓይ ዘሎ ሰብኣይ ድማ ተስፍኡ ምስኡ ቀሃመ።

ደም ብዙሕ ክፈሶ ስለ ዝወዓለ ካብቲ ናይ ቀደም ሓይሉ እናደኸሞ ኸደ። ኣብዚ ከምዚ ኣብ ናይ ሞትን ህይወትን እንከሎ ሕጂ እውን ቁሩብ ተስፋ ዝህብ ነገር ብማዕዶ ክርኢ ጀመረ። ሓደ ኣብ ማእከለያ ዕድመ ዘሎ ሰብኣይ ቕልጥፍ ቕልጥፍ እናበለ ናብኡ ገጹ ክስጉም ምስ ረኣየ፣ ብልቡ "ተመስገን ኣምላኸይ ሕጂ ዝረድኣኒ ረኺበ" በለ። ኣሳጉማ እቲ ሰብኣይ ንዕኡ ንምርዳእ ይቕልጥፍ ከም ዘሎ ኣይተጠራጠረን። እቲ ሰብኣይ ናብኡ ቐሪቡ “ደሓን ዲኻ እዛ ሓወይ” በሎ። "በጃኻ ርድኣኒ ሰረቕቲ..." ክብሎ ምስ ጀመረ፣ እቲ ሰብኣይ ከምዛ ክርእዮ ዘይጸንሐ “በቃ ኣምላኽ ምሕረት ይግበረልካ” ኢሉ ብቕጽበት ካብ ገጹ ተኸወለ። ተስፋ እቲ ሰረቕቲ ዝሃረምዎ ሰብኣይ ከኣ ምስኡ ተዓዘረ። ድሕሪ ዝተወሰነ ሰዓታት ድማ ምሉእ ብምእሉ ሃለዋቱ ጠፍኦ።

ኣብ ኣጋ ጸሓይ ምዕራባ ድማ ሓደ ሰብኣይ መገሻ ውዒሉ ናብ ገዛ ዝመለስ ዝነበረ ጐፍ ንጐፍ ምስቲ ኣብ መንገዲ ወዲቑ ዝነበረ ሰብኣይ ገጠመ። ብስንባደ ልቡ መለቖ “ሓወይ፣ ወይ ሓወይ ኢሉ ተቐላጢፉ ነቲ ዝፈሶ ዝነበረ ደም ክሽፍነሉ ጀምረ። እቲ ኣብ ቐዳማይ ረድእየት ዘድሊ ሕክምና ድማ ገበረሉ። ተቐላጢፉ ድማ ናብቲ መዕረፊ ኣጋይሽ ወሰዶ። ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ዘድሊ ምክንኻን ገበርሉ። ነቲ ዋና ሆቴል ድማ “እዛ ሓወይ ሓደራ፣ ዘድሊ ዘበል ምክንኻን ግበረሉ፣ ንሕጂ እንካ እዚ ገንዘብ ነዘን ዘለዋኒ ንብረት ገዛ ኣብጽሔ ክምለሰካ እየ፣ ዘውጻእካዮ ወጻኢታት ኩሉ ድማ ከስዕበልካ እየ። ብዝተኻእለ መጠን ሕክምና ወሲድካ ተኸታተሎ።” በሎ እቲ ዝቖሰለ ኣብ ኣጋ ሞት ዝነበረ ሰብኣይ ድማ፣ ሃለዋቱ ክፈልጥ ስለ ዝጀመረ፣ ኣዚዩ ኣመስገኖ። ድሑሪ ቁሩብ እዋን ድማ ምሉኡ ብምሉእ ሓወየ። ንኣምላኽ ኣመስጊኑ ድማ ብሰላም ካብ መገሽኡ ንገዝኡ ተመልሰ።

ሎሚ ከምዚ ሰብኣይ ኣብ ፍርቂ መንገዲ መጥቓዕቲ ረኺብኩም ወዲቕኩም ዘለኹም ክንደይ ኢኹም? ሎሚ ምስ ቁስሉኹም ርድኡና እንበልኩም እናእወኹም ሰማዒ ዝሰኣንኩም ክነደይ ኢኹም? ሎሚ ኣብ ጐደና ምዕራፍ ህይወት ዘይሓሰብክምዎ ዝገጠምነኩም ክንደይ ኢኹም? ብኣንጻሩ ድማ ሎሚ ክንሕግዝ እናኸኣልና ረጊጽና ብምሕላፍ ኣይጥዕመንን እዩ፣ ግዜ የብለይን ኢልና ንሕዋትና ዝረሕራሕናኸ ክንደይ ኢና?

እዚ ኣብ ላዕሊ ከም ዛንታ ከቕርቦ ዝጸናሕኩ ታሪኽ ካብቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሉቃስ 10 ብዛዕባ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ሰብኣይ ዝተወስደ እዩ። እዚ ታሪኽ እዚ ኣብ ህይወትና ዝምህረና ብዙሕ ዝዓይነቱ ኣስተምህሮ እዩ ዘለዎ። ንሕና ክሳብ ብሞት ካብዛ ምድሪ ንፍለ ኣብ ነዊሒ መገሻ ኢና ዘሎና። ኣብ ህይወትና ድማ ዘይሓሰብናዮ ዘጋጥሙና ነገራት ማእለያ የብሎምን። ብፍላይ ኣብቲ ብኹሉ ነገር ደሓን ኣሎና ዝበልናሉ እዋን ሃንደበት ንናብራና መጻኢናን ዝትንክፍ ዝተፈላለየ ናይ ህይወት ሕልኽላኻት የጋጥሙና እዮም። ኣብዚ ከምዚ ዝኣመስለ እዋን እንደልዮ ሓገዝ እምብዛ ብዙሕ እዩ። ብፍላይ ኣብዚ ኸምዚ ናይ ጸገምን ሓደጋን ህይወት ሰባት ክሕግዙና ኣብ ንጽበየሉ እዋን ከምቲ ነቲ ሳምራዊ ዝገበርዎ ምስ ዝገብሩና ኣብ ዘላታ ተወሰኸታ ዀይኑ ክሳብ ክንደይ መንፈሳውን ሕልናዊን ዕረፍቲ ከም ዝኸልኣና ርድኡ እዩ። ሰብ ከምዚ ኸማይ ዓቕሙ ሒደት፣ ንዓይ ባሃልይ ስለ ዝዀነ ካብ ገዛእ ርእሱ ንላዕሊ ክረድእ ዘይክእል ዱኹም እኰ እዩ።

ሎሚ ክዛረበሉ ደልየ ዘለኹ ግና ናይ የሱስ ፍቕሪ እየ። ከመቲ እቲ ሳምራዊ ሰብኣይ ነቲ ኣብ መገዲ ወዲቑ ብዘይረዳኢ ዝተረፈ እሞ ወይንን ዘይትን ጌሩ ቑስሉ ዝዘነነሉ ሎሚ ድማ ነቲ ዘለኩም ናይ ውሽጢ ቑስሊ ክዝንነኩም ዓቕሙ ምሉእ እዩ። ሎሚ ልብና ብምንታይ ሰንቢሩ ኣሎ። መንፈስና እንታይ ሲርዎ ኣሎ? ስጋና እንታይ ወቒዕዎ ኣሎ? እን መን ሓዲጐምና ጠንጢኖምና ጠሊሞና ኸይዶም? የሱስ ግና ኣሎ ኣይተቐየረን ትማልን ሎምን ንዘልኣለም ንሱ እዩ።

ከምቲ ወይኒ ንልቢ የሕጐሶ ዝተባህለ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ነቲ ብሓዘን ርስሓት ዝተመልኣ ልብኹም በቲ ሰማያዊ ወይኑ ጌሩ ክድብሶ እዩ። ከምቲ ኣብ ቅድሚ ጸላእተይ ብዘይቲ ትቐብኣኒ ዝተባህለ ብመንፈስ ዘይቱ ጌሩ ኣብ ቅድሚ እቶም ረጊጾሙኽም ዝኸዱ ሰባት ከኽብረኩም እዩ። ከምቲ ዳዊት ጓሂ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ምስ በዝሐ ምጽንናዕካ ንልበይ የሐጐሶ ዝበለ ሎሚ እውን እዚ ናይ ምጽንናዕ መንፈስ ሎሚ እውን ህያው እዩ። ዕላማ ምምጻኣ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ነዚ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ኣብ ኢሰያስ 61፣1 “ንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንስቡራት ልቢ ኽዘንን፡ ንምሩኻት ሓርነት፡ ንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒ።” ዝበለ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሰብ ሻንብቆ ተወኪልና ኣይከዋጸኣናን እዩ። ከምይሲ ሰብ ሻንብቆ ተሰባራይ ተሰይሩ ድማ ክወግኣና እዩ። ሰለዚ ናብቲ ኣብ ምጽንናዕ ዝዀነ ዘናኒ ቑስልና ዝዀነ የሱስ ደኣ ንወከል።

ካልእ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንገዲ ተኸትኺቱ ዝወደቐ ሰብኣይ እሞ ንርኣዮ። ኣብቲ ናይ መጨረሻ ሰዓት እዩ ካብቲ ሳምራዊ ምድሓን ረኺቡ። እዚ ሰብኣይ ቁስሉ ተዘኒኑ ኣብ ኢድ ዉሑስ ሰብ ከኣ ሓደራ ተዋሂቡ። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከምዚ ዝዓይነቱ ምስላ ክህበና ከሎ ብዝርድኣና ቛንቋ ባህሪኡ እንታይ ምኻኑ እውን ብተዘዋዋሪ ይነግረና ኣሎ። ዘመሓላልፎ መልእክቲ ድማ ኣነ እወ ባዕለይ ኣነ መድሓኒ የሱስ ክርስቶስ ካብ ውድቀት ዘልዕል፣ ካብ ድናስ ዝፍውስ፣ ካብ መስበርቲ ዝዝንን፣ ኣብ ዉሑስ መዕረፊ ዘቐመጥ ጐይታ እዩ። ዝብለና ዘሎ። ነዚ እኰ እዩ ኣብ ማቴዎስ 11፣28 “ኣቱም ኲልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። 29፡30 - ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኲሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኺም።” ብምባል ዝተዛረበና። ሎሚ ኣብ ህይወት ናብራና ገንዘብና፣ ሓይልና ጉልበትና ንዘርዝር ካልእ እውን እንተ ዀነ ካብ ዝመጸና ሓደጋ ከውሊ ክዀነና ኣይክእልን፣ ኣብ ጸገም እንተ ወዲቕና ድማ ምልኣት ዘለዎ ምንጋፍ ከም ጻልና ኣይክእልን እሞ ናብቲ መጀመርታን መወዳእታን ህይወት ዝዀነ ናብ መድሓኒ የሱስ ክርስቶስ ንጠምት።

ጐይታ ነቶም ሰብ ዝረገጽዎም ኣልዒልዎም እዩ። ነቶም ሰባት ዝባኖም ዝሃብዎም ሓንጐፋይ ኢሉ ተቐቢሎም እዩ። ነቶም ኣእውዮም ሰማዒ ዝሰኣኒ እዝኑ ሂብዎም እዩ። ነቶም ተሸጊሮም ፍታሕ ዝሰኣኑ ቁጻሮም ፈቲሑ ኣናጊፍዎም እዩ። ነቶም ልቦም ዝቖሰለን ዝደመዩን ረዲእዎም እዩ። ነቶም ኣብ መንገዶም ብናይ ሰይጣን መውቃዕቲ ዝተወቕዑ፣ ብመንፈስ ዲያብሎስ ዝማሰኑ ሓራ ጌርዎም እዩ። ኣምላኽ ገጽ ሰብ ርእዩ ኣይዳሉን እዩ። ግዜ የብለይን ኢሉ ኣብ ጸገምካ ሓዲግካ ኣይከይድን እዩ። ስለዚ ካብ ዝወደቕናዮ ቦታ መጺኡ ከተሳኣና ይኽእል እዩ። እስከ ሕጂ ህይወትና ኣብቲ ንመገሻ ዝተዳለወ ሰብኣይ ነእትዋ እሞ። ኣብቲ ብሰንኪ ሸፋቱ ዝወረዶ ማህሰይቲ እሞ ድማ ዝነበሮ ቃንዛ ኣብ ኣእምሮና ንስኣሎ። እስከ እቲ ናትና ቓንዛን ስቓይን ከኣ ሕጂ ኣብ እእዳዋና ንጨብጦ፣ እስከ ኩሉ ነገር ኣብኡ ንደርብዮ ልብና ገሊህና ንዕኡ ነርእዮ። ኣብቲ ናትና መጨረሽታ ናቱ መጀመርታ ዀይኑ ህይወት ምስ ተረፉ ክህበና እዩ። እንሆ እቲ ናይ ይሁዳ እንበሳ ዝዀነ መድሓኒ ነዚ ነገርና ክውድኦ ኣብ ዝፋኑ ኣሎ። የሱስ ክርስቶስ ዝረድእ ኣምላኽ እዩ።

3 comments

ጊሩም ትምህርቲ...ጎይታ ይባርካ ሃኒባል! ቑስሊ ዝዘፍፍን ዝፍውስ ዘይቲ መንፈስ ቅዱስ ኣዩ፡ ብፍላይ ውሽጡ ዝቆሰለን ዝተሰብረን ማማኣለያ የብሉን..ንኽፍወስ ናብ የሱስ ክመሽኣ ናይ ግድን ኣዩ፡

· 2012-06-17
ጎይታ ይባርኩም፡

አሚን ጎይታ ይባርኽካ ሃኒባል ዳኒኤል .... ኣየ እወ መን ከም የሱስና ። ካብ ትንፋስና ዝቐርብ ፈታዊ፤ ካብቲ ንርእስና ንሓስበላን ንሓልየላን እንብዛ ዝሓሊ እሙን መፍቀሪ። እዚ ብዝተረዳእናዮ መጠን ካብ ክንደይ ሸከምን ጭንቀትን እዛ ምድሪ ምንጋፍን፤ ፈውስን፤ ምጽንናዓን ንረክብ።
Other Article