Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

struggles


1ይ ጴጥሮስ 5:10 | 25 Helpful votes

እቲ ብክርስቶስ የሱስ ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸወዓኩም ኣምላኽ ኵሉ ጸጋቅሩብ ጊዜ ሓሳረ መከራ ምስ ጸገብኩም፡ ንሱ ኺፍጽመኩም፡ ኬጽንዓኩም፡ ኬበርትዓኩምኪስርተኩምውን እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:13 | 14 Helpful votes

ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምንኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስመውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:2-4 | 12 Helpful votes

ኣሕዋተየበበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩምንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ፡ ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ።

Translation | Context
ሮሜ 8:28 | 6 Helpful votes

ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎምንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
ሮሜ 14:1 | 6 Helpful votes

ነቲ ብእምነት ድኹም ዝዀነ፡ ብናይ ጥርጥር ከይተኻራኸርኩምተቐበልዎ

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 10:3-5 | 3 Helpful votes

ብስጋ እንመላለስ ክነስና እኳ፡ ከም ስጋስ ኣይንዋጋእን ኢና። ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን፡ ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉን እናፍረስና፡ ኵሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና።

Translation | Context
ሮሜ 14:10-13 | 3 Helpful votes

ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኲሉ ብርኪ ኺሰግደለይ፡ ኲሉ ልሳንውን ንኣምላኽ ኬመስግኖ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞኲላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና። ስለምንታይ ደኣ ንስኻ ኣብ ሓውካ እትፈርድወይስ ንምንታይ ንስኻ ንሓውካ እትንዕቕ፧ እምብኣርሲ ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ። ስለዚ ኣብ ንሓድሕድና ኣይንፍረድሓደ እኳ ንሓዉ መዓንቀፊ ወይስ መሓንኰሊ ኸይገብረሉ ግዳ፡ እዚ ፍረዱ

Translation | Context
ሉቃስ 8:22-25 | 3 Helpful votes

ሓንቲ መዓልቲ ድማ ዀነ፡ ንሱ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ አትዩንዑናይ፡ ናብቲ ማዕዶ ባሕሪ ንሳገር፡ በሎምከዱውንኪኸዱ ኸለዉ ኸኣደቀሰህቦብላ ንፋስ ኣብ ባሕሪ ወረደ፡ ነታ ጃልባኦም ከኣ ማይ መልኣፍርሃትውን ሐዞም። ሽዑ ናብኡ ቐሪቦምመምህርመምህርጠፋእናኢሎም ኣተንስእዎ። ንሱ ኸኣ ተንሲኡ፡ ነቲ ንፋስን ነቲ ማዕበል ማይን ገንሖ እሞስቕ በለ ህድኣትውን ኰነ። ሽዑ፥ ኣበይ ደኣ አላ እምነትኩምበሎምፈሪሆም ከኣ፥ እዚ ንንፋስን ማይን ዚእዝዞም እሞ ዚእዘዝዎስ መን ኰን እዩእናተባሃሀሉ ተደነቑ

Translation | Context
እዮብ 1:1-22 | 2 Helpful votes

ኣብ ምድሪ ኡጽ እዮብ ዚበሀል ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ፍጹምን ቅኑዕን ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፋእ ዝረሐቐን ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ሾብዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ተወሊዶምሉ ነበሩ። ጥሪቱ ድማ ሾብዓተ ሽሕ በጊዕሰለስተ ሽሕ ገመልሓሙሽተ ሚእቲ ጽምዲ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ሚእቲ ውላድ ኣድጊ ነበረ፡ ብዙሓት ግዙኣትውን ነበርዎ። እዚ ሰብኣይ እዚ ኻብ ኲሎም ሰብ ምብራቕ ዚበልጽ ዓብዪ ነበረ። እቶም ደቁ ድማ፡ በብታራኦም እናተዓዳደሙ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ቤት እቲ ሓደ፡ ካልኣይ መዓልቲውን ኣብ ቤት እቲ ኻልእ ይምስሑ ነበሩ። ነተን ሰለስተ ኣሓቶም ከኣ፡ ምእንቲ ምሳታቶም ኪበልዓን ኪሰትያንይጽውዕወን ነበሩ። እተን ንምሳሕ ዚእከቡለን መዓልትታት ምስ ሐለፋ ኸኣ፡ እዮብ ልኢኹ ይቕድሶም ነበረ። ኣንጊሁ ተንሲኡ ድማ ብቚጽሪ ነፍሲ ወከፎም መስዋእቲ ምሕራር የዕርግ ነበረ። እዮብ፡ እዞም ደቀይ ምናልባሽ በዲሎምንኣምላኽ ከኣ ብልቦም ክሒዶም ይዀኑ፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ኲሉ ጊዜ ኸምዚ ይገብር ነበረ። ሓደ መዓልቲ ግና ዀነ፡ እቶም ደቂ ኣምላኽ መጺኦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቈሙሰይጣን ከኣ ኣብ ማእከሎም መጸ። ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣንካባይ መጺእካበሎ። ሰይጣን ድማ፡ ንምድሪ ዘይረያን ተመላሊሰያን መጻእኩ፡ ኢሉ ንእግዚኣብሄር መለሰሉእግዚኣብሄር ከኣ ንሰይጣን፡ ከም እዮብ ገይሩ ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፋእ ዚርሕቕን ፍጹምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የልቦን እሞ፡ ንባርያይ እዮብስ ኣስተብሂልካዮዶበሎሰይጣን ከኣ ንእግዚኣብሄር መለሰሉ በሎውንእዮብ ንኣምላኽ ዚፈርሆስ ብኸምኡ ድዩ፧ ንስኻ ንእኡ ምስ ቤቱን ኣብ ዙርያኡ ዘለዎ ዂሉንዶ ሐጺርካዮ ኣየሎኻን፧ ንተግባር ኢዱ ባረኽካዮጥሪቱ ድማ ንምድሪ መሊእዎ አሎ። ግናኸ፡ ኣብታ ገጽካ እንተ ዘይክሒዱካስኢድካ ዘርጊሕካ ደሞ ንዂሉ ጥሪቱ ሃሰስ ኣይትብሎን፡ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣንበሎ እስኪ፡ ሓንትስ ናብኡ ደኣ ኢድካ ኣይትዘርግሕ እምበር፡ ዘለዎ ዂሉ ኣብ አድካ ሂበካ እኔኹ፡ በሎ። ሰይጣን ከኣ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ወጸ። ኰነ ድማ፡ ሓደ መዓልቲ እቶም ኣወዳቱን ኣዋልዱን ኣብ ቤት እቲ ዓብዪ ሓዎም ኪበልዑን ወይኒ ኺሰትዩን ከለው፡ መእወዪ ናብ እዮብ መጺኡ፡ እቶም ኣብዑር ይሕረሱ፡ እተን ኣእዱግ ድማ ኣብ ጥቓኣቶም ይበልዓ ነበራ፡ ሽዑ ሰብ ሳባ መጺኦም ዘሚቶምዎም። ነቶም ግዙኣት ብስሕለት ሴፍ ቀቲሎምዎም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምለጥኩ፡ በሎ። እዚ ገና ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ካልእ መጺኡ፡ ናይ ኣምላኽ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዳ፡ ነተን ጤለ በጊዕን ንግዙኣትን ኣንደደቶምን በልዓቶምን። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምላጥኩበሎ። እዚ ገና ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ካልእ መጺኡከልዳውያን ብሰለስተ ሰልፊ ዀይኖም፡ ኣብተን ኣግማል ሓደጋ ወዲቖም ዘሚቶምወን፡ ነቶም ግዙኣውን ብስሕለት ሴፍ ቀቲሎምዎም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምለጥኩበሎ። እዚ ገና ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ካልእ መጹኡኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብ እንዳ እቲ ዓብዪ ሓዎም ይበልዑን ወይኑ ይሰትዩን ነበሩ፡ ሽዑ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ በረኻ መጺኡ፡ ነታ ቤት በርባዕተ መኣዝናወቕዓ፡ ናብ ርእሲ እቶም ደቂ ድማ ወደቐት፡ ንሳቶም ከኣ ሞይቶም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምለጥኩ፡ በሎ። ሽዑ እዮብ ተንሲኡ ኽዳኑ ቐደደ ርእሱውን ላጸየ እሞ፡ ጥራየይ እየ ኻብ ከርሲ ወላዲተይ ዝወጻእኩ፡ ጥራየይ ከኣ ናብኣ ኽምለስ እየ። እግዚኣብሄር ሀበ፡ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደስም እግዚኣብሄር ይባረኽኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ። በዚ ዂሉ እዮብ ኣይበደለንንኣምላኽውን ኣይነቐፎን

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:19-20 | 2 Helpful votes

ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ

Translation | Context
ዮሃንስ 14:6 | 2 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:44 | 2 Helpful votes

ስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዎ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ።

Translation | Context
ሮሜ 8:1 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዂነኔ የብሎምን

Translation | Context