Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

rescue


መዝሙር 82:3-4 | 12 Helpful votes

ንምግዱርን ንዘኽታምን በይኑሎምንጭኑቕን መስኪንን ፍትሒ አውጽኡሎም። ንድኻን መስኪንን ኣናግፍዎም፣ ካብ አእዳው ረሲኣን ኣድሕንዎም

Translation | Context
መዝሙር 37:39 | 12 Helpful votes

ምድሓን ጻድቃን ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ፣ ንሱ ብዘመን ጸገማ መኸወሊኦም እዩ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 34:11-12 | 9 Helpful votes

ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እኔኹ ኣነ ባዕለይ፣ ኣነ ነተን ኣባጊዔይ ክኣልየንን ክደልየንን እየ። ከምቲ ጓሳ፣ በታ እተን መጓሲኡ ፋሕ ዚብላላ መዓልቲ ኣብ ማእከል ኣባጊዑ ጸኒሑ ዚደልየን፣ ከምኡ ድማ ኣነ ነባጊዔይ ክደልየን፣ ካብ ኵሉ እቲ ብመዓልቲ ደበናን ጸልማትን ፋሕ ኢለናኦ ዝነበራ ቦታ ኸኣ ከናግፈን እየ።

Translation | Context
ምሳሌ 24:11-12 | 7 Helpful votes

ነቶም ናብ ሞት ዚጕተቱ ኣናግፎም፡ ነቶም ሰንከልከል እናበሉ ናብ ማሕረዲ ዚኸዱ ኸኣ ኣይትሕደጎም። እንሆ፡ እዝስ ኣይፈለጥናን፡ እንተ በልካ፡ እቲ ልቢ ዚመዝንዶ ኣየስተብህሎን እዩ፡ እቲ ንነፍስኻ ዚጥንቀቐላስ ኣይፈልጦን ድዩ፡ ንሱ ኸኣ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ።

Translation | Context
ኤርምያስ 1:7-8 | 5 Helpful votes

እግዚኣብሄር ግና በለኒ፡ ናብ ዝልእከካ ዂሉ ኺድ፡ እቲ ዝእዝዘካ ዂሉ ድማ ተዛረብ እምበር፡ ቈልዓ እየ ኣይትበል። ምእንቲ ኸናግፈካ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮምይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context
ኢሳይያስ 46:3-4 | 5 Helpful votes

ኣቱም ቤት ያእቆብ፡ ኣቱም ዝተረፍኩም ቤት እስራኤል ኲላትኩም፡ ካብ ከርሲ ጀሚርኩም ኣባይ እተጸዐንኩምካብ ማሕጸን ጀሚርኩም ብኣይ እተጾርኩምስምዑኒክሳዕ እርግናኹም ኣነ እየ፡ ክሳዕ ትሽይቡ ድማ ክጾረኩም፡ ኣነ ገበርኩ ኣነውን ክድግፍ እየክጸውርን ኸድሕንን እየ

Translation | Context
መዝሙር 17:6 | 4 Helpful votes

ኣምላኽትመልሰለይ ኢኻ እሞ፣ እጽውዓካእዝንኻ ናባይ ኣድንንንዘረባይ ጽን በሎ።

Translation | Context
መዝሙር 91:14-15 | 4 Helpful votes

ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒከናግፎንስመይ ስለ ዝፈለጦከልዕሎ እየ። ኪጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉብጸበባ ምስኡ ክኸውን፣ ከናግፎን ከኽብሮን እየ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 44:2 | 3 Helpful votes

እቲ ዝሰርሓካን፡ ካብ ማሕጸን ጀሚሩ ዝደኰነካን፡ ዚድግፈካን እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ኣታ ያእቆብ ባርያይ፡ ንስኻውን ይሹሩን ሕሩየይ፡ ኣይትፍራህ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:13 | 3 Helpful votes

በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።

Translation | Context
ዮሃንስ 8:32 | 3 Helpful votes

ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም።

Translation | Context