Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

obedience to god


ዮሃንስ 14:15 | 10 Helpful votes

እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉ

Translation | Context
ሉቃስ 6:46 | 7 Helpful votes

ስለምንታይ ደኣ፥ ጐይታይ፡ ጐይታይእትብሉኒ እሞ ኣነ ዝብሎ ኣይትገብሩን

Translation | Context
ሮሜ 6:16 | 6 Helpful votes

ንምእዛዙ ባሮት ክትኰኑ ርእስኹም ንትህብዎ፡ ንሓጢኣት እንተ ዀይኑ ንሞትንምእዛዝ እንተ ዀይኑ ንጽድቂ፡ ነቲ እትእዘዝዎስ ባሮቱ ኸም ዝዀንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧

Translation | Context
ማቴዎስ 7:21 | 6 Helpful votes

ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር እምበር፡ ጐይታይጐይታይዚብለኒ ዅሉመንግስተ ሰማይ ዚኣቱ ኣይኰነን

Translation | Context
ያእቆብ 1:22 | 5 Helpful votes

ገበርቲ ቓል ኩኑርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ

Translation | Context
ኢሳይያስ 1:19 | 4 Helpful votes

ሕራይ እንተ በልኩምን እንተ ተአዘዝኩምንሲጣዕሚ እታ ምድሪ ኽትበልዑ ኢኹም።

Translation | Context
እያሱ 1:8 | 4 Helpful votes

ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮስመዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፡ እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይተፍለሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ፡ ሽዑ ድማ ኪሰልጠካ እዩ

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 15:22 | 4 Helpful votes

ሳሙኤል ከኣ፡ ንእግዚኣብሄርሲ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ከም ምስማዕ ደሃይ እግዚኣብሄር ገይሩዶ የሐጕሶ እዩ፧ እንሆ፡ ምስማዕ ካብ መስዋእቲጽን ምባል ድማ ካብ ስብሒ ደዓውል ይበልጽ

Translation | Context
ኤፌሶን 6:5-9 | 2 Helpful votes

ኣቱም ግዙኣትነቶም ብስጋ ጐይቶትኩምሲ ብፍርሃት ብምንቅጥቃጥን፡ ብገርህነት ልብኹም ከም ንክርስቶስ ጌርኩም፡ ተኣዘዝዎምከም ግዙኣት ክርስቶስ ኴንኩም ነቲ ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ልቢ እትገብርዎ ደኣ እምበር፡ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ብገጽርኤ ኣይኰነንንሰብ ዘይኰነስ ከም ንጐይታ ጌርኩም ብፍታው ተገዝኡባርያ ዀነ ጭዋ ዀነነፍሲ ወከፍ ሰናይ ዝገበረ ኻብ ጐይታ ኸም ዚቕበሎፍለጡ። ኣቱም ጐይተትውንከምኡ ግበሩሎም፡ እቲ ጐይታኦምን ጐይታኹምን ኣብ ሰማይ ምህላዉ እሞ ኣብኡ ኣድልዎ ገጽ ከም ዜልቦ ፈሊጥኩምምፍርራህ ሕደጉ

Translation | Context
ሮሜ 8:28 | 2 Helpful votes

ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎምንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
ያእቆብ 2:24 | 2 Helpful votes

ሰብ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕብእምነት ጥራይ ከም ዘይኰነትርእዩ አሎኹም።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:21 | 2 Helpful votes

እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩኣነውን ኤፍቅሮ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ

Translation | Context
ማቴዎስ 7:14 | 2 Helpful votes

እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲመገዳውን ገፋሕ እያ፡ እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብመገዳውን ቀጣን እያ፡ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዩም እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ እተዉ

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 2:9 | 2 Helpful votes

ብዅሉ ነገር እዙዛት እንተ ዄንኩም ፍቱናት ምዃንኩም ምእንቲ ኽፈልጥ እየ ዝጸሐፍኩልኩምስለዚ ኸኣ ፍቕርኹም ከተጽንዑሉ እምዕደኩም አሎኹ።

Translation | Context
ሉቃስ 5:1-39 | 2 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ ብዙሓት ህዝቢ እናተዳፍእዎቃል ኣምላኽ ኪሰምዑ ኸለዉ፡ ንሱ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጌንሳሬጥ ደው ኢሉ ነበረ። ኣብ ገምገም ባሕሪ ኸኣ ጃልባ ደው ኢለን ረአየ። እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ድማ ካባታተን ወሪዶም መርበቦም ይሐጽቡ ነበሩ። ካብተን ጀላቡ ኣብ ሓንቲ፡ ናይ ስምኦን ዝነበረት አትዩ ኻብ ምድሪ ቕሩብ ኣርሕቕ ኬብላ ለመኖ። ኣብታ ጃልባ ተቐሚጡ ድማ ነቶም ህዝቢ ይምህሮም ነበረ። ዘረባኡ ምስ ወድኤ ኸኣ፡ ንስምኦን፡ ናብቲ ዓሚቕ ቅርብ በል እሞ መርበብኩም ንምግፋፍ ደርብዩበሎስምኦን ከኣ፡ መምህርለይቲ ብምልእታ ጽዒርናዝሐዝና የብልናንብቓልካ ግና ነዚ መርበብ እድርብዮኢሉ መለሰሉ። እዚ ምስ ገበረኣዝዩ ብዙሕ ዓሳ ሐዙ፡ እቲ መርበቦምውን ተቐደ። ነቶም ኣብታ ኻልኣይቲ ጃልባ ዘለዉ ብጾቶም ከኣ መጺኦም ኪድግፍዎም ኣመልከትዎምመጺኦም ድማ ንኽልቲኤን ጃልባ ጥቓ ምጥሓል ክሳዕ ዚቀርባ መልእወን። ስምኦን ጴጥሮስ እዚ ምስ ረአየ፡ ንሱ ብዛዕባ እቲ ዝገፈፍዎ ምግፋፍ ዓሳ ኣዝዮ ስለ ዝሰምበደእቶም ምስኡ ዘለዉ ዅሎምንያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ዘብዴዎስ ሰብ ብርኪ ዝነበሩን ድማ ኸምኡስምኦንጐይታይ፡ ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፡ ካባይ ርሐቕእናበለ ኣብ ብርኪ የሱስ ተደፍኤየሱስ ከኣ ንስምኦን፥ ካብ ሕጂ ገፋፍ ሰብ ክትከውን ኢኻ እሞ፡ ኣይትፍራህበሎጃላቡኦም ናብ ምድሪ ኣውጺኦምንዅሉ ሐዲጎም ሰዓብዎኰነ ድማ፡ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ኸሎ፡ እንሆለምጺ ዝመልኦ ሰብኣይ ኣብኣ ነበረ። ንየሱስ ምስ ረኣዮብገጹ ተደፊኡጐይታይ፡ እንተ ትፈቱስከተንጽሃኒ ትክእል ኢኻ፡ ኢሉ ለመኖ። የሱስ ድማ፥ ፈትየ አሎኹ፡ ንጻህኢሉ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮብኡብኡ እቲ ለምጺ ሐደጎ። ንሱ ኸኣ፡ ኪድ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢስለ ዝነጻህካ ድማ ምስክር ምእንቲ ኪዀኖም፡ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞመስዋእቲ ሰውእ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኣይትንገር
ኣዘዞ። ብዛዕባኡ ድማ፡ ኣዝዩ ወረ ወጸብዙሓት ህዝቢ ኸኣ ኪሰምዕዎን ካብ ሕማሞም ኪሐውዩን ናብኡ ተኣከቡ። ንሱ ግና ናብ በረኻ እናግለሰ ይጽሊ ነበረ። ኰነ ድማሓንቲ መዓልቲ ንሱ ኺምህር ከሎ፡ ካብ ኵሉ ዓድታት ገሊላን ይሁዳን የሩሳሌምን ዝመጹ ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን ተቀሚጦም ነበሩሓይሊ እግዚኣብሄርውን ንምሕዋይ ምስኡ ነበረእንሆ ድማ ሰባት መጻጕዕ ሰብኣይ ብዓራት ጾይሮም ኣምጽኡ፡ ኣእትዮም ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ኼንብርዎ ይደልዩ ነበሩ። ሰብ ስለ ዝበዝሔ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜእትዉዎ እንተ ጨነቆም ከኣ፡ ናብ ናሕሲ ደየቡ እሞ ጡብ ኣፍሪሶም ምስ ዓራቱ ናብ ማእከል ናብ ቅድሚ የሱስ ኣውረድዎእምነቶም ምስ ረአየ ድማ፡ ኣታ ሰብኣይሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ አሎ፡ በሎጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ፥ እዚ ጸርፊ ዚዛረብ ዘሎ መን እዩ፡ ብጀካ እግዚኣብሄር በይኑኸ መን ሓጢኣት ኪሐድግ ይኽእልኢሎም ኪሐስቡ ጀመሩየሱስ ድማ ሓሳቦም ፈሊጡ መሊሱ በሎምብልብኹም እንታይ ትሐስቡ አሎኹም፡ ኣየናይ ይቐልልሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ ምባልዶ ወይስ ተንስእ እሞ ኺድ ምባል፡ ንወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ኪሐድግ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ ግና፡- ነቲ መጻጕዕተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድእብለካ አሎኹ፡ በሎብኡብኡ ንሱ ኣብ ቅድሚኦም ብድድ ኢሉ፡ ነታ ደቂሱላ ዝነበረ ዓራት ኣልዒሉ ንኣምላኽ እናኣመስገኖ ናብ ቤቱ ኸደኵሎም ሰምበዱ ንኣምላኽውን ኣመስገንዎ እሞ፥ ሎምስ ግሩም ነገር ርኢናኢሎም ፍርሃት መልኦምድሕርዚ ድማ ወጸሌዊ ዚብሃል ተጋዊ ኣብ በሪ ተጎ ተቐሚጡ ረአየ እሞ፥ ስዓበኒበሎተንሲኡ ኸኣ ንዅሉ ሐዲጉ ሰዓቦሌዊ ድማ ኣብ ቤቱ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሉ። ብዙሓት ተገውቲ ኻልኦትውን ምሳታቶም ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ነበሩፈሪሳውያንን ጸሓፍቶምን ድማ ንደቀ መዛሙርቱስለምንታይከ ምስ ተገውትን ሓጥኣንን ትበልዑን ትሰትዩን አሎኹም፧ ኢሎም ኣዕዘምዘሙሎምየሱስ ከኣ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም። ንሓጥኣን ናብ ንስሓ እምበር፡ ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን፡ ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም ድማ፡ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ብዙሕ ሳዕ ይጾሙ ጸሎትውን ይገብሩ፡ ደቀ መዛሙርቲ ፈሪሳውያንውን ከምኡደቀ መዛሙርትኻ ግና ይበልዑን ይሰትዩንበልዎ። የሱስ ከኣ፥ ንስኻትኩምዶ ነዕሩኽ መርዓዊ፡ እቲ መርዓዊ ምሳታቶም ከሎ፡ ከተጹምዎም ይከኣለኩም እዩ፧ ግናኸ እቲ መርዓዊ ኻባታቶም ዚውሰደለን መዓትታት ኪመጻ እየን እሞ በተን መዓልትታት እቲኤን ሽዑ ኺጾሙ እዮም፡ በሎም። ምስላ ድማ መሰለሎምቍራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ሓድሽ መልገባ ነቲ ብላይ ይቐዶ፡ እቲ ሓድሽ ቍራጽ ምስቲ ብላይ ኣይላገብን እዩ። ንሓድሽ ወይኒውን ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ዜዕርቆ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ሓድሽ ወይኒ ነቲ ኣሕርብቲ ይቐዶ፡ ንሱውን ይፈስስ ኣሕርብቲ ድማ ይባላሾንሓድሽ ወይንስ ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ ደኣ የዕርቕዎ፡ ክልቲኣቶም ከኣ ይእርነቡከራሚ ወይኒ ሰትዩ፡ ከራሚ ይሐይሽይብል እምበር፡ ሓድሽ ወይኒ ዚደሊ የልቦን።

Translation | Context