Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

reputation


ምሳሌ 22:1 | 26 Helpful votes

ጽቡቕ ስም ካብ ብዙሕ ሃብቲ ይሕረሞገስ ከኣ ካብ ብሩርን ወርቅን ይበልጽ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:12 | 13 Helpful votes

እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሐምዩኹም ዘለዉ፡ ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ሓተታ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ

Translation | Context
መክብብ 7:1 | 10 Helpful votes

ካብ ጽቡቕ ሽታ ጽቡቕ ስም ይሐይሽ፡ ካብ መዓልቲ ምላድ መዓልቲ ሞት ይበልጽ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 3:2-7 | 7 Helpful votes

እምብኣርሲ እቲ ኤጲስቆጶስ መንቅብ ዜብሉሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲጥንቁቕቀጻዕ ነፍሱኣገባብ ዚፈልጥተቐባል ጋሻንምስትምሀር ብቑዕ ኪኸውን ይግባኦዘይሰክርዘይዋቓዕ፡ ግናኸ ልኡምዘይብኣስፈታው ገንዘብ ዘይኰነነታ ቤቱ ኼስተናብራ ኻብ ዘይክእል ግና፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺኣልያ ይዀነሉ፧ ስለዚ ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብርን፡ ብዅሉ ምርዛን እዙዛት ውሉድ ዘለውዎን ይኹን። ተነፊሑ ናብ ፍርዲ ድያብሎስ ምእንቲ ኸይወድቕሓድሽ ተኽሊ ኣይኹን። ኣብ ጸርፍን መፈንጠራ ድያብሎስን ምእንቲ ኸይወድቕ ከኣ፡ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ጽቡቕ ምስክር ኪህልዎ ይግባእ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:11-12 | 6 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይከም ኣጋይሽን ከም ስደተኛታትን እመኽረኩም አሎኹ፡ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዘዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሐቑእቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሐምዩኹም ዘለዉ፡ ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ሓተታ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 4:1 | 5 Helpful votes

ከምኡኸ ሰብ ንኣና ኸም ኣገልገልቲ ክርስቶስን ከም መገብቲ ምስጢር ኣምላኽን ደኣ ይቝጸሩና

Translation | Context
ፊልጲ 1:27 | 3 Helpful votes

ካብቶም ተጻረርቲ ብሓደ ነገር እኳ ኸይሰምበድኩም፡ እዚ ንኣታቶም ንጥፍኣት፡ ንኣኻትኩም ግና ንምድሓን ምልክት እዩ፡ እዚ ኸኣ ካብ ኣምላኽ እዩ፡ መጺኤ ኽርእየኩም እንተ ዀይነ ወይስ ከየሎኹስለ እምነት ወንጌል ብሓንቲ ነፍሲ ምሳይ እናተጋደልኩምብሓደ መንፈስ ቀጥ ኢልኩም ከም እትቘሙ ምእንቲ ኽሰምዕሓንትስ ንብረትኩም ንወንጌል ክርስቶስ ዚበቅዕ ጥራይ ይኹን።

Translation | Context
ፊልጲ 4:5 | 3 Helpful votes

እቲ ለውሃትኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥእግዚኣብሄር ቀረባ እዩ

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 6:3 | 2 Helpful votes

ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይጽረፍንሓደ እኳ ብገለ መዓንቀፊ ከቶ ኣይንህብን ኢና።

Translation | Context
ሩት 2:1-13 | 2 Helpful votes

ንናእሚ ድማ ቦአዝ ዚብሀል ሃብታም ስልጡን ሰብኣይ ካብ ዓሌት ኤሊሜሌክ ዘመድ ሰብኣያ ነበረ። ሩት እታ ሞኣባዊት ድማ ንናእሚ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ምሕረት ዝረኽበሉ ስዒበ ኣብ ግራት ከይደ ክቕርም ሕደገኒ በለታ። ንሳ ኸኣ ኪዲ ጓለይበለታ። ንሳ ድማ ከይዳ ናብ ግራት ኣትያደድሕሪ እቶም ዓጻዶ ትቐርም ነበረት። እቲ ግራት እቲ ኸኣ ብገርሃ ናይቲ ኻብ ዓሌት ኤሊሜሌክ ዝነበረ ቦኣዝ ኮነላ። እንሆ ድማ፡ ቦኣዝ ካብ ቤት-ልሄም መጺኡ ነቶም ዓጻዶእግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ይኹን በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ እግዚኣብሄር ይባርኽካ በልዎቦኣዝ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓጻዶ ተመዚዙ ዝነበገረ ጊልያኡእዛ መርዓት እዚኣ ናይ መን እያ፧ በሎ። እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓጻዶ እተመዘዘ ጊልያኡ ኸኣ፡ ንሳ ምስ ናእሚ ኻብ ምድሪ ሞኣብ እተመልሰት ሞኣባዊት መርዓት እያ። ደድሕሪ እቶም ዓጻዶ ኣብ መንጎ እንዳእቲቀሪም ክአሪ ሕደገኒ በለትንግሆ ምስ መጸት ክአ ክሳዕ ሕጂ ደው ኢላ አላ እምበር፡ ኣብ ቤትሲ ቕሩብ ጊዜ እያ ዝጸንሔት፡ ኢሉ መለሰ። ሽዑ ቦኣዝ ንሩት ጓለይ ኣይሰማዕክንዶክትቅርሚ ኢልኪ ናብ ካልእ ግራት ኣይትኺዲ፡ ምስ እዘን ግዙኣተይ ደኣ ልገቢ እምበር፡ ካብዚ ኣይትሕለፊ። ናብቲ ዚዐጽድዎ ግራት ርኣዪ እሞ፡ ደድሕሪኦም ስዐቢ። ነቶም ግዙኣትሲ ኸይትንክዮኺ ኣዘኢዘዶ ኣይኮንኩን፧ ምስ ጸማእኪ ድማ፡ ናብቲ ዕትሮታት ኬድኪ ኻብቲ እቶም ግዙኣት ዝቐድሕዎ ስተዪ፡ በላ። ሽዑ ንሳ ብገጻ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ሰገደትሉ፡ ኣነ ወሰንተኛ ኽንሰይሲ፡ ንኣይ ኽትፈልጠኒ ብምንታይ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ረኸብኩበለቶቦኣዝ ድማ፡ እቲ ድሕሪ ሞት ሰብኣይኪ ንሓማትኪ ዝገብርክዮኣቦኽን ኣዴኽን እተወለድክላ ምድርን ከም ዝሐደግኪቅድሚ እዚ ናብ ዘይትፈልጥዮ ህዝቢ ድማ ከም ዝመጻኣኪ ኣጸቢቖም ነጊሮምኒ አለዉ። እግዚኣብሄር ከም ግብርኺ ይፍዴኺዓስብኺ ኸኣ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ ኽትጽግዕዮ ኢልኪ መጺእኪ ዘሎኺ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምሉእ ይኹን፡ ኢሉ መለሰላ። ንሳ ኸኣ፡ ጐይታየከም ሓንቲ ኻብተን ግዙኣትካ እኳ ዘይኮንኩስ፡ ንልቢ ግዝእትኻ ተዛሪብካ ኣጸናኒካኒ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ቅድሜኻስ ሞገስ እርከብ በለት

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 20:35 | 2 Helpful votes

ነቲ ጐይታና የሱስ ባዕሉ፡ ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባርኽዝበሎ ቓል እናዘከርካ፡ ከምዚ ጌርካ፡ ምዕያይን ንድኹማት ምእላይን ከም ዚግባእብዂሉ ኣርኤኹኹም

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 16:2 | 2 Helpful votes

ንእኡ እቶም ኣብ ልስጥራን ኣብ ኢቆንዩምን ዘለዉ ኣሕዋት ጽቡቕ መስኪሮምሉ ነበሩ

Translation | Context
ያእቆብ 2:1-26 | 2 Helpful votes

ኣቱም ኣሕዋተይእምነት ብጐይታና የሱስ ክርስቶስጐይታ ኽብሪ፡ ብዘይ ኣድልዎ ሐዙ። ኣብ ቤት ጸሎትኩም ሓደ ብዓል ቀለቤት ወርቂባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸድነ ሰብኣይ እንተ ኣተወ፡ ሓደ ድኻ ድማ ረሳሕ ክዳን ተኸዲኑ እንተ አተወ፡ እሞ ነቲ ባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸደነ እንተ ርኤኹም፡ ንስኻ ኣብዚ ጽቡቕ ስፍራ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ ነቲ ድኻ ድማ፡ ንስኻስ ኣብቲ ደው በል፡ ወይስ ኣብዚ ትሕቲ ድኳ እግረይ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም ኣድልዎ ምግባር ደይኰነንብኽፉእ ሓሳብዶኸ ፈራዶ ኣይኰንኩምን፧ ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተየስምዑብእምነት ኪህብትሙ ነቶም ዜፍቅርዎ ተስፋ ዘግበረላ መንግስቲ ኸኣ ኪወርሱ ኢሉዶ፡ ኣምላኽ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለም እዚኣ ኣይሐረዮምን እዩ፧ ንስኻትኩም ግና ነቲ ድኻ ነዐቕኩምዎ። እቶም ሃብታማትዶ ኣይኰኑን ዚሕይሉኹምን ናብ መጋባእያ ዚስሕቡኹምን፧ ንሳቶምዶ ኣይኰኑንከ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ኽቡር ስም ዚጸርፉ ዘለዉ፧ ሕጂ ግና ከምቲ ጽሑፍንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ጌርካ ኣፍቕሮ፡ ዚብል፡ ነቲ ንጉሳዊ ሕጊ ብሓቂ እንተ ፈጸምኩምዎሰናይ ትገብሩ አሎኹም። እንተ ኣድሎኹም ግና፡ ሓጢኣት ትገብሩ አሎኹም፡ እቲ ሕጊ ኸኣ መፍረስቲ ምዃንኩም ይረትዓኩም እዩ። ንብዘሎ እቲ ሕጊ ሐልዩ ኣብ ሓንቲ ዚብድል ብዅሉ እዩ በደለኛ ዚኸውን። እቲ፡ ኣይትዘሙ፡ ዝበለኣይትቕተል፡ ድማ በለ። ስለዚ እንተ ዘይዘሞኻ እኳ፡ ካብ እትቐትልሲ መፍረሲ ሕጊ ኢኻ። ነቲ ምሕረት ዘይገበረስ ምሕረት ዜብሉ ፍርዲ ኪዀኖ እዩ፡ ምሕረትሲ ኣብ ፍርዲ ትምካሕ እያ እሞ፡ ከምቶም ብናይ ሓርነት ሕጊ ዚፍረዶም፡ ከምኡ ተዛረቡ ኸምእውን ግበሩ። ኣሕዋተየ፡ ሓደ ሰብእምነት ኣላትኒእንተ በለግብሪ ግና ካብ ዘይትህልዎ፡ እንታይ ይጠቅም፧ እዛ እምነት እዚኣዶ ኸተድሕኖ ትኽእል እያ፧ ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዐረቑ፡ ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰኣኑ፡ እሞ ንስጋኦም ዜድሊ ኸይሀብኩምዎምሲሓደ ካባኻትኩም፡ ብሰላም ኪዱሙቑጽገቡ፡ እንተ በሎም፡ እንታይ ይጠቕምከምኡ ኸኣ እምነትግብሪ እንተ ዜብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ እያ። ግናኸ ሓደ ሰብ ግዳ፡ ንስኻ እምነት ኣላትካኣነ ኸኣ ግብሪ አሎኒ፡ ይብል ይኸውን። እምብኣርሲ እምነትካ ብዘይ ግብሪ ኣርእየኒኣነውን ብግብረይ ገይረ እምነተይ ከርእየካ እየ። ንስኻስ ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ትኣምን አሎኻጽቡቕ ገበርካኣጋንንቲውን ይኣምኑን ይንቅጥቀጡን እዮም። ግናኸ፡ ኣታ ከንቱ ሰብእምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ ኢኻ፧ ኣብርሃም ኣቦናዶ ንይስሃቅ ወዱ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦብግብሩ ኣይጸደቐንእምነት ምስ ግብሩ ዀይና ኸም ዝዐየየት፡ እምነት ብግብሪ ገይራውን ከም እተፈጸመትትርኢ አሎኻ። እቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉዚብል ጽሑፍ ተፈጸመፍቁር ኣምላኽውን ተባህለሰብ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕብእምነት ጥራይ ከም ዘይኰነትርእዩ አሎኹም። ከምኡ ኸኣ ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶምብኻልእ መገዲውን ምስ ኣውጽኣቶምብግብሪዶ ኣይጸደቐትን፧ እምብኣርከ ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝዀነ፡ ከምኡውን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ።

Translation | Context
ራእይ 3:1 | 2 Helpful votes

ናብ መልኣኽ ማሕበር ሳርዴስውን ጽሐፍእቲሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽን ሾብዓተ ከዋኽብትን ዘለውዎ፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣነ ንግብርኻ እፈልጦ አሎኹ፡ ህያው ተብሂልካ ትስመ አሎኻ፡ ግናኸ ምዉት ኢኻ

Translation | Context
ምሳሌ 3:1-4 | 2 Helpful votes

ወደየምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታት ህይወትን ሰላምን ኪውሰኸልካ እዩ እሞ፡ ንሕገይ ኣይትረስዓዮልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሐልወንሕያውነትን ሓቅን ካባኻ ኣይፈለያ፡ ኣብ ክሳድካ እሰረን፡ ኣብ ጽላት ልብኻውን ጽሐፈን። ሽዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞገስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ።

Translation | Context
መዝሙር 1:6 | 2 Helpful votes

ንመገዲ ጻድቃንሲ እግዚኣብሄር ይፈልጣ እዩ፣ መገዲ ረሲአን ግና ኽትጠፍእ እያ እሞ፣ ስለዚ ረሲኣን ኣብ ፍርዲሓጥኣንውን ኣብ ማሕበር ጻድቃን ኣይኪቘሙን እዮም።

Translation | Context
ፊልጲ 2:7 | 2 Helpful votes

መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ።

Translation | Context