Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

20 bible verses about

widows


ዘጸአት 22:22-24 | 10 Helpful votes

ንመበለታትን ንዘኽታማትን ዘበሉ ኣይትግፍዕዎምእንተ ገፋዕካዮምእሞ ኣባይ እንተ ጠርዑጥርዓኖም ኣጸቢቐ ኽሰምዕ እየ። ኵራይ ይነድድ እሞ፡ ብሴፍ እቐትለኩም። ሽዑ ኣንስትኹም መበለታትደቕኹም ከኣ ዘኽታማት ይዀኑ።

Translation | Context
መዝሙር 68:5 | 6 Helpful votes

ኣምላኽ ኣብ ቅድስቲ ማሕደሩ ዀይኑ፣ ኣቦ ዘኽታማትን ጠበቓ መበለታትን እዩ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:3-6 | 6 Helpful votes

ነተን መበለታትብሓቂ መበለታት ዝዀና ኣኽብረንገለ መበለት ግና ደቂ ወይስ ደቂ ደቂ እንተ ኣለውዋ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ እሞ፡ ንሳቶም ቅድም ንስድራ ቤቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ኬርእዩ ንወለዶምውን ውሬታ ኺመልሱ ይምሃሩ። እታ ንበይና እትነብር፡ ተስፋኣ ኣብ እግዚኣብሄር እትገብር፡ ብሓቂ መበለት ዝዀነት ግና፡ ለይትን መዓልትን ብልማኖን ጸሎትን እያ እትጸንዕ። እታ ሕንቅቕቲ ግና፡ ብህይወታ ኸላስ ምውቲ እያ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:16 | 5 Helpful votes

ንሓደ ኣማኒ ወይስ ኣማኒትመበለታት እንተ ኣለዋኦም፡ ባዕላቶም ይሕለዩለን፡ ነተን ብሓቂ መበለታት ዝዀና ምእንቲ ኽትሐሊ፡ ነታ ማሕበር ኣየኽብዱላ

Translation | Context
መዝሙር 146:9 | 5 Helpful votes

እግዚኣብሄር ንስደተኛታት የዕቊቦም፣ እግዚኣብሄር ንዘኽታምን መበለትን ይአልዮምንመገዲ ረሲኣን ግና ይጠዋውያ

Translation | Context
ሉቃስ 20:47 | 4 Helpful votes

እቶም ኣባይቲ መበለታት ዚውሕጡ፡ ንምኽንያትውን ጸሎት ዜንውሑ፡ ንሳቶም ዝገደደ ፍርዲ ኺረኽቡ እዮም፡ በሎም።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:8 | 4 Helpful votes

ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።

Translation | Context
ዘካርያስ 7:10 | 4 Helpful votes

ንመበለትን ንዘኽታምን ንስደተኛን ንድኻን ኣይትግፍዑ፡ ካባኻትኩምውን ሓደ እኳ ብልቡ ንሓዉ እከይ ኣይሕሰበሉ

Translation | Context
ምሳሌ 15:25 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ንቤት ዕቡያት ይምሕዎንዶብ መበለት ግና የቝሞ

Translation | Context
ሉቃስ 7:11-15 | 3 Helpful votes

ንጽቢሒቱ ድማ ዀነናይን ናብ እትብሀል ከተማ ኸደምስኡ ኸኣ ሓያሎ ኻብ ደቀ መዛሙርቱን ብዙሕ ህዝብን ከዱ። ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ምስ ቀረቡእንሆምዉት ተጾይሩ ወጸ፡ ንሱ ነዲኡ ሓደ ወዳ ነበረንሳ ኸኣ መበለት እያ። ብዙሓት ደቂ እታ ኸተማ ኸኣ ምስኣ ነበሩ። ጐይታ ምስ ረኣያደንገጸላ እሞ፥ ኣይትብከዪበላቀሪቡ ነቲ ቓሬዛ ተንከዮ፡ እቶም ጸወርቲውን ደው በሉ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ጐበዝተንስእእብለካ አሎኹ፡ በሎ። እቲ ምዉት ተንስኡ ተቐመጠምዝራብውን ጀመረነዲኡ ድማ ሃባ

Translation | Context
ማርቆስ 12:41-44 | 2 Helpful votes

የሱስ ድማ ኣብ መንጽር ሳጹን ምጽዋት ተቐሚጡ፡ እቶም ሰብ ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ገንዘብ ከም ዜውድቑ ረአየብዙሓት ሃብታማት ብዙሕ ኣውደቑሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ መጺኣ ኽልተ ለብጦን፡ ሓደ ቆድራንቴን ዚኣክልኣውደቐትንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ኸኣ፥ እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኻብዞም ኣብዚ ሳጹን ምጽዋት ዘውደቑ ዅሎም ዚበዝሕ ከም ዘውደቐትብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ኵሎም ካብ ተረፎም እዮም ዘውደቑ እሞ፡ እዚኣ ግና ካብ ድኽነታ ዘለዋ ዘበለ ዅሉ ምግባ እያ ዝሃበት፡ በሎም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 1:17 | 2 Helpful votes

ምግባር ሰናይ ተመሀሩቅንዕና ድለዩንጥቑዕ ርድእዎንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ፡ ንመበለት ተጣበቑላ

Translation | Context
እዮብ 22:9 | 2 Helpful votes

ንመበለታት ጥራይ ኢደን ሰዲድካየንቀላጽም ዘኽታማት ተሰቢሩ

Translation | Context
ሉቃስ 2:37 | 2 Helpful votes

ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት እያ። - ካብ ቤተ መቕደስ ከይወጸትብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት።

Translation | Context
እዮብ 29:13 | 2 Helpful votes

ምርቓ እቶም ውጹዓት በጺሑኒንልቢ መበለታትውን እልል ኣቢለዮ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:39 | 2 Helpful votes

ሰበይቲ እቲ ሰብኣይ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ዘመን፡ እስርቲ እያ። ሰብኣይ እንተ ሞተ ግና፡ ብእግዚኣብሄር ጥራይ ደኣ ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝደለየቶ ኽትምርዖ ሓራ እያ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:8 | 2 Helpful votes

ንዘይተመርዓዉን ንሓያማትን ግና፡ ከምዚ ኸማይ እንተ ነበሩጽቡቕ እዩእብል አሎኹ።

Translation | Context
ሮሜ 7:3 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ ሰብኣያ ብህይወቱ ኸሎስ፡ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነትዘማዊት እያ እትብሀል። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፡ ካብቲ ሕጊ ሓራ ወጺኣ እያ እሞ፡ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነት፡ ኣይዘማዊትን እያ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:27 | 2 Helpful votes

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ።

Translation | Context
ኤርምያስ 49:11 | 2 Helpful votes

ንዘኽታማትካ ሕደጎምኣነ ብህይወት ከንብሮም እየመበላሉኻ ኸኣ ኣባይ ይወከላ

Translation | Context