Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

3 bible verses about

sharon


ኢሳይያስ 35:1-10 | 21 Helpful votes

በረኻን ምድረ ኣጻምእን ኪሕጐሱ፡ ምድረ በዳ ኸኣ እልል ኪብል፡ ከም ጽጌረዳ ድማ ኪዕምብብ እዩ። ኣጸቢቑ ኺዕምብብብሓጐስን ብእልልታን ባህ ኪብል፡ ክብሪ ሊባኖስን ጌጽ ቀርሜሎስን ሳሮንን ኪወሀቦ እዩ፡ ንኽብሪ እግዚኣብሄርን ንጌጽ ኣምላኽናን ኪርእዩ እዮም። ነተን ዝሰነፉ ኣእዳው ኣበርትዑ፡ ነተን ወለል ዝበላ ኣብራኽ ድማ ኣደልድሉ። ነቶም ፈራህ ዝልቦም፡ ኣጆኹምኣይትፍርሁ፡ እንሆ፡ ኣምላኽኩም ምስ ሕነን ምስ ናይ ኣምላኽ ምፍዳይ ኢድን ኪመጽእ፡ ባዕሉ ኼጽሕነኩም ኪመጽእ እዩ፡ በልዎም። ሽዑ ኣዒንቲ ዕውራት ኪኽፈታኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን። ሽዑ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርርልሳን እቲ ዓባስ ከኣ እልል ኪብል፡ ማያት ኣብ በረኻወሓይዝ ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኺፍልፍል እዩ እሞ፡ ምድሪ ረመጨትሲ ቐላይ፡ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ዓይኒ ማያት ኪኸውን እዩ፡ እቲ ወኻሩ መሳፍሮ ዚገብራኦ ስፍራስ መብቈል ሰትን ሰልሰላን ሻምብቆን ኪኸውን እዩ። መገዲ ጽርግያ ኣብኣ ኽትከውን እያ፡ ቅድስቲ መገዲ ኽትበሀል እያ፡ ርኹስ ዘበለ ኣይኪሐልፋን እዩ፡ ንኣታቶም ጥራይ እያ፡ እቲ ብእኣ ዚኸይድ፡ ዓሻ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣይኪጋገን፡ እዩ። ኣንበሳ ኣብኣ ኣይኪህሉን፡ ግርጉር ኣራዊት ኣይኪድይባን፡ ኣብኣውን ኣይኪርከብን እዩ፡ ድሑናት ደኣ ይመላለሱላ። እቶም እግዚኣብሄር እተበጀዎም ኪምለሱእልል እናበሉ ናብ ጽዮን ኪመጹ እዮም፡ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ከኣ ርእሶም ኪኸልል እዩ፡ ደስታን ሓጐስን ኪረኽቡ እዮም፡ ጓህን እህህታን ኪሀድም እዩ።

Translation | Context
መሃልየ መሃልይ 2:1-10 | 18 Helpful votes

ኣነ ጽጌረዳ ሳሮን፡ ናይ ለሰ ዕምባባ ሹወን እየ። ፈታዊተይሲ ኣብ ማእከል ኣዋልድ ከም ኣብ ማእከል እሾዂ ዝበቘለት ዕምባባ ሹወን እያ። ፈታውየይ ኣብ ማእከል ኣወዳት ከም ምልዖ ኣብ ማእከል ኣእዋም ዱር እዩ። ኣብ ጽላሉ ባህ ኢሉኒ ተቐመጥኩፍሬኡውን ንትንሓገይ ጥዑም እዩ። ናብ ቤት ወይኒ ኣእተወኒሰንደቕ ዕላማኡ ኣብ ልዕለይ ፍቕሪ እዩ። ብፍቕሪ ሐሚመ እየ እሞ፡ ብጐጎ ዘቢብ ኣጽንዑኒብምልዖ ደግፉኒጸጋመይቱ ተተርእሰኒየማነይቱ ኸኣ ትሐቚፈኒ። ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌምንፍቕሪ ኽሳዕ እትደሊከይተተንስኣኣን ከይተበራብራኣን ኢለ ብሜዳቚን ብእራብ መሮርን ኤምሕለክን አሎኹ። ድምጺ ፈታውየይ፡ እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ኣኽራን እናዘለለ፡ ኣብ ልዕሊ ዂርባታት እናተናጠረ ይመጽእ አሎ። ፈታውየይ ንሜዳቚን ነርሕዶ እራብን ይመስል። እንሆ፡ ኣብ ክንየው መካበብያና ደው ኢሉ ብመስኰት ይርኢ፡ ብዓይነ ርግቢ ይጥምት አሎ። ፍትወይሲ፡ ኣቲ ፍትውተይተንሲኢጽብቕተየንዒኢሉ ተዛረበኒ

Translation | Context
ኢሳይያስ 65:10 | 16 Helpful votes

ነቲ ዝደለየኒ ህዝበይ ከኣ ሳሮን መጓሰዪ ኣባጊዕ፡ ለሰ ኣኮርውን መደቀሲ ከብቲ ኪኸውን እዩ።

Translation | Context