Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

heartache


መዝሙር 34:17-20 | 15 Helpful votes

ጻድቃን የእውዩእግዚኣብሄር ድማ ይሰምዖም፣ ካብ ኵሉ መከራኦምውን የናግፎምእግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም። ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ፣ እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ። ንሱ ንዅለን ኣዕጽምቱ ይባልሄንሓንቲ እኳ ኣይትስበርን

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:7 | 11 Helpful votes

ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ

Translation | Context
ራእይ 21:4 | 10 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘንወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።

Translation | Context
ሮሜ 8:28 | 7 Helpful votes

ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎምንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
መዝሙር 147:3 | 6 Helpful votes

ንልቦም እተሰብሩ ይፍውስነቚሳሎም ይዘንን

Translation | Context
ምሳሌ 3:4-5 | 5 Helpful votes

ሽዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞገስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ። ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመንኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ

Translation | Context
ናሆም 1:7 | 5 Helpful votes

እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡ ብመዓልቲ ጸበባ ዕርዲ እዩ፡ ነቶም ኣብኡ እተማዕቈቡ ድማ ይፈልጦም እዩ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:13 | 4 Helpful votes

በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:13 | 3 Helpful votes

ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍካብዚ ዚዓቢ ፍቕሪ የልቦን

Translation | Context
ምሳሌ 15:13-14 | 3 Helpful votes

ሕጉስ ልቢ ንገጽ የብርሆልቢ እንተ ጐሀየ ግና መንፈስ ይስበርልቢ ኣእምሮኛ ፍልጠት ይደሊኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይምገብ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:1-13 | 3 Helpful votes

ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምዀንኩ። ትንቢት እንተ ዚህልወኒኲሉ ምስጢራትን ኲሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኲሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከንቱ ምዀንኩ ነይረ። ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድልስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ። ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእንፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕንኣይተስተሓፍርንናታ ኣይትደልንኣይትምረርንኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላንኲሉ ትጸውርኲሉ ትኣምንኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዓር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእፍልጠት ንእተሎውን ንሱ ኺሰዓር እዩ፡ ማለት፡ ሓደ ምቃል ንፈልጥ ኢና እሞ፡ ሓደ ምቃል ከኣ ንንበ። ግናኸ እቲ ምልኣት ምስ መጸእቲ ምቃል ኪሰዓር እዩ። ቈልዓ ኸሎኹከም ቈልዓ ተዛረብኩልቢ ቘልዓ ነበረኒከም ቈልዓ ሐሰብኩሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩሕጂስ ብመረጸን ዋግዋጎ ንርኢ አሎና፡ ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና እሞ፡ ሕጂ ምቃል እፈልጥ አሎኹ፡ ሽዑ ግና ከምቲ ኣነ እተፈለጥኩ ኽፈልጥ እየ። ሕጂ ግና እምነትተስፋፍቕሪእዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡ ካብዚኣተን እትዐቢ ግና ፍቕሪ እያ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:13 | 2 Helpful votes

ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምንኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስመውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 4:7 | 2 Helpful votes

እምብኣርስሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ኪሀድም እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 14:12 | 2 Helpful votes

ንሰብ ቅንዕቲ ትመስሎ መገዲ አላመወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ።

Translation | Context