አገልግሎት ኣንታይ ኣዩ?

Posted on 2012-08-01 · 2015 · 0 · 0

32 resources uploaded

መብዛሕትና ገለ እንሕበነሉን እንዀርዓሉን ነገር ኣሎና እዩ። ገሌና ብሃብትና፣ ገለ ድማ ብዓሌትና፣ ገሊኦም ድማ ብዝንኦም፣ ኰታ እቲ ቑጽሪ ብዙሕ እዩ። እቲ ዘገርም እቲ ኣዚና እንምክሓሉን እንንየተሉን ነግራት ክንዮ እዛ ምድሪ ዘይሓልፍ በራሲ እዩ። ዳዊት እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ሓደ ግዜ ከምዚ ክብል ተዛሪቡ “ክሳብ ክንድዚ ዝሓሰብካኒስ ኣነ መን እየ ቤተይከ እንታይ” እናበለ ንኣምላኽ ምስጋንኡ ክገልጽ ከሎ ንርኢ። ዳዊት ዘሐበኖ፣ ዘገርሞ፣ ክንዮ ንግስነቱ ዕቤቱ፣ ኣምላኽ ብእኡ ክኸብር ብምድላዩ እዩ። ነዚ ድማ ኣብ መዝሙር 16፣4-5 “እግዚኣብሄርሲ ኽፍሊ ርስተይን ጽዋኤይን እዩ፣ነቲ ብዕጻ ዝበጽሓኒ እተጽንዖ ንስኻ ኢኻ። ኣብ ባህ ዜብል ቦታ ዕጻ በጺሑኒ፣ኤረ ጽቡቕ ርስቲ መጺኡኒ” እናበለ ዝዝመረ። ደቂ ቖራሕ ብወገኖም ምስ ኣምላኽ ኰንካ ናቱ ባርያን ኣገልጋልን ምኻን ክሳብ ክንደይ ክብሪ ከም ዘለዎ ንምግላጽ “ካብ ሽሕ ዓመት ኣብ ቤት ረሲኣንሲ ሓላዊ ደገ ቤትካ ምዃን ይሕሸኒ” ብምባል ዝተዛረቡ። ብርግጽ እቲ ዝኸበረን ዘሕብንን ነገር ምስ ኣምላኽ ኰንካ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ምኻን እዩ።

ኣብ ናይ ኣምላኽ ኣገልግሎት ምውሳእ ካብ ዓሌትን ርስትን ዝርከብ ዕጫ ወይ መሰል ዘይኰነስ ካብ ምሕረት ኣምላኽ ዝተላዕለ ብምብጃው መድሓኒ የሱስ ክርስቶስ እትረኽቦ ህያብ ኣምላኽ እዩ። ነዚ ብሉጽ ዝዀነ ህያብ ኣምላኽ የሱስ ምግልጋል ክብሪ እዩ። ነዚ እዩ መድሓኒ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ እዚ ኣስትይኒ ዝብለኪ ዘሎን ህያብ ኣምላኽን መን ምዃኑ እንተ ትፈልጢ ኢሉ ዝሓተታ። ንኣምላኽ ምግልጋል እምብኣር ክብረትን ሞጐስን እዩ። ነዚ ዝረኸብናዮ ኩቡር ህያብ ኣምላኽ ሸለል ከይንብሎ ንጠንቀቕ። ነዚ እዩ ንጉስ ህዝቅያስ ነቶም ህዝቢ “ኣቱም ደቀየ፡ ንእኡ ኸተገልግሉ እሞ፡ ኣገልገልቱ ዄንኩም፡ ዕጣን ክትዐጥኑሉ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው ክትብሉ፡ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ሐርዩ እዩ እሞ፡ ሕጅስ ሸለል ኣይትበሉ።” ብምባል ዝመዓዶም።

እዞም ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዘሎና ሰዓብቲ ክርስቶስ ብጐይታና የሱስ ዝተዋህበና ኩቡር ኣገልግሎት እንታይ ምዃኑ ሃዋርያ ጴጥሮስ ክገልጽ ከሎ “ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃን ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም። 10 - ንስኻትኩም ቀደም ህዝቢ ዘይነበርኩም፡ ሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም፡ ዘይተመሐርኩም ዝነበርኩም፡ ሕጂ ምሑራት ኢኹም።” ይብል 1ጴጥ 2፣9-10 እምብኣር እዚ ዓይነት መዝነት ዝተዋሀብና መሰኻኽር ኣምላኽ ኢና እሞ በዚ ክንሕበን ይግባኣና። ጸገምና እቲ በጺሒና ዘሎ ዕጻን ህያብን ስለ ዘይስተውዓልና ንኣምላኽ ምግልጋል ከም ጻዕርን ገድልን ጌርና ንወስዶ ምህላውና እዩ። ኣምላኽ ኰታ መንፈሳዊ የዒንትና ይኽፈት፣ እስከ ቐጺልና ኣብ ውሽጢ ጽፍሒ ኣገልግሎትና ዘድልየና ነገራት ክንርኢ ኢና።

1. መንፈሳዊ ኣገልግሎት ደረትን ወሰንን የብሉን
ኣምላኽ ካብቲ ሓደ ባህሪኡ ወሰንን ደረትን የብሉን፣ ኣብ ኩሉ ይርከብ። ነዚ እዩ ዘማራይ ዳዊት ክዝምር ከሎ “እዚ ፍልጠት እዚ ኣዝዩ ይገርመኒ፣ ልዑል እዩ፣ ከርክቦ ኣይክእልን። ካብ መንፈስካ ናበይ ክኸይድ፣ ካብ ገጽካስ ናበይ ክሀድም እየ፣ ንሰማይ እንተ ደየብኩ፣ ንስኻ ኣብኡ አሎኻ፣ መንጸፈይ ኣብ ሲኦል እንተ ኣንጸፍኩ፣ እንሆ፣ ንስኻ ኣብኡ ኢኻ።” ብምባል ህላውነት ኣምላኽ ኣብ ኩሉ ከም ዘሎ ይገልጽ እምብኣር እዚ ኣምላኽ እዚ ኣብ ውሱን ቦታን ጽፍሕን ኰንካ ጥራይ ዝግልገል ኣምላኽ ኣይኰነን። ብዙሕ ግዜ ንኣምላኽ ኣብ ዉሱን ቦታ ብፍላይ ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ንሕና መንፈሳዊ እዩ እንብሎ ኣገልግሎት ከነግልግል ብምድላይና ኣብ ምውድዳርን ምንትራኽን ንኣቱ። ግራት ኣምላኽ ኣዚዩ ሰፊሕ እዩ ኣብ መንፈሱ ኣቲኻ ምግልጋል እዩ እቲ ቁም ነገር። ኣብቲ ዘሎኻዮን ዝተቐመጥካዮን ኩሉ ንኣምላኽ ምግልጋል ይከኣል እዩ። ንኣምላኽ ምግልጋል ማለት ድማ ንጐይታ ኣብ ኩሉ ቦታ ምንጽብራቕ ማለት እዩ። ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ኣገልገልቲ ሓዽሽ ኪዳን ካብ ገበረና ንሕና ድማ ብመንፈስ ቁዱስ እዚ ኽእለት እዚ ካብ ሃለወና፣ ምንባርና ድማ ነቲ ዝሞተን ዝተንሰኣን የሱስ ካብ ኰነ፣ ኣብ ዝኰነ ቦታ ንኣምላኽ ከነግለግል ትብዓት ኣሎና። እቲ እኽሊ ኣዚዩ ብዙሕ እዩ እቶም ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም ኢሉ መድሓኒ ካብ መስከረ ኣንን ንስኻትኩምን ድማ ኣብቲ እኽሊ ዘለዎ ኩሉ ብጽድቅን ብቕድስናን ንምግልጋል ክንውስን ይግብኣና።

ሓደ ግዜ ምስ ሓደ ሓው ነዕልል ነበርና። እቲ ሓው እናኣጉሮምረመ በቃ ከይነገልግል እኳ ዕድል ስኢና፣ ምስ ጸጋና ኢድና ኣጣሚርና ኰፍ ኢልና፣ እናበለ ብሓዘነ ተዛረበኒ። እዚ ቓላት እዚ ናይዚ ሓው ጥራይ ዘይኰነ ቡዙሕ ግዜ ደጋጊምና እንብሎ ዘረባ እዩ። እቲ ዘገርም ግና እዚ ምኽንይት እዚ ኣብቲ ብምልኣት ንኣገልግሎት ጸግኡ ዝሃበና ኣምላኽ ተቐባልነት ዘይብሉ ምዃኑ እዩ። ንኣምላኽ ንምግልጋል ኣፍደገ ተዓጽዩ ፈጺሙ ኣይፈልጥን እዩ። ኣብ ታሪኽ ድማ ኣይተረኣየን። እቲ ዝጸበና ኣብ ልብና እምበር ኣገልግሎት ኣምላኽ ስለ ዝተሳእነ ኣይኰነን። ሎሚ ንኣምላኽ ንምግልጋል ኣብ መድረኽ ምድያብ ወይ ኣብ ናይ ቤት ኣምላኽ ንጥፈታት ምውሳእ ጥራይ ኣይድልየካን እዩ። ዝረገጽካዮ ዝበለ ዓውዲ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ምኻኑ ኣይትረስዕ። መንግስቲ ኣምላኽ ደረት ዝይብላ ሰፋሕ ምኻና ኣይንዝዘግዕ።

እቲ ዝዓበየ መንፈሳዊ ኣገልግሎትና ድማ ህይወትና ምኻኑ ኣይንረስዕ ነዚ እዩ ሃውርያ ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ ኣብ 12፣1-3 ክዛረቦም ከሎ “እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ ኣምዕደኩም ኣሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።” ይብለና ህይወትና ከም ዝግባእ ብፍቕሪ ኣምላኽ እንተ ተመሊኡ ንባዕሉ እቲ ናብራና ኣገልግሎት ይኸውን እሞ ንብዙሓት ንበረኸት ይኸውን። ኣብ ስራሕካ ትምህርትኻ ካልእ ኩሉ ንጥቀሶ ንኣምላኽ ምግልጋል ይከኣል እዩ። መድረኽ ኣምላኽ ጸቢብ ኣይኰነን። ነፍሲ ወከፍ ስጉምቲ ህይወትና ንኣምላኽ እንቕርቦ ኣገልግሎት ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ኣገልግሎት ወንጌል ብዙሕ ዝዓይነቱ እዩ።

የሱስ ምስኡ ክዀኑ ሓላፍነት ከኣ ዘሸከሞም 12 ደቂ መዛሙርቲ ይንበሩ እምበር ምስኡ ዀይነን ብገንዘብን ካልእን ዘገልግልኦ ዝነበራ ኣንስቲ ብዙሓት ኔረን። ሎሚ ካብ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ዝተወሃብናዮ መኽሊት ኣሎ፣ ከነሽርፎ ሓላፍነትና እዩ። ኣምላኽ ሂቡና እዩ እሞ ዳሕራይ ነማኻንያ ከም ዘይብልና ንፍለጥ። እዚ እባ እገለ እባ ዝብል ኩሉ ትርጉም የብሉን ስለዚ ንኣምላኽ ንምግልጋል ኣብ ኩሉ ቦታ ከም ዝከኣል ንፍለጥ።

2. ኣብ ኣገልግሎት እሙንነት እምበር ተፈላጥነትካ ኣይድልን እዩ።
ጻዕሪ ብዙሓት ሰባት ፍሉጣትን ንኡዳትን ንሙኻን እዩ። ኣብ መንፈሳውነት ግና እሙን ምዃን እምበር ፍሉጡ ምዃን ብዙሕ ኣገዳሲ ኣይኰነን። ኣምላኽ ዝገድሶ ክሳብ ክንደይ ፍሉጥ ምዃንካ ዘይኰነስ እንታይ ደኣ ክሳብ ክንደይ እሙን ምኻንካ እዩ። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እቶም መኽሊት ዝሃቦም ኣገልገልቱ ክዛረብ ከሎ ኣንታ እሙን ባርያይ እናበለ ንኢዱ፣ ኣንታ ዘይእሙን ኢሉ ድማ ኰኒኑ። ንማሕበር ሰሚርና ዝተባህላ ድማ ክሳብ ሞት እሙን ክትከውን እያ። ሎሚ ኣብ ቅድሚ ሰባት ተፈላጥነት ዘይብሉ ኣገልግሎት ክህልወካ ይኽእል እዩ፣ እቲ ኣገዳሲ ንስኻ ኣብ ዕዮኻ ጥራይ እሙን ኩን። እሙን ልኡኽ መን ኰን ይረኽቦ?

ሓደ ግዜ ሓደ ሓው ከምዚ ክብል ክምስክር ሰሚዔዮ “ሓደ ሓው ኣብ ውሽጢ እታ ዘምልኹላ ማሕበር ንነዊሕ ዓመታት ብዘይምስልካይ ሽቓቕ ብምጽራይ የገልግሎም ኔሩ፣ ማንም ሰብ ግና ኣይፈልጦን እዩ” ኣምላኽ ንተገልግሎ ዘሎኻ ኣገልግሎት እንተ ተቐቢልዎ ካብዚ ዝዓቢ ጸጋ እንታይ ኣሎ? ሰባት ዝንእድዎ ኣገልግሎት ክህልወካ ይከኣል እዩ፣ ኣብ ሚዛን ኣምላኽ ቀሪቡ ፎኺሱ እንተ ተረኺቡ ግና እንታይ ዓስቢ ኣለዎ? ንቡዙሓት ረቢሒካ እሙን ብዘይምኻንካ ግና ገዛእ ርእስኻ እንተ ዘይረባሕካ እንታይ ይጠቅም? እምብኣር እቲ ፍረ ዝህብ ኣምላኽ ካብ ኰነ ንሕና እሙናት ኰይና ነቲ ዝተዋህበና ንዕየ።

ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ሙሴ ክዛረብ ከሎ ሙሴ ግና ኣብ ብዘላ ቤቱ እሙን ነበረ ይብለና። ጐይታ ድማ ንማሕበር ፍላድለፍያ እንታይ እዩ ዝበላ “ንግብርኻ እፈልጦ ኣሎኹ። ዓቕምኻ ሒደት እዩ፡ ንቓለይ ሐሊኻዮ ንስመይውን ኣይከሐድካዮን እሞ፡ እንሆ፡ ሓደ እኳ ኺዐጽዎ ዘይኽእል ክፉት ደገ ሂበካ ኣሎኹ።” ኢልዋ እወ ንኣምላኽ ምብዛሕን ምውሓድን ዓቕምካ ኣገዳሲ ኣይኰነን፣ ነቲ ዝሃበካ ዕዮ ብተኣማንነት እንተ ደኣ ክትዓምም ፍቓደኛ ዀንክካ ሓደ እኳ ክዓጽዎ ዘይክእል ደገ ክኸፍተልካ ናይ ግድን እዩ።

እምብኣር ቀዳማይ ጻዕርና ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ ምሕጓስና ንኣምላኽ እምበር ንሰብ ኣይኹን፣ ቐጺልና ኣብ ኣግልግሎትና ናእዳ ኣምላኽ እምበር ናእዳ ሰባት ኣይንጸበ ቃል ኣምላኽ “እቲ ብውሽጢ ኣይሁዳዊ ዝዀነ ግና፡ ንሱ ኣይሁዳዊ እዩ። እታ ግዝረት ከኣ ግዝረት ልቢ ብመንፈስ እያ እምበር፡ ብፊዴል ኣይኰነትን። እቲ ንእዶኡውን ካብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካብ ሰብ ኣይኰነን።”

0 comments
Other Article