Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

floods


ዘፍጥረት 6:17 | 18 Helpful votes

ምእንቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ህያው ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ስጋ ኺጠፍእሲእንሆ ድማ፡ ኣነ ማይ ኣይሂ ናብ ምድሪ ኸምጽእ እየ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ኺመውት እዩ።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 2:5 | 8 Helpful votes

ነታ ቐዳመይቲ ዓለም ድማ ካብ ዘይነሐፋስ፡ ናብታ ናይ ሓጥኣን ዓለም ማይ ኣይሂ ምስ ኣውረደ ኸኣ፡ ንኖህ ሰባኽ ጽድቂ ሳምናይ ርእሱ ሐለዎ

Translation | Context
መዝሙር 107:25-30 | 7 Helpful votes

አዘዘ እሞ፣ ማዕበላት ዜልዕል ህቦብላ ንፋስ ኣተንስኤ። ናብ ሰማይ ደየቡ፣ ናብ መዓሙቚ ወረዱነፍሶም ብመከራ መኸኸት። ከም ሰካር ኣሕወዝወዙን ሰንከልከል በሉን፣ ኵሉ ጥበቦም ከኣ ጠፍኤ። ሽዑ ብመከራኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፣ ንሱውን ካብ ጸበባኦም ኣውጽኦምንህቦብላ ናብ ህድኣት ለወጦማዕበላት ከኣ ዝግ በሉ። ስለ ዝሀድኤ ተሐጐሱ፣ ናብቲ ዝደለይዎ ወደብ ድማ ኣብጽሖም

Translation | Context
ሉቃስ 17:26 | 5 Helpful votes

ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ብዘመን ወዲ ሰብውን ከምኡ ኪኸውን እዩ

Translation | Context
ሉቃስ 17:27 | 5 Helpful votes

ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአተወላ መዓልቲ ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትውን ነበሩ። ማይ ኣይሂ ድማ መጸ ንዅሎምውን ኣጥፍኤ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:20 | 4 Helpful votes

ትዕግስቲ ኣምላኽ ብመዓልትታት ኖህ ምስ ተጸበየትእታ መርከብ ክትስራሕ ከላ፡ ብእኣ ሒደትማለት ሾሞንተ ነፍሲብማይ ዝደሐናላነቶም ቀደም ዘይአመኑ ሰበኸሎም።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 17:30-31 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቊርና ኣሕሊፉ፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዂሉ እምነት እናሃበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቒ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ኣብ ኲሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ይነግር አሎ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 8:1-22 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ ንኖህን ነቶም ምስኡ ኣብ መርከብ ዝነበሩ ዅሎም ኣራዊትን ኵሉ እንስሳን ዘከረኣምላኽ ድማ ኣብ ምድሪ ንፋስ ኣንፈሰ፡ እቲ ማይ ከኣ ጐደለ። ናይቲ መዓሙቝ ዓይኒ ማያትን መሳዅቲ ሰማይን ተዐብሰሰርቢውን ካብ ሰማይ ጸሓየ። እቲ ማይ ድማ ኻብ ምድሪ እናተመልሰ ኸደ። ኣብ መወዳእታ ሚእትን ሓምሳን መዓልቲ ኸኣ እቲ ማይ ጐደለብሳብዓይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾብዓተ መዓልቲ፡ እታ መርከብ ኣብ ኣኽራን ኣራራት ዐረፈት። እቲ ማይ ከኣ ክሳዕ ዓስረይቲ ወርሒ እናጐደለ ኸደ። ኣብ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲርእሲ እቲ ኣኽራን ተራእየኰነ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ ኣርብዓ መዓልቲ ኖህ ነቲ ኣብ መርከብ ዝሰርሖ መስኰት ከፈቶኳዅ ድማ ሰደደ፡ ንሱ ከኣ ማይ ካብ ምድሪ ኽሳዕ ዚነጽፍንየው ነጀው ይማላለስ ነበረ። ድሕርዚ ድማ ማይ ካብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ጐዲሉ እንተ ዀነ ኺርኢ፡ ካብቲ ዘለዎ ርግቢ ሰደደ። ኣብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ማይ ስለ ዝነበረ ግና፡ እታ ርግቢ እግራ እተዕርፈላ ኣይረኸበትን እሞ፡ ናብኡ ናብ መርከብ ተመልሰቶኢዱ ዘርጊሑ ወሰዳ፡ ናብኡ ኸኣ ናብ መርከብ ኣእተዋ። ገና ኻልእ ሾብዓተ መዓልቲ ጸኒሑ ድማ፡ ነታ ርግቢ መሊሱ ኻብ መርከብ ሰደዳ። እታ ርግቢ ኣጋ ምሸት ተመልሰቶ፡ እንሆ ኸኣ ልሙዕ ቈጽሊ ኣውልዕ ኣብ ኣፋ ሒዛ ነበረት። ሽዑ ኖህ ማይ ካብ ምድሪ ኸም ዝነጸፈ ፈለጠ። ገና ኻልእ ሾብዓተ መዓልቲ ጸኒሑ ድማ ነታ ርግቢ ሰደዳ። ድሕሪ ደጊም ናብኡ ኣይተመልሰትን። ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መበል ሹድሽተ ሚእትን ሓደን ዓመቱ ንኖህ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ፡ እቲ ማይ ካብ ምድሪ ነጸፈ። ሽዑ ኖህ ናሕሲ መርከብ ቀሊዑ ረአየእንሆ ኸኣ ገጽ እታ ምድሪ ነቒጻ ነበረት። ኣብ ካልኣይቲ ወርሒካብታ ወርሒ ድማ ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን መዓልቲ እታ ምድሪ ነቐጸትኣምላኽ ድማ ንኖህ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦንስኻን ሰበይትኻን ደቅኻንኣንስቲ ደቅኻ ኸኣ ምሳኻ፡ ካብ መርከብ ውጹ። ምሳኻ ዘሎ ዅሉ ህያው ካብ ስጋ ዘበለ፡ ኣዕዋፍን እንስሳን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ለመምታን ኣብ ምድሪ ኺስስኑ፡ ምሳኻ ኣውጽኣዮም፡ ኣብ ምድሪ ድማ ይፋረዩን ይባዝሑን። ሽዑ ኖህደቁን ሰበይቱን ኣንስቲ ደቁን ከኣ ምስኡ ወጹ። ኵሉ ኣራዊትን ኵሉ ለመምታን ኵለን ኣዕዋፍን ኣብ ምድሪ ዚዋሳወስ ዘበለ ዅሉን ድማ በብዓሌቶም ካብ መርከብ ወጹኖህ ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ፡ ካብ ንጹህ እንስሳ ዘበለን ካብ ኵለን ንጹሃት ኣዕዋፍን ወሲዱ ኸኣ ዚሓርር መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኣዕረገእግዚኣብሄር ድማ እዚ ጥዑም መኣዛ ኣጭነወእግዚኣብሄር ከኣ ብልቡሕሊና ልቢ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ብሰሪ ሰብ ንምድሪ መሊሰ ኣይረግማንድሕሪ ደጊምሲ ኸምቲ ዝገበርክዎህያው ንዘበለ ዅሉ መሊሰ ኣይክወቅዕን እየ። ምድሪ ኽሳዕ ዘላዘርእን ዓጺድንዛሕልን ዋዕንሓጋይን ክረምትንመዓልትን ለይትን ኣየቋርጽን እዩ፡ በለ።

Translation | Context
ራእይ 21:4 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘንወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 8:20 | 3 Helpful votes

ኖህ ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ፡ ካብ ንጹህ እንስሳ ዘበለን ካብ ኵለን ንጹሃት ኣዕዋፍን ወሲዱ ኸኣ ዚሓርር መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኣዕረገ

Translation | Context
ማቴዎስ 24:22 | 3 Helpful votes

እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን።

Translation | Context
መዝሙር 93:3 | 3 Helpful votes

ጐይታየወሓይዝ ኣልዐሉ፣ ወሓይዝ ድምጾም ኣልዐሉ፣ ወሓይዝ ህማሞም ኣልዐሉ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 54:9 | 3 Helpful votes

እዚ ንኣይ ከምቲ ማያት ኖህ እዩ እሞ፡ ማያት ኖህ ኣብ ምድሪ መሊሱ ኸይውሕዝ ከም ዝመሐልኩ፡ ከምኡውን ከይቊጥዓክን ከይገንሓክን እምሕል አሎኹ።

Translation | Context