Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

identity


ዘፍጥረት 1:27 | 12 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም

Translation | Context
ኤርምያስ 29:11 | 7 Helpful votes

ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context
ኤርምያስ 1:5 | 6 Helpful votes

ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 5:17 | 6 Helpful votes

ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ አልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡ እቲ ብሉይ ሐሊፉእንሆኵሉ ሓድሽ ኰይኑ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:9 | 5 Helpful votes

ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃን ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነትቅዱስ ህዝቢጥሪት ኣምላኽ ዝዀኑ ህዝቢ ኢኹም።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 12:27 | 4 Helpful votes

እምብኣርከ ንስኻትኩም ስጋ ክርስቶስ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብኽፍሉ ኣካላቱ ኢኹም።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 3:1-3 | 4 Helpful votes

ርኣዩውሉድ ኣምላኽ ክንብሀል፡ እቲ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ሀበና፡ ከምእውን ኢና። ስለዚ ኸኣ ዓለም ንእኡ ኣይፈለጠቶን እሞ፡ ንኣና ኣይትፈልጠናን እያ። ኣቱም ፍቁራተይሕጂ ውሉድ ኣምላኽ ኢና፡ እንታይ ከም እንኸውን ከኣ፡ ገና ኣይተገልጸንንሱ ምስ ዚግለጽ ግና፡ ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞ፡ ንእኡ ኸም እንመስልንፈልጥ አሎና። እዛ ተስፋ እዚኣ ኣብኡ ዘላቶ ዘበለ ዅሉከምታ ንሱ ንጹህ ዝዀነ፡ ንርእሱ የንጽህ አሎ።

Translation | Context
ገላትያ 2:20 | 4 Helpful votes

ግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:19-20 | 4 Helpful votes

ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ

Translation | Context
ቈሎሴ 3:1-4 | 3 Helpful votes

ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩመዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ አላ እሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነንክርስቶስ ህይወትና ምስ ዚግለጽ፡ ሽዑ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለጹ ኢኹም።

Translation | Context
ገላትያ 3:27-29 | 3 Helpful votes

ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎ እሞ፡ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ ኵላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም። ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን። ናይ ክርስቶስ ካብ ኰንኩም፡ ደጊም ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም፡ ከምቲ ተስፋውን ወረስቲ ኢኹም።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:15 | 3 Helpful votes

እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም እየ ኣዕሩኸይ ዝበልኩኹምባርያስ ጐይታኡ ዚገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞደጊም ባሮት ኣይብለኩምን እየ።

Translation | Context
ኤፌሶን 2:10 | 3 Helpful votes

ፍጡራቱ ኢና እሞ፡ ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ የሱስ እተፈጠርና ኢና።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:22-24 | 3 Helpful votes

ነቲ ቐደም እተመላለስኩምሉብትምኒት ስሕተት ዚጠፍእ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም፡ በቲ ናይ ኣእምሮኹም መንፈስ ክትሕደሱ እሞ፡ እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ

Translation | Context
ሉቃስ 9:23-27 | 2 Helpful votes

ንዅሎም ከኣ፥ ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደሊ፡ ነፍሱ ይቕበጽመስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል እሞ ይስዓበኒምድሓን ነፍሱ ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ እሞ፡ እቲ ንነፍሱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ግና፡ ንሱ ኼድሕና እዩ። ሰብከ ንብዘላ ዓለም ረቢሑስ፡ ንነፍሱ እንተ ጐድኣ ወይስ እንተ ኣጥፍኣ፡ እንታይ ይጠቕሞብኣይን ብቓለይን ዚሐፍር ዘበለ፡ ወዲ ሰብ ብግርማኡን ብግርማ ኣቦኡን ብግርማ ቅዱሳን መላእኽቱን ኪመጽእ ከሎ፡ ብእኡ ኺሐፍር እዩ። ካብዞም ኣብዚኣ ደው ኢሉም ዘለዉ ሰባት፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዚርእይዋሞት ዘይጥዕሙ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም።

Translation | Context
ሮሜ 8:14-15 | 2 Helpful votes

ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባኣቦ፡ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኹም እምበር፡ መንፈስ ባርነት ከም ብሓድሽ ንፍርሃት ኣይተቐበልኩምን፡ ስለዚ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ እዮም።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:5 | 2 Helpful votes

እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ኣባይ ዚጸንዕ ኣነውን ኣብኡንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈሪ

Translation | Context
መዝሙር 139:1-24 | 2 Helpful votes

ጐይታየ፣ ንስኻ መርመርካኒ ፈለጥካኒውንንምቕማጠይን ምትንሳኤይን ትፈልጦንሓሳበይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎጐይታየ፣ ሓንቲ ቓል ኣብ መልሓሰይ ከየላስ፣ እንሆ፣ ኵሉ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፣ ምኻደይን ምድቃሰይን ትምርምር፣ ንብዘሎ መገደይውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ። ብድሕሪትን ብቕድሚትን ከበብካኒኢድካውን ኣንበርካለይ። እዚ ፍልጠት እዚ ኣዝዩ ይገርመኒልዑል እዩ፣ ከርክቦ ኣይክእልን። ካብ መንፈስካ ናበይ ክኸይድ፣ ካብ ገጽካስ ናበይ ክሀድም እየ፧ ንሰማይ እንተ ደይብኩ፣ ንስኻ ኣብኡ አሎኻ፣ መንጸፈይ ኣብ ሲኦል እንተ ኣንጸፍኩ፣ እንሆ፣ ንስኻ ኣብኡ ኢኻ። ኣኽናፍ ወጋሕታ እንተ ወሰድኩ፣ ኣብ ወሰን ባሕሪ እንተ ተቐመጥኩ፣ ኣብኡ ኸኣ ኢድካ ኽትመርሓኒየማነይቲ ኢድካውን ክትሕዘኒ እያ። ጸልማት ይኸውለኒ፣ ኣብ ዙርያይ ዘሎ ብርሃን ከኣ ለይቲ ይኹን፣ እንተ በልኩ፣ ንኣኻስ ጸልማት እኳ ኣይጽልምተካን፣ ለይቲ ኸኣ ከም መዓልቲ ትበርህ፣ ጸልማትን ብርሃንን ንኣኻ ሓደ እዮም። ንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒመስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፣ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተአለምኩ፣ ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻንኣዒንትኻ፣ ድቂ ኸሎኹ፣ ረኣያኒ፣ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፣ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፣ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ። ዎ ኣምላኽሓሳባትካ ንኣይ ክንደይ ክቡር እዩ፣ ቊጽሩስ ክንደይ ዓብዪ እዩ። እንተ ቘጸርክዎ፣ ካብ ሑጻ ይበዝሕ፣ እንተ ነቓሕኩገና ምሳኻ እየ። ዎ ኣምላኽ ንረሲእ ኰታ እንተትቐትሎ፣ ኣቱም ደመኛታት፣ ካባይ ርሓቑ። ስምካ ብተንኰል ይሰምዩጸላእትኻ ከንቱ ይዛረቡ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ነቶም ጸላእትኻዶ ኣይጽልኣዮም፧ ነቶም ዚትንስኡኻስ ኣይፈንፍኖምፍጹም ጽልኢ እጸልኦምጸላእተይ እዮም። ዎ ኣምላኽመርምረኒልበይ ከኣ ፍለጥፈትነኒሓሳበይውን ፍለጥ። መገዲ ዓመጻ እንተ አልዩኒ፣ ርኤ፣ ኣብቲ ናይ ዘለአለም መገዲ ምርሓኒ

Translation | Context
ዘፍጥረት 2:7 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ

Translation | Context