Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

infertility


መዝሙር 113:9 | 10 Helpful votes

ንመኻንአደ ቘልዑ ገይሩ፣ ኣብ ቤት ብሓጐስ የንብራሃሌሉያ

Translation | Context
ማርቆስ 11:24 | 8 Helpful votes

ስለ፥ እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ኸም ዝረኸብኩም እመኑ እሞ ኪዀነልኩም እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ዮሃንስ 16:33 | 6 Helpful votes

ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹምኣብ ዓለም ጸበባ አሎኹምግናኸ ኣጆኹምኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 1:1-28 | 5 Helpful votes

ኣብ ራማታይም-ጾፊም፡ ካብ ከረን ኤፍሬምኤልቃና ዝስሙ ኤፍራታዊ ሰብኣይወዲ የሩሓምወዲ ኤሊሁ፡ ወዲ ቶሑ፡ ወዲ ጹፍ፡ ነበረ። ንሱ ኽልተ ኣንስቲ ነበራኦ፡ ስም እታ ሓንቲ ሃናስም እታ ኻልኣይቲ ኸኣ ጵኒና ነበረ። ጵኒና ድማ ውሉድ ነበርዋ፡ ሃና ግና ውሉድ ኣይነበርዋን። እቲ ሰብኣይ እቲ ኸኣ ኣብ ሺሎ ኺሰግድን ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኪስውእን ኢሉ በብዓመት ካብ ከተማኡ ይድይብ ነበረ። ኣብኣ ኸኣ ክልቲኦም ደቂ ኤሊሆፍንን ፊንሃስንካህናት እግዚኣብሄር ነበሩ። እታ ኤልቃና ዚስውኣላ መዓልቲ ምስ መጸት፡ ንሱ ንጵኒና ሰበይቱን ንዅሎም ኣወዳታን ኣዋልዳን ገግዲኦም ሀቦምንሃና ግና፡ እግዚኣብሄር ማሕጸና ዐጽዩ ኽነሱስ፡ ይፈትዋ ነበረ እሞ፡ ዕጽፊ ግደ ገይሩ ሀባእግዚኣብሄር ማሕጸና ስለ ዝዐጸወ ግና፡ እታ መጻርርታ ምእንቲ ኸተዀርያ ኢላ መመሊሳ ተባጭወላ ነበረት። ንሱ ዓመት ንዓመት ከምኡ ምስ ዚገብር፡ በታ ናብ ቤት እግዚኣብሄር እትድይበላ ጊዜ፡ ጵኒና ኸምኡ ተባጭወላ ነበረት። ንሳ ኸኣ በኸየትኣይበልዔትን ድማ። ሽዑ ኤልቃና ሰብኣያሃና፡ እንታይ ኴንኪ ኢኺ እትበኽዪ፡ እንታይከ ኼንኪ ዘይትበልዒ፡ እንታይ ኴንክስ ልብኺ ጕህዩ አሎ፧ ካብ ዓሰርተ ውሉድ ኣነዶ ኣይሕሸክንበላ። ኣብ ሺሎ ምስ በልዑን ምስ ሰተዩን ድማ፡ ሃና ተንስኤትካህን ኤሊ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣብ መንበር ኮፍ ኢሉ ነበረ፡ ንሳ ድማ ብነፍሳ ተመሪራ እናበኸየት ንእግዚኣብሄር ትልምን ነበረት፡ ዎ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትውርደት ባርያኻ ኣጸቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒንባርያኻውን እንተ ዘይረሳዕካኒ፡ ንባርያኻ ተባዕታይ ውሉድ እንተ ደኣ ሀብካኒ፡ ኣነ ድማ ኵሉ ዘበን ህይወቱ ንእግዚብሄር እውፍዮ፡ ናብ ርእሱ ኸኣ መላጸ ኣየሕልፎንኢላ መብጽዓ ተማባጽዔት። ኰነ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጸሎታ ምስ ኣንውሔት፡ ኤሊ ኣፋ ይጥምት ነበረ። ሃናስ፡ ንሳ ብልባ እናተዛረበትከናፍራ ጥራይ ይወሳወስ ነበረ፡ ድምጻ ግና ኣይተሰምዔን፡ ስለዚ ኤሊ ስኽርቲ ግዲ እያ ኢሉ ሐሰበኤሊ ኸኣ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኺ እትሰኽሪወይንኺ ኻባኺ ኣውጽእዮበላ። ንሳ ግና፡ ጐይታይ፡ ኣይፋለይን፡ ኣነስ መንፈሰይ ጓሂ ዝመልኤ ሰበይቲ ደኣ እየ፡ ወይንን ዜስክር መስተንሲ ኣይሰቴኹንነፍሰይ ደኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣፍሰስኩ። እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዘዛረበንስብዝሒ ጓህን ሓዘንን እዩ እሞ፡ ንኣይ ንባርያኻ ኸም ጓል ብልያል ኣይትርአየኒ፡ ኢላ መለሰትሉ። ሽዑ ኤሊብሰላም ኪዲኣምላኽ እስራኤል ዝለመንክዮ ልማኖኺ ይሀብኪኢሉ መለሰ። ንሳ ኸኣ፡ ባርያኻስ ኣብ ቅድሜኻኸ ሞገስ እርከብበለት። እታ ሰበይቲ ድማ መገዳ ኸደትበልዔትውን፡ ድሕርዚ ኸኣ ገጻ ጕህይቲ መሲላ ኣይተራእየትን። ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንሲኦም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰገዱተመሊሶም ከኣ ናብ ቤቶም ኣብ ራማ ኣተዉኤልቃና ድማ ንሰበይቱ ሃና ፈለጣእግዚኣብሄርውን ዘከራኰነ ኸኣ፡ መዓልትታት ምስ ሐለፋሃና ጠነሰት ወዲ ድማ ወለደት። ንሳ ኸኣ፡ ካብ እግዚኣብሄር ለሚነዮ እየ እሞ፡ ኢላ ስሙ ሳሙኤል ኣውጽኣትሉ። እቲ ሰብኣይ ኤልቃና ድማ ምስ ብዘላ ቤቱ ናይ ዓመት መስዋእቲ ሕሩድን መብጽዓኡን ንእግዚኣብሄር ኪስውእ ደየበሃና ግና ንሰብኣያ፡ ኣነስ፡ እዚ ሕጻን ጡብ ክሳዕ ዚሐድግ፡ ኣይድይብን እየ፡ ሽዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪርኤከብጽሖ እየ፡ ንሓዋሩ ኸኣ ኣብኡ ኺነብር እዩ፡ በለቶኤልቃና ሰብኣያ ድማ፡ ጽቡቕ መሲሉ እተራእየኪ ግበሪ፡ ጡብ ክሳዕ እተሕድግዮ ጽንሒ፡ ሓንትስ፡ እግዚኣብሄር ደኣ ዘረባኡ ይፈጽሞበላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ተረፈት፡ ነቲ ወዳ ጡብ ክሳዕ እተሕድጎ ድማ ተጥብዎ ነበረት። ምስ ኣሕደገቶ ኸኣ፡ ሰለስተ ዝራብዕን ሓደ ኤፋ ሓርጭን ሓደ ሓርቢ ወይንን ተማሊኣ፡ ወዳ ሒዛ ደየበት፡ ኣብ ሺሎ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ኣእተወቶ። እቲ ቘልዓ ኸኣ ገና ንእሽቶ ነበረ። ነቲ ዝራብዕ ሐሪዶም ድማ ነቲ ቘልዓ ናብ ኤሊ ኣምጽእዎ። ንሳ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ስምዓኒ፡ ነፍስኻ ህያው ትኹን ጐይታይ፡ እታ ኣብ ጥቓኻ ደው ኢላ ንእግዚኣብሄር እትልምን ዝነበረት ሰበይቲ ኣነ እየ። ብዛዕባዚ ቘልዓዚ እየ ዝለመንኩእግዚኣብሄር ከኣ እቲ ዝለመንክዎ ልማኖይ ሂቡኒ። ስለዚ ኣነ ድማ ንእግዚኣብሄር እህቦ አሎኹ፡ ምሉእ ዕድሜኡ ንእግዚኣብሄር ተዋሂቡ እዩ፡ በለት። ካብኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ሰገዱ

Translation | Context
ሮሜ 5:3-5 | 4 Helpful votes

ግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡ በዚ ጥራይ ኣይኰነንትዕግስቲ ድማ ምፍታን፡ እቲ ምፍታንውን ተስፋ፡ በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ፡ እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ።

Translation | Context
ሮሜ 12:12 | 3 Helpful votes

ብተስፋ ተሐጐሱብጸበባ ተዓገሱጸሎት ኣዘውትሩ

Translation | Context
ዘዳግም 8:2 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ በዘን ኣርቦኣ ዓመት ኣብ በረካ ዝመርሓካ ዅሉ መገዲትእዛዛቱ እትሕሉ እንተ ዄንካ ወይ ዘይትህሉ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዅሉ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ኪፍትነካ ኢሉ ኸም ዘዋረደካዘክር

Translation | Context
እብራውያን 11:11 | 3 Helpful votes

ሳራ እኳ ጊዜኣ ምስ ሐለፈ፡ ነቲ ተስፋ ዝሃባ እሙን ገይራ ስለ ዝረአየቶዘርኢ ንምትካል ብእምነት ሓይሊ ረኸበት

Translation | Context
መዝሙር 139:13 | 3 Helpful votes

ንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒ

Translation | Context
መዝሙር 127:3 | 3 Helpful votes

እንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 25:21 | 3 Helpful votes

ይስሃቅ ድማ፡ ሰበይቱ ርብቃ መኻን ነበረት እሞ፡ ምእንትኣ ንእግዚኣብሄር ለመነእግዚኣብሄር ከኣ ተለመኖ፡ ሰበይቱ ርብቃ ድማ ጠነሰት

Translation | Context
መዝሙር 147:3 | 3 Helpful votes

ንልቦም እተሰብሩ ይፍውስነቚሳሎም ይዘንን

Translation | Context
መዝሙር 128:3 | 3 Helpful votes

ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ኸም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን። ውሉድካ ኣብ ዙርያ መኣድኻ ኸም ተኽሊ ኣውሊዕ ኪዀኑ እዮም።

Translation | Context
ሉቃስ 1:36-37 | 2 Helpful votes

እንሆኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ እኳ- ንኣምላኽ ዚሰኣኖ ነገር ስለ ዜልቦ፡ - ኣብ እርግናኣ ወዲ ጠኒሳ አላ፡ ነታ መኻን እትብሀል እዚ ወርሒ እዚ ሳድሳያ እዩ፡ በላ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:13 | 2 Helpful votes

በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።

Translation | Context
ዘዳግም 7:14 | 2 Helpful votes

ሓለፋ ዂሎም ህዝብታት ክትባረኽ ኢኻ። ኣባኻ ሰብኣይ ኰነ ሰበይቲ ወይ ኣብ ማልካ መኻን ኣይከውንን።

Translation | Context
ኢሳይያስ 54:1-17 | 2 Helpful votes

ካብ ደቂ እታ ምርዕውቲስ ደቂ እታ በይና ዘላ ኺበዝሑ እዮም እሞ፡ ኣቲ ዘይወለድኪ መኻንእልል በሊ፡ ኣቲ ንምውላድ ዘይጸዐርኪ፡ ዓው ኢልኪ ብደስታ ጨድሪይብል እግዚኣብሄር። ናብ የማነ ጸጋም ከተስፋሕፍሒ ኢኺ፡ ዘርእኺ ነህዛብ ኪወርሶም፡ ነተን ዝዐነዋ ኸተማታት ከኣ፡ ሰብ ከም ዚነብረለን ኪገብረን እዩ እሞ፡ ስፍራ ድንኳንኪ ኣርሕቢ፡ እቲ መጋረጃታት ማሕደርኺ ብዘይ ምቚጣብ ይገተርኣግማድኪ ኣንውሒመታኽልኪውን ኣጽንዒፈጣሪኺ ሰብኣይኪ እዩ እሞ፡ ስሙ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ተበጃዊኺ እዩ፡ ንሱ ኣምላኽ ኲሉ ምድሪውን ይበሀል። ስለዚ ኣይክትሐፍርን ኢኺ እሞ ኣይትፍርሂኣይክትንውርን ኢኺ እሞ ኣይትሕነኺ፡ ኤረ ነውሪ ንእስነትኪ ኽትርስዒጸርፊ ምብልውናኺ ድማ ድሕርዚ ኣይክትዝክርን ኢኺ። ከምታ መንፈሳ ዝጐሀየ ፍትሕቲ ሰበይቲ፡ ከምታ ሕድግቲ ንእሽቶ መርዓትእግዚኣብሄር ጸውዓኪይብል ኣምላኽኪንሓጻር ጊዜ ሐደግኩኺብዓብዪ ምሕረት ግና ኽእክበኪ እየ። ብምፍሳስ ቊጥዓ ንቕጽበት ዓይኒ ገጸይ ከወልኩልኪብዘለኣለማዊ ምሕረት ግና ክርሕርሓልኪ እየ፡ ይብል እቲ ተበጃዊኺ ኣምላኽ። እዚ ንኣይ ከምቲ ማያት ኖህ እዩ እሞ፡ ማያት ኖህ ኣብ ምድሪ መሊሱ ኸይውሕዝ ከም ዝመሐልኩ፡ ከምኡውን ከይቊጥዓክን ከይገንሓክን እምሕል አሎኹ። ስለዚ ኣኽራን እኳ እንተ ዘበሉኰረቢትውን ነነይ እንተ በሉ፡ ምሕረተይሲ ኻባኺ ኣይኪዘብልንኪዳን ሰላመይ ድማ ነነይ ኣይኪብልን እዩ፡ ይብል እቲ ዚርሕርሓልኪ እግዚኣብሄር። ኣቲ ህቦብላ ዝደፍኣኪ፡ ዘይተጸናናዕኪ፡ ሕዝንቲ፡ እንሆ፡ ነእማንኪ ሰሊመ ኽነድቆብሰጲሮስ ከኣ ክስርተኪ፡ ጒልላት ግምብኺ ብሮቢኖስ፡ ደጌታትኪ ብህያክንቶስ፡ መካበብያኺ ዂሉ ድማ ብኽቡር እምኒ ኽገብሮ እየ። ኲላቶም ደቅኺ ብእግዚኣብሄር ኪምሀሩ እዮም፡ ሰላም ደቅኺውን ዓብዪ ኪኸውን እዩ። ብጽድቂ ኽትጸንዒ ኢኺ። እትፈርህዮ የብልክን እሞ፡ ካብ ግፍዒ ርሐቒ። ስምባድ ኣይኪቐርበክን እዩ እሞ፡ ካብኡ ርሐቒ። እንሆ፡ ካባይ ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ሐቢሮም ይተኣኻኸቡ ኣለው፡ ዝዀነ እንተ ዀነ እቶም ኪጻረሩኺ ዚሳማምዑ ዂሎም ኣብ ቅድሜኺ ኺወድቁ እዮም። እንሆ፡ ነቲ ንሕመት ነፊሑ ዜጒህሮ መሳርያ ዕዮኡ ኸኣ ዚገብር ኣንጠረኛ ኣነ እየ ዝፈጠርክዎ። ኣነውን እየ ነቲ መጥፍኢኬብርስ ኢለ፡ ዝፈጠርክዎ። ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኲሉ ኣይኪጠቅምን እዩ፡ ነቲ ንፍርዲ ዚትንስኣኪ ዂሉ ልሳን ድማ ክትረትዕዮ ኢኺ። እዚ እዩ ርስቲ ባሮት እግዚኣብሄርጽድቆምውን ካባይ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 2:21 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ ንሃና በጽሓጠነሰት ድማ፡ ሰለስተ ወድን ክልተ ጓልን ከኣ ወለደትሳሙኤል፡ እቲ ቘልዓ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዐበየ

Translation | Context
ዘጸአት 23:26 | 2 Helpful votes

ኣብ ሃገርካ እተዋግር ወይ መኻን ሰበይቲ ኣይትርከብንፍቕዲ መዓልትታትካ ድማ ክመልኦ እየ።

Translation | Context