Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

crime


ሮሜ 13:4 | 11 Helpful votes

እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ

Translation | Context
ዘጸአት 21:24-25 | 7 Helpful votes

ኣብ ክንዲ ዓይኒዓይኒ። ኣብ ክንዲ ስኒስኒ። ኣብ ክንዲ ኢድኢድ። ኣብ ክንዲ እግሪእግሪ። ኣብ ክንዲ ምንዳድምንዳድ። ኣብ ክንዲ ቝስሊቍስሊ። ኣብ ክንዲ ሕበጥሕበጥ

Translation | Context
ሮሜ 12:19 | 6 Helpful votes

ፍቁራተይምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄርጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበርባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።

Translation | Context
ዘጸአት 22:1-31 | 4 Helpful votes

ሰብ ብዕራይ ወይ በጊዕ ሰሪቑ እንተ ሐረደ ወይ እንተ ሸጠ፡ ኣብ ክንዲ ብዕራይ ሓሙሽተ ብዕራይ፡ ኣብ ክንዲ በጊዕ ድማ ኣርባዕተ በጊዕ ይኽሐስሰራቒ ጥሒሱ ኺኣቱ ኸሎ እንተ ተረኽበወቒዖምዎ፡ ኸኣ እንተ ሞተ፡ ዕዳ ደም የብሉንጸሓይ እንተ በረቐቶ ግና፡ ዕዳ ደም አለዎ። እቲ ሰራቒ ኸኣ ዝሰረቖ ይምለስ። ገንዘብ እንተ ሰኣነ ግን ኣብ ክንዲ እቲ ዝሰረቖ ይሸየጥእቲ ዝሰረቖብዕራይ ኰነ ወይ ኣድጊ ወይ በጊዕኣብ ኢዱ ብህይወቱ እንተ ተረኸበካዕበት ገይሩ ይኽፈልሰብ ግራት ወይ ኣታኽልቲ ወይኒ እንተ ኣብልዔማሉ ፈንዩ ናብ ግራት ካልእ ይብላዕ እንተ ሐደጎ፡ ካብ ግራቱ እታ ዝበለጸት፡ ካብ ኣታኽልቲ ወይኑ ኸኣ እታ ዝበለጸት ይኽሐስሓዊ ወጺኡ ሓጹር እንተ ረኸበ፡ እሞ ቅሚጦ ወይ ዘይዕጹድ ወይ ግራት እንተ በልዔ፡ እቲ ሓዊ ዘንደደ ኻሕሳ ይኽሐስሰብገንዘብ ወይ ኣቕሓ ኣብ፡ ጐረቤት ኺሕለወሉ ሕድሪ እንተ ሀቦ እሞ ካብ ቤት እቲ ሰብ እንተ ተሰርቀ፡ እቲ ሰራቒ ኸኣ እንተ ተረኸበካዕበት ገይሩ ይኽሐስእቲ ሰራቒ እንተ ዘይተረኽበ፡ እቲ በዓል ቤት ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቕረብኢዱ ናብ ገንዘብ ብጻዩ ኸም ዘይዘርግሔ ይምሐል። ብዝዀነ ነገር እንተ ኸሰሰ፡ ብዛዕባ ብዕራይ ኰነ፡ ኣድጊ ዀነ፡ በጊዕ ኰነ፡ ክዳን ኰነ ወይ ማንም ዝጠፍኤ ኣቕሓ፡ እቲ ሓደ፡ እዚ እዩ፡ እንተ በለ፡ ነገር ክልቲኦም ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ይምጻእ። እቲ ኣምላኽ ዝፈረዶ ንብጻዩ ኻዕበት ይኽሐሶሰብ ኪሕልወሉ ኢሉ፡ ኣድጊ ወይ ብዕራይ ወይ በጊዕ ወይ ዝዀነ እንስሳሕድሪ እንተ ሀቦ፡ ንሱ ኸኣ እንተ ሞተ፡ ወይ እንተ ተሰብረ፡ ወይ ዝረኣዮ ዜልቦ እንተ ተዘምተ፡ ናብ ገንዘብ ብጻዩ ኢዱ ኸም ዘይዘርግሔ ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ማሕላ እግዚኣብሄር ይኹን። እቲ ዋናኡ ድማ ማሕላ ይቀበል፡ እቲ ኸኣ ኣይኽሐስ። ካብኡ እንተ ተሰርቀ ግና፡ ነቲ ዋናኡ ይተክኣሉ። ኣራዊት እንተ በትበቶ ኸኣ፡ ነቲ እተበትበተ ንምስክር ኪዀኖ የምጽኣዮተኽኣ ግና ኣይሀብሰብ ካብ ብጻዩ ገለ እንተ ለመነዋናኡ ኸየሎ ኸኣ እንተ ተሰብረ ወይ እንተ ሞተካሕሳ ይኽሐሶእቲ ዋና ምስኡ እንተ ነበረ ግና፡ ኣይኽሐስተኻርዩ እንተ ዀነ፡ ብኽራዩ አትዩ እዩ። ሰብ ዘይተሐጽየት ጓል እንተ ኣስሐተ፡ እሞ ምስኣ እንተ ደቀሰሰበይቱ ኽትከውን ገዝሚ የግዝማኣቦኣኣይህበካንኢሉ እንተ ኸልኦከም ገዝሚ ኣዋልድ ገንዘብ ይኽፈልንጠንቋሊት ብህይወት ኣይትሕደጋ። ምስ እስስሳ ዚድቅስ ኵሉ ሞት ይሙት። ብጀካ ንእግዚኣብሄር ጥራይ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዚስውእ ይጽነት። ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ምድሪ ግብጺ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ንስድተኛ ኣይትዐምጾ ወይ ኣይትጽቀጦንመበለታትን ንዘኽታማትን ዘበሉ ኣይትግፍዕዎምእንተ ገፋዕካዮምእሞ ኣባይ እንተ ጠርዑጥርዓኖም ኣጸቢቐ ኽሰምዕ እየ። ኵራይ ይነድድ እሞ፡ ብሴፍ እቐትለኩም። ሽዑ ኣንስትኹም መበለታትደቕኹም ከኣ ዘኽታማት ይዀኑ። ካብ ህዝበይ ምሳኻ ንዚነብር ድኻ ገንዘብ እንተ ኣለቃሕካ ከም በዓል ሓረጣ ኣይትኹኖ ሓረጣውን ኣይትጽዐኖክዳን ብጻይካ ታሕዚ እንተ ሐዝካ ጸሓይ ከይዐረበት ምለሰሉ። እቲ ስጋኡ ዚኸድነሉ ኽዳኑ፡ ንሱ ጥራይ እዩ እሞ፡ ብምንታይ ኪድቅስ፧ ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣነ መሓሪ እየ እሞ፡ እንተ ጠርዓለይ ክሰምዖ እየ። ንኣምላኽ ኣይትጽረፍንመስፍን ህዝብኻ ድማ ኣይትርገም። ካብ ምልኣት ሪቕካን ካብ መጽመቝ ወይንኻን ንምቕራብ ኣይትደንጕ። ካብ ኣወዳትካ እቲ በዅሪ ንኣይ ሀበኒ። ካብ ኣብዑርካን ካብ ኣባጊዕካን ድማ ከምኡ ግበርሾብዓተ መዓልቲ ምስ ኣዲኡ ይጽናሕ፡ በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ንኣይ ትህበኒቅዱሳት ሰባት ትዀኑኒ። ኣብ መሮር ኣራዊት ዝሐዞ ስጋ ኣይትብልዑነኽላባት ደርብይዎ

Translation | Context
ማቴዎስ 5:38-39 | 4 Helpful votes

ዓይኒ ኽንዲ ዓይኒስኒ ኽንዲ ስኒ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ንኽፉእ ኣይትቃወምዎየማነይቲ መልትሕካ ንዚወቕዓካ ግና፡ እታ ኻላአይቲውን ምለሰሉ

Translation | Context
ሮሜ 13:1-4 | 2 Helpful votes

ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ

Translation | Context
ዘጸአት 20:13 | 2 Helpful votes

ኣይትቕተል

Translation | Context
ዘፍጥረት 9:5-6 | 2 Helpful votes

እቲ ነፍስኹም ዘለዎ ደምኩምሲ ኣነ ኽደልዮ እየ። ካብ ኢድ ኵሉ ኣራዊት ክደልዮ እየ። ነፍሲ ሰብ ድማ ካብ ኢድ ሰብ፡ ካብ ኢድ ሓዉክደልያ እየ። ኣምላኽ ንሰብ ብመልክዑ ገይርዎ እዩ እሞ፡ እቲ ደም ሰብ ዜፍስስደሙ ብሰብ ኪፈስስ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:15 | 2 Helpful votes

እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉ

Translation | Context
ምሳሌ 25:26 | 2 Helpful votes

ኣብ ቅድሚ ረሲእ ሰንከልከል ዚብል ጻድቕ፡ ከምቲ ኣተዘርገ ዓይኒ ማይን ከም ዝሰበበ ዔላን እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 9:6 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ንሰብ ብመልክዑ ገይርዎ እዩ እሞ፡ እቲ ደም ሰብ ዜፍስስደሙ ብሰብ ኪፈስስ እዩ።

Translation | Context