Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

eagles


ኢሳይያስ 40:31 | 22 Helpful votes

እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን

Translation | Context
መዝሙር 103:5 | 7 Helpful votes

ንድሌትኪ ብጽቡቕ ነገር ዜጽግብ እዩ፣ ንእስነትኪውን ከም ንስሪ ትሕደስ

Translation | Context
ራእይ 12:14 | 6 Helpful votes

ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ካብ ገጽ እቲ ተመን ርሒቓስ ዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን ክትምገብናብ በረኻ ናብቲ ስፍራኣ ምእንቲ ኽትነፍርክልተ ኽንፊ ናይቲ ዓብዪ ንስሪ ተዋህባ

Translation | Context
ኤርምያስ 48:40 | 5 Helpful votes

ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ከም ንስሪ ይነፍርኣኽናፉ ከኣ ኣብ ልዕሊ ሞኣብ ይዝርግሕ አሎ።

Translation | Context
ራእይ 4:6-8 | 3 Helpful votes

ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ድማ ከም ባሕሪ መረጸን ዝዀነ፡ ክሪስታል ዚመስል አሎ። ብቕድሚቶምን ብድሕሪቶምን ኣዒንቲ ዝመልኦም ኣርባዕተ እንስሳውን ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን አለዉ። እቲ ቐዳማይ እንስሳ ኸኣ ኣንበሳ ይመስልእቲ ኻልኣይ እንስሳ ድማ ብዕራይ ይመስል፡ እቲ ሳልሳይ እንስሳ ኸኣ ከም ገጽ ሰብ ዚመስል ገጽ አለዎ፡ እቲ ራብዓይ እንስሳውን ዚነፍር ንስሪ እዩ ዚመስልእቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ ነፍሲ ወከፎም ሸሹድሽተ ኽንፊ አለዎም፡ ብዙርያኦምን ብውሽጦምን ከኣ ኣዒንቲ መሊእዎም እዩ፡ ለይትን መዓልትን ከየቋረጹ ድማ፡ እቲ ዝነበረን ዘሎን ዚመጽእን ኵሉ ዚከአሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ፡ ይብሉ

Translation | Context
ዘጸአት 19:4 | 3 Helpful votes

እቲ ኣብ ግብጻውያን ዝገበርክዎበኽናፍ ንስሪ ጾይረ ናባይ ከም ዘምጻእኩኹምን ድማ ባዕላትኩም ርኢኹም ኢኹም።

Translation | Context
እዮብ 39:27-30 | 3 Helpful votes

ንስሪ ንላዕሊ ዚዐርግቤቱውን ኣብ ላዕሊ ዚሰርሕከ ብትእዛዝካ ድዩ፧ ኣብ ከውሒ፡ ኣብ ጫፍ ከውሒ ይነብር፡ ኣብ ልዕሊ እምባ ይሐድር። ኣብኡ ዀይኑ ዚዝረፍ የማዕዱኣዒንቱ ኽሳዕ ርሑቕ ይጥምታ። ጨጫውቱ ደም ይመጽዩ፡ ኣብቲ ቕቱላት ዘለውዎ ንሱ ኣብኡ ይርከብ

Translation | Context
ምሳሌ 30:19 | 2 Helpful votes

መገዲ ንስሪ ኣብ ሰማይ፡ መገዲ ተመን ኣብ ከውሒ፡ መገዲ መርከብ ኣብ ማእከል ባሕሪመገዲ ሰብኣይ ምስ ቆንጆ

Translation | Context
ኤርምያስ 49:22 | 2 Helpful votes

እንሆ፡ ከም ንስሪ ኺድይብኪነፍርኣኽናፉ ድማ ኣብ ልዕሊ ቦጽራ ኺዝርግሕ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ልቢ እቶም ጀጋኑ ኤዶም ከም ልቢ ቅልውላው ዝሓዛ ሰበይቲ ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ዳንኤል 7:4 | 2 Helpful votes

እቲ ቐዳማይ ነንበሳ ይመስል፣ ኣኽናፍ ንስሪ ድማ ነበሮ። ኣኽናፍ ኽሳዕ ዚምንቄሳ ኸኣ ጠመትክዎ። ካብ ምድሪ ተንስኤ፣ ከም ሰብ ድማ በእጋሩ ደው በለ፣ ልቢ ሰባውን ተዋህቦ

Translation | Context
ህዝቅኤል 17:3 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካውን ተዛረብ፣ ገዚፍ ዘኽናፉነዊሕ ዝመንገብገቡዓንጥዓንጦራይ ክንቲት ዝመልኦ ዓብዪ ንስሪ ኣብ ሎባኖስ መጸ እሞ ርእሲ ጨንፈር እታ ኦም ጽሕዲ ወሰደ

Translation | Context
ህዝቅኤል 1:10 | 2 Helpful votes

ምስሊ ገጾም ገጽ ሰብ ይመስልኣርባዕቲኦም ከኣ በቲ የማናይ ወገኖም ገጽ ኣንበሳ፡ ኣርባዕቱኦም ድም በቲ ጸጋማይ ወገኖም ገጽ ብዕራይኣርባዕቲኦምውን ገጽ ንስሪ ነበሮም።

Translation | Context
ድጒዓ 4:19 | 2 Helpful votes

ሰጐጒትና ኻብ ንስሪ ሰማይ ቀልጠፉ፡ ኣብ ኣኽራን ሀደኑና፡ ኣብ ምድረ በዳ ኣድበዩልና

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 1:9-11 | 2 Helpful votes

እዚ ምስ በለ ድማ፡ እናረአይዎ ዐረገካብ ኣዒንቶም ከኣ ደበና ተቐበለቶ። ንሱ ኺዐርግ ከሎ፡ ንሳቶም ከኣ ናብ ሰማይ ገጾም ኪጥምቱ ኸለዉ፡ እንሆጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ ሰብኡት ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሎም ነበሩ እሞ፡ ኣቱም ሰብ ገሊላስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዐረገ የሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዐርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ እዩ፡ በልዎም

Translation | Context