Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

lions


ምሳሌ 28:1 | 13 Helpful votes

ረሲኣን ዚሰጎም ዜብሎም ይሀድሙጻድቃን ግና ከም ሽደን ኣንበሳ ይተብዑ

Translation | Context
ምሳሌ 30:30 | 12 Helpful votes

ካብ ኵሉ እንስሳ ዚብርትዕ፡ ብገለ እኳ ድሕር ዘይብል ኣንበሳ

Translation | Context
ራእይ 5:5 | 7 Helpful votes

ካብቶም ሽማግሌታት ሓደ ድማ፡ ኣይትብከእንሆ፡ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳእቲ ሱር ዳዊት፡ ነቲ መጽሓፍ ኪግንጽሎን ነቲ ሾብዓተ ማሕተሙውን ኪፈትሖን ስዒሩ አሎበለኒ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:8 | 6 Helpful votes

ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹምዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑንቕሑ

Translation | Context
መዝሙር 104:21 | 5 Helpful votes

ሽደናት ኣንበሳ ንምዝራፍ ይጓዝሙቀለቦም ከኣ ካብ ኣምላኽ ይደልዩ

Translation | Context
ምሳሌ 19:12 | 3 Helpful votes

ኵራ ንጉስ ከም ምጕዛም ኣንበሳ እዩ፡ ሞገሱ ግና ኣብ ሳዕሪ ኸም ዚወርድ ኣውሊ እዩ።

Translation | Context
ሆሴዕ 11:10 | 3 Helpful votes

ንሱ ይጓዝም፡ እቶም ደቂ ኸኣ ካብ ምዕራብ እናንቀጥቀጡ ይመጹ እሞ፡ ንሳቶም ደድሕሪ እቲ ኸም ኣንበሳ ዚጓዝም እግዚኣብሄር ይኸዱ

Translation | Context
መዝሙር 17:12 | 3 Helpful votes

ነቲ ኺሰላልዕ ዚምነ ኣንበሳ፣ ነቲ ኣብ ሕቡእ ዜድቢ ሽደን ኣንበሳ ይመስል

Translation | Context
ዳንኤል 7:4 | 2 Helpful votes

እቲ ቐዳማይ ነንበሳ ይመስል፣ ኣኽናፍ ንስሪ ድማ ነበሮ። ኣኽናፍ ኽሳዕ ዚምንቄሳ ኸኣ ጠመትክዎ። ካብ ምድሪ ተንስኤ፣ ከም ሰብ ድማ በእጋሩ ደው በለ፣ ልቢ ሰባውን ተዋህቦ

Translation | Context
ዳንኤል 6:16-24 | 2 Helpful votes

ሽዑ እቲ ንጉስ ኣዘዘንዳንኤል ከኣ ኣምጽእዎ፣ ናብ ጕድጓድ ኣናብስውን ደርበይዎንጉስ ድማ ንዳንኤል፣ እቲ ዅሉ ጊዜ እተገልግሎ ኣምላኽካ ንሱ የናግፍካበሎ። ሓደ እምኒ ኣምጺኦም ነቲ ኣፍ ጕድጓድ ኦአጸውዎ። እቲ ንጉስ ከኣ፣ ገለ ብዛዕባ ዳንኤል ከይልወጥሲብቐለቤቱን ብቐለቤት መሳፍንቱን ሐተሞ። እቲ ንጉስ ናብ ኣዳራኡ ኸድጸሙ ኸኣ ሐደረ፡ ኣብ ቅድሚኡ ድራር ኣየቕረበን፡ ድቃስውን ካብኡ በረረ። ንጽባሒቱ እቲ ንጉስ ኣንጊሁ ተንስኤቀልጢፉ ኸኣ ናብቲ ጕድጓድ ኣናብስ ከደ። ናብቲ ጕድጓድ ምስ ቀረበንዳንኤል እናሕነቕነቐ ጸውዖ። እቲ ንጉስ ከኣ፣ ኣታ ዳንኤል ባርያ ህያው ኣምላኽ፣ እቲ ዅሉ ጊዜ እተገልግሎ ኣምላኽካስ ካብ ኣናብስ ኬናግፈካዶ ኸኣለኢሉ ንዳንኤል ተዛረቦ። ሽዑ ዳንኤል ንንጉስ፣ ዎ ንጉስንዘለኣለም ህያው ኩን። ዎ ንጉስ፣ ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ ኰይነ ተረኺበ እየ፣ ኣብ ቅድሜኻ ኸኣ ኣይበደልኩን እሞ፣ ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹኣፍ ኣናብስ ዐጸወ፣ ከቶውን ኣይጐድኡንንኢሉ መለሰሉ። ሽዑ እቲ ንጉስ ኣዝዮ ተሐጐሰ፡ ንዳንኤል ካብቲ ጉድጓድ ኬውጽእዎ ኸኣ አዘዘ። ንዳንኤል ድማ ካብቲ ጕድጓድ ኣውጽእዎ። ኣብ ኣምላኹ ተወኪሉ ስለ ዝነበረውን፡ ገለ ጕድኣት ኣይተረኽቦን። እቲ ንጉስ ከኣ ኣዘዘነቶም ከሰስቲ ዳንኤል ኣምጺኦም፣ ንሳቶም ደቆምን ኣንስቶምን ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ደርበይዎም። ገና ኣብ ከብዲ ጕድጓድ ከይበጽሑ ድማ፣ እቶም ኣናብስ ጐበጥዎም፣ ዅሉ ኣዕጽምቶምውን ሰባበርዎ

Translation | Context
ናሆም 2:12 | 2 Helpful votes

ኣንበሳ ንዀራኵር ዚኣኽሎም ዘረፈ፡ ንዋዕሮታቱ ኸኣ ሐነቐለንበዓትታቱ ብግዳዩ፡ ጐደጒዱ ኸኣ ብዝዘረፎ መልኦ

Translation | Context
ሆሴዕ 5:14 | 2 Helpful votes

ኣነ ንኤፍሬም ከም ኣንበሳንቤት ይሁዳ ኸኣ ከም ሽደን ኣንበሳ ክኰኖም እየ። ኣነ፣ እወ ኣነ ዘሪፈ ክኸይድ እየ፣ ክወስድ እየ፣ ዜድሕን ድማ የልቦን።

Translation | Context
1ይ ነገስት 13:24-28 | 2 Helpful votes

ምስ ከደ ኸኣ፡ ኣብ መገዲ ኣንበሳ ረኸቦ እሞ ቐተሎሬሳኡ ድማ ኣብ መገዲ ተደርብዩ ነበረ፡ እቲ ኣድጊ ኸኣ ኣብ ጥቓኡ ደው በለ፡ እቲ ኣንበሳውን ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሉ ነበረ። እንሆ ኸኣ፡ ዚሐልፉ ሰባት ሬሳኡ ኣብ መገዲ ተደርብዩ፡ እቲ ኣንበሳውን ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሉ ረአዩ። ናብታ እቲ ኣረጊት ነብዪ ዘለዋ ኸተማ መጺኦም ድማ እዚ ነገሩ። እቲ ኻብ መገዱ ዝመለሶ ነብዪ ኸኣ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ንሱ እቲ ንኣፍ እግዚኣብሄር ዝዐለወ ናይ ኣምላኽ ሰብ እዩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንእኡ እተዛረቦ ዘረባ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንአንበሳ ኣሕሊፉ ሂብዎ፡ ሰቢሩስ ቀቲልዎ ኸኣ፡ በለንደቁ ድማ፡ ኣድጊ ጽዐኑለይኢሉ ተዛረቦምጸዐኑሉ ኸኣ። ንሱ ኸደ እሞ ነቲ ሬሳኡ ኣብ መገዲ ተደርብዩ ረኸቦ፡ እቲ ኣድግን እቲ ኣንበሳን ድማ ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ድው ኢሎም ጸንሑ። እቲ ኣንበሳ ነቲ ሬሳ ኣይበልዖን፡ ነቲ ኣድጊውን ኣይሰበሮን

Translation | Context
ኢሳይያስ 11:6-9 | 2 Helpful votes

ተዂላ ምስ ዕየት ኪሰፍርነብሪ ኸኣ ምስ ማሕስእ ኪድቅስምራኽን ኲርኲር ኣንበሳን ሰባብሕትን ሐቢሮም ኪውዕሉንእሽቶ ወዲውን ኪጓስዮም እዩ። ላምን ድብን ብሓደ ወፊረን ኪበልዓወለልደን ከኣ ብሓደ በጥ ኪብሉ እዮም፡ ኣንበሳውን ከም ብዕራይ ሓሰር ኪበልዕ እዩ። ዚጠቡ ሕጻን ኣብ ጥቓ እንዳ ተመን ኪጻወት፡ እቲ ጡብ ሕዳግ ድማ ኢዱ ናብ ጒድጓድ ከይሲ ኺዝርግሕ እዩ። ከምቲ ማያት ንመዓሙቚ ባሕሪ ዜጐልብቦምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ፡ ኣብ ኲሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ሓደ እኳ እከይን ጒድኣትን ዚገብር ኣይኪህሉን እዩ።

Translation | Context
ኣሞጽ 3:7-8 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ምስጢር ንባሮቱ ነብያት ከይገለጸሎምገለ እኳ ኣይገብርን እዩ። ኣንበሳ ጓዚሙስ መን እዩ ዘይፈርህእግዚኣብሄር ኣምላኽ ተዛሪቡኸ መን እዩ ዘይንበ

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 4:17 | 2 Helpful votes

እቲ ስብከት ብኣይ ምእንቲ ኺምላእኵሎም ኣህዛብውን ምእንቲ ኺሰምዑ ግናጐይታ ቘመለይኣበርትዓኒካብ ኣፍ ኣንበሳውን ኣናገፈኒ

Translation | Context
ህዝቅኤል 10:14 | 2 Helpful votes

ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ገጽ ነበሮ፣ እቲ ቐዳማይ ገጽ ናይ ኪሩብ ገጽ፣ እቲ ኻልኣይ ገጽ ናይ ሰብ ገጽ፣ እቲ ሳልሳይ ከኣ ገጽ ኣንበሳ፣ እቲ ራብዓይ ድማ ገጽ ንስሪ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 34:10 | 2 Helpful votes

ኰራኵር ኣናብስ ይስእኑን ይጠምዩንንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ግና ሰናይ ዘበለ ከቶ ኣይጐድሎምን

Translation | Context