Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

relationships


1ይ ቈረንቶስ 13:4-7 | 20 Helpful votes

ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእንፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕንኣይተስተሓፍርንናታ ኣይትደልንኣይትምረርንኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላንኲሉ ትጸውርኲሉ ትኣምንኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስ

Translation | Context
ዘፍጥረት 2:24 | 8 Helpful votes

ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።

Translation | Context
ገላትያ 5:19-21 | 7 Helpful votes

እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝርርኽሰትዕብዳንኣምልኾ ጣኦትጥንቈላጽልኢባእሲቅንኢቍጥዓሻራምፍልላይዝርግርግቅንኣትቅትለትስኽራንጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ሮሜ 12:1-2 | 7 Helpful votes

እምብኣርሲ ኣሕዋተየንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:18 | 6 Helpful votes

ካብ ምንዝርና ህደሙሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዚንምዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር።

Translation | Context
ዘፍጥረት 2:18 | 6 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ፡ ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነንንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ፡ በለ

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 6:14 | 5 Helpful votes

ምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፥ ንጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣልይዎ፧

Translation | Context
ማቴዎስ 5:27-28 | 5 Helpful votes

ነቶም ቀዳሞትኣይትዘሙ፡ ከም እተባህለሎምሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወእብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 5:11 | 4 Helpful votes

ስለዚከምቲ እትገብርዎውን ዘሎኹም፡ ንሓድሕኩም ተማዓዓዱ እሞ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ይህነጾ

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 3:4-7 | 3 Helpful votes

ነታ ቤቱ ኼስተናብራ ኻብ ዘይክእል ግና፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺኣልያ ይዀነሉ፧ ስለዚ ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብርን፡ ብዅሉ ምርዛን እዙዛት ውሉድ ዘለውዎን ይኹን። ተነፊሑ ናብ ፍርዲ ድያብሎስ ምእንቲ ኸይወድቕሓድሽ ተኽሊ ኣይኹን። ኣብ ጸርፍን መፈንጠራ ድያብሎስን ምእንቲ ኸይወድቕ ከኣ፡ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ጽቡቕ ምስክር ኪህልዎ ይግባእ

Translation | Context
2ይ ሳሙኤል 22:31 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ መገዱ ፍጽምቲ እያ፡ ቃል እግዚኣብሄር እተዀልዔ እዩ። ንሱ ተስፋ ንዚገብርዎ ዂሎም ዋልታኦም እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:9 | 3 Helpful votes

ነፍሶም ኪመልኩ እንተ ዘይተኻእሎም ግና፡ ብፍትወት ካብ ምንዳድሲ ምምርዓው ይሐይሽ እሞ፡ ይመርዓዉ

Translation | Context
ዘሌዋውያን 18:22 | 2 Helpful votes

ከም ምስ ሰበይቲ ምድቃስ ምስ ሰብአይ ኣይትደቅስእዚ ጽያፍ እዩ

Translation | Context
ማቴዎስ 18:21-35 | 2 Helpful votes

ሽዑ ጴጥሮስ ቅርብ ኢሉ፡ ጐይታይሓወይ እንተ በደለንስክንደይ ሳዕ ክሐድገሉክሳዕ ሾብዓተዶ በሎየሱስ በሎ፡ ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ እምበር፡ ክሳዕ ሾብዓተ ሳዕ ኣይብለካን። ስለዚ መንግስተ ሰማያት ምስ ባሮቱ ኺጸባጸብ ዝደለየ ንጉስ ትመስልኪጸባጸብ ምስ ጀመረእልፊ መክሊት ዕዳ ዘለዎ ናብኡ ኣቕረቡዚፈድዮ ምስ ሰኣነ ግና፡ እቲ ጐይታኡ፡ ንሱን ሰበይቱን ደቁን ዘለዎ ዅሉን ኪሸይጥ እሞ እቲ ዕዳ ኺፍደ ኣዘዘ። ሽዑ እቲ ባርያ ተደፊኡጐይታይተዐገሰኒኵሉ ኸኣ ክፈድየካ እየ፡ ኢሉ ሰገደሉጐይታኡ ድማ ነቲ ባርያ መሐሮን ፈትሖንዕዳኡ ውን ሐደገሉእቲ ባርያ ምስ ወጸ ግና፡ ካብቶም ብጾቱ ሚእቲ ዲናር ዕዳ ዘለዎ ሓደ ባርያ ረኸበሒዙ ኸኣ፡ ኣባኻ ዘሎ ዕዳ ፍደየኒኢሉ ሐነቖ። ሽዑ እቲ ብጻዩ ባርያ፡ ተዐገሰኒኵሉ ኽፈድየካ እየ፡ ኢሉ ተደፊኡ ለመኖ። ንሱ ግና አበዮ፡ ከይዱ ድማ፡ ክሳዕ ዕዳኡ ዚፈዲኣእሰሮ። እቶም ብጾቱ ባሮት ዝገበሮ ርእዮም ብዙሕ ጐሀዩከይዶም ከኣ፡ ዝዀነ ዅሉ ንጐይታኦም ነገርዎ። ሽዑ ጐይታኡ ጸዊዑ፡ ኣታ ኽፉእ ባርያ፡ ኣነ ኽንዲ ዝለመንካኒ ብዘሎ ዕዳኻ ሐደግኩልካ። ንስኻኸ ኸምቲ ኣነ ዝመሐርኩኻዶ ነቲ ብጻይካ ኽትምሕሮ ኣይምተገብኣካን፧ በሎ። ጐይታኡ ዀርዩ፡ ኵሉ ዕዳኡ ኽሳዕ ዚፈዲንዜጽብቡሉ ኣሕሊፉ ሀቦነፍሲ ወከፍኩም ነን ሓዉ ነቲ በደሉ በብልብኹም ይቕረ እንተ ዘይበልኩምሉ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦይ ድማ ከምኡ ኺገብረኩም እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 4:23 | 2 Helpful votes

ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሓልዎ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:9-11 | 2 Helpful votes

ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱኣመንዝራታትወይ መምለኽቲ ጣኦትዘመውቲወይ ሕንቁቓትወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲወይ ስሱዓትወይ ሰካራትወይ ተጻረፍቲወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም። ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም፡ ግናኸ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽን ተሐጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም።

Translation | Context
ዮሃንስ 1:1-51 | 2 Helpful votes

ቃል ብመጀመርታ ነበረእቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረእቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረእዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦንህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት። ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህጸልማት ግና ኣይሐዞንዮሃንስ ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ኣምላኽ ተልኢኹ ተንስኤኵሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር ንሱ ንምስክር መጸብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኺምስክር መጸ እምበር፡ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረንእቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረኣብ ዓለም ነበረዓለምውን ብእኡ ዀነትዓለም ግና ኣይፈለጠቶንናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎንነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚአምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም። ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም። እቲ ቓል ስጋ ዀነጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤናዮሃንስ ብዛዕባኡ መስከረ፡ እቲ ድሕረይ ዚመጽእንሱ ቕድመይ ዝነበረ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ነበረእቲ ብዛዕባኡ ዝበልኩ ንሱ እዩ፡ ኢሉ ጨደረሕጊ ብሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ጸጋን ሓቅን ግና ብየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምብኣርከ ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልናሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦንእቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲንሱ ኣግሃዶኣይሁድንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሎም ኪሐትዎካብ የሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን ምስ ለአኹሉምስክር ዮሃንስ እዚ እዩ፥ ንሱውን፥ ኣነስ ክርስቶስ ኣይኰንኩን፥ ኢሉ ተኣመነ እምበር፡ ኣይከሐደን። ንሳቶም ድማ፥ መን ደኣ ኢኻኤልያስ ዲኻ፡ ኢሎም ሐተትዎንሱ ኸኣኣይኰንኩን፡ በለ። ንስኻስ እቲ ነብዪ ዲኻኣይኰንኩንኢሉ መለሰሎምሽዑ ንሳቶም፡ መን ደኣ ኢኻ፧ ነቶም ዝለአኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብልበልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣነስከምቲ ነብዪ ኢሳይያስመገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑዝበሎኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየ፡ በሎምእቶም ልኡኻት ካብ ፈሪሳውያን ነበሩ። ንሳቶም ከኣ፥ እምብኣርሲ ክርስቶስ፡ ወይ ኤልያስ፡ ወይ እቲ ነብዪ ኻብ ዘይኰንካስንምንታይ ደኣ ተጥምቕ አሎኻ፡ ኢሎም ሐተትዎዮሃንስ ድማ፥ ኣነ ብማይ ኤጥምቕ አሎኹ፡ ግናኸ ንስኻትኩም ዘይ ትፈልጥዎ ኣብ ማእከልኩም ደው ኢሉ አሎ። እቲ ቕድመይ ዝነበረ ድሕረይ ዚመጽእንሱ እዩኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ እኳ ዘይበቕዕ እየ፡ ኡሉ መለሰ። እዚ ኣብቲ ዮሃንስ የጥምቐሉ ዝነበረኣብ ቢታንያ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኰነንጽብሒቱ ዮሃንስ ንየሱስናብኡ ኺመጽእ ከሎ ረአየ እሞእንሆሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽበለ። እቲ ብዛዕባኡ፥ ሓደ ሰብኣይ ድሕረይ ይመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ነይሩ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ኰነ፡ ዝበልክዎ እዚ እዩኣነ ድማ ኣይፈለጥክዎን ንሱ ንእስራኤል ምእንቲ ኺግለጽ ግና፡ ኣነ ብማይ እናኣጥመቕኩ መጻእኩዮሃንስ ድማመንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ ርኤኹኢሉ መስከረ። እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለአኸኒ ደኣ፥ እቲመንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ እትርእዮንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዜጥምቕኢሉኒ እምበር፡ ኣነስ ኣይፈለጥክዎንኣነ ኸኣ ርኤኹ እሞ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መስከርኩንጽብሒቱ ድማ ዮሃንስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ደው ኢሉ ነበረ። ንየሱስ ኪሐልፍ ከሎ ረኣዮ እሞእንሆገንሸል ኣምላኽበለ። እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ እዚ ኺብል ከሎ ሰሚዖምንየሱስ ሰዓብዎየሱስ ከኣ ግልጽ ኢሉ ኺስዕብዎ ኸለዉ ርእዩእንታይ ትደልዩ አሎኹም፧ በሎም። ንሳቶም ድማ፥ ረቢትርጉሙ መምህርኣበይ ሰፊርካ አሎኻ፧ በልዎ። ንሱ፥ ንዑ ርኣዩበሎምመጺኦም ኣበይ ከም ዝሰፈረ ረኣዩ፡ ሽዑ መዓልቲውን ምስኡ ወዓሉኣስታት ዓስረይቲ ሰዓት ኣቢላ ኸኣ ነበረትካብቶም ንዮሃንስ ሰሚዖም ንየሱስ ዝሰዐብዎ ኽልተስ እቲ ሓደ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ እዩንሱ ቕድም ንሓዉ ስምኦን ረኸቦ እሞንመሲህክርስቶስ ዝትርጉሙረኺብናዮበሎናብ የሱስውን ኣምጽኦየሱስ ከኣ ጠሚትዎንስኻ ስምኦን ወዲ ዮና ኢኻ። ንስኻ ኬፋ - ጴጥሮስ ዝትርጉሙክትብሃል ኢኻበሎንጽብሒቱ የሱስ ናብ ገሊላ ኪኸይድ ደለየንፊልጶስ ከኣ ረኸቦ እሞስዓበኒበሎፊልጶስ ከኣ ብዓል ቤተ-ስይዳ ዓዲ እንድርያስን ጴጥሮስን እዩፊልጶስ ንናትናኤል ረኸቦ እሞ፥ እቲ፡ ሙሴ ኣብ ሕጊ ነብያትውን ብዛዕባኡ ዝጸሐፉየሱስወዲ ዮሴፍ ብዓል ናዝሬትረኺብናዮበሎናትናኤል ድማካብ ናዝሬትዶ ገለ ሰናይ ኪመጽእ ይከኣል እዩ፧ በሎፊልጶስውንንዓ ርኤበሎየሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮብዛዕባኡእንሆጕርሒ ዜብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊበለናትናኤልኣበይ ትፈልጠኒበሎየሱስ ከኣ፥ ፊልጶስ ከይ ጸውዓካ፡ ኣብ ትሕቲ በለስ ከሎኻ ርእየካኢሉ መለሰሉናትናኤል ድማረቢንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻኢሉ መለሰሉየሱስ ድማ፥ ኣብ ትሕቲ በለስ ርእየካ ስለ ዝበልኩኻዶ ኣሚንካካብዚ ዚዓቢ ነገር ክትርኢ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። ካብ ሕጂ ሰማይ ተኸፊቱመላእኽቲ ኣምላኽውን ናብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ኪድይቡን ኪወርዱን ከም እትርእዩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎ።

Translation | Context