Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

trouble


ዮሃንስ 14:1 | 7 Helpful votes

ልብኹም ኣይሸበርብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:7 | 6 Helpful votes

ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ

Translation | Context
ፊልጲ 4:6 | 6 Helpful votes

ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ

Translation | Context
መዝሙር 34:6 | 5 Helpful votes

እዚ መስኪን እዚ ኣእወየእግዚኣብሄርውን ሰምዖ፣ ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣድሐኖ

Translation | Context
መዝሙር 27:14 | 5 Helpful votes

ብእግዚኣብሄር ተሰፎበርትዕልብኻ ቀጥ ይበል፣ ኣጆኻ፣ እወ፣ ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር።

Translation | Context
መዝሙር 91:1-16 | 5 Helpful votes

አብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር፣ ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ይነብር። ንእግዚኣብሄርጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ፣ እብሎ አሎኹ። ካብ መጻወድያ ሃዳናይ፣ ካብ ዜጥፍእ ፌራ ኼናግፈካ እዩ እሞ፣ ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ፣ ኣብ ትሕቲ አኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፣ ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ። ካብ ስምባድ ለይቲ፣ ካብቲ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ፣ ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ። ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፣ ኣብ የማንካውን እልፊ ኺወድቁ እዮም፣ ኣባኻ ግና ኣይኪበጽሕን እዩ። በዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶረሲኣን ዚረኽብዎ መስጣውን ክትርኢ ኢኻ። ጐይታይ፣ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፣ ኢልካ ኢኻ እሞ፣ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮእከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካንስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ። አብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፣ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍሲ፣ ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም። ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ፣ ሽደን አንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ። ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒከናግፎንስመይ ስለ ዝፈለጦከልዕሎ እየ። ኪጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉብጸበባ ምስኡ ክኸውን፣ ከናግፎን ከኽብሮን እየ። ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦምድሓነይውን ከርእዮ እየ።

Translation | Context
ማርቆስ 5:36 | 3 Helpful votes

የሱስ ከኣ እዚ ዘረባ እዚ ኺዛረቡ ምስ ሰምዔ፡ ነቲ መራሕ ቤት ጸሎትኣይትፍራህእመን ደኣበሎ

Translation | Context
ኢሳይያስ 65:24 | 3 Helpful votes

ኪኸውን ድማ እዩ፡ ከይጸውዑ ኽመልስ፡ ገና ኺዛረቡ ኸለው ኸኣ ክሰምዕ እየ።

Translation | Context
ናሆም 1:7 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡ ብመዓልቲ ጸበባ ዕርዲ እዩ፡ ነቶም ኣብኡ እተማዕቈቡ ድማ ይፈልጦም እዩ።

Translation | Context
ዘዳግም 20:1-3 | 3 Helpful votes

ምስ ጸላእትካ ኽትዋጋእ ምስ ወጻእካኣፍራስን ሰረገላታትን ካባኻ ዚበዝሕ ህዝብን እንተ ርኤካ፡ ሽዑ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮም። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ናብቲ ውግእ ምስ ቀረብኩም፡ እቲ ኻህን ቀሪቡ ነቲ ህዝቢ ይዛረቦዎ እስራኤል፡ ስማዕ፡ ሎሚ ምስ ጸላእትኹም ክትዋግኡ ቐሪብኩም ኢኹም፡ እቲ ምእንቲ ኼድሕነኩም፡ ምስ ጸላእትኹም ኪዋጋእ ምሳኻትኩም ዚኸይድ ከኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዩ እሞ፡ ልብኹም ኣይሸበርኣይትፍርሁኣይትሰምብዱ ድማ፡ ኣብ ቅድሚኦምውን ኣይትጀጅዉ።

Translation | Context
ማቴዎስ 8:23-26 | 2 Helpful votes

ናብ ጃልባ ምስ ኣተወደቀ መዛሙርቱ ሰዐብዎእንሆ ኸኣ፡ ማዕበል ነታ ጃልባ ኽሳዕ ዜጐልብባ፡ ኣብቲ ባሕሪ ዓብዪ ምንዋጽ ኰነ። ንሱ ግና ደቂሱ ነበረ። ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦምጐይታይጠፋእናኣድሕነናእናበሉ ኣተንስእዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣቱም ጕዱላት እምነትከመይከ እትፈርሁበሎም። ሽዑ ተንሲኡ ንንፋስ ንባሕርን ገንሖምዓብዪ ህድኣት ከኣ ዀነ

Translation | Context
ዘዳግም 1:29-30 | 2 Helpful votes

ሽዑ በልኩኹም፡ ኣይትጸበሩን ኣይትፍርህዎምን፡ እቲ ቀቅድሜኹም ዚኸይድ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ከምቲ ኣብ ግብጺ ኺገብረልኩም ዝርኤኹምዎ ዂሉ፡ ከምኡ ንሱ ኣብ ክንዳኻትኩም ኪዋግኣልኩም እዩ።

Translation | Context