Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

rich


1ይ ጢሞቴዎስ 6:6-9 | 8 Helpful votes

ግናኸ ኣምልኾ ምስ ይአኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ። ማለት፥ ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን እሞ ሓንቲ ኽንወስድ ኣይከኣለናን እዩ። ቀለብናን ክዳንናን እንተ አሎናስንሱ ይእከለና። እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራንኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ

Translation | Context
ማቴዎስ 6:19-21 | 8 Helpful votes

መዝገብካ ኣብ ዘለዎኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ

Translation | Context
እብራውያን 13:5 | 6 Helpful votes

ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡ

Translation | Context
ምሳሌ 10:22 | 6 Helpful votes

በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትምሽጋርውን ገለ ኣይውስኸሉን

Translation | Context
ማቴዎስ 6:31-33 | 5 Helpful votes

እምበርከ እንታይ ንበልዕእንታይ ንሰቲእንታይ ንኽደንኢልኹም ኣይትጨነቑነዚ ኹሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩእዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም

Translation | Context
ሉቃስ 16:19-31 | 4 Helpful votes

ቀይሕ ክዳንን ክቡር ቦፍታን ዚኽደን፡ ኵሉ መዓልቲ ኸኣ እናኣጋየጸ ዚሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረኣልኣዛር ዝስሙ ድኻውንብቝስሊ ተወሪሱ ኣብ ኣፍ ደጊኡ ወዲቑ ነበረ። ካብቲ ኻብ መኣዲ እቲ ሃብታም ዚወድቕ ርፍራፍ ኪጸግብ ድማ ሃረር ይብል ነበረ። ኣኽላባት እናመጹ ኸኣ ቍስሉ ይልሕሱ ነበሩ። ኰነ ድማ፡ እቲ ድኻ ምስ ሞተመላእኽቲ ናብ ሕቝፊ ኣብርሃም ወሰድዎእቲ ሃብታም ከኣ ሞተ ተቐብረውን። ኣብ ሲኦል ኣብ ስቓይ ኰይኑዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ፡ ንኣብርሃም ኣብ ርሑቕንኣልኣዛርውን ኣብ ሕቝፉ ረአየጸዊዑ ኸኣዎ ኣቦይ ኣብርሃም፡ በዚ ሃልሃልታዚ እስቀ አሎኹ እሞ ምሓረኒኣንፊ ኣጻብዑ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳነይ ኬዝሕለለይንኣልኣዛር ስደደለይበሎኣብርሃም ግና፥ ወደይ፡ ንስኻስ ብህይወትካ ኸሎኻ ተድላኻ ኸም እተቐበልካኣልኣዛር ድማ ከምኡ መከራ ኸም ዝጸገበዘክርሕጂ ግና ንሱ ኣብዚ ይጸናናዕ፡ ንስኻ ድማ ትስቀምስናይ እዚ ዅሉ ድማ፡ እቶም ካብዚ ናባኻትኩም ኪሐልፉ ዚደልዩ ምእንቲ ኸይክእሉ፡ ኣብኡ ዘለዉውን ናባና ከይሳገሩስ፡ ኣብ መንጎናን መንጎኹምን ዓብዪ ጋግ ተገይርዎ አሎ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፥ ዎ ኣቦይ፡ እምብኣርሲ ሓሙሽተ ኣሕዋት አለዉኒ እሞ፡ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቃይ እዚኣ ከይመጹኪምስክረሎም ንኣልኣዛር ናብ ቤት ኣቦይ ክትሰዶ እልምነካ አሎኹ፡ በሎኣብርሃም ድማ፥ ሙሴን ነብያትን አለውዎም፡ ንኣታቶም ይስምዑበሎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይኰነንኣቦይ ኣብርሃም፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ኸዶምሲኪንስሑ እዮም፡ በሎ። ንሱ ድማ፥ ንሙሴን ነብያትን እንተ ዘይሰምዕዎምሲ፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ተንስኤውን፡ ከቶ ኣይኣምኑን እዮም፡ በሎ

Translation | Context
ማርቆስ 10:24-25 | 4 Helpful votes

እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ብዘረባኡ ተገረሙየሱስ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ መሊሱ በሎምደቀይ ብጥሪት ንዚእመኑ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚአቱስ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 6:17 | 4 Helpful votes

ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚሃበና ኣምላኽ እምበር፡ በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ አዝዞም

Translation | Context
ሉቃስ 6:20-21 | 3 Helpful votes

ንሱ ድማ ናብ ደቀ መዛሙርቱ እናጠመተ በለ፡ ኣቱም ድኻታትመንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም እያ እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም። ኣቱም ሕጂ እትጠምዩክትጸግቡ ኢኹም እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም። ኣቱም ሕጂ እትበኽዩክትስሕቁ ኢኹም እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም።

Translation | Context
መክብብ 5:19 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ ነቲ ሃብትን ጥሪትን ዝሀቦ ሰብ ካብኡ ኺበልዕን ግዲኡ ኺወስድን ብጻዕሩ ኺሕጎስን እንተ ኣሰልጠኖኣምላኽ ናይ ልቡ ሓጐስ ስለ ዝሀቦ፡ ነተን መዓልትታት ህይወቱ ኣዝዩ ኣይኪዝክረንን እዩ እሞ፡ እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:28 | 3 Helpful votes

እቲ ዝሰረቐነቲ ስኡን ዜማቕሎ ምእንቲ ኺህልዎስ፡ ጽቡቕ እናገበረ ደኣ በእዳዉ ይጽዓር እምበር፡ ደጊምሲ ኣይስረቕ

Translation | Context
ምሳሌ 21:20 | 3 Helpful votes

ኣብ ቤት ጥበበኛ ኽቡር መዝገብን ዘይትን አሎ፡ ዓሻ ሰብ ግና ይውሕጦ

Translation | Context
ምሳሌ 22:7 | 3 Helpful votes

ንድኻ ሃብታም ይገዝኦተለቃሒ ኸኣ ባርያ እቲ ዜለቅሖ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 13:22 | 3 Helpful votes

ደጊ ሰብ ንደቂ ደቁ የውርሶም፡ ሃብቲ ሓጥእ ግና ንጻድቕ ይዕቈረሉ

Translation | Context
መዝሙር 1:1-4 | 3 Helpful votes

ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥብሕጊ እግዝኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትንዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬአ በብጊዜኣ እትህብቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ። እቶም ረሲኣን ከምቲ ንፋስ ዚብትኖ ብቚብቚ እዮም እምበር፣ ከምዚ ኣይኰኑን።

Translation | Context