Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

8 bible verses about

chains


መዝሙር 107:10-14 | 5 Helpful votes

ብመከራን ሓጺንን ተአሲሮም፣ ኣብ ጸልማትን ኣብ ድነ ሞትን ነበሩ። ንቓል ኣምላኽ ስለ እተሃላለኽዎንምኽሪ እቲ ልዑል ከኣ ስለ ዝነዐቕዎንልቦም ብጻዕሪ ኣዋረዶወደቑዚረድእውን ሓደ እኳ ኣይነበረን። ሽዑ ብመከራኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፣ ንሱውን ካብ ጸበባኦም ኣናገፎም። ካብ ጸልማትን ድነ ሞትን ኣውጽኦምመቐውሖም ከኣ ሰባበረ

Translation | Context
ኤርምያስ 40:4 | 4 Helpful votes

ሕጂ ኸኣ እንሆ፡ ሎሚ ኻብቲ ኣብ ኣእዳውካ ዘሎ ሰንሰለት እፈትሓካ አሎኹ። ናብ ባቢሎን ምሳይ ክትከይድ ፍታውካ እንተ ዀነ፡ ንዓናይ፡ ኣነውን ብጽቡቕ ዓይኒ ኽርእየካ እየ። ምሳይ ናብ ባቢሎን ክትከይድ ባህ እንተ ዘይበለካ ግና፡ ተቐመጥ፡ እንሆ፡ ኲሉ እዚ ሃገር ኣብ ቅድሜኻ እዩ፡ ናብቲ ኽትከዶ ጽቡቕን ቅኑዕን ኰይኑ እተራእህየካ ናብኡ ኺድ

Translation | Context
መዝሙር 2:3 | 3 Helpful votes

ነገስታት ምድሪ ይትንስኡመሳፍንቲ ኸኣ ሐቢሮምንመቓውሖም ንስበሮንማእሰሪኦምውን ካባና ንደርብዮ፣ ኢሎም ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ መሲሁን ይመኽሩ

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 2:4 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ ግና ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ እኳ ናብ ገሃነም ደርብዩብመቝሕ ጸልማት ተኣሲሮም ንፍርዲ ኺሕለዉ ኣሕሊፉ ሀቦም እምበር፡ ካብ ዘይነሐፎም

Translation | Context
ይሁዳ 1:6 | 3 Helpful votes

ነቶም ሰፈሮም ዝሐደጉ እምበርመዓርጎም ዘይሐለዉ መላእኽቲ እኳ ብናይ ዘለኣለም መቓውሕ ደኣ ትሕቲ ጸልማት ነቲ ፍርዲ እታ ዓባይ መዓልቲ ዐቝርዎም አሎ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:19-20 | 3 Helpful votes

ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 10:1-18 | 2 Helpful votes

ኣነ ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ ኣብ ገጽን ያኢ ዝትሑት፡ ምስ ረሓቕኩ ግና ኣባካትኩም ዝተባዕ፡ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብዓቕሊ ክርስቶስን ብለውሃቱን እምዕደኩም አሎኹ፡ ግናኸ ኣብቶም ንሕና ኸም ስጋ ኸም እንመላለስ ዚቘጽሩና ገሊኣቶም፡ በቲ ምሳካትኩም ኰይነ ኽደፍሮም ኢለ ዝህቅኖ እሙንቶ ኽደፍር ግዲ ኸይኰነኒ እልምነኩም አሎኹ። ብስጋ እንመላለስ ክነስና እኳ፡ ከም ስጋስ ኣይንዋጋእን ኢና። ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን፡ ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉን እናፍረስና፡ ኵሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና። ምእዛዝኩም ስለ ተፈጸመውን፡ ነቲ ዘይምእዛዝ ዘበለ ኵሉ ኽንቀጾዖ ተዳሊና አሎና። ንስኻትኩምሲ ኣብ ቅድሚ ገጽኩም ዘሎ ትጥምቱሓደ እኳ ብርእሱ ናይ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኣምን እንተ ዀነ፡ ከምቲ ብርእሱ ናይ ክርስቶስ ከም ዚኸውን፡ ንሕናውን ከምኡ ኸም ዘሎና፡ ከም ብሓድሽ ብርእሱ የስተብህል። በቲ ጐይታ ንምህናጽኩም እምበር፡ ንምፍራስኩም ዘኰነ ዝሃበና ስልጣን እኳ ኣብሊጸ እንተ ተመካሕኩ፡ ኣነ በዚ ኣይሐፍርን እየ። ገለ ሰብ፥ እተን ደብዳቤታቱ ኸበድትን ጽኑዓትን እየን፡ ባዕሉ ምሳና ኸሎ ግና ድኹም እዩ፡ ዘረባኡውን ንዑቕ እዩ፡ ይብል እዩ እሞ፡ በተን ደብዳቤታተይ ከስምብደኩም ከም ዝደሌኹ ኸይመስል እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ። እቲ ኸምዚ ዚብል፡ ከምቲ ኣብ ርሑቕ ከሎና ብቓል ደብዳቤታትናኣብኡ ኸሎናውን ብግብሪ ኸምኡ ምዃንና ይሕሰብ። ምስቶም ገለ፡ ባዕላቶም ንርእሶም ዚንእዱርእስና ኽንቘጽር ወይስ ከነመዓራሪ ኣይንደፍርን ኢና። ግናኽ ንሳቶም ባዕላቶም ብነፍሶም ርእሶም ካብ ዚልክዑ፡ ብነፍሶምውን ንርእሶም ካብ ዜመዓራርዩስኣእምሮ የብሎምንንሕና ግና፡ ናባኻትኩም ክሳዕ እነርክብ እኳበቲ ኣምላኽ ዝሃበና ደረት መለክዒ መስፈር እምበር፡ ብዘይ ልክዕ ኣይንምካሕን ኢና። ናባኻትኩም ከም ዘይበጻሕናስባዕላትና እምብዛ ኣይንማጣጠርን ኢና፡ ብወንጌል ክርስቶስሲ ኽሳዕ ናባካትኩም እኳ በጺሕና አሎና። ብጻማ ኻልኦት ብዘይ ዓቐን ኣይንምካሕን ኢና እሞ፡ እምነትኩም እናዓበየት ምስ ከደት ግና፡ ከም ዓቕምና ንምውሳኽ ኣባኻትኩም ከም እንዓቢ ተስፋና እዩ። ኣብቲ ኻልኦት ዘዳለውዎ ሰበኻ ኣቲና ኸይንምካሕሲ፡ ኣብቲ ኽንዮውኩም ዘሎ ሃገር ወንጌል ክንሰብኽ ኢና። እቲ እግዚኣብሄር ዚንእዶ እምበር፡ እቲ ንርእሱ ዚንእድ ኣይኰነን ተፈቲኑ ዚወጽእ። ስለዚ እቲ ዚምካሕ ብእግዚኣብሄር ደኣ ይመካሕ

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:9 | 2 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝናንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ

Translation | Context