Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

organization


1ይ ቈረንቶስ 14:40 | 56 Helpful votes

ግናኸ ኲሉ ብስርዓትን በጋባብን ይኹን

Translation | Context
ኣንባቆም 2:2 | 11 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ፣ እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፣ ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ፣ ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ፣ እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ። ስለዚ ብጕያ ኺንበብሲ፣ ነቲ ራእይ ጽሐፎ፣ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረጾኢሉ መለሰለይ

Translation | Context
ምሳሌ 13:4 | 9 Helpful votes

ነፍሲ ሃካይ ሃረር ትብል አላ እሞ ገለ ኣይትረክብን፡ ነፍሲ ትጉሃት ግና ኣዝያ ትጸግብ

Translation | Context
ማቴዎስ 24:44-51 | 6 Helpful votes

ስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዎ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ። እቲ ጐይታኡ ምግቦም በብግዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ መን ኰን እዩ፧ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምዚ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ብጹእ እዩ። ኣብ ኵሉ ገንዘቡ ኸም ዚሸሞብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ ኽፉእ ባርያ ግና ብልቡጐይታይ ይድንጕ እዩ፡ እንተ በለ፡ ነቶም ብጾቱ ባሮት ምውቃዖም ይጅምር፡ ምስቶም ሰኸርቲውን ይበልዕን ይሰትንጐይታ እቲ ባርያ እቲ፡ ንሱ ብዘይተጸበያ መዓልቲ ብዘይፈላጣ ጊዜውን ኪመጽእ እዩ። ኣብ ክልተ ኺጭንድሖዕድሉ ድማ ምስ ግቡዛት ኪገብሮኣብኡ ኸኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 6:6-11 | 5 Helpful votes

ኣታ ሃካይ፡ ናብ ጻጸ ኺድመገዱ ተመልከት እሞ ጠቢብ ኩን። ወይ ሓለቓ ወይ ኣዛዚ ወይ ገዛኢ የብሉን፡ ግናኸ ቀለቡ ብሓጋይ የዳሉምግቡ ድማ ብቐውዒ ይእክብኣታ ሃካይክሳዕ መኣዝ ኢኻ በጥ እትብል፡ መኣዝከ ኢኻ ኻብ ድቃስካ እትትንስእሓንሳእ ምድቃስሓንሳእ ከኣ ምትካስሓንሳእ ምእንቲ ኽትዐርፍውን ኣእዳውካ ምምስቓል፡ ድሕርዚ ኸኣ ድክነትካ ኸም ፈጣን መንገደኛስእነትካ ድማ ከም ኣጽዋር እተዐጥቀ ሰብኣይ ይመጸካ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 15:58 | 4 Helpful votes

ስለዚ፡ ፍቁራት ኣሕዋተየጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩምብዕዮ ጐይታ ጽኑዓትዘይትናቓነቑኲሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑ

Translation | Context
ማርቆስ 6:39-41 | 3 Helpful votes

ንዅሎም በብመኣዲ እናሰርዑ ኣብ ለምለም ሳዕሪ ኬቐምጥዎምውን ኣዘዞም። ከከም መስርዖም በብሚእቲን በብሓምሳን ተቐመጡ። ነቲ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፡ ናብ ሰማይ ገጹ ቝሊሕ ኢሉ ባረኸ። ነተን እንጌራ ቘሪሱ ኪቕርቡሎም ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም። እቲ ኽልተ ዓሳውን ንዅሎም መቐሎም

Translation | Context
ሮሜ 12:11 | 3 Helpful votes

ንምትጋህ ኣይትተሃከዩብመንፈስ ተቓጸሉንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ

Translation | Context
ዘጸአት 18:13-27 | 3 Helpful votes

ኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ ሙሴ ነቲ ህዝቢ ኺፈርድ ተቐመጠ። እቲ ህዝቢ ድማ ካብ ብጊሓት ክሳዕ ምሸት ንሙሴ ኸቢብዎ ደው ኢሉ ነበረ። ሓሙ ሙሴ ኸኣ እቲ ኣብ ህዝቢ ዚገብሮ ዅሉ ምስ ረአየ፥ እዚ ኣብዚ ህዝቢ እትገብሮ ዘሎኻ ነገር እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ ኢኻ፡ ኵሉ ህዝቢ ኻብ ብጊሓት ክሳዕ ምሸት ከቢቡካ ደው ኢሉ ኸሎ፡ ንስኻ በይንኻ ኾፍ እትብል፧ በሎሙሴ ድማ ንሓሙኡ፡ እቲ ህዝቢ ንምላኽ ኪሓትት ናባይ ይመጽእነገር ምስ ዚህልዎም ናባይ ይመጹ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ መንጎ ሓደ ሰብን ኣብ መንጎ ብጻዩን እፈርድስርዓት ኣምላኽን ሕጋጋቱን ድማ እነግሮም፡ በሎ። ሓሙ ሙሴ ኸኣ በሎ፡ እዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ነገር ኣይጽቡቕን እዩ። ንስኻን እዚ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ክትደኽሙ ኢኹምእዚ ነገርዚ ኻብ ዓቕምኻ ዚኸብድ እዩ እሞ፡ በይንኻ ኽትገብሮ ኣይትኽእልን ኢኻሕጂ ኸኣ ክመኽረካቃለይ ስማዕእግዚኣብሂር ድማ ምሳኻ ይኹን። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኹን፡ እቲ ነገሮም ድማ ንስኻ ናብ ኣምላኽ ኣብጽሕስርዓታትን ሕጋጋትን ምሃሮምዚኸዱላ መገድን ዚገብርዎ ግብርን ከኣ ንገሮም። ንስኻ ኻብ ኵሉ ህዝቢ ኸኣልቲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ሰባትእሙናትረብሓ ዓመጽ ዚጸልኡ ሰባት ሕረ። ንኣታቶም ከኣ ሕላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሓላቑ ሓምሳን ሓላቑ ዓሰርተን ኣብ ልዕሊኦም ሽመሎም። ወርትግ ድማ ንህዝቢ ይፍረዱ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ዓብዪ ነገር ዝዀነ ዅሉ ናባኻ የምጽኡኵሉ ንእሽቶ ነገር ግና ባዕላቶም ይፍረድዎ። እቲ ጾር ምሳኻ እንተ ጾሩ ኸኣ፡ ንኣኻ ይፈዅሰካእዚ ነገርዚ እንተ ገበርካኣምላኽ ድማ ከምኡ እንተ ኣዘዘካክትጸንዕ ኢኻኵሉ እዚ ህዝቢዚ ድማ ናብ ቦታኡ ብሰላም ይኣቱሙሴ ድማ ቃል ሓሙኡ ሰሚዑዝበሎ ዅሉ ገበረሙሴ ኸኣ ካብ ኵሉ እስራኤል ከኣልቲ ሰባት ሐርዩኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሓላቑ ኪዀኑ፡ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሓላቑ ሓምሳን ሓላቑ ዓሰርተን ገበሮም። ንሳቶም ድማ ንህዝቢ ወርትግ ፈረዱብርቱዕ ነገር ዝዀነ ኸኣ ናብ ሙሴ ኣምጽኡሉዅሉ ንእሽቶ ነገር ግና ንሳቶም ፈረዱሙሴ ድማ ንሓሙኡ ሰደዶንሱ ኸኣ ናብ ሃገሩ ኸደ

Translation | Context