Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

school


1ይ ጢሞቴዎስ 4:12 | 12 Helpful votes

ነቶም ኣመንቲ ብቓልበኻይዳብፍቕሪብእምነትብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም እምበር፡ ነታ ንእስነትካ ሓደ እኳ ኣይንዓቃ

Translation | Context
ፊልጲ 4:13 | 11 Helpful votes

በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:31 | 10 Helpful votes

እምብኣርሲ እንተ በላዕኩምወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩምኲሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ

Translation | Context
ምሳሌ 2:6 | 9 Helpful votes

እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ እሞ፡ ፍልጠትን ምስትውዓልን ካብ ኣፉ እየን ዚወጻ።

Translation | Context
ምሳሌ 13:20 | 6 Helpful votes

ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን፡ ምስ ዓያሱ ዚመላለስ ግና ሕሱም ይኸውን።

Translation | Context
መዝሙር 78:5-8 | 5 Helpful votes

እቲ ዚመጽእ ወለዶ፣ እቶም ዚውለዱ ደቂ ኺፈልጥዎ፣ ንሳቶም ከኣ ተንሲኦም ንውሉዶም ምእንቲ ኼዘንትውዎስ፣ ተስፋኦም ናብ ኣምላኽ ኪገብሩትእዛዛቱ ኺሕልዉ እምበር፣ ተግባር ኣምላኽ ምእንቲ ኸይርስዑ፣ ከም ኣቦታቶም፣ እቲ ህልኸኛን ዓለወኛን ወለዶ፣ ከምቲ ልቡ ቀጥ ዘይበለመንፈሱውን ናብ ኣምላኽ ዘይተኣመነ ወለዶ ኸይኮኑስ፣ ኣብ ያእቆብ ምስክር ኣጽንዔ፣ ኣብ እስራኤል ከኣ ሕጊ ኣቘመ፣ እዚውን ንውሉዶም ኬፍልጥዎስነቦታትና ኣዘዞም

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 2:15 | 5 Helpful votes

ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕልዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዓር

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 1:7 | 4 Helpful votes

በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕር ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን እሞ፡ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ ኤዘክረካ አሎኹ።

Translation | Context
ምሳሌ 22:6 | 4 Helpful votes

ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 2:15 | 3 Helpful votes

ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋፍቕሪ ኣቦ የብሉን።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:18-19 | 3 Helpful votes

ዓለም እንተ ጸልኣትኩምንኣይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ እያ እሞ፡ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሐሬኹኹም እምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምንስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:23-24 | 3 Helpful votes

ነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩምእትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:7 | 2 Helpful votes

ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎኣብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ግናንሓድሕድና ሕብረት አሎናደም የሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ።

Translation | Context
ዳንኤል 1:17 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ ነዞም ኣርባዕተ መንእሰያት እዚኦም ፍልጠት፣ ብዅሉ መጻሕፍትን ጥበብን ከኣ ምስትውዓል ሀቦምዳንኤል ድማ ኵሉ ራእያትን ሕልምታትን የስተውዕል ነበረ።

Translation | Context
ዳንኤል 1:3-21 | 2 Helpful votes

እቲ ንጉስ ከኣ ንኣሽፈናዝሓለቓ እቶም ስሉባቱ፣ ካብ ደቂ እስራኤል፣ ካብ ዓሌት ንጉስን ካብ ወለዶ ጭዋታትን መንእሰያት ኬምጽእ ነገሮ። እዚኣቶም ከኣ ጕድለት ዜብሎም መልክዔኛታት ብዅሉ ጥበብ ኣስተውዓልትን ምሁራትን ኣእምሮኛታትን ኣብ ኣደራሽ ንጉስ ምቛም ዚኽእሉን ኪዀኑ፣ ናይ ከለዳውያን መጻሕፍትን ቋንቋን ከኣ ኪምህርዎም፣ ኢሉ ነገሮ። እቲ ንጉስ ድማ ካብቲ ብልዒ ንጉስን ካብቲ ንሱ ዚሰትዮ ወይንን ጸጽባሕ ድርጎ ሰርዓሎምሰለስተ ዓመት ኪምገቡድሕሪዚውን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኪቘሙ፣ ኢሉ ኣዘዘ። ኣብ ማእከል እዚኣቶም ድማ ካብ ደቂ ይሁዳዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ነበሩ። እቲ ሓለቓ ስሉባት ከኣ ስማት ኣውጽኣሎም፣ ንዳንኤል ቤልሻጽርንሃናንያ ሲድራቅንሚሻኤል ሚሳቅንኣዛርያ ድም ኣዓብድ-ኔጎ ኢሉ ሰመዮምዳንኤል ግና፣ በቲ ብልዒ ንጉስን በቲ ዚሰትዮ ወይንን ከይረክስብልቡ ሐለነ፣ ብግዲ ኸይረክስ ድማ ነቲ ሓለቓ ስሉባት ለመኖኣምላኽ ከኣ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ስሉባት ሞገስ ምሕረትን ሀቦ። እቲ ሓለቓ ስሉባት ከኣ ንዳንኤል፣ ኣነ ነቲ መብልዕኩምን መስቴኹምን ዘዳረገኩም ጐይታይ ንጉስ እፈርሆ አሎኹ። ንገጽኩምሲ ኻብ ናይቶም መሳቱኹም መንእሰያት ዐቢሩ እንተ ረኸቦ፣ ሽዑ ንርእሰይ ብንጉስ ከይተቕጽዕዋ እፈርህ አሎኹ፣ በሎ። ሽዑ ዳንኤል ነቲ፣ እቲ ሓለቓ ስሉባት ኣብ ልዕሊ ዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ዝሸሞ መጋቢ፣ ጥረ እንበልዖ ማይ ከኣ እንሰትዮ ሂብካዓሰርተ መዓልቲ እሞ ንባሮትካ ተዐዘበና። ደሓር ገጽናን ገጽ እቶም ብልዒ ንጉስ ዝበልዑን ኣብ ቅድሜኻ ይርኤ፣ ሽዑ ንባሮትካ ኸምቲ ዝርኤኻዮ ግበረና፣ በሎ። ንሱ ድማ ነዚ ነገርዚ ሕራይ ኢሉ፣ ዓሰርተ መዓልቲ ተዐዘቦም። እተን ዓሰርተ መዓልቲ ምስ ተወድኣ ኸኣ፣ ካብ ኵሎም እቶም መብልዕ ንጉስ ዝበልዑ መንእሰያት ዝበለጸ፣ በሪሁን ሀጢሮምን ተራእዩ። ሽዑ እቲ መጋቢ ነቲ ድርጎኦም ብልዕን ዚሰትይዎ ወይንን ኣትሪፉጥረ ሀቦምኣምላኽ ከኣ ነዞም ኣርባዕተ መንእሰያት እዚኦም ፍልጠት፣ ብዅሉ መጻሕፍትን ጥበብን ከኣ ምስትውዓል ሀቦምዳንኤል ድማ ኵሉ ራእያትን ሕልምታትን የስተውዕል ነበረ። እታ፣ እቲ ንጉስ ኪኣትዉላ ኢሉ ዝመደባ መዓልቲ ምስ በጽሔት፣ እቲ ሓለቓ ስሉባት ኣብ ቅድሚ ነቡካድነጻር ኣኣተዎም። እቲ ንጉስ ከኣ ተዛረቦም፣ ካብ ኵላቶም ድማ ከም ዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ዝበለ ኣይተረኽበን። ንሳቶምውን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቈሙ። ብዛዕባ እቲ ንጉስ ዝጠየቖም ናይ ጥበብን ምስትውዓልን ኵሉ ነገር፣ ካብቶም ኣብ ግዝኣቱ ዝነበሩ ጠቢባንን ፈለጥትን ዓሰርተ ኢድ በሊጾም ረኸቦምዳንኤል ድማ ክሳዕ እታ ቐዳመይቲ ዓመት ንጉስ ቂሮስ ጸንሔ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:19-20 | 2 Helpful votes

ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ

Translation | Context
ያእቆብ 1:5 | 2 Helpful votes

ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖኪውሀቦውን እዩ።

Translation | Context