Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all2 bible verses about
ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ ዚገድድ ፍርዲ ኸም እንቕበል ፈሊጥኩም፡ ብዙሓት መምህራን ኣይትኹኑ። ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና እሞ፡ ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተሎ፡ ንሱ ንብዘሎ ስጋኡ ኺለጕም ዚከአሎ፡ ብቑዕ ሰብኣይ እዩ። እንሆ፡ ኣብ ኣፍ ኣፍራስ፡ ምእንቲ ኺእዘዙና ኢልና፡ ልጓም ንገብረሎም አሎና፡ ንብዘሎ ስጋኦምውን ብእኡ ኢና እነቕንዖ። እንሆ፡ መራኽብ ድማ፡ ክንድዚ ዓበይቲ ኽነሰንሲ፡ ብብርቱዕ ንፋስ እናተኸብከባ ናብቲ ፍቓድ መራሒ ዚደልዮ ብንእሽቶ ስካን እየን ዚቃንዓ። ከምኡ ድማ ልሳን ንእሽቶ ኣካል እያ እሞ፡ ብዓብዪ ነገር ትምካሕ። እንሆ፡ ንእሽቶ ሓዊ ኽንደይ ዓብዪ ዱር ዘይተንድድ። ልሳንውን ሓዊ እያ፡ ዓለም ዓመጻ እያ። ልሳን ኣብ ማእከል ኣካላትና ሰፊራ ንብዘሎ ስጋ ተርክሶ አላ፡ ንመዘወር ንብረት ከኣ ተንድዶ፡ ብገሃነምውን ዝነደደት እያ። ኵሉ ዓሌት እንስሳን ኣዕዋፍን ለመም ዚብልን እንስሳ ባሕርን ብባህርይ ሰብ ይግዛእ፡ ተገዚኡውን አሎ። ግናኸ ንልሳንሲ ሓደ ሰብ እኳ ኺገዝኣ ኣይተኻእሎን፡ ንሳ ዘይትዐርፍ እክይቲ፡ ዚቐትል ሕንዚ ዝመልኤት እያ። ብእኣ ጌርና ንጐይታን ነቦን ንምርቕ፡ ብእኣ ጌርናውን ነቶም ብምስሊ ኣምላኽ እተፈጥሩ ሰባት ንረግም። ካብ ሓደ ኣፍሲ ምርቓን መርገምን ይወጽእ። ኣሕዋተየ፡ እዚ ኸምዚ ኪኸውን ኣይግባእን እዩ። ወይስ ዔላዶ ኻብ ሓንቲ ዓይኒ ማይ ጥዑምን መሪርን ማይ ትፍልፍል እያ፧ ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ኦም በለስዶ ፍረ ኣውልዕ ክትፈሪ ይከኣላ እዩ፡ ወይ ተኽሊ ወይንስ ፍረ በለስ፧ ከምኡኸ እታ ዔላ ጨው ጥዑም ማይ ክትፍልፍል ኣይከኣላን እዩ።
Translation | Context