Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

water


ዮሃንስ 4:14 | 18 Helpful votes

እቲ ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ግናእቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ኣብኡ ንዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ንዘለኣለም ኣይጸምእን እዩ፡ ኢሉ መለሰላ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 36:25 | 5 Helpful votes

ጽሩይ ማይ ክነጽገልኩም እየ እሞ ክትጸርይ ኢኹም። ካብ ኵሉ ርኽሰትኩምን ካብ ኵሎም ጣኦታትኩምን ከጽርየኩም እየ።

Translation | Context
ዮሃንስ 7:38 | 5 Helpful votes

ብኣይ ዚኣምንእቲ ጽሑፍ ከም ዝበለካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 43:2 | 4 Helpful votes

ብማያት ምስ እትሐልፍ፡ ምሳኻ ክኸውን እየ፡ ብውሒዝ ምስ እትሳገር ከኣ፡ ኣይኬጥሕለካን እዩብሓዊ ምስ እትኸይድ፡ ኣይክትነድድን ኢኻ፡ ሃልሃልታውን ኣይኪህምዀካን እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 12:3 | 4 Helpful votes

ካብ ዔላታቱ ምድሓን ከኣ ብደስታ ማይ ክትቀድሑ ኢኹም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 49:10 | 4 Helpful votes

እቲ ዚርሕርሓሎም ኪመርሖም፡ ኣብ ዓይኒ ማይ ከኣ ኬብጽሖም እዩ እሞ፡ ኣይኪጠምዩን ኣይኪጸምኡንውን እዮም፡ ሃሩር ወይስ ጸሓይ ኣይኪጐድኦምን እዩ።

Translation | Context
ራእይ 22:1 | 4 Helpful votes

ከም ክሪስታል ዝምጽራዩ ርባ ማይ ህይወት ከኣ ኣርኣየኒ፡ እዚ ኻብቲ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን ዝፋን እናወጸ

Translation | Context
ማቴዎስ 10:42 | 3 Helpful votes

ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ብስም ወደ መዝሙር ጣሳ ዝሑል ማይ ጥራይ ዜስቲዓስቡ ከቶ ኸም ዘይስእን፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ራእይ 21:6 | 3 Helpful votes

ቀጺሉ ኸኣ፡ እዚ ኽዉን እዩ፡ ኣልፋን ኦሜጋንመጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። ኣነ ንዝጸምኤ ካብ ዓይኒ ማይ ህይወት ብኸምኡ ኽህቦ እየ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 44:3 | 3 Helpful votes

ማይ ኣብቲ ጽሙእ፡ ወሓይዝ ከኣ ኣብቲ ንቑጽ ከፍስስ እየመንፈሰይ ኣብ ዘርእኻበረኸተይ ከኣ ኣብ ሓድግኻ ኸፍስሶ እየ እሞ፡

Translation | Context
ራእይ 22:17 | 3 Helpful votes

እቲ መንፈስን እታ መርዓትንንዓይብሉ አለዉ። እቲ ዚሰምዕውንንዓይበልዝጸምኤ ኸኣ ይምጻእዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ

Translation | Context
መዝሙር 23:2 | 3 Helpful votes

ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ

Translation | Context
ህዝቅኤል 47:1-5 | 2 Helpful votes

ንሱ ድማ ናብ ደገ እታ ቤት መለሰኒገጽ እታ ቤት ናብ ምብራቕ ኣቢሉ እዩ ዚርኢ እሞ፣ እንሆ፣ ማያት ካብ ትሕቲ መድረኽ እታ ቤት ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ወጸ። እቲ ማያት ከኣ ካብ ትሕቲ፣ ካብ የማናይ ወገን እታ ቤት፣ ነታ መሰውእስ ብደቡባ ይወርድ ነበረ። ድሕርዚ ብመገዲ እታ ሰሜናዊት ደገ ኣውጽኣኒብመገዲ እታ ናብ ምብራቕ እትርኢ ደገ፣ ናብታ ኣብ ወጻኢ ዘላ ደገ ብወጻኢ ኣዞረኒ። እንሆ ኸኣ፣ ማያት ካብቲ የማናይ ወገን ይፍልፍል ነበረ። እቲ ሰብኣይ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ኺወጽእ ከሎ፣ ዚእምተሉ ገመድ ኣብ ኢዱ ነበሮ፣ ብእኡ ኸኣ ሽሕ እመት ኣመተ። በቲ ማያት ኣሳገረኒ፣ ክሳዕ እግረይ በጽሔ። ከም ብሓድሽ ሽሕ እመት ኣመተ፣ በቲ ማያት ከኣ ኣሳገረኒ፣ እቲ ማያት ድማ ክሳዕ ኣብራኸይ በጽሔ። ከም ብሓድሽ ሽሕ እመት ኣመተ፣ በቲ ማያት ከኣ ኣሳገአኒ፣ እቲ ማያትውን ክሳዕ ሕቘይ በጽሔ። ድሕርዚ ሽሕ እመት ኣመተ፣ እቲ ማያት ብዘይ ሓመሳ ዘይስገር ዓሚቝ ውሒዝ ኰይኑ እዩ እሞ፣ ኣነ ኽሳገሮ ዘይክኣለኒ ውሒዝ ኰነ።

Translation | Context
ምሳሌ 5:15 | 2 Helpful votes

ማይሲ ኻብ ዔላኻ ደኣ፡ ካብቲ ዚፍልፍል ምንጭኻ ደኣ ስተ

Translation | Context
2ይ ነገስት 2:19-22 | 2 Helpful votes

ሰብ እታ ኸተማ እቲኣ ኸኣ ንኤልሳእ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ፡ ከምዚ ጐይታይ እትርእዮ ዘሎኻ፡ እንሃ ኣቐማምጣኣ ጽቡቕ እዩ፡ እቲ ማይ ግና ሕማቕ እዩ፡ እዛ ሃገር ድማ መምከኒት እያ፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ወዝኖ ዳንሶ ኣምጽኡለይ ጨው ድማ ግበሩሉበለ። ናብኡ ኸኣ ኣምጽኡሉ። ናብታ ዓይኒ ማይ ድማ ወጸ፡ ኣብኡ ጨው ደርብዩ ኸኣ በለእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣነ ነዛ ማይ እዚኣ ፈዊሰያ እየ፡ ድሕሪ ደጊም ካብኡ ሞትን ምምካንን ኣይኸውንን። እቲ ማይ ከኣ፡ ከምቲ ኤልሳእ እተዛረቦ ዘረባ፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ጥዑይ ኰይኑ አሎ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:9 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ፥ እቲ ንቑጽ ምእንቲ ኺርኤስ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ማያት ናብ ሓንቲ ቦታ ይተኣከብበለከምኡ ድማ ዀነ

Translation | Context
ዮሃንስ 7:38-39 | 2 Helpful votes

ብኣይ ዚኣምንእቲ ጽሑፍ ከም ዝበለካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ። የሱስ ገና ስለ ዘይከበረ መንፈስ ቅዱስ ኣይወረደን ነበረ እሞእዚ ብዛዕባቲ እቶም ብእኡ ዝአመኑ ኪቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ እዩ እተዛረበ

Translation | Context