Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

servanthood


ሉቃስ 22:27 | 11 Helpful votes

እቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥን እቲ ዜግልገልንከ ኣየናዮም ይዐቢ፧ እቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥ ደይኰነን፧ ኣነ ግና ኣብ ማእከልኩም ከም ኣገልጋሊ እየ።

Translation | Context
ፊልጲ 2:7 | 6 Helpful votes

መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ።

Translation | Context
ፊልጲ 2:1-30 | 6 Helpful votes

እምብኣርሲ ገለ ምጽንናዕ ብክርስቶስወይስ ገለ ደበሳ ናይ ፍቕሪ፡ ወይስ ገለ ሕብረት መንፈስ፡ ወይስ ገለ ምሕረትን ድንጋጽን እንተሎ፡ ብሓንቲ ሓሳብ ብምዃንኩም፡ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምህላውኩምብሓንቲ ነፍሲ ዄንኩም ሓደ ብምሕሳብኩም ሓጐሰይ መልኡ። ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርእዮ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት። እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሀሉኹም። ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረኣዮንመልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ። ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምኻኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሀቦደጊም፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እቲ ምእንቲ ጽቡቕ ፍቓዱ ኢሉ፡ ኣባኻትኩም ድሌትን ግብርን ዚገብርሲ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ከየሎኹ ግዳ እቲ ዚበዝሕ እምበር፡ ከሎኹ ጥራይ ዘይኰነከምቲ ዅሉ ሳዕ እተኣዘዝኩምብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓንኩም ፈጽሙንኸንቱ ኸም ዘይጐየኹ ወይስ ንኸንቱ ኸም ዘይጸዓርኩ፡ ነቲ ቓል ህይወት ሒዝኩም በታ መዓልቲ ክርስቶስ ንትምክሕተይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዜብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዜብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩምከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንዅሉ ብዘይምጕርምራምን ብዘይውልውልን ግበርዎ። ግናኸ ኣብቲ ናይ እምነትኩም መስዋእትን ኣገልግሎትን እንተ ተሰዋእኩ፡ ባህ ይብለኒ፡ ምስ ኵላትኩምውን እሕጐስ አሎኹ። ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ባህ በሉ ምሳይውን ተሐጐሱ። ብናይ ህልዋትኩም ከምታ ነፍሰይ ሐሲቡ ብንጹህ ልቢ ዚሐሊ ሓደ እኳ የብለይን እሞ፡ ኣነ ብዛዕባኻትኩም ፈሊጠ ምእንቲ ባህ ኪብለኒቀልጢፈ ንጢሞቴዎስ ክልእከልኩምብጐይታና የሱስ ተስፋ እገብር አሎኹ። ኵላቶም ነናይ ርእሶም እዮም ዚደልዩነቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣይኰነን። ግናኸ ውሉድ ነቦኡ ኸም ዜገልግል፡ ንሱውን ምሳይ ንወንጌል ብምግልጋሉ ፍቱን ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም። እምብኣርሲ ኣባይ ከመይ ከም ዚኸውን ምስ ርኤኹቀልጢፈ ንእኡ ኸሰደልኩም ተስፋ እገብር አሎኹ። ኣነ ባዕለይውን ቀልጢፈ ኸም ዝመጽእብጐይታ እእመን አሎኹ። ንኤጳፍሮዲጦስሓወይን መዓይይተይን መተዓቕይተይን ልኡኽኩምኣነ ብዝደልዮ ኣገልጋልን ግና፡ ንዅላትኩም ስለ ዝናፈቐን ምሕማሙ ብምስማዕኩም ስለ ዝጐሃየን፡ ናባኻትኩም ክሰዶ ብግዲ ዀነኒ። ሐሚሙስ ብሓቂ ንሞት ቀሪቡ ነይሩ፡ ግናኸ፡ ኣምላኽ ምሒርዎ ሓዘን ኣብ ልዕሊ ሓዘን ምእንቲ ኸይውሰኸኒንኣይ ድማ እዩ እምበር፡ ንእኡ ጥራይ ኣይኰነን። ስለዚ፡ ምስ ርኤኹምዎ ኸም ብሓድሽ ምእንቲ ኽትሕጐሱ፡ ኣነውን፡ እቲ ሓዘነይ ምእንቲ ኪቐልልቀልጢፈ ሰደድክዎ። ደጊም ንሱ እቲ ኻባኻትኩም ዝጐደለኒ ምእንቲ ኺምልእነብሱ ቐቢጹ ምእንቲ ዕዮ ክርስቶስ ክሳዕ ሞት ቀሪቡ ነይሩ እዩ እሞ፡ ብዅሉ ሓጐስ ብጐይታ ተቐበልዎ፡ ነዞም ከምዚኣቶም ዘመሰሉ ኣኽብርዎም

Translation | Context
ዮሃንስ 13:1-38 | 5 Helpful votes

የሱስቅድሚ በዓል ፋስጋ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ናብ ኣቦኡ ዚኸደላ ጊዜኡ ኸም ዝበጽሔት ፈሊጡነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ ኽሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮምኪድረሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ድያብሎስ ናብ ልቢ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን ኬትሕዞ ቕድም ሓሳብ ኣእትዩ ነበረ። የሱስ ከኣ ኣቦኡ ንዅሉ ኣብ ኢዱ ኸም ዝሃቦካብ ኣምላኽ ድማ ከም ዝመጸ ናብ ኣምላኽውን ከም ዚኸይድ ፈሊጡካብ ድራር ተንሲኡ ኽዳውንቱ ኣንበረዓለባ ኣልዒሉውን ተዓጥቀደሓር ማይ ኣብ ገበራ ኣዕሪቑኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ኺሐጽብን በቲ እተዓጥቆ ዓለባ ገይሩ ኺደርዝን ጀመረሽዑ ናብ ስምኦን ጴጥሮስ መጸ፡ ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይንስኻዶ ኣእጋረይ ክትሐጽበኒ ኢኻ፧ በሎየሱስ መሊሱ፡ ነቲ ኣነ ዝገብሮ ንስኻ ሕጂ ኣይትፈልጦንድሕርዚ ግና ክትፈልጦ ኢኻ፡ በሎጴጥሮስ ከኣ፡ ንዘለኣለም ኣእጋረይ ኣይትሐጽበንን ኢኻ፡ በሎየሱስ ከኣ፡ ኣነ እንተ ዘይሐጸብኩኻስምሳይ ግደ የብልካን፡ ኢሉ መለሰሉስምኦን ጴጥሮስ ድማ፡ ጐይታይኣእዳወይን ርእሰይን ድማ እምበርኣእጋረይ ጥራይ ኣይኰነንበሎየሱስ ከኣ፡ እቲ እተሐጽበኵለንትናኡ ንጹህ እዩ እሞ፡ ብጀካ ኣእጋሩ ምሕጻብ ኣየድልዮን እዩ። ንስኻትኩም ከኣ ንጹሃት ኢኹምግናኸ ኵላትኩም ኣይኰንኩምንበለነቲ ዜትሕዞ ይፈልጦ ነበረ እሞ፡ ስለዚ እዩ፡ ኵላትኩም ንጹሃት ኣይኰንኩምንዝበለ። ከምዚ ገይሩ ኣእጋሮም ምስ ሓጸቦምክዳውንቱ ተኸዲኑከም ብሓድሽ ተቐሚጡ፡ እዚ ዝገበርኩልኩምሲ ትፈልጥዎዶ አሎኹም፧ በሎምንስኻትኩም መምህርን ጐይታን ትብሉኒ አሎኹም፡ ኣነ ኸምኡ እየ እሞጽቡቕ በልኩምኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ፡ ኣእጋርኩም ካብ ሓጸብኩስከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሐጽቡ ይግብኣኩም እዩ። ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይበልጽን ልኡኽውን ካብ ለኣኺኡ ኣይበልጽን እዩ፡ ኢለ ብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም፡ እንተ ገበርኩምዎስ ብጹኣን ኢኹም። ኣነ ነቶም ዝሐሬኽዎም እፈልጦም እየ፡ ብዛዕባ ዅላትኩም ኣይኰንኩን ዝዛረብ ዘሎኹ። ግናኸ እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸምሲ፡ እቲ እንጌራይ ዚበልዕሸኰናኡ ኣባይ ኣልዓለምስ ኰነ ኣነ ምዃነይ ምእንቲ ኽትኣምኑ ኸኣ፡ ከይኰነ ሕጂ እነግረኩም አሎኹ። ነቲ ዝለኣኽክዎ ዚቕበል ንኣይ ይቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ድማ ነቲ ዝለአኸኒ እዩ ዚቕበል፡ ኢለ ብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹየሱስ እዚ ምስ በለብመንፈሱ ጕህዩካባኻትኩም ሓደ ኸም ዜትሕዘኒብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹኢሉ መስከረ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ መን ከም እተዛረበ ጠፊእዎምንሓድሕዶም ተጣማመቱካብ ደቀ መዛሙርቱ ሓደእቲ የሱስ ዜፍቅሮ ዝነበረኣብ ኣፍ ልቢ የሱስ ተጸጊዑ ኣብ መኣዲ ነበረ። ንእኡ ስምኦን ጴጥሮስብዛዕባ መን ይዛረብ ከም ዘሎ፡ ኪሐቶ ኣመልከቶ። እቲ ኣብ ኣፍ ልቢ የሱስ ተጐዝጕዙ ዘሎ ኸኣጐይታይመን እዩ ንሱበሎየሱስ ከኣ፥ እቲ ኣነ ቝራስ እንጌራ ጸቢሔ ዝህቦንሱ እዩ፡ ኢሉ መለሰ። ሽዑ ኸኣ ቍራስ እንጌራ ጸቢሑ ንይሁዳወዲ ስምኦን ኣስቆሮታዊሃቦድሕሪ እታ ቝራስ እንጌራ ኸኣ ሰይጣን ናብኡ ኣተወሽዑ የሱስነቲ እትገብሮ ቐልጢፍካ ግበሮበሎ። ካብቶም ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ዘለዉ ግና ብዛዕባ እንታይ ከም ዝበሎሓደ እኳ ዝፈለጠ ኣይነበረን። ንሓያሎ ግና፡ ማሕፉዳ ኣብ ይሁዳ ነበረ እሞ፡ የሱስንበዓል እንደልዮ ዓድግ ወይስ ገለ ንድኻታት ሃብዝበሎ መሊልዎም ነበረ። ንሱ ግና ነታ ቝራስ እንጌራ ምስ ተቐበለብኡብኡ ወጸለይቲውን ነበረ። ንሱ ምስ ወጸ፡ ሽዑ የሱስ በለሕጂ ወዲ ሰብ ከበረኣምላኽውን ኣብኡ ኸበረኣምላኽ ኣብኡ ኻብ ከበረኣምላኽ ኸኣ ኣብ ርእሱ ኬኽብሮ እዩ፡ ቀልጢፉውን ኬኽብሮ እዩ። ደቀየገና ቕሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም እየ። ክትደልዩኒ ኢኹም፡ ከምቲ ንኣይሁድናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስካትኩም ክትመጹ ኣይከኣለኩምን እዩ፡ ዝበልክዎምንኣኻትኩምውን ሕጂ እብለኩም አሎኹ። ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹምከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ። ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ። ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፡ ጐይታይናበይ ክትከይድ ኢኻ፡ በሎየሱስ ድማ፥ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻ ሕጂ ኽትስዕበኒ ኣይከኣለካን እዩ፡ ደሓር ግና ክትስዕበኒ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉጴጥሮስ ከኣ፡ ጐይታይሕጂኸ ኽስዕበካ ዘይከኣለኒ እንታይ ኰይነህይወተይ እኳ በጃኻ ኤሕልፋ እየ፡ በሎየሱስ ከኣ፥ ንህይወትካዶ በጃይ ተሕልፋሰለስተ ጊዜ ኽሳዕ እትክሕደንስ ደርሆ ኸም ዘይንቁብሓቂብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ

Translation | Context
ቈሎሴ 3:17 | 4 Helpful votes

ብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ

Translation | Context
ኤፌሶን 5:21 | 3 Helpful votes

ንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ እዙዛት ኩኑ።

Translation | Context
ዮሃንስ 12:26 | 3 Helpful votes

ዜገልግለኒ እንተሎስ፡ ንኣይ ይስዓበኒ። እቲ ዜገልግለኒ ድማ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኣብኡ ኪኸውን እዩ። ዜገልግለኒ እንተሎ፡ ንእኡውን ኣቦይ ኬኽብሮ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 20:25-28 | 2 Helpful votes

የሱስ ከኣ ጸዊዑ በሎም፡ ነህዛብ ሸየምቶም ከም ዚገዝእዎምዓበይቶም ድማ ከም ዚመልክዎምትፈልጡ ኢኹም። ኣባታትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን፡ እቲ ኻባታትኩም ዓብዪ ምዃን ዚደልስ፡ ግዙእኩም ደኣ ይኹን። እቲ ኻባታትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ፡ ባርያኻትኩም ይኹን። ወዲ ሰብ ድማ፡ ኬገልግልን ህይወት ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር፡ ኬግልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:16 | 2 Helpful votes

ከም ውጹኣት ሓራ፡ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እምበር፡ ከምቶም ነቲ ሓርነትሲ መጐልበቢ ኽፍኣት ዚገብርዎ ኣይትኩኑ

Translation | Context
እብራውያን 13:17 | 2 Helpful votes

ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምንንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም፡ ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ፡ ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር፡ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንኣካትኩም ኣይጠቅምን እዩ።

Translation | Context
ማርቆስ 10:42-45 | 2 Helpful votes

የሱስ ድማ ናብኡ ጸዊዑነህዛብ እቶም ከም ሸየምቶም ዚቝጸሩ ኸም ዚገዝእዎም፡ እቶም ዓበይቶምውን ከም ዚመልክዎም ትፈልጡ አሎኹም። ኣባኻትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነንእቲ ዓብዪ ኪኸውን ዚደሊ ግዙእኩም ደኣ ይኹንካባኻትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ፡ ንሱ ባርያ ዅሉ ይኹንወዲ ሰብ ድማ ኬገልግል ህይወቱውን በጃ ብዙሓት ኪህብ እምበር፡ ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን፡ በሎም።

Translation | Context