Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

preparation


ምሳሌ 24:27 | 11 Helpful votes

ናይ ወጻኢ ዕዮኻ ኣሰናዱ፡ ኣብ ግራት ከኣ ንኣኻ ኣዳሉደሓር ቤትካ ስራሕ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:15 | 11 Helpful votes

ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን።

Translation | Context
ሉቃስ 21:36 | 7 Helpful votes

ስለዚ ካብዚ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረክቡስ፡ ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ

Translation | Context
ምሳሌ 6:6-8 | 5 Helpful votes

ኣታ ሃካይ፡ ናብ ጻጸ ኺድመገዱ ተመልከት እሞ ጠቢብ ኩን። ወይ ሓለቓ ወይ ኣዛዚ ወይ ገዛኢ የብሉን፡ ግናኸ ቀለቡ ብሓጋይ የዳሉምግቡ ድማ ብቐውዒ ይእክብ

Translation | Context
ሮሜ 13:11 | 5 Helpful votes

ምድሓን ካብቲ ዝአመንናሉ ጊዜስ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ አሎ እሞ፡ ሕጂ ኻብ ድቃስ ኣትባራበሩሉ ጊዜ ኸም ዝበጽሔ፡ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ

Translation | Context
ምሳሌ 22:3 | 5 Helpful votes

ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእገርህታት ግና ህሩጕ ይብሉ እሞ ብእኡ ይጕድኡ

Translation | Context
ማቴዎስ 25:1-46 | 5 Helpful votes

ሽዑ መንግስተ ሰማያትቀቀንዴለን ሒዘን መርዓዊ ኪቕበላ ዝወጻ ዓሰርተ ደናግል ትመስል። ካባታተን ከኣ እተን ሓሙሽተ ዓያሱ፡ እተን ሓሙሽተ ግና ለባማት እየን። እተን ዓያሱቀቀንዴለን ወሲደንዘይቲ ኣይተማልኣን። እተን ለባማት ግና መምስ ቀንዴለን ዘይቲ ኣብ ጢናኤን ተማልኣመርዓዊ ምስ ደንጐየ ግና፡ ኵለን ትኽስ በላ ደቀሳውንፍርቒ ለይቲ ግና ጭራሕ ምራሕ ኰነእንሆመርዓዊ ኽትቅበላ ውጻ። ሽዑ እተን ደናግል ኵለን ተንሲኤንቀቀንዴለን ኣዳለዋ። እተን ዓያሱ ነተን ለባማትቀንዲልና ኺጠፍእ ኢሉ እሞ፡ ካብ ዘይትኽን ሀባናበላኤን። እተን ለባማት ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ ንኣናን ንኣኻትክንን እንተ ዘይኣኸለኸ። ናብቶም ዚሸጡ ደኣ ኺዳ እሞ ንርእስኽን ዐድጋኢለን መለሳለንኪዕድጋ ምስ ከዳ፡ እቲ መርዓዊ መጸ። እተን ተዳልየን ዝጸንሓ ምስኡ ናብ መርዓ ኣተዋማዕጾ ድማ ተዐጸወደሓር እተን ዝተረፋ ደናግል መጺኤንጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ክፈተልና ዀታ፡ በላ። ንሱ ግና መሊሱብሓቂ እብለክን አሎኹ፡ ኣይፈልጠክንን እየ፡ በለን። እምብኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑመገሻ ኸም ዝደለየ ሰብ እሞ፡ ንገላዉኡ ጸዊዑ ገንዘቡ ዝሀቦም እዩ። ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞምንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ንኻልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ሂቡዎም ገሸ። እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ፡ ብኣብኣ ኸይዱ ብእኡ ነገደ፡ ሓሙሽተ መክሊት ኻልእ መክሊት ድማ ወሰኸ። እቲ ብዓል ክልተ ኸኣ ከምኡ ኽልተ ኻልእ ረብሔ። እቲ ሓደ ዝወሰደ ግና ከይዱ ምድሪ ዅዒቱ ወርቂ ጐይታኡ ሐብኤድሕሪ ብዙሕ ዘመን ከኣ ጐይታ እቶም ባሮት መጸ፡ ምሳታቶምውን ተጸባጸበ። እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምጽኤጐይታይ፡ ሓሙሽተ መክሊት ሂብካኒእንሆካልእ ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩእናበለ ቐረበ። እቲ ጐይታኡ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ እሙን ባርያብሒደት ተእሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶበሎ። እቲ ኽልተ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡጐይታኡክልተ መክሊት ሀብካኒእንሆ፡ ክልተ ኻልእ መክሊት ረባሕኩበለጐይታኡ ኸኣ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይእሙን ባርያብሒደት ተአሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ። እቲ ሓደ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡጐይታይዘይዘራእካዮ እትዐጽድዘይበተንካዮውን እትእክብ ጽኑዕ ሰብኣይ ምዃንካ ፈሊጠ እሞ፡ ፈሪሄ ኸድኩ፡ ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ሐባእክዎእንሆ ገንዘብካ፡ በሎ። እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፡ ኣታ ኽፉእ ሃካይ ባርያዘይዘራእክዎ ኸም ዝዐጽድዘይበተንክዎ ኸኣ ከም ዝእክብ ፈሊጥካ አሎኻ። እምብኣርሲ እቲ ገንዘበይ ንሰረፍቲ ክትህቦም ምተገብኣካ ነይሩ፡ ኣነ ኸኣ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ። ደጊም እቲ መክሊት ኣግድፍዎ እሞ፡ ነቲ ዓሰርተ መክሊት ዘለዎ ህብዎንዘለዎ ዘበለ ዅሉ ይውሀቦ ይወሰኾውን። ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ። ነዚ ዘይተቅም ባርያ ግና ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ፡ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ፡ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን፡ ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም። ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማን፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ የቑመን። ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻትንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒጸሚኤኣስቴኹምኒገይሸተቐበልኩምኒዐሪቀከደንኩምኒሐሚመበጻሕኩምኒተኣሲረመጻእኩምኒ። ሽዑ እቶም ጻድቃን ይመልስሉጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕናካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስቴናካ፧ መኣዝከ ጋሻ ኴንካ ርኤናካ ኣሞ ተቐበልናካ፧ ወይ ዐሪቕካስ ከደንናካ፧ መኣዝከ ሐሚምካ ርኤናካ ወይ ትአሲርካስ በጻሕናካ፧ ይብሉ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። ድሕርዚ ኣብ ጸጋሙን ዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሐቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣየብላዕኩምንንጸሚኤኣየስቴኹምንንገይሸኣይተቐበልኩምንንዐሪቐኣይከደንኩምንንሐሚመተኣሲረኣይበጻሕኩምንን። ሽዑ ንሳቶምጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካወይ ጸሚእካ፡ ወይ ጌሽካ፡ ወይ ዐሪቕካ፡ ወይ ሐሚምካ፡ ወይ ተኣሲርካዘየገልገልናካኢሎም ይመልስሉ። ሽዑ ንሱ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ንሓደ ዘይገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይጻድቃን ግና ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:44 | 4 Helpful votes

ስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዎ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ።

Translation | Context
ሮሜ 12:1-2 | 3 Helpful votes

እምብኣርሲ ኣሕዋተየንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ

Translation | Context
ዮሃንስ 16:33 | 3 Helpful votes

ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹምኣብ ዓለም ጸበባ አሎኹምግናኸ ኣጆኹምኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:13 | 2 Helpful votes

እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 38:7 | 2 Helpful votes

ተዳሎ፣ ንስኻን ኵሉ እቲ ኣባኻ ተኣኪቡ ዘሎ ህዝብኻን ተሰለፍ፣ ንስኻውን ሓለቓኦም ኩን።

Translation | Context
ምሳሌ 16:1-33 | 2 Helpful votes

ሰብ ብልቡ ሓሳባት የዳሉመልሓስ እትመልሶ ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ። ሰብሲ ኵሉ መገዱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ንጹህ እዩ፡ መናፍስቲ ዚመዝን ግና እግዚኣብሄር እዩ። ተግባርካ ንእግዚኣብሄር ወፍዮ፡ ሽዑ ሓሳባትካ ኪቀውም እዩ። እግዚኣብሄርሲ ኵሉ ንምዱብ ነገር፡ ከምኡውን ንረሲእ ንመዓልቲ ሕሰም ፈጠሮብልቡ ዚዕበ ዘበል ዅሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ኢድ ብኢድ ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን። ብምሕረትን ብሓቅን ስሬት ኣበሳ ይርከብ፡ ሰብውን ብፍርሃት እግዚኣብሄር ካብ እከይ ይርሕቕእግዚኣብሄር ብመገዲ ሓደ ሰብ ባህ እንተ በሎ፡ ነቶም ጸላእቱ እኳ ምስኡ ብሰላም የንብሮም። ካብ ብዙሕ እቶት ምስ ዓመጻሒደት ምስ ጽድቂ ይሐይሽልቢ ሰብ መገዱ ይምድብንስጕምቱ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዜቃንዓ። ኣብ ከናፍር ንጉስሲ ንግራት ኣምላኽ አሎ፡ ኣፉ ብፍርዲ ኣይጋገንሓቀኛ ሚዛንን መምዘንን ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ኣብ ከርጺት ዘሎ ዅሉ መምዘኒ ኸኣ ተግባሩ እዩ። ዝፋን ብጽድቂ እዩ ዚጸንዕ እሞ፡ ነገስታት ንረሲእነት ይፍንፍንዎጻድቃን ከናፍር ንነገስታት የሐጕሳኦም፡ ነቲ ቅንዕና ዚዛረብውን የፍቅርዎቍጥዓ ንጉስሲ ልኡኽ ሞት እዩ፡ ጥበበኛ ሰብ ግና የህድኦገጽ ንጉስ እንተ በርሄህይወት እዩ፡ ሞገሱ ኸኣ ከም ደበና ጽብሓት እዩ። ካብ ምጥራይ ወርቂ ክንደይ ኰን ምጥራይ ጥበብ ይበልጽ። ካብ ምጥራይ ብሩርሲ ምጥራይ ምስትውዓል ክንደይ ኰን ይኸብር። ጐደና እቶም ቅኑዓት ካብ ኣኩይ ምርሓቕ እዩ፡ እቲ ንመገዱ ዚጥንቀቐላ ንነፍሱ ይሕልዋንውርደት ትዕቢት ትቕድማንውድቀት ከኣ ኵርዓት። ምስቶም ዕቡያት ዘመተ ኻብ ምክፋልሲ፡ ምስቶም መሳኪን ደኣ ብመንፈስ ትሑት ምዃን ይሐይሽ። ነቲ ቓል ዜቅልበሉ ሰናይ ይረክብብእግዚኣብሄር ዚእመን ከኣ ብጹእ እዩ። ጥበበኛ ዝልቡ መስተውዓሊ ይበሀልጣዕሚ ኸናፍር ከኣ ትምህርቲ ይውስኽምስትውዓል ንዜጥርያ ሰብ ፈልፋሊት ህይወት እያ፡ ዕሽነት ግና ነቶም ዓያሱ ቕጽዓቶም እያ። ልቢ እቲ ጥበበኛ ንኣፉ መስተውዓሊ ይገብሮ፡ ንኸናፍሩ ድማ ትምህርቲ ይውስኸንልኡም ዘረባ መዓር ወለላ እዩ፡ ንነፍሲ ጥዑምነዕጽምቲ ኸኣ ጥዕና እዩ። ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ አሎ፡ መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ። ኣፉ ይድርኾ እዩ እሞ፡ ጥሜት እቲ ዓያዪ ስሌኡ ኢሉ ይዓዪሕሱም ሰብ እከይ ይዅዕት፡ ኣብ ከናፍሩ ኸኣ ከም ዚባላዕ ሓዊ አሎ። ጠዋይ ሰብ ቈየቛ ይዝርግሕሓማዪ ኸኣ ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም። ግፍዔኛ ሰብ ንብጻዩ ይሐባብሎ እሞ፡ ሰናይ ናብ ዘይኰነት መገዲ ይመርሖበዒንቱ ዚጠቅስ ሓሳባቱ ጠዋይ እዩ፡ ከናፍሩ ዚርምጥጥ ከኣ ነቲ ኽፍኣት ፈጺምዎ እዩ። ሸያብ ጸጕሪ ናይ ክብረት ዘውዲ እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብ መገዲ ጽድቂ እዩ ዚርከብንዅራ ደንጓዪ ዝዀነ ኻብ ጅግና ይበልጽ፡ ካብቲ ንኸተማ ዚሕዝ ከኣ መንፈሱ ዚገዝእ ይበልጽ። ዕጭ ናብ ሕቝፊ እዮም ዜውድቑ፡ ንመን ከም ዚበጽሕ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዚምድቦ።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:42 | 2 Helpful votes

ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ

Translation | Context
ምሳሌ 21:31 | 2 Helpful votes

ፈረስ ንመዓልቲ ውግእ ተዳልዩ አሎ፡ ስዕረት ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 12:47 | 2 Helpful votes

እቲ ፍቓድ ጐይታኡ ፈሊጡ ዘይተዳለወከምታ ፍቓዱውን ዘይገበረ ባርያ ብዙሕ መግረፍቲ ዚግብኦ እዩ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 2:15 | 2 Helpful votes

ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕልዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዓር

Translation | Context
ሉቃስ 21:9-36 | 2 Helpful votes

ብዛዕባ ውግእን ዕልወትን እንተ ሰማዕኩምኣይትሰምብዱእዚ ቕድም ኪኸውን ብግዲ እዩ እሞ፡ መወዳእታ ግና ብኡብኡ ኣይከውንን እዩ፡ በለ። ሽዑ በሎም፥ ህዝቢ ናብ ህዝቢ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዓል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን፡ ካብ ሰማይውን መፍርህን ዓብዪ ትእምርትን ኪኸውን እዩ። ቅድሚ ዅሉ ኸኣ ኪሕዙኹምን ኪሰጕኹምን እዮም። ስለ ስመይ ከኣ ናብ ቤት ጸሎትን ናብ ቤት ማእሰርትን ኪወስዱኹም፡ ናብ ነገስታትን ሹማትን ኬብጽሑኹም እዮም። እዚ ንምስክር ኪዀነኩም እዩ። ኣነ ንዅሎም መኻራኽርትኹም ምቅዋሙን ምምጓቱን ዘይከአሎም ኣፍን ጥበብን ክህበኩም እየ እሞ፡ ስለዚ ኸመይ ከም እትመልሱቅድም ከይትሐልዩ፡ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎወለድን ኣሕዋትን ኣዝማድን ኣዕሩኽን ኣሕሊፎም ኪህቡኹም፡ ካባካትኩምውን ንሓያሎ ኪቐትሉ እዮም። ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ኺጸልኣኩም እዩ። ግናኸ ኻብ ርእስኹም ሓንቲ ጸጕሪ እኳ ኣይክትጠፍእን እያ። ንነፍስኹም ብትዕግስትኹም ከተጥርይዋ ኢኹም። የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኤኹም፡ ሽዑ ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ። ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ፡ ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኸኣ ካብኣ ይውጽኡ፡ ኣብ ሃገረ ሰብ ዘለዉውን ናብኣ ኣይእተዉእዚ፡ እቲ ጽሑፍ ዘበለ ምእንቲ ኺፍጸምሲወርሓት ሕነ እዩ። በተን መዓልትታት እቲኣተን ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለኤን። ኣብ ምድሪ በርቱዕ መከራ ኪኸውን እዩእሞ፡ ኣብዚ ህዝቢ እዚ ድማ መዓት ኪወርድ እዩ። ብስሕለት ሰይፊ ኺወድቁ፡ ናብ ኵሎም ኣህዛብውን ኪማረኹ እዮም። ዘመናት ኣህዛብ ክሳዕ ዝፍጸምየሩሳሌም በህዛብ ክትርገጽ እያ። ኣብ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ ትእምርቲ ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪውን ጸበባ ኣህዛብ ኪኸውን፡ ብደሃይ ባሕርን ማዕበልን ከኣ ዚገብርዎ ኺጠፍኦም እዩ። ሕያሊ ሰማያት ኬንቀጥቅጥ እዩ እሞ፡ ብፍርሃትን ኣብ ዓለም ብዚመጽእ ምጽባይን ነፍሲ ሰብ ክትወጽእ እያ። ሽዑ ንወዲ ሰብ፡ ምስ ብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ፡ ኪርእይዎ እዮም። እዚ ምዃን ምስ ጀመረምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ እሞ፡ ቅንዕ በሉ ርእስኹምውን ኣልዕሉ። ሓደ ምስላ ድማ ነገሮም፥ ኣብ ኦም በለስን ኣብ ኵሉ ኦምን ርኣዩምጥጣዑ ኽትርእዩ ኸሎኹም፡ ክረምቲ ምቕራቡ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዀይኑ ኽትርእዩ ኸሎኹም፡ መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ፍለጡ። እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ ብሓቂ እብለኩም እሎኹ። ሰማይን ምድርን ኪሐልፍቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ። ግናኸ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኵላ ዝባን ምድሪ ንዚነብሩ ዘበሉ ኸም መፈንጠራ ኽትበጽሖም እያእሞ፡ ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጻኩምሲንነፍስኹም ተጠንቀቑ። ስለዚ ካብዚ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረክቡስ፡ ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ

Translation | Context