Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

guidance


ምሳሌ 3:5-6 | 12 Helpful votes

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመንኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 32:8 | 12 Helpful votes

ኣነ ኽምህረካ፣ ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ፣ ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ።

Translation | Context
ዮሃንስ 16:13 | 6 Helpful votes

እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግናንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩምናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 30:21 | 5 Helpful votes

ንየማን ወይስ ንጸጋም እንተ ኣግለስኩምኣእዛንካ፡ እዚኣ እያ እታ መገዲ፡ ብእኣ ተመላላሱዚብል ቃል ኣብ ድሕሬኻ ኺሰምዓ እየን።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:7-11 | 5 Helpful votes

ዝለመነ ዅሉ ይቕበል እዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕዃሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ይውሀበኩምድለዩ፡ ትረኽቡ። ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩም እዩ። ካባኻትኩም፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖ እምኒ ዚህቦወይስ ዓሳ እንተ ለመኖተመን ዚህቦ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧ እምበኣርከ ንስኻትኩም እኳ፡ ክፉኣት ክነስኹምንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ ጹቡቅ ዘይህቦም

Translation | Context
መዝሙር 119:105 | 4 Helpful votes

ቃልካ ንእግረይ መብራህቲንመገደይ ብርሃን እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:5-6 | 4 Helpful votes

ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖኪውሀቦውን እዩ። እቲ ዚጣራጠርሲ ኸምቲ ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል እሞ፡ ከይተጣራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምን

Translation | Context
መዝሙር 25:4-5 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄርጐደናታትካ ኣፍልጠኒ፣ መገድታትካ ምሀረኒ። ንስኻ ኣምላኽ ምድሓነይ ኢኻ እሞ፣ ብሓቅኻ ምርሓንን ኣስተምህረንንኵሉ መዓልቲ እጽበየካ አሎኹ።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:26 | 3 Helpful votes

እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒመንፈስ ቅዱስንሱ ዅሉ ኺምህረኩምዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 37:23-24 | 3 Helpful votes

ስጕምቲ ሰብ ብእግዚኣብሄር ይጸንዕመገዱ ኸኣ ባህ የብሎ። እግዚኣብሄር ብኢዱ ይድግፎ እዩ እሞ፣ እንተ ተዐንቀፈ እኳ ፈጺሙ ኣይኪወድቕን እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 11:14 | 2 Helpful votes

ጥበበኛ ምምራሕ ኣብ ዜብሉስ፡ ህዝቢ ይወድቕብምብዛሕ መኸርቲ ግና ደሓን ይርከብ

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:1 | 2 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ

Translation | Context
ያእቆብ 1:5-8 | 2 Helpful votes

ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖኪውሀቦውን እዩ። እቲ ዚጣራጠርሲ ኸምቲ ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል እሞ፡ ከይተጣራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምንክልተ ዝልቡ ሰብኣይ ብዅሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ።

Translation | Context
ምሳሌ 16:9 | 2 Helpful votes

ልቢ ሰብ መገዱ ይምድብንስጕምቱ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዜቃንዓ

Translation | Context
ምሳሌ 22:6 | 2 Helpful votes

ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።

Translation | Context