Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

2 bible verses about

boaz


ሩት 1:1-22 | 28 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ በቲ መሳፍንቲ ዚገዝእሉ ዝነበሩ ዘበን፡ ኣብታ ሃገር ጥሜት ኮነ። ሓደ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱን ክልተ ደቁን ካብ ቤት-ልሄም ይሁዳ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ኪቅመጥ ከደስም እቲ ሰብኣይ እቲ ኤሊሜሌክ፡ ስም ሰበይቱ ኸኣ ናእሚ፡ ስም ክልቲኦም ደቁውን ማሕሎንን ኪልዮንን ይበሀሉ፡ ኤፍራታውያን ካብ ቤት-ልሄም ይሁዳ ነበሩ። ናብ ምድሪ ሞኣብ መጺኦም ከኣ ኣብኣ ተቐመጡ። ኤሌሜሌክ ሰብኣይ ናእሚ ድማ ሞተ እሞ፡ ንሳ ምስ ክልቲኦም ደቃ ተረፈት። ንሳቶም ከኣ ሞኣባውያን ኣንስቲ ኣእተዉስም እታ ሓንቲ ዖርጳ፡ ስም እታ ኻልኣይቲ ድማ ሩት ነበረ። ዓሰርተ ዓመት ዚአክል ኣብኡ ተቐመጡማሕሎንን ኪልዮንን ከኣ ክልቲኦም ሞቱ። እታ ሰበይቲ ድማ ካብ ክልቲኦም ደቃን ካብ ሰብኣያን ተረፈት። ሽዑ ንሳ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ከላ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኸም ዝበጽሖምእንጌራውን ከም ዝሀቦም ስምዔት እሞ፡ ንሳ ምስ ክልቲኤን ኣንስቲ ደቃ ተንሲኣ ኻብ ምድሪ ሞኣብ ተመልሰት። ንሳ፡ ክልቲኤን ኣንስቲ ደቃ ኸኣ ምስኣ፡ ካብታ ዝነበረታ ቦታ ወጸት። ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺምለሳ ድማ መገደን ከዳናእሚ ኸኣ ንኽልቲኤን ኣንስቲ ደቃኪዳነፍሲ ወከፍክን ነናብ ቤት ኣዴኽን ተመለሳ። ከምቲ ምስቶም ምውታትን ምሳይን ዝገብርክናኦእግዚኣብሄር ምሳኻትክን ምሕረት ይግበርነፍሲ ወከፍክን ከኣ ኣብ በቤት ሰብኣይክን ዕረፍቲ ኽትረኽባ እግዚኣብሄር ይሀብክን፡ በለተን። ሽዑ ሰዐመተን፡ ንሳተን ከኣ ድምጸን ዓው ኣቢለን በኸያ፡ ኣይፋልናን ምሳኺ ደኣ ናብ ህዝብንኺ ንምለስ በላኣናእሚ ግና፡ ደቀየ፡ ስለምንታይከ ምሳይ እትኸዳተመለሳ ደኣ፡ ደጊምዶ ሰብኡትክን ዝኾኑ ደቂ ኣብ ከርሰይ ኣልዮምኒ፧ ደቀየሰብኣይ ከይእቶ ኣሪገ እየ ኣሞ፡ ኪዳ ደኣ ተመለሳተስፋ አሎኒ እኳ እንተ ዝብልሲ፡ ኤረ ሎሚ ለይቲ ሰብኣይ እንተ ዝእቶኣወዳት ከኣ ኣንተ ዝወልድንሳቶም ክሳዕ ዚዐብዩዶ ኽትጸንሓ ኢኽን፧ ምእንቲ እዚኸ ሰብኣይ ከይተአቶኽንዶ ኽትነብራ ኢኽን፧ ኣይፋልክን ደቀየኢድ እግዚኣብሄር ኣባይ ወጺኣ እያ እሞ፡ ካብ ንኣኻትክንሲ ኣዝዩ ንኣይ ይመርር በለተን። ሽዑ መሊሰን ድምጸን ዓው ኣቢለን በኸያዖርጳ ንሓማታ ስዐመታሩት ግና ምስኣ ተጸግዔት። ንሳ ድማ፡ ሰበይቲ ሓሙትኪ እንሃናብ ህዝባን ናብ ኣምላኻን ተመሊሳ፡ ንስኺውን ደድሕሪ ሰበይቲ ሓሙትኪ ተመለሲበለታሩት ግና፡ ሐዲገኪ ኻባኺ ንድሕሪት ክምለስሲ ግዲ ኣይትበልኒ። ናብ እትኸድዮ እኸይድ ኣብ እትሓድርዮ ኸኣ እሐድርህዝብኺ ህዝበይኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ። ኣብታ እትሞትላ እመውትኣብኣ ድማ እቕበር፡ ንኣይን ንኣኽን ብጀካ ሞት ካልእ እንተ ፈልዮናስእግዚኣብሄር ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚ ኸኣ ይወሰኸኒ በለት። ምስኣ ንምኻድ ከም ዝቖረጸት ምስ ረአየትምዝራባ ሓደገት። ናብ ቤት-ልሄም ክሳዕ ዚበጽሓ ኸኣ ክልቲኤን ከዳ። ኮነ ድማ፡ ናብ ቤት-ልሄም ምስ ኣተዋ፡ ብዘላ እታ ኸተማ ብዛዕባኤን ተበዐደት። እተን ኣንስቲ ኸኣ፡ እዚኣስ እምበርዶ ናእሚ እያ፧ በላ። ንሳ ድማ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ብዙሕ ኣመሪሩኒ እዩ እሞ፡ ማራ ደኣ በላኒ እምበር፡ ናአምስ ኣይትበላኒ። ኣነ መሊኤ ኸድኩእግዚኣብሄር ከኣ ጥራየይ መለሰኒ። እግዚኣብሄር ካብ መስከረለይእቲ ዅሉ ዝኽእል ድማ ካብ ኣኽፍኣለይከ፡ ስለምንታይ ናእሚ ትብላኒ ኣሎኽን፧ በለተን። ናእሚ ድማ ተመልሰትሩት እታ ኻብ ምድሪ ሞኣብ እተመልሰት ሞኣባዊት ሰበይቲ ወዳ ኸኣ ምስኣ ነበረት። ንሳተን ብመጀመርታ ዓጺድ ስገም ናብ ቤት-ልሄም ኣተዋ

Translation | Context
ሩት 2:3 | 21 Helpful votes

ንሳ ድማ ከይዳ ናብ ግራት ኣትያደድሕሪ እቶም ዓጻዶ ትቐርም ነበረት። እቲ ግራት እቲ ኸኣ ብገርሃ ናይቲ ኻብ ዓሌት ኤሊሜሌክ ዝነበረ ቦኣዝ ኮነላ

Translation | Context