Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

4 bible verses about

joshua


እያሱ 1:1-18 | 17 Helpful votes

ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ ሞት ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር ንእያሱ ወዲ ነዌ ኣገልጋሊ ሙሴ፡ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦሙሴ ባርያይ ሞተሕጂ ድማ ተንስእ፡ ንስኻን ብዘሎ እዚ ህዝቢ እዝን ናብታ ኣነ ንኣታቶም፡ ንደቂ እስራኤልዝህቦም ምድሪ ነዚ ዮርዳኖስ ተሳገሮ። ከምቲ ንሙሴ እተዛረብክዎከብዲ እግርኹም ዝረገጸታ ዘበለት ቦታ ንኣኻትኩም ሂበኩም አሎኹ። ዶብኩም ካብ በረኻን ካብዚ ሊባኖስን ክሳዕ እቲ ዓብዪ ርባ፡ ርባ ኤፍራጥስ፡ ብዘላ ምድሪ ሔታውያንን ክሳዕ እቲ ኣብ ምዕራብ ጸሓይ ዘሎ ዓብዪ ባሕርን ኪኸውን እዩ። ምሉእ ዕድሜኻ ዚቃወመካ ሰብ የልቦን። ምስ ሙሴ ኸም ዝነበርኩ፡ ምሳኻ ድማ ክኸውን እየ። ኣይሐድገካን ኣይጥንጥነካንውን። እታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሐልኩሎም ምድሪ፡ ንስኻ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸተረስትዮም ኢኻ እሞ፡ ጽናዕትባዕ። ከምቲ ሙሴ ባርያይ ዝኣዘዘካ ዅሉ ሕጊ ንምግባሩ ኽትሕልዎ ጥራይ ደኣ፡ ጽናዕን ኣዚኻ ትባዕን። ናብ እትኸዶ ዅሉ ምእንቲ ኪቐንዓካስካብኡ ንየማን ኰነ ንጸጋም ኣይተግልስ። ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮስመዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፡ እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይተፍለሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ፡ ሽዑ ድማ ኪሰልጠካ እዩጽናዕትባዕ፡ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከኣ። ሽዑ እያሱ ነቶም መኳንንቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞምብማእከል ሰፈር ሕለፉ፡ ነቲ ህዝቢ ድማ፡ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ምእንቲ ክትወርስዋ ንርስቲ ዚህበኩም ምድሪ ኽትአትውዋስድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ነዚ ዮርዳኖስ እዚ ኽትሳገሩ ኢኹም እሞ፡ ስንቅኹም ኣዳልዉኢልኩም ኣዝዙእያሱ ድማ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ዝአዘዘኩም ቃል ዘክሩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኬዕርፈኩም እዛ ምድሪ እዚኣ ኸኣ ኪህበኩም እዩ። ኣንስትኹምን ሕጻናትኩምን ከብትኹምን ኣብታ ሙሴ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝሀበኩም ምድሪ ይንበሩ። ንስኻትኩም ግና እግዚኣብሄር ከምቲ ንኣኻትኩም፡ ነሕዋትኩም ድማ ክሳዕ ዘዕርፎም፡ ንሳቶም ከኣ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዚህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዚወርሱሓያላት ጀጋኑ ዘበልኩም ኵላትኩም ኣጽዋር ሒዝኩም፡ ነሕዋትኩም ክትድግፉ ቐቅድሚኦም ሕለፉ። ድሕርቲ ናብታ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብሸነኽ ምብራቕ ጸሓይ ዝሀበኩም ምድሪ ርስትኹምክትወርስዋ ኽትምለሱ ኢኹም። ንእያሱ ድማ ከምዚ ኢሎም መለሱሉዝአዘዝካና ዅሉ ንገብርናብ ዝለአኽካና ዘበለውን ንኸይድ። ከምቲ ንሙሴ ብዅሉ እተኣዘዝናዮ፡ ንኣኻ ኸኣ ክንእዘዘካ ኢና። ሓንትስ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ደኣ ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበረ፡ ምሳኻ ድማ ይኹንዝዀነ ሰብ ንቓልካ ዚአብን ንዅሉ እትእዝዘና ዘረባኻ ዘይሰምዕን ይሙትሓንትስ ጽናዕትባዕ ደኣ።

Translation | Context
እያሱ 18:1-28 | 9 Helpful votes

ብዘሎ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ሺሎ ተአከበ፡ ነቲ ድንኳን ምርኻብ ከኣ ኣብኣ ተኸልዎ። እታ ሃገር ድማ ተገዝኣትሎም። ካብ ደቂ እስራኤል ሾብዓተ ነገድ ርስቶም ዘይተመቕሉ ተሪፎም ነበሩ። እያሱ ኸኣ ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ነዛ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝሀበኩም ምድሪ ኼድኩምንምውራሳ ኽሳዕ መኣዝ ኢኹም ሸለል እትብሉ፡ ከካብ ነገድኩም ሰለስተ ሰብኣይ ሕረዩ፡ ኣነ ኸኣ ክልእኮም እየ፡ ተንሲኦም ድማ ነታ ሃገር ከይዶም ከከም ርስቶም ጽሒፎም፡ ናባይ ይምጽኡ። ኣብ ሾብዓተ ኽፍሊ ከኣ ይምቀልዋይሁዳ ኣብ ዶቡ ብወገን ደቡብ ይቀመጥቤት ዮሴፍውን ኣብ ዶቦም ብወገን ሰሜን ይቀመጡ። ነታ ምድሪ ኸኣ ንስኻትኩም ኣብ ሾብዓተ ኽፍሊ ጽሒፍኩም፡ ናብዚ ናባይ ኣምጽኡለይ፡ ኣነ ድማ ኣብዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዕጭ ከውድቐልኩም። እቶም ሌዋውያን ግና፡ ርስቶም ክህነት እግዚኣብሄር እዩ እሞ ኣብ ማእከልኩም ግደ የብሎምን። ጋድን ሮቤልን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ድማ እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝሀቦም ርስቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ወሲዶም አለዉ። እቶም ሰባት ድማ ተንሲኦም ከዱእያሱ ኸኣ ነቶም ነታ ምድሪ ኺጽሕፍዋ ዝኸዱኬድኩም ነታ ምድሪ እናዞርኩም ጽሐፍዋ፡ ናባይ ድማ ተመለሱ፡ ኣነ ኸኣ ኣብዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሺሎ ዕጭ ከውድቐልኩም እየ፡ ኢሉ ኣዘዞም። እቶም ሰባት ከኣ ኸይዶም በታ ሃገር ሐሊፉ፡ ከምተን ከተማታት ድማ ኣብ ሾብዓተ ኽፍሊ መቒሎም፡ ኣብ መጽሓፍ ጸሐፍዋ፡ ናብቲ ሰፈር ኣብ ሺሎ ኸኣ ናብ እያሱ መጹእያሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሺሎ ዕጭ ኣውደቐትሎም እሞ ኣብኡ እያሱ ነታ ሃገር ንደቂ እስራኤል ከከም ክፍልታቶም ገይሩ መቐሎምንነገድ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም ዕጭ ወጸሎምዶብ ዕጮም ከኣ ኣብ መንጎ ደቂ ይሁዳን ደቂ ዮሴፍን ወጸሎም። እቲ ዶቦም ብወገን ሰሜን ድማ ካብ ዮርዳኖስ እዩ፡ እቲ ዶብ ከኣ ብሰሜናይ ጸግዒ ያሪኮ ደየበ፡ ነቲ ኸረን ድማ ብምዕራቡ ደዪቡ ናብ በረኻ ቤት-ኣዌን ይወጽእ። ካብኡ ኸኣ እቲ ዶብ ናብ ሉዝ፡ ናብቲ ደቡብ ጸግዒ ሉዝ፡ ንሳ ኸኣ ቤት-ኤልይሐልፍ። እቲ ዶብ ድማ በቲ ኣብ ደቡብ ታሕተይቲ ቤት-ሖሮን ዘሎ ኸረን ኣቢሉ ናብ ዓጣሮት-ኣዳር ይወርድ። እቲ ዶብ ድማ ቀጺሉ ኻብቲ ኣብ መንጽር ቤት-ሖሮን ብደቡቡ ዘሎ ኸረን ብወገን ምዕራብ ኣቢሉ ንደቡብ ይዘውር። ናብ ቂርያት-በዓል፡ ንሳ ኸኣ ቂርያት-የዓሪም፡ ናብ ከተማ ደቂ ይሁዳ ይወጽእ። እዚ ወገን ምዕራቡ እዩ። ወገን ደቡብ ድማ ካብ ወሰን ቂርያት-የዓሪም እዩ፡ እቲ ዶብ ከኣ ንምዕራብ ኣቢሉ ይወጽእ፡ ናብ ዓይኒ ማይ ነፍቶኣ ድማ ይወጽእ። እቲ ዶብ ከኣ ናብ ወሰን እቲ ኣብ መንጽር ለሰ ወዲ ሂኖም ዘሎ ኸረን ይወርድ፡ ንሱ ኸኣ ንለሰ ረፋይም ኣብ ሰሜኑ እዩ። ድማ ናብ ለሰ ሂኖም ናብ ጸግዒ ደቡብ ይቡሳውያን ይወርድ፡ ናብ ዔን-ሮጌል ከኣ ይወርድ። ወሲኹ ድማ ንሰሜን ኣቢሉ ናብ ዔን-ሸመሽ ይወጽእ፡ ናብቲ ኣብ መንጽር ዓቐበት ኣዱሚም ዘሎ ገሊሎት ወጺኡ ኸኣ፡ ናብ እምኒ ቦሃን ወዲ ሮቤል ይወርድ። ድማ ነቲ ኣብ መንጽር ጸግዒ ሰሜን ዓራባ ዘሎ ሐሊፉ፡ ናብ ዓራባ ይወርድ። እቲ ዶብ ከኣ ብጸግዒ ሰሜን ቤት-ሖግላ ይሐልፍ፡ ካብኣ እቲ ዶብ ናብ ናይ ሰሜን ልሳን ባሕሪ ጨው ኣብ ደቡብ ወሰን ዮርዳኖስ ይወጽእ። ናይ ደቡብ ዶቡ እዚ እዩ። ብወገን ምብራቕ ከኣ ዶቡ ዮርዳኖስ እዩ። ርስቲ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም ምስ ዶቡ ብዙርያኡ እዚ እዩ። ከተማታት ነገድ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም ድማ እዚኣተን እየን፡ ያሪኮን ቤት-ሖግላን ኤሜቅ - ቀጺጽንቤት-ዓራባን ጸማራዪምን ቤት-ኤልንዓዊምን ጳራን ዖፍራንኬፋር-ዓሞናይን ዖፍኒን ገባዕንዓሰርተው ክልተ ኸተማ ምስ ዓድታተንጊብዖንን ራማን ብኤሮትንሚጽጴን ኬፊራን ሞጻንሬቀምን ዪርጰኤልን ታርኣላንጼላን ኤሌፍን ይቡሲን፡ ንሳ ኸኣ የሩሳሌም እያ፡ ጊብዓትን ቂርያትንዓሰርተው ኣርባዕተ ኸተማ ምስ ዓድታተንርስቲ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ።

Translation | Context
ዘሁልቍ 14:6-10 | 6 Helpful votes

እያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ ዮፋነንካብቶም ሰለይቲ እታ ሃገር ዝነበሩ፡ ክዳውንቶም ቀደዱንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከኣ ከምዚ ኢሎም ተዛረቡ፡ እታ ኽንስልያ ዝሐለፍናያ ምድሪ ኣዝያ፡ ኣዝያ ጽብቕቲ ምድሪ እያ። እግዚኣብሄር እንተ ፈትዩናስ፡ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ ናብታ ምድሪ እቲኣ ኼእትወና፡ ንሳውን ኪህበና እዩ። ኣብ እግዚኣብሄር ግዳ ኣይትዐምጹንሳቶም እንጌራና እዮም እሞ፡ ንስኻትኩም ንህዝቢ እታ ምድሪ ኣይትፍርህዎም። እቲ ዜጽልሎም ካባታቶም ኣግሊሱ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምሳና እዩ፡ ኣይትፍርህዎም። ብዘሎ እቲ ኣኼባ ግና ብዳርባ እምኒ ኪቐትሎም ተዛራረበ። ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ድንኳን ምርዃብ ንዅሎም ደቂ እስራኤል ተራእየ

Translation | Context
እያሱ 3:1-17 | 3 Helpful votes

ንጽብሒቱ ኸኣ እያሱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ንሱን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ካብ ሽጢም ነቐሉ፡ ናብ ዮርዳኖስ ድማ መጹ፡ ገና ኸይተሳገሩ ኸኣ ኣብኡ ሐደሩኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ እቶም መኳንንቲ ብማእከል ሰፈር ሐለፉ፡ ነቶም ህዝቢ ድማ ከምዚ ኢሎም ኣዘዝዎም፡ እዛ መገዲ እዚኣ ቕድሚ እዚ ኣይሐለፍኩምዋን ኢኹም እሞ፡ እታ እትኸድዋ መገዲ ምእንቲ ኽትፈልጥዋ፡ እቶም ካህናት ሌዋውያን ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ጾይሮምዎ ምስ ርኤኹም፡ ንስኻትኩም ድማ ካብ ሰፈርኩም ነቒልኩም ስዐብዎ፡ ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎኡን ግና ክልተ ሽሕ እመት ስፍሪ ዚኣክል ዝምርሓቑ ይኹን እምበር፡ ኣይትቕረብዎእያሱ ነቶም ህዝቢእግዚኣብሄር ጽባሕ ኣብ ማእከልኩም ዜገርም ነገር ኪገብር እዩ እሞ፡ ተቐደሱበሎምእያሱ ኸኣ ነቶም ካህናትታቦት ኪዳን ተሰኪምኩም ቀቅድሚ ህዝቢ ሕለፉ፡ ኢሉ ተዛረቦም። ሽዑ ታቦት ኪዳን ተሰኪሞም ቀቅድሚ ህዝቢ ኸዱእግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ በሎ፡ ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበርኩ ምሳኻውን ከም ዘሎኹ ምእንቲ ኺፈልጡስሎሚ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤል ከዕብየካ ኽጅምር እየ። ነቶም ታቦት ኪዳን ዚጾሩ ኻህናት ከኣ ንስኻ፡ ናብቲ ገምገም ማይ ዮርዳኖስ ምስ መጻእኩም ኣብ ዮርዳኖስ ደው በሉኢልካ ኣዝዞምእያሱ ኸኣ ንደቂ እስራኤልናብዚ ቕረቡ እሞ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስምዑበሎምእያሱ ድማ በለህያው ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ከም ዘሎ፡ ንሱ ኸኣ ንኸነኣናውያንን ንሔታውያንን ንሃዋውያንን ንፈሬዛውያንን ንጌርጌሳውያንን ንኣሞራውያንን ንይቡሳውያንን ካብ ቅድሜኹም ፈጺሙ ኸም ዚሰጎም በዚ ኽትፈልጡ ኢኹም፡ እንሆ፡ እቲ ናይ ጐይታ ዅላ ምድሪ ታቦት ኪዳን ቀቅድሜኹም ናብ ዮርዳኖስ ይሐልፍ። ሕጂ ድማ ካብ ነገዳት እስራኤል ዓሰርተው ክልተ ሰብኣይከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ፡ ንኣኻትኩም ውሰዱ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቶም ታቦት እግዚኣብሄርጐይታ ዅላ ምድሪዚጾሩ ኻህናት ከብዲ ኣእጋሮም ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ደው ምስ በላ፡ ሽዑ እቲ ማይ ዮርዳኖስ፡ እቲ ኻብ ላዕሊ ዚወርድ ማይ የቋርጽሓደ ኺምራ ዀይኑ ደው ይብል። ኰነ ድማ፡ እቶም ህዝቢ ንዮርዳኖስ ኪሳገሩ ኻብ ድንኳውንቶም ምስ ወጹ፡ እቶም ካህናት ቀቅድሚ ህዝቢ ታቦት ኪዳን ይጾሩ ነበሩ፡ እቶም ታቦት ዝጾሩ ናብ ዮርዳኖስ ምስ በጽሑኣእጋር እቶም ታቦት ኪዳን ዝጾሩ ካህናት ገምገም ማይ ዮርዳኖስ ምስ ጠምዓ - ብዅሉ እቲ ጊዜ ዓጺድ ዮርዳኖስ ኣፍ ንኣፍ መሊኡ ነበረ - እቲ ኻብ ላዕሊ ዚወርድ ዝነበረ ማይ ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ደው በለ እሞ ኣብታ ኣብ ጥቓ ጻርታ ዘላ፡ ኣዳም እትብሀል ከተማ ሓደ ዅምራ ዀይኑ ቘመ። እቲ ናብ ባሕሪ ጐልጓል፡ ናብ ባሕሪ ጨው ኣቢሉ ዚወርድ ማይ ከኣ ፈጺሙ ኣቋረጸ። እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ መንጽር ያሪኮ ተሳገረ። እቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዚጾሩ ኻህናት ከኣ ኣብቲ ማእከል ዮርዳኖስ፡ ኣብቲ ንቑጽ ቀጥ ኢሎም ደው ኢሎም ነበሩ። ብዘሎ እቲ ህዝቢ ፈጺሙ ንዮርዳኖስ ክሳዕ ዚሳገሮ፡ ኵሉ እስራኤል በቲ ንቑጽ ሓለፈ

Translation | Context