Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

prophetess


ዘጸአት 15:20 | 6 Helpful votes

ነብዪት ሚርያም ሓብቲ ኣሮን ከኣ ከበሮ ብኢዳ ወሰደትኵለን ኣንስቲ ድማ ብከበሮን ብሳዕስዒትን ደድሕሪኣ ወጻ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:17-18 | 6 Helpful votes

በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ ይብል ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ዂሉ ኻብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩኣጒባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩኣረገውትኹምውን ሕልሚ ኺሐልሙ እዮም። በተን መዓልትታት እቲኣተን ድማ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮተይ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኪንበዩ እዮም።

Translation | Context
ሉቃስ 2:36-38 | 5 Helpful votes

ካብ ወገን ኣሴር ድማ ሃናጓል ፋኑኤልንሳ ኣዝያ ዝኣረገት ነብዪት ነበረት። - ካብ ድንግልናኣ ሒዛ ምስ ሰብኣያ ሾብዓተ ዓመት ገበረትንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት እያ። - ካብ ቤተ መቕደስ ከይወጸትብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት። ንሳውን ሽዑ ናብኡ መጺኣ ንኣምላኽ ኣመስገነቶ። ነቶም ምድሓን የሩሳሌም ዚጽበዩ ዅሎም ከኣ ብዛዕባኡ ተዛረበቶም

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 21:9 | 4 Helpful votes

ንሱ ትንቢት ዚንበያ ኣርባዕተ ደናግል ኣዋልዱ ነበራኦ።

Translation | Context
ሉቃስ 2:36 | 4 Helpful votes

ካብ ወገን ኣሴር ድማ ሃናጓል ፋኑኤልንሳ ኣዝያ ዝኣረገት ነብዪት ነበረት። - ካብ ድንግልናኣ ሒዛ ምስ ሰብኣያ ሾብዓተ ዓመት ገበረት

Translation | Context
ዘጸአት 15:20-21 | 4 Helpful votes

ነብዪት ሚርያም ሓብቲ ኣሮን ከኣ ከበሮ ብኢዳ ወሰደትኵለን ኣንስቲ ድማ ብከበሮን ብሳዕስዒትን ደድሕሪኣ ወጻሚርያም ከኣ መለሰትሎም፤ ንሱ ኣዝዩ ክብ ዝበለ እዩ፡ ንፈረስን ንፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርብዩ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ

Translation | Context
መሳፍንቲ 4:4 | 4 Helpful votes

ዴቦራ ድማ፡ ነብዪት ሰበይቲ ላጲዶት፡ ንሳ በታ ጊዜ እቲኣ ንእስራኤል ትፈርድ ነበረት።

Translation | Context
ኢሳይያስ 8:3 | 4 Helpful votes

ኣብታ ነብይት ከኣ ቀረብኩ፡ ንሳውን ጠነሰት ወዲ ኸኣ ወለደት። ሽዑ እግዚኣብሄር፡ እቲ ሕጻን ኣቦይን ኣደይን ምባል ከይፈለጠሃብቲ ደማስቆን ምርኮ ሰማርያን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶር ኪወስድዎ እዮም እሞ፡ ነቲ ሕጻን፡ ቀልጢፍካ ዝመት፡ ፈጢንካ ማርኽኢልካ ስመዩበለኒ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 14:3 | 3 Helpful votes

እቲ ትንቢት ዚንበ ግና፡ ንሰብ ዚሃንጽን ዚምዕድን ዜጸናንዕን እዩ ዚዛረብ

Translation | Context
መሳፍንቲ 4:9 | 3 Helpful votes

ንሳ ኸኣ፡ ኤረ ምኻድስ ምሳኻ እኸይድ፡ ግናኸ እግዚኣብሄር ንሲሰራ ኣብ ኢድ ሰበይቲ ኺሸጦ እዩ እሞ፡ እዛ ንስኻ እትኸዳ ዘሎኻ መገዲ ንኽብርኻ ኣይትኸውንን እያ፡ በለቶዴቦራ ድማ ተንሲኣ፡ ምስ ባራቅ ናብ ቃዴስ ከደት

Translation | Context
2ይ ነገስት 22:14 | 3 Helpful votes

ሽዑ ኻህን ሒልቂያን ኣሒቃምን ዓክቦርን ሻፋንን ዓሳያን ናብ ነብዪት ሑልዳሰበይቲ ሻሎም ሓላው ክዳውንቲከዱ፡ ንሱ ወዲ ጢቅዋ ወዲ ሓርሓስ እዩ። ንሳ ድማ ኣብ የሩሳሌምስ ኣብታ ኻልአይቲ ኽፍሊ ትቕመጥ ነበረት። ንእኣ ድማ ተዛረብዋ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:16-18 | 2 Helpful votes

እዚ ግና እቲ ብነብዪ ዮኤል እተባህለ እዩ፡ በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ ይብል ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ዂሉ ኻብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩኣጒባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩኣረገውትኹምውን ሕልሚ ኺሐልሙ እዮም። በተን መዓልትታት እቲኣተን ድማ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮተይ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኪንበዩ እዮም።

Translation | Context
ሚክያስ 6:4 | 2 Helpful votes

ኣነ ካብ ሃገር ግብጺ ኣውጺኤካ፡ ካብ ቤት ባርናት ኣድሒነካንሙሴን ኣሮንን ሚርያምን ከኣ ቀቅድሜኻ ሰዲደዮም እየ እሞ፡

Translation | Context
ገላትያ 3:28 | 2 Helpful votes

ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 1:5 | 2 Helpful votes

እታ ኣባኻ ዘላ፡ ልግሚ ዜብላ ቕድም ኣብ ሎኢስ ዓባይካ፡ ኣብ ኤውኒቄ ኣዴኻውን ዝሐደረት እምነት እናዘከርኩ፡- ኣባኻ ድማ ኸም ዘላ ተረዲኤ አሎኹ- ንብዓትካ ዘኪረብታሕጓስ ምእንቲ ኸመልእሲክርእየካ እናናፈቕኩብጸሎተይ ለይትን መዓልትን ከየብኰርኩ እናዘከርኩኻ፡ ነቲ ኻብ ኣቦታተይ ጀሚረ ብንጹህ ሕሊና ዘገልግሎ ዘሎኹ ኣምላኽ ኤመስግኖ አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:12 | 2 Helpful votes

ኣዳም ቅድም ተፈጢሩ እዩ፡ ደሓር ከኣ ሄዋን እሞ፡ ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበርክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋኣይፈቅድን እየ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 12:28 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ ኣብ ማሕበር ቅድም ሃዋርያካልኣይ ነብያትሳልሳይ መምህራንደሓር ገበርቲ ሓይልታት፡ ደሓር ውህበት ምፍዋስምርዳእ ድኹማት፡ ምምራሕበበይኑ ቛንቋታት ሰርዔ

Translation | Context
ኤፌሶን 4:11 | 2 Helpful votes

ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽናብ እኹል ሰብኣይናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ

Translation | Context
መሳፍንቲ 4:1-24 | 2 Helpful votes

ደቂ እስራኤል ከኣ፡ ኤሁድ ምስ ሞተመሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩእግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ሓጾር ነጊሱ ዝነበረ ያቢን ንጉስ ከነኣን ሸጦምሓላቓ ሰራዊቱ ሲሰራ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ሓሮሼት - ጎይም ይቕመጥ ነበረ። ንሱ ድማ ትሽዓተ ሚእቲ ሰረገላ ሓጺን ነበሮ እሞ፡ ንደቂ እስራኤል ብሓይሊ ዕስራ ዓመት ኣጥቅዖም። ሽዑ ደቂ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉዴቦራ ድማ፡ ነብዪት ሰበይቲ ላጲዶት፡ ንሳ በታ ጊዜ እቲኣ ንእስራኤል ትፈርድ ነበረት። ንሳ ኸኣ ኣብ ከረን ኤፍሬም ኣብ መንጎ ራማን ኣብ መንጎ ቤት-ኤልን፡ ኣብ ትሕቲ ተምሪ ዴቦራ ትቕመጥ ነበረት። ደቂ እስራኤል ድማ ንፍርዲ ናብኣ ደየቡንባራቅ ወዲ ኣቢኖዓም፡ ካብ ቃዴስ ንፍታሌም ልኢኻ ጸዊዓ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣነ ንሲሰራ ሐለቓ ሰራዊት ያቢን ምስናይ ሰረገላታቱን ሰራዊቱን ናባኻ ኣብ ርባ ቂሶን ስሒበ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ ኪድ፡ ካብ ደቂ ንፍታሌምን ካብ ደቂ ዛብሎንን ምሳኻ ዓሰርተ ሽሕ ሰብኣይ ሒዝካ ናብ ከረን ታቦር ተጐዐዝ፡ ኢሉዶ ኣይአዘዘካን እዩ፧ በለቶባራቅ ድማ፡ ምሳይ እንተ ኸድኪክኸይድ እየ፡ ምሳይ እንተ ዘይከድኪ ግና ኣይከይድን፡ በላ። ንሳ ኸኣ፡ ኤረ ምኻድስ ምሳኻ እኸይድ፡ ግናኸ እግዚኣብሄር ንሲሰራ ኣብ ኢድ ሰበይቲ ኺሸጦ እዩ እሞ፡ እዛ ንስኻ እትኸዳ ዘሎኻ መገዲ ንኽብርኻ ኣይትኸውንን እያ፡ በለቶዴቦራ ድማ ተንሲኣ፡ ምስ ባራቅ ናብ ቃዴስ ከደት። ሽዑ ባራቅ ንዛብሎንን ንንፍታሌምን ናብ ቃዴስ ጸውዖምዓሰርተ ሽሕ ሰብኣይ ከኣ ደድሕሪኡ ደየቡዴቦራውን ምስኡ ደየበትሔበር ቄናዊ ግና ካብቶም ቄናውያንደቂ ዮባብ ሓሙ ሙሴተፈልዩ ነበረ፡ ድንኳኑ ድማ ክሳዕ እቲ ኣብ ጥቓ ቃዴስ፡ ኣብ ጸዓናይም ዘሎ ድዋ ተኺሉ ነበረ። ንሲሰራ ድማ፡ ባራቅ ወዲ ኣቢኖዓም ናብ ከረን ታቦር ከም ዝደየበነገርዎ። ሽዑ ሲሰራ ንዅሉ ሰረገላታቱትሽዓተ ሚእቲ ሰረገላ ሓጺንን ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ካብ ሓሮሼት - ጎይም ናብ ርባ ቂሶን ኣኽተተዴቦራ ድማ ንባራቅ፡ እታ እግዚኣብሄር ንሲሰራ ኣብ ኢድካ ዚህበላ መዓልቲ ሎሚ እያ እሞ፡ ተንስእ። እግዚኣብሄርዶ ቐቅድሜኻ ወጺኡ ኣየሎን፧ በለቶ። ሽዑ ባራቅ፡ ደድሕሪኡ ኸኣ ዓሰርተ ሽሕ ሰብ፡ ካብ ከረን ታቦር ወረደእግዚኣብሄር ድማ ንሲሰራን ንዅሉ ሰረገላታቱን ንዅሉ ሰራዊቱን ኣብ ቅድሚ ባራቅ ብስሕለት ሴፍ ኣሸበሮም። ሲሰራ ኸኣ ካብ ሰረገላኡ ወሪዱ ብእግሩ ሀደመባራቅ ድማ ደድሕሪ እቲ ሰረገላታትን ደድሕሪ ሰራዊትን ሲሰራ ስዒቡ ክሳዕ ሓሮሼት - ጎይም ሰጎጎም። ብዘሎ ሰራዊት ሲሰራ ኸኣ ብስሕለት ሴፍ ወደቐሓደ እኳ ኣይተረፈንያቢን ንጉስ ሓጾርን ቤት ሔበር ቄናዊን ኣብ መንጎኦም ሰላም ነበረ እሞ፡ ሲሰራ ብእግሩ ናብ ድንኳን ያዔልሰበይቲ ሔበር ቄናዊ፡ ሀደመያዔል ድማ ንሲሰራ ኽትቅበሎ ወጺኣጐይታይእቶ፡ ናባይ እቶ፡ ኣይትፍራህበለቶ። ናብኣ ድማ ናብ ድንኳን አተወ፡ ንሳ ኸኣ ወንጮ ኸደነቶ። ንሱ ድማ፡ ጸሚኤ እየ እሞ፡ በጃኺ ሒደት ማይ ኣስትይኒበላ። ንሳ ኸኣ ሓርቢ ጸባ ፈቲሓ ኣስተየቶ ኸደነቶውን። ንሱ ድማ፡ ኣብ ደገ ድንኳን ደው በሊ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ሰብ መጺኡኣብዚዶ ሰብ አሎ፧ ኢሉ እንተ ሐተተኪ፡ የልቦን በሊበላ። ንሱ ድቃስ ውሒጥዎ ህልያቱ ጠፍኦ፡ ሽዑ ያዔል ሰበይቲ ሔበር ሽኻል ድንኳን ወሲዳ ሞደሻውን ኣብ ኢዳ ሒዛቀስ ኢላ ናብኡ አተወት፡ ነቲ ሽኻል ኣብ መትልሑ ተኸለቶ ናብ ምድሪ ድማ ኣተወ፡ ንሱ ኸኣ ሞተ። እንሆ ድማ፡ ባራቅ ንሲሰራ ኺሰጎ ኸሎ፡ ያዔል ክትቅበሎ ወጺኣ፡ እቲ ንስኻ እትደልዮ ዘሎኻ ሰብኣይ ከርእየካስ ንዓበለቶ። ናብኣ ድማ አተወ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሲሰራ ሞይቱ ወዲቑ ነበረ፡ እቲ ሽኻልውን ኣብ መትልሑ ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ ኣምላኽ ንያቢንንጉስ ከነኣን፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኣዋረደንያቢን ንጉስ ከነኣን ክሳዕ ዜጥፍእዎ ኸኣ፡ ኢድ ደቂ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ያቢን ንጉስ ከነኣን እናረዘነት ከደት

Translation | Context