Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

4 bible verses about

jordan


ማቴዎስ 3:13 | 7 Helpful votes

ሽዑ የሱስ ብዮሃንስ ኪጥመቕ፡ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ

Translation | Context
2ይ ነገስት 5:10-14 | 5 Helpful votes

ኤልሳእ ከኣ ናብኡ ልኡኽ ሰዲዱ፡ ናብ ዮርዳኖስ ኪድ እሞ ሾብዓተ ሳዕ ተሓጸብእቲ ስጋኻ ድማ ጥዕዩ ይምለሰካክትጸሪውን ኢኻ፡ በሎንእማን ግና ኰርዩ ኸደ እሞ፡ እንሆ፡ ኣነስ ብርግጽ ወጺኡብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ ተማህሊሉ፡ ነቲ ለምጺ ዘለዎ ስፍራ ብኢዱ ዳህሲሱ ዜሕውየኒ መሲሉኒ ነይረ። ካብ ኲሉ ማያት እስራኤልሲ፡ እቲ ርባታት ደማስቆ ኣባናን ፈርጳርንዶ ግዳ ኣይበልጽን ኣብኡ ተሐጺበዶ ኣይምጸሬኹን፧ በለ። ተናዲደ ኸኣ ገጹ መሊሱ ኸደገላውኡ ግና ቅርብ ኢሎም፡ ኣቦየ፡ እዚ ነብዪ ጽኑዕ ነገር እንተ ዚዛረበካስኣይምገበርካዮንዶተሐጺብ እሞ ጽረእንተ በለካ ግዳ ኸመይ፧ ኢሎም ተዛረብዎሽዑ ወረዱከም ዘረባ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ሾብዓተ ሳዕ ጠሐለስጋኡ ኸኣ ከም ስጋ ንእሽቶ ቘልዓ ዀይኑ ተመልሶጸረየውን

Translation | Context
እያሱ 3:1-17 | 3 Helpful votes

ንጽብሒቱ ኸኣ እያሱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ንሱን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ካብ ሽጢም ነቐሉ፡ ናብ ዮርዳኖስ ድማ መጹ፡ ገና ኸይተሳገሩ ኸኣ ኣብኡ ሐደሩኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ እቶም መኳንንቲ ብማእከል ሰፈር ሐለፉ፡ ነቶም ህዝቢ ድማ ከምዚ ኢሎም ኣዘዝዎም፡ እዛ መገዲ እዚኣ ቕድሚ እዚ ኣይሐለፍኩምዋን ኢኹም እሞ፡ እታ እትኸድዋ መገዲ ምእንቲ ኽትፈልጥዋ፡ እቶም ካህናት ሌዋውያን ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ጾይሮምዎ ምስ ርኤኹም፡ ንስኻትኩም ድማ ካብ ሰፈርኩም ነቒልኩም ስዐብዎ፡ ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎኡን ግና ክልተ ሽሕ እመት ስፍሪ ዚኣክል ዝምርሓቑ ይኹን እምበር፡ ኣይትቕረብዎእያሱ ነቶም ህዝቢእግዚኣብሄር ጽባሕ ኣብ ማእከልኩም ዜገርም ነገር ኪገብር እዩ እሞ፡ ተቐደሱበሎምእያሱ ኸኣ ነቶም ካህናትታቦት ኪዳን ተሰኪምኩም ቀቅድሚ ህዝቢ ሕለፉ፡ ኢሉ ተዛረቦም። ሽዑ ታቦት ኪዳን ተሰኪሞም ቀቅድሚ ህዝቢ ኸዱእግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ በሎ፡ ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበርኩ ምሳኻውን ከም ዘሎኹ ምእንቲ ኺፈልጡስሎሚ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤል ከዕብየካ ኽጅምር እየ። ነቶም ታቦት ኪዳን ዚጾሩ ኻህናት ከኣ ንስኻ፡ ናብቲ ገምገም ማይ ዮርዳኖስ ምስ መጻእኩም ኣብ ዮርዳኖስ ደው በሉኢልካ ኣዝዞምእያሱ ኸኣ ንደቂ እስራኤልናብዚ ቕረቡ እሞ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስምዑበሎምእያሱ ድማ በለህያው ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ከም ዘሎ፡ ንሱ ኸኣ ንኸነኣናውያንን ንሔታውያንን ንሃዋውያንን ንፈሬዛውያንን ንጌርጌሳውያንን ንኣሞራውያንን ንይቡሳውያንን ካብ ቅድሜኹም ፈጺሙ ኸም ዚሰጎም በዚ ኽትፈልጡ ኢኹም፡ እንሆ፡ እቲ ናይ ጐይታ ዅላ ምድሪ ታቦት ኪዳን ቀቅድሜኹም ናብ ዮርዳኖስ ይሐልፍ። ሕጂ ድማ ካብ ነገዳት እስራኤል ዓሰርተው ክልተ ሰብኣይከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ፡ ንኣኻትኩም ውሰዱ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቶም ታቦት እግዚኣብሄርጐይታ ዅላ ምድሪዚጾሩ ኻህናት ከብዲ ኣእጋሮም ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ደው ምስ በላ፡ ሽዑ እቲ ማይ ዮርዳኖስ፡ እቲ ኻብ ላዕሊ ዚወርድ ማይ የቋርጽሓደ ኺምራ ዀይኑ ደው ይብል። ኰነ ድማ፡ እቶም ህዝቢ ንዮርዳኖስ ኪሳገሩ ኻብ ድንኳውንቶም ምስ ወጹ፡ እቶም ካህናት ቀቅድሚ ህዝቢ ታቦት ኪዳን ይጾሩ ነበሩ፡ እቶም ታቦት ዝጾሩ ናብ ዮርዳኖስ ምስ በጽሑኣእጋር እቶም ታቦት ኪዳን ዝጾሩ ካህናት ገምገም ማይ ዮርዳኖስ ምስ ጠምዓ - ብዅሉ እቲ ጊዜ ዓጺድ ዮርዳኖስ ኣፍ ንኣፍ መሊኡ ነበረ - እቲ ኻብ ላዕሊ ዚወርድ ዝነበረ ማይ ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ደው በለ እሞ ኣብታ ኣብ ጥቓ ጻርታ ዘላ፡ ኣዳም እትብሀል ከተማ ሓደ ዅምራ ዀይኑ ቘመ። እቲ ናብ ባሕሪ ጐልጓል፡ ናብ ባሕሪ ጨው ኣቢሉ ዚወርድ ማይ ከኣ ፈጺሙ ኣቋረጸ። እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ መንጽር ያሪኮ ተሳገረ። እቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዚጾሩ ኻህናት ከኣ ኣብቲ ማእከል ዮርዳኖስ፡ ኣብቲ ንቑጽ ቀጥ ኢሎም ደው ኢሎም ነበሩ። ብዘሎ እቲ ህዝቢ ፈጺሙ ንዮርዳኖስ ክሳዕ ዚሳገሮ፡ ኵሉ እስራኤል በቲ ንቑጽ ሓለፈ

Translation | Context
መዝሙር 114:3 | 3 Helpful votes

ባሕሪ ርእያቶ ሀደመትዮርዳኖስ ንድሕሪት ተመልሰ

Translation | Context