Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

8 bible verses about

ego


ፊልጲ 2:1-10 | 8 Helpful votes

እምብኣርሲ ገለ ምጽንናዕ ብክርስቶስወይስ ገለ ደበሳ ናይ ፍቕሪ፡ ወይስ ገለ ሕብረት መንፈስ፡ ወይስ ገለ ምሕረትን ድንጋጽን እንተሎ፡ ብሓንቲ ሓሳብ ብምዃንኩም፡ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምህላውኩምብሓንቲ ነፍሲ ዄንኩም ሓደ ብምሕሳብኩም ሓጐሰይ መልኡ። ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርእዮ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት። እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሀሉኹም። ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረኣዮንመልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ። ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምኻኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሀቦ

Translation | Context
ዮሃንስ 5:30 | 7 Helpful votes

ካብ ርእሰይ ገለ ኽገብር ኣይክእልንፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ኣይደልን እየ እሞ፡ ኣነ ከማቲ ዝሰማዕክዎ እየ ዝፈርድፍርደይ ከኣ ቅኑዕ እዩ

Translation | Context
ዮሃንስ 5:31 | 6 Helpful votes

ኣነ ብዛዕባ ርእሰይ ባዕለይ እንተ መስከርኩ፡ ምስክረይ ሕቂ ኣይከውንን እዩ።

Translation | Context
ቈሎሴ 4:6 | 3 Helpful votes

ንነፍሲ ወከፍ ከም ዚግባእ ከመይ ጌርኩም ክትመልሱ ምእንቲ ኽትፈልጡዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን።

Translation | Context
ማርቆስ 10:17-18 | 3 Helpful votes

ኣብ መገዲ ኪኸይድ ከሎ ድማ፡ ሓደ ናብኡ ጐየየተምበርኪኹውን፡ ኣታ ሄር መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ፡ እንታይ እግበር፧ ኢሉ ሐተቶየሱስ ከኣ፡ ንምንታይ ሄር ትብለኒ፧ ብዘይ ሓደ ኣምላኽ ሄር የልቦን

Translation | Context
ዮሃንስ 8:28 | 3 Helpful votes

ስለዚ የሱስንወዲ ሰብ ልዕል ምስ ኣበልኩምዎ፡ ከምቲ ኣቦይ ዝመሃረኒ ኸምኡ ኸም ዝነግር እምበር፡ ኣነ ምዃነይን ካብ ርእሰይ ሓንቲ ኸም ዘይገብርን፡ ሽዑ ኽትፈልጡ ኢኹም።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 36:9-18 | 2 Helpful votes

ዮያኪን ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሾሞንተ ዓመት ነበረ እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ሰለስተ ወርሕን ዓሰርተ መዓልትን ገዝኤኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ክፉእ ገበረእታ ዓመት ምስ ሐለፈት ድማ፡ ንጉስ ነብካድነጻር ልኢኹ ንእኡ ምስቲ ከክቡራት ኣቓሑ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ባቢሎን ወሰዶንጼድቅያስ ሓዉ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ኣንገሶ። ጼድቅያስ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሓደን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሓደ ዓመት ገዝኤኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኽፉእ ገበረኣብ ቅድሚ እቲ ኻብ ኣፍ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ነብዪ ኤርምያስ ርእሱ ኣየትሐተን። ካብቲ ብኣምላኽ ኣምሒልዎ ዝነበረ ንጉስ ነብካድነጻር ድማ ዐለወናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከይምለስሲ ክሳዱ ኣትረረ ልቡውን ኣጽንዔብዘለዉ ሊቃነ ኻህናትን ህዝብን ከኣ ብዂሉ ዓይነት ጽያፍ ኣረማውያን ኣዝዮም ብዙሕ ኣበሱ። ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝቐደሳ ቤት እግዚኣብሄርውን ኣርከስዋንህዝቡን ነታ ማሕደሩን ስለ ዝደንገጸሎም ድማእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ብልኡኻቱ ገይሩ ብጊሓት ብጊሓት ይልእከሎም ነበረ። ግናኸ ቚጥዓ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ህዝቡ ኽሳዕ ዚድይብፈውሲውን ክሳዕ ዚስእን፡ ንሳቶም ነቶም ልኡኻት ኣምላኽ ኣላገጹሎም፡ ነቲ ቓሉ ኸኣ ነዐቕዎ፡ ነቶም ነብያቱውን ኣዋረድዎም። ስለዚ ንሱ ንንጉስ ከልዳውያን ኣብ ልዕሊኦም ኣተንስኦ። ንሱ ኸኣ ነጒባዞም ኣብ ቤተ መቕደሶም ብሴፍ ቀተሎምንመንእሰይን ንድንግልን ንዓብይን ንሽያብን ኣይራሕርሓሎምን። ንዂሎም ናብ ኢዱ ኣሕለፎምንዂሉ ኣቓሑ ቤት ኣምላኽ ዓብይን ንኡስንንመዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄር መዛግብቲ ንጉስን መኳንንቱን ድማ፡ ኲሉ ናብ ባቢሎን ወሰዶ

Translation | Context
ሉቃስ 10:16 | 2 Helpful votes

ንኣኻትኩም ዚሰምዕ ንኣይ ይሰምዕ፡ ንኣኻትኩም ዚንዕቕ ድማ ንኣይ ይንዕቕ፡ እቲ ንኣይ ዚንዕቕ ከኣ ነቲ ዝለአኸኒ እዩ ዚንዕቆ።

Translation | Context