Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

sheep


መዝሙር 100:3 | 14 Helpful votes

እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ፣ ንሱ ገበረና፣ ባዕላትና ኣይኰንናን፣ ንሕናስ ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሴኡን ኢና።

Translation | Context
ሉቃስ 15:4-7 | 10 Helpful votes

ካናኻትኩምከ ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ ካባታተን ሓንቲ እንተ ጠፍኣቶስ፡ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ዘይሐድግክሳዕ ዚረኽባውን ነታ ዝጠፍኤት ኪደሊ ዘይከይድ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧ ምስ ረኸባ ኸኣ፡ እናተሐጐሰ ኣብ መንኵቡ ይሕንግራ። ናብ ቤቱ ምስ ተመለሰ ድማ፡ ነዕሩኹን ንጐረባብቱን ብሓደ ጸዊዑ፥ ነታ ዝጠፍኤትኒ በጊኤይ ረኺበያ እሞ፡ ምሳይ ተሐጐሱይብሎምከምኡ ኸኣ ንስሓ ኻብ ዘይደልዩ ተስዓን ትችዓተን ጻድቃንሲብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ኪኸውን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ማቴዎስ 9:36 | 10 Helpful votes

ብዙሓት ህዝቢ ምስ ረአየሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ፡ ደንገጸሎም

Translation | Context
ዮሃንስ 10:11 | 8 Helpful votes

እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ

Translation | Context
ዮሃንስ 10:1-16 | 6 Helpful votes

እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱብኻልእ ወገን ዚሐኵርንሱ ሰራቕን ጕሒላን ከም ዝዀነብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ ብኣፍ ደገ ዚኣቱ ግና፡ ንሱ ጓሳ ኣባጊዕ እዩንእኡ እቲ ሓላው ደገ ይኸፍተሉእተን ኣባጊዕውን ቃሉ ይሰምዓነተን ኣባጊዑ ኸኣ በብሰመን ጸዊዑ የውፍረንነተን ኣባጊዕ ምስ ኣውፍረን ድማ፡ ቀቅድሜኤን ይኸይድ፡ እተን ኣባጊዕውን ድምጹ የለልያ እየን እሞ፡ ይስዕባኦድምጺ ኻልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝዀና፡ ንኻልእካብኡ ይገልባ እምበር፡ ኣይስዕባኦን እየንየሱስ እዚ ምስላዚ መሰለሎምንሳቶም ግና ነቲ እተዛረቦም ኣየስተውዓልዎን። ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ በሎም፥ እቲ ደገ ኣባጊዕ ኣነ ከም ዝዀንኩ፡ ብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቶም ቅድመይ ዝመጹ ዅላቶም ሰረቕትን ጓሓሉትን እዮም፡ እተን ኣባጊዕ ግና ኣይሰምዓኦምን እየን። እቲ ደገ ኣነ እየ። ብኣይ ዚኣቱ ኪድሕንኪኣቱን ኪወጽእን መጓሰዪውን ኪረክብ ኣዩ። ሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረክባ እየ ዝመጻእኩ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋእቲ ብዓል ዓስቢ ግናጓሳ ዘይኰነስእተን ኣባጊዕውን ዘይጥሪቱ፡ ተዅላ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረአየ፡ ነተን ኣብጊዕ ሐዲግወን ይሃድም። እቲ ተዅላ ድማ ነተን ኣባጊዕ ይዛረፈን ፋሕውን የብለን። ብዓል ዓስቢ እዩ እሞ፡ ይሃድምግዲ እተን ኣባጊዕውን የብሉንሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ነባጊዔይ እፈልጠን እተን ኣባጊዔይውን ይፈልጣኒ እየን። ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዚፈልጠኒኣነውን ነቦ እፈልጦ እየ። ንነፍሰይ ከኣ በጃ እተን ኣባጊዕ ኤሕልፋካብዚ መጓሰ እዚ ዘይኰና ኻልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒንኣታተን ድማ ከምጽኤን እየ፡ ቃለይውን ኪሰምዓ እየን። ሓደ መጓሰ ኪዀና እየን ጓሳኤንውን ሓደ

Translation | Context
ማቴዎስ 7:15 | 5 Helpful votes

ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጽኹም

Translation | Context
ኤርምያስ 50:6 | 5 Helpful votes

ህዝበይ ጥፉእ መጓሰ ኣባጊዕ ነበረ፡ ጓሶተን ኣጋገይወን፡ ናብ ኣኽራን ኣዀብለልወን፡ ንሳተን ካብ ኣኽራን ናብ ኲድዂዶታት ነፈጻ፡ ስፍራ ማሕደሪኤን ከኣ ረስዓ

Translation | Context
ኢሳይያስ 53:6 | 4 Helpful votes

ኲላትና ኸም ኣባጊዕ ተባረርናነፍሲ ወከፍ ነናብ መገዱ ዘምበለእግዚኣብሄር ከኣ ኣበሳ ዂላትና ኣብኡ ኣውደቖ

Translation | Context
ማቴዎስ 10:16 | 4 Helpful votes

እንሆ፡ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም አሎኹ። ደጊም ጠቢባን ከም ተመንገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኹኑ

Translation | Context
ህዝቅኤል 34:1-31 | 3 Helpful votes

ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኣብቶም ጓሶት እስራኤል ተነበ፣ ነቶም ጓሶት ተነበየሎምእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካውን ንገሮም፣ ነቶም ንርእሶም ጥራይ ዚጓስዩ ጓሶት እስራኤል ወይለኦም። እቶም ጓሶትሲ ነተን ኣባጊዕዶ ኣይኰኑን ዚጓስዩ፡ ነቲ ስቡሕ ትበልዑጸምሪ ትኽደኑ፣ ነቲ ዝሰብሔ ትሐርዱ፣ ነቲ መጓሰ ግና ኣይትኣልዩንንዝሐመቓ ኣየበርታዕኩምንንዝሐመመት ኣይፈወስኩምንንተሰብረት ኣይዘነንኩምንንተባረረት ኣይመለስኩምንንዝጠፍኤት ኣይደሌኹምንብሓይልን ብትርን ደኣ ገዛእኩምወንጓሳ ስለ ዘይነበረን ፋሕ በላ፣ ንዅሎም ኣራዊት መሮር ከኣ ብልዒ ዀና፣ ፋሕውን በላ። ኣባጊዔይ ኣብ ኵሉ ኣኽራንን ኣብ ኵሉ ነነዋሕቲ ዅርባታትን ተባረራ፣ ኣብ ኵሉ ዝባን ምድሪ ፋሕ በላ፣ ግደን ዚገብርን ዚደልየንን ከኣ የልቦን። ስለዚ፣ ኣቱም ጓሶትቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፣ ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽኣባጊዔይ ተዘሪፈን፣ ኣባጊዔይ ከኣ ንዅሎም ኣራዊት መሮር ብልዒ ዀይነን፣ እቶም ጓሶት ኣይነበሩን፣ ጓሶትይ ግዲ ኣባጊዔይ ኣይገበሩን፣ እቶም ጓሶት ንርእሶም ጓሰዩ እምበር፣ ነባጊዔይሲ ኣይጓሰይወንን እዮም እሞ፣ ስለዚ፣ ኣቱም ጓሶትቃል እግዚኣብሄር ስምዑእግዚኣብሄር ኣምላኽሲ እንሆ፣ ኣብቶም ጓሶት እጥልቕ አሎኹ፣ ኣባጊዔይ ከኣ ካብ ኢዶም ክደልየን እየ። እቶም ጓሶት መሊሶም ንርእሶም ከይጓስዩስ፣ ጕስነት ኣባጊዔይ ከሕድጎም እየ። ድሕርዚ ቐለቦም ከይዀና ድማ፣ ካብ ኣፎም ክምንዝዔን እየ፣ ይብል አሎ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እኔኹ ኣነ ባዕለይ፣ ኣነ ነተን ኣባጊዔይ ክኣልየንን ክደልየንን እየ። ከምቲ ጓሳ፣ በታ እተን መጓሲኡ ፋሕ ዚብላላ መዓልቲ ኣብ ማእከል ኣባጊዑ ጸኒሑ ዚደልየን፣ ከምኡ ድማ ኣነ ነባጊዔይ ክደልየን፣ ካብ ኵሉ እቲ ብመዓልቲ ደበናን ጸልማትን ፋሕ ኢለናኦ ዝነበራ ቦታ ኸኣ ከናግፈን እየ። ካብ ህዝብታት ከውጽኤን፣ ካብ ሃገራት ክእክበን፣ ናብ ሃገረን ድማ ክመልሰን፣ ኣብ ኣኽራን እስራኤልን ኣብ ጥቓ ወሓዚ መስኖ ኣብቲ ሰብ ዚነብረሉ ኵሉ ቦታ እታ ሃገርን ክጓስየን እየ። ኣብ ልሙዕ መጓስዪ ኸውፍረን እየ፣ ደምቢኤን ከኣ ኣብቲ ነዋሕቲ ኣኽራን እስራኤል ኪኸውን እዩ። ኣብኡ ኣብ ጽቡቕ ደምበ ኺድቅሳ፣ ኣብ ስቡሕ መውፈሪ ኣብ ኣኽራን እስራኤል ኪጓሰያ እየን። ኣነ ባዕለይ ነባጊዔይ ክወፍረን ባኦለይ ድማ ከስፍረን እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽዝጠፍኤት ክደሊእተባረረት ክመልስእተሰብረት ክዘንንዝሐመቐት ከኣ ከጽንዕ፣ ነታ ዝሰብሔትውን ዝበርትዔትን ግና ከጥፍእብፍርዲውን ክጓስየን እየ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኣትን ኣባጊዔይ፣ እንሆ፣ ኣነ ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን፣ ኣብ መንጎ ደዓውልን ደባሉን ክፈርድ እየ። ነቲ ካብ መውዓሊኹም ዝተረፈ በእጋርኩም እትረግጽዎስ፣ ኣብቲ ልሙዕ ሸኻ ምውዓልዶ ውሒድኩም እዩ፧ ነቲ ዝተረፈ ማይ በእጋርኩም እትዘርግዎስ፡ እቲ ጽሩይ ማይ ምስታይዶ ውሒድኩም እዩ፧ እሞ እተን ኣባጊዔይሲ እቲ ብእጋርኩም እተረግጸዶ ኺበልዓ፣ እቲ ኣእጋርኩም ዝዘረጎስ ኪሰትያ እየን፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እኔኹ፣ ኣነ ባዕለይ ኣብ መንጎ እተን ስቡሓት ኣባጊዕን እተን ዓባሩ ኣብጊዕን ክፈርድ እየ። ንዅለን እተን ዝሐመቓ ዘበላ ኽሳዕ ሰጕጕኩም ፋሕ እተብልወን፣ ብጐድንን ብመንኩብን ስለ ዝጐነጽኩምወንበቕርንትኹም ድማ ስለ ዝወጋእኩምወን፣ ስለዚ ኣነ ነባጊዔይ፣ ድሕርዚ ንዘመተ ኸይውፈያ፣ ከድሕነን ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን ከኣ ክፈርድ እየ። ኣነ ኸኣ ዚጓስየን ሓደ ጓሳዳዊት ባርያይከተንስኣለን እየ። ንሱ ኺጓስየንጓሳኤን ድማ ኪኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄርሲ ኣምላኾም ክኸውን እየ፣ ዳዊት ባርያይውን ኣብ ማእከሎም መስፍን ኪኸውን እዩ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ አሎኹ። ኣነ ምሳታተን ኪዳን ሰላም ከኣቱንኽፉኣት ኣራዊት ካብ ሃገር ከጥፍኦም እየ። ንሳተን ከኣ ኣብ በረኻ ሀዲኤን ኪነብራ፣ ኣብ ዱርውን ኪድቅሳ እየን። ኣነ ኸኣ ንእኤንን ነቲ ኣብ ዙርያ ዂርባይ ዘሎ ቦታን ንበረኸት ክገብሮም እየ። ዝናም ብጊዜኡ ኸውርድ እየ፡ ዝናም በረኸትውን ኪኸውን እዩ። ኦም መሮር ፍሪኡ ኼፍሪ እዩ፣ ምድሪውን ብቝላ ኽትህብ እያ፣ ኣብ ሃገሮም ከኣ ሀዲኦም ኪነብሩ እዮም። ኣነ ሰንሰለት ኣርዑቶም ምስ ሰበርኩ፣ ካብ ኢድ እቶም ባሮት ዝገበርዎም ከኣ ምስ ኣናገፍክዎም፣ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። ድሕርዚ ዘመተ ህዝብታት ኣይኪዀኑን እዮም፣ ኣራዊት ምድሪ ኸኣ ኣይኪበልዕዎምን እዮም። ኤረ ሀዲኦም ኪነብሩ እዮም፣ ዜፍርሆምውን የልቦን። ንናእዳ ዚዀኖም ተኽሊ ኸተንስኣሎም እየ፣ ድሕርዚ ኸኣ ኣብታ ሃገር ብጥሜት ኣይኪጠፍኡን፣ ድሕሪ ደጊም ድማ ጸርፊ ህዝብታት ኣይኪጾሩን እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾምሲ ምሳታቶም ከም ዝዀንኩ፡ እቶም ቤት እስራኤልውን ህዝበይ ከም ዝኾኑ ኺፈልጡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽኣቱም ኣብጊዔይኣብጊዕ መውፈረይ፣ ንስኻትኩም ሰብ ኢኹም፣ ኣነ ኸኣ ኣምላኽኩም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

Translation | Context
ዮሃንስ 21:17 | 3 Helpful votes

ሳልሳይ ድማ፥ ስምኦን ወዲ ዮናተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ በሎጴጥሮስሳልሳይ ጊዜ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ ስለ ዝበሎጕህዩጐይታይንስኻ ዅሉ ትፈልጥ አሎኻ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካውን ትፈልጥ አሎኻ፡ በሎየሱስ ከኣ፥ ኣባጊዔይ ኣብልዕ

Translation | Context
መዝሙር 23:1-6 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፣ ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒበርትኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩክፉእ ኣይፈርህን እየ። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መአዲ ትሰርዓለይንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮጽውኤይ ይጅርብብ አሎ። ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለአለም ክነብር እየ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 53:7 | 2 Helpful votes

መከራ ጸገበ፡ ርእሱ ኣዋረደ ኣፉውን ኣይከፈተን። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኽብከብ ገንሸል፡ ከምታ ኣብ ቅድሚ መቀዝታ ስቕ እትብል በጊዕ ኣፉ ኣይከፈተን

Translation | Context
ማቴዎስ 26:31 | 2 Helpful votes

ሽዑ የሱስ፡ ንጓሳ እወቕዖ፡ እተን ኣባጊዕ መጓሰ ድማ ፋሕ ይብላ፡ ተጽሒፉ አሎ እሞ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ዅላትኩም ብኣይ ክትዕቀፉ ኢኹም።

Translation | Context
ህዝቅኤል 34:17-22 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኣትን ኣባጊዔይ፣ እንሆ፣ ኣነ ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን፣ ኣብ መንጎ ደዓውልን ደባሉን ክፈርድ እየ። ነቲ ካብ መውዓሊኹም ዝተረፈ በእጋርኩም እትረግጽዎስ፣ ኣብቲ ልሙዕ ሸኻ ምውዓልዶ ውሒድኩም እዩ፧ ነቲ ዝተረፈ ማይ በእጋርኩም እትዘርግዎስ፡ እቲ ጽሩይ ማይ ምስታይዶ ውሒድኩም እዩ፧ እሞ እተን ኣባጊዔይሲ እቲ ብእጋርኩም እተረግጸዶ ኺበልዓ፣ እቲ ኣእጋርኩም ዝዘረጎስ ኪሰትያ እየን፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እኔኹ፣ ኣነ ባዕለይ ኣብ መንጎ እተን ስቡሓት ኣባጊዕን እተን ዓባሩ ኣብጊዕን ክፈርድ እየ። ንዅለን እተን ዝሐመቓ ዘበላ ኽሳዕ ሰጕጕኩም ፋሕ እተብልወን፣ ብጐድንን ብመንኩብን ስለ ዝጐነጽኩምወንበቕርንትኹም ድማ ስለ ዝወጋእኩምወን፣ ስለዚ ኣነ ነባጊዔይ፣ ድሕርዚ ንዘመተ ኸይውፈያ፣ ከድሕነን ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን ከኣ ክፈርድ እየ።

Translation | Context