Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

choirs


2ይ ዜና መዋእል 5:12-14 | 24 Helpful votes

እቶም ሌዋውያን ከኣ፡ ካባታቶም መዘምራን ዝነበሩ ዂሎም፡ ኣሳፍሄማንየዱቱንደቆምን ኣሕዋቶምን ከኣ፡ ክዳን ጽሩይ ልሕጺ እንጣጢዕ ለቢሶምጸናጽልን መሰንቆን በገናን ሒዞም፡ ነቲ መሰውኢ ብወገን ምብራቑ ደው በሉ፡ ምሳታቶም ድማ መለኸት ዚነፍሑ ሚእትን ዕስራን ካህናት። ኰነ ኸኣ፡ እቶም ነፋሕቲ መለኸትን መዘምራንን ንእግዚኣብሄር ብሓንሳእ ኬመስግኑን ኪውድሱን ድምጾም ከም ናይ ሓደ ምስ ኣስምዑብመለኸትን ብጸናጽልን ብኻልእ ዓይነት መሳርያ ሙዚክን ንእግዚኣብሄር ኬመስግኑ ኢሎም፡ ንሱ ሰናይ እዩ እሞ፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር፡ እናበሉ ድምጾም ምስ ኣልዐሉ፡ ሽዑ ነቲ ቤት፡ እወ ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ደበና መልኦክብሪ እግዚኣብሄር ነቲ ቤት ኣምላኽ መሊእዎ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ካህናት ብምኽንያት እቲ ደበና ደው ኢሎም ኬገልግሉ ኣይከኣሉን።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:16 | 16 Helpful votes

ብመዝሙርን ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዓዱንብልብኹምውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩምቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም

Translation | Context
ያእቆብ 5:13 | 10 Helpful votes

ኣብ ማእከልኩምዶ ሓሳረ መከራ ዚጸግብ አሎ፧ ይጸሊሕጉስዶ አሎ፧ ይዘምር

Translation | Context
መዝሙር 100:1-5 | 8 Helpful votes

ኵልኺ ምድሪንእግዚኣብሄር እልል በልሉ። ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ተገዝእዎ፣ ኣብ ቅድሚኡ ብእልልታ ምጹእግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ፣ ንሱ ገበረና፣ ባዕላትና ኣይኰንናን፣ ንሕናስ ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሴኡን ኢና። አብ ደጌታቱ ብምስጋና፣ ኣብ አጸዱውን ብውዳሴ እተዉአመስግንዎ ንስሙ ኸኣ ባርኹእግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ፣ ጸጋኡ ንዘለአለምእምነቱ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር

Translation | Context
ነህምያ 12:31-43 | 8 Helpful votes

ንሓላቑ ይሁዳ ድማ ናብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ኣደየብክዎምዜመግኑ ኸኣ ክልተ ዓበይቲ ታራ ኣቖምኩ፡ እቶም ሓደ ታራ ናብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ደገ መጉሓፊ ብሸነኽ የመን ከዱብድሕሪኦም ሆሻዕያ ኸደሓላቑ ይሁዳ ኸኣ ፈረቓኦም ከዱ፡ ኣዛርያን እዝራን መሹላምንይሁዳን ብንያምን ሸማዕያን ኤርምያስን፡ ካብ ደቂ ኻህናት ድማ መለኸቶም ሒዞም፡ ዘካርያስ ወዲ ዮናታን፡ ወዲ ሸማዕያ፡ ወዲ ማታንያ፡ ወዲ ሚካያ፡ ወዲ ዛኩር፡ ወዲ ኣሳፍኣሕዋቱ ድማ፡ ሸማዕያን ዓዛርኤልንሚላላይጊላላይማዓይንታንኤልን ይሁዳን ሓናኒን፡ ነቲ ናይ ዳዊት ናይ ኣምላኽ ሰብ መሳርያታት ሙዚክ ሒዞም፡ እዝራ እቲ ጸሓፊ ኸኣ ቀቅድሚኦም ነበረ። ኣብ መንጽሮም ኣብ ዘሎ ደገ እቲ ዔላ፡ በቲ ንኸተማ ዳዊት ዜደይብ መሳልል፡ ኣብ ልዒ ቤት ዳዊት ዘሎ ናይ መካበብያ ዜደይብ መሳልል ክሳዕ እቲ ንምብራቕ ዜብል ደገ ማይ ደየቡ። እቶም ካልኣይ ታራ ዜመስግኑ ኸኣ ኪራኸብዎም ናብ ካልኦት ወገን ኣቢሎም ይኸዱ ነበሩ። ኣነን ፈረቓ እቲ ህዝብን ድማ ካብ ግምቢ ኣቶም ክሳዕ እቲ ገፊሕ መካበብያ ብልዕሊ እቲ መካበብያ ጌርና ደድሕሪኦም ከድና። ኣብ ልዕሊ እቲ ደገ ኤፍሬምን ብልዕሊ እቲ ኣረጊት ደገን እቲ ደገ ዓሳ ብግምቢ ሃናንኤልን ብግምቢ ሜኣን ክሳዕ ደገ ኣባጊዕ ከይዶም ድማ ኣብ ደገ ቤት ማእሰርቲ ቆሙ። እቶም ክልተ መስርዕ ዜመስግኑ ድማ ኣብ ቤት ኣምላኽ ቖሙ፡ ኣነ ከአ ምስ ፈረቓ እቶም ሹማምቲ። እቶም ካህናት ድማ፡ ኤልያቂምማዕሰያሚንያሚንሚካያኤልዮዔናይዘካርያስሓናንያመለኸት ሒዞም። ምማዕሰያን ሸማዕያን ኣልኣዛርን ዑዚን የሆሓናን መልክያን ዔላምን ዔዘርን። እቶም ዘመርቲ ኸኣ ዓው ኢሎም ይዝምሩ ነበሩ፡ ይዝራሕያ ኸኣ መራሒኦም ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ዓብዩ መስዋእቲ ሰውኡኣምላኽ ዓብዩ ሓጐስ ኣሕጎስዎም እዩ እሞ፡ ደስ በሎም። እተን ኣንስትን እቶም ደቅን ከአ ተሓጎሱሓጐስ ዮርሳሌምውን ክሳዕ ርሑቕ ተሰምዔ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 14:26 | 8 Helpful votes

ኣሕዋተየ፡ እንታይ ደኣ እዩክትእከቡ ኸሎኹምነፍሲ ወከፍኩም መዝሙር አለዎ፡ ምህሮ አለዎ፡ ራእይ አለዎ፡ ቋንቋ አለዎ፡ ትርጉም አለዎ፡ ኲሉ ንምህናጽ ይገበር

Translation | Context
እዮብ 38:7 | 7 Helpful votes

ከዋኽብቲ ጽባሕ ሐቢሮም ኬመስግኑ፡ ኲሎም ደቅ ኣምላኽ እልል ኪብሉ ኸለው፡ መሰረታ ኣብ ምንታይ ተሰረተ፧ ወይ እምኒ መኣዝና ዘቘመ መን ኰን ይኸውን፧

Translation | Context
መዝሙር 149:1 | 5 Helpful votes

ሃሌሉያንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙርምስጋናኡ ኸኣ ኣብ ማሕበር ቅዱሳን ዘምሩ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 14:40 | 5 Helpful votes

ግናኸ ኲሉ ብስርዓትን በጋባብን ይኹን

Translation | Context
መዝሙር 1:1-6 | 4 Helpful votes

ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥብሕጊ እግዝኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትንዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬአ በብጊዜኣ እትህብቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ። እቶም ረሲኣን ከምቲ ንፋስ ዚብትኖ ብቚብቚ እዮም እምበር፣ ከምዚ ኣይኰኑን። ንመገዲ ጻድቃንሲ እግዚኣብሄር ይፈልጣ እዩ፣ መገዲ ረሲአን ግና ኽትጠፍእ እያ እሞ፣ ስለዚ ረሲኣን ኣብ ፍርዲሓጥኣንውን ኣብ ማሕበር ጻድቃን ኣይኪቘሙን እዮም።

Translation | Context
መዝሙር 66:1 | 3 Helpful votes

ኵሉኹም ሃገራትንኣምላኽ እልል በሉሉ፣

Translation | Context